ክልተ ውሽጣዊ ሃረርታና

ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ክሳብ ዝነብር ዘሎ፡ ድሌታት ኣለዎ። ናይ ወዲ-ሰብ ውሽጣዊ ሃረርታ ምፍላጡ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሽሕ እዃ ከቢድ እንተኮነ፡ እተን ክልተ ውሽጣዊ ሃረርታና ከም ደቂ-ሰባት እንታይ ምዃነን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። እምበኣር፡ እተን ክልተ ውሽጣዊ ሃረርታና እንታይ እየን፧

. . . ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ እግዚኣብሄር ኣቦናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን። (2ተሰ 1.1)

እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ፡ ብ -እግዚኣብሄር ኣቦን ብ-ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምባል እያ እትጅምር። እቲ ኣብ ናይ ትግርይና ቛንቛ፡ – – ተባሂሉ ዘሎ ትርጓሜ ኣብ መበቆለይና ትርጉሙ፣ “ኣብ ውሽጢ” ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎ። ኣብ ውሽጢ እግዚኣብሄር ኣቦን፡ ኣብ ውሽጢ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ – ከምዘላ ማሕበር ተሰሎንቄ ድማ ይነግር።

ንሕና ከም ማሕበር – “ኣብ ውሽጢ” እግዚኣብሄር ኣቦን “ኣብ ውሽጢ” ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ኢና ዘሎና፣ እዚ ግና እንታይ ማለት እዩ፧

እቲ “ኣቦ” ዝብል ቃል – ጠዋሪ፡ ሓብሓቢ፡ ኣላዩ፣ መንበሪ፡ ዑቕባን ኣዳብን ዝብል ኣምራት የስምዕ። ስለዚ “ኣብ ውሽጢ” እግዚኣብሄር ኣቦ ኣሎና ማለት፣ ብቀንዱ ኣብ ውሽጢ ርሕራሔን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሰማያዊ ኣምላኽ ምህላው ማለት እዩ።

ኣብዛ ጥቕሲ እቲ ካልኣይ ተጠቒሱ ዘሎ ማዕርግ ድማ፡ “ጐይትና” ዝብል እዩ። እቲ ጐይታ ዝብል ቃል – ብቀንዱ ንስልጣን፡ መሪሕነትን ዋንነትን ዘመልክት እዩ። ስለዚ “ኣብ ውሽጢ” ጐይታ ኣሎና ማለት – ብቀንዱ ኣብ ውሽጢ ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ፡ ኣብ ዋንነቱ እቲ ዝዓበየን ዝበርትዐን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ኣሎና ማለት እዩ።

ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ፣ ብከምዚ መገዲ ሰላምታ ምሃቡ፡ ሰብ ተሰሎንቄ ስድራቤት ምዃኖም (ስድራቤት እቲ ሓላዪ ኣቦን) ከምኡ’ውን ኣገልገልቲ (ኣገልገልቲ ኣብ ትሕቲ ጐይታን) ምዃኖም የዘኻኽሮም ኣሎ። እዘን ክልተ ኣምራት፡ መግለጺ እግዚኣብሄር ከም ኣቦን ከም ጐይታን እየን። እዚ ድማ ማሕበር ክርስቶስ ስድራቤት ኣምላኽ እያ፡ ኣገልጋሊት ጐይታ ድማ እያ። እዚ እቲ ዘይነጻጸል ድሌታትና እዩ።

ነፍሲ-ወከፍ ካባና፡ ደገፍ ክረክብ ይደሊ እዩ። ሓገዝ ካልኦት ዝደልየሉ እዋን’ውን ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ስማ፡ ዓላማን ትርጉም ህይወትን ድማ ንደሊ ኢና። እዞም ነገራት ማለት ሓገዝ ምድላይናን ጉዝጓዝ መመርኮሲ ምእላሽናን በቲ ሓደ፡ ናይ ዓላማ ሰባት ኮይንና ትርጉም ዘለዎ ህይወት ክንነብር ምድላይና፣ ሓቢርና እምበር ተፈላሊና ከምዘይኮነልና እዩ ዘርኢ።

  1. ነቲ ናይ ሰማይ ኣቦና ፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትናን ሕመቕናን መከራናን ኩሉ ግዜ ክድንግጸልናን ክረድኣናን ንደልዮ ኢና። ኣብ ኩሉ እዋን ክሕግዘናን ብኩሉ መገድና ክድግፈናን ንደልዮ፡ ምኽንያቱ ድማ ንሕና ኣዚና ድኹማትን ብኩሉ መዳይ ቅሉዓት ኢና።
  2. ብካልእ ድማ ሰማያዊ ጐይታና፡ ብኩሉ ሸነኽ ህይወትና ክመርሓና፡ ብጥበበይና መገዲ ከርእየና፡ ዓብዪን ትርጉም ዘለዎ ክሳብ እንፍጽሞ ሓይሊ ዘዕጥቅ መሪሕነት ገይሩ ከሳልየና፡ ምኽንያት ምንባርና ብምዃን ጠቐምትን ኣፍረይቲ ኮይና ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተፈጠርናሉ ዓላማ ንክንነብር ይገብረና። ኣብ ትሕቲ ኣቦነት እግዚኣብሄር  ኣምላኽ ጥራይ ብምንባር ርሕራሄኡ ብምርካብ ውሕስነት ክህልወና ጥራይ ኣይኮነን። ዋላ እዃ ኣብ ትሕቲ ርሕራሄኡ ምንባር ኣዝዩ ዝምእምእን ጥዑም እንተኮነ፣ ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዓላማ ንክንነብር ዝደፍእ ቀንዲ ደራኺ ሓይሊ ኣሎ።

መሓሪ ኣቦ ክህልወና ኢና እንደሊ፡ ምእንቲ ክከላኸለልና። ኩሉ ዝኽእል ጐይታ፡ ጐይትና ክኸውን ኢና እንደሊ፡ ምእንቲ ክስዕረልና፡ ትእዛዛቱ ናይ ምዕዋትና ምኽንያት ምእንቲ ክኸውን። ስለዚ ጳውሎስ ኣብዚ ጥቕሲ 1 ዝብሎ ዘሎ፡ ንስኻትኩም ማሕበር ኣምላኽ “ኣብ ውሽጢ እግዚኣብሄር ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” ኢኹም ዘለኹም፡ ይብለና ኣሎ። በዚ ንዓርፍ፡ ረዲኤትና ካብ ኣቦና እግዚኣብሄር ይመጸና! ንካልእ ዝኸውን ትብዓት ንዕጥቕ ትርጉም ምንባርና ንፈልጥ – ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.