ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን
ንምንታይ ተፈጢርካ/ኪ፧ ናይ ምንባርና ትርኩም እንታይ እዩ፧ ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን ፧ "ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ .. ." (1 Peter 3:18) እቲ ዝዓበየ ደስታን ሓጎስን እዚ ጥዑም ዜና -…
ንምንታይ ተፈጢርካ/ኪ፧ ናይ ምንባርና ትርኩም እንታይ እዩ፧ ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን ፧ "ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ .. ." (1 Peter 3:18) እቲ ዝዓበየ ደስታን ሓጎስን እዚ ጥዑም ዜና -…
ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ - ጀርመናዊ ጴንጠቆስጣዊ ወንጌላዊ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ዝፍለጠሉ ድማ በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም እናተዘዋወረ ዝዝርግሖ ዝነበረ ናይ ወንጌል ወፍርታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዝፍለጥ። ቦንኪ ካብ 1967 ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ሚስዮናውን ኣገልጋሊ ወንጌል ኮይኑ…
ሓራ ክወጽእ ዘፈቱ ሰብ ኮነ ፍጡር የለን። ብዙሕ ግዜ ግና ሓርነትና ብኸመይ ከም ዝመጽእ ዳርጋ ይጠፍኣና እዩ። ሓደን ቀንድን መገዲ ሓርነት ድማ ምሕረት ምግባር ወይ ይቕሬታ እዩ። ሓራ ዘውጽእ ሓይሊ - ይቕሬታ ወይ ምሕረት ምግባር ግና እንታይ ይመስል፧ “. .…
ዘገርም ጸጋ ! ክንደይ ይጥዕም ‘ዚ ድሃይ ዘድሓነ ንሓጥእ ከምዚ ከማይ! እዛ መዝሙር ሰሚዕዋ ዘይፈልጥ፡ ዳርጋ የለን፡ እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ፊልምታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ግሊያነት ዝትሓሓዙ ፊልምታትን ሙዚቃታትን እትተኣሳሰር ብምዃና፣ ዜማታታ ከድሂ እንከሎ ርእሱ እንዳነቅነቀ ዘየዘይምን ዘይቃንን ዳርጋ…
ጽልዋ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ ኣብ ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ክንብል እንከሎና ድማ፡ ብናይ ክርስትያናዊ ስነ-መለኮታዊ ኣተሓሳስብኡን እምንትኡን እዩ። ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ፡ ኣዝዩ ጸላዊ፡ ኣብ እምነት ካቶሊክ ኮነ ወንጌላውያን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ብዘይ ኣመንቲ ክርስትያናት’ውን ኣዝዩ ዓብዩ ታሪኻዊ ፈላስፋን…
ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ክሳብ ዝነብር ዘሎ፡ ድሌታት ኣለዎ። ናይ ወዲ-ሰብ ውሽጣዊ ሃረርታ ምፍላጡ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሽሕ እዃ ከቢድ እንተኮነ፡ እተን ክልተ ውሽጣዊ ሃረርታና ከም ደቂ-ሰባት እንታይ ምዃነን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። እምበኣር፡ እተን ክልተ ውሽጣዊ ሃረርታና እንታይ…
". . . ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።" (ያእ 4.7) ዳርጋ ኩልና ንሰይጣን ኣይንፈትዎን ኢና። ግና፡ ብንጹር ድማ፡ ንሰይጣን ስዕረቱ ነፍልጦ ። ግና በቲ ብዝሒ መጠን ሰይጣን ኣብ ህይወትና፡ ዝፈተነናን ዝመጸናን — ብኡ መጠን፡ ብዝበለጸ ንንቃሕ —…
ማርቲን ሉተርን ቪተንበርግን ብ1527 ሓደ ለበዳ ሕማም መጾም። ብወርሒ ነሓሰ 1527 እዩ፣ ኣብታ ዘገልግለላ ዝነበረት ከተማ ቪተንበርግ፡ ሓደ ለበዳ ሕማም ስለዝተላብዐ እታ ከተማ ኣብ ፍጹም ጸልማት ኣተወት። ነገራት ኩሉ ፍጹም ተዓጽወ። ብዓልቲ-ቤቱ ካትሪና ቮን ቦራ ድማ ነፍሰ-ጾር እያ ዝነበረት። ከምቲ…
ናይ ዳዊት መዝሙር 23 ፣ ዘይፈትዋ ዳርጋ የለን። እዛ መዝሙር ተፈታዊ ካብ ምዃና፡ ብዙሕ ተዘሚራን ብዙሓት'ውን ብቃሎም ይሽምድድዋ እዮም። ኣብታ መጀመርታ ሰረተ እምነት ዘምሃረትኒ ማሕበር ኣምላኽ'ውን ንክንሽምድዳ ንተባባዕ ከምዝነበርና ይዝክር። ካብታ ሓንቲ መሳጢት፡ ጭልፎ ናይታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል . .…
ብዙሕ እዋን፡ ወንጌል ዝብል ነገር ክንሰምዕ እንከሎና ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ነገር ኣሎ። ግና፣ ወንጌል ማለት እንታይ እዩ፧ ንወንጌል ብሕጽር ዝበለ ከመይ ንርድኦ ንኸውን፧ "ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፣ ህዝቢ እታ ሃገር…
ንግሆ ተንሲእና፡ ኣብ ናይ ቁርሲ ናይ ዕላል ግዜና፣ ንበዓልቲ-ቤተይ ከምዚ ክብል ሓተትክዋ፣ ካብዚ መጺኡ ዘሎ ናይ ኮሮና ቫይረስ ኩነት እንታይ ትመሃሪ ኢለ፧ ሓተትክዋ። ኣይደንጎየትን ድማ ገለ ሰለስተ ዝኾኑ ነገራት ዘርዘረትለይ። ኣነ ድማ ምልእ ኣቢለ፡ ገለ ሓሙሽተ ነገራት ወሰኽኩላ። ግና፣ ኮሮና…
ኣብዚ ግዜ'ዚ፣ እዚ ብኮቪድ-19 (COVID-19) ዝፍለጥ ናይ ኖብል ኮሮና ቫይረስ ሕማም፡ ኣዝዩ ቀታልን ጽንኩር ተላባዕን ከምዝኾነ ብኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ተነጊሩ ኣሎ። ብርግጽ ድማ ነቲ ዝውሃብ ዘሎ መምሪሒታት ምውሳድን ምጥንቓቕን ዘይኸሓድ ንጹር ነገር ኣሎ። ስለዚ፡ መሰረታዊ ክንገብሮን ክንክተሎን ዝግብኣና ምግባር…