ሓሙሽተ ዓላማታት መከራ

ዓላማ መከራ እንታይ እዩ፧  ንሎሚ ሓሙሽተ ዓላማታት መከራ ዝብል ሓሳብ እንሆ። መቸም ዝኾነ ብመከራ ኽሓልፍ ዝፈቱ ሰብ የለን። ኮይኑ ግና መከራን ክርስትያንን መናብርትን መባልይትን እዮም። ብዙሕ እዋን መከራ ዘይብሉ ክርስትና፡ ቁሩብ ዘተሓታት እዩ። እቲ ምንታይሲ፡ እዛ ህይወት ናይ ክርስቶስ ካን’ዶ ተላቢሰያ እየ፧ ወይስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ መሲለ እየ ዝነብር ዘለኹ ኢልካ ምሕሳብን ርእስኻ ምሕኻኽን ጽቡቕ እዩ። ግና ብዙሕ እዋን መከራን ፈተናን፣ ጥዑም ስለዘይኮነ፡ ደስ ኢልዎ መከራ ዝቕበል፡ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ግና እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምኡ ኢሉ ሚሂሩና ኣሎ። ኣብ መከራን ጸበባ ክንዕገስ። እምበኣር ንሎሚ፡ ሓሙሽተ ዓላማታት መከራ፡ ብፍላይ ኣማኒ መከራ ዝሓልፈሉ ክንጠቅስ ኢና። ኣብ መከራ ክንኣቱን ብመከራ ክንሓልፍን እንከሎና ድማ ኩሉ ግዜ ንርእስና በዘን ሓሳባት ንፈትሻ።

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 8.28)

ኣብ እዋን መከራ፡ ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ፣ ነቲ ዓብዩን ንእምነትና ከንብር ዝኸኣሎ ዓላማ ኣምላኽ ኣይነቃጽሮን ኢና። የግዳስ ኣብቲ ደቀቕቲ ንሽዓን ዝሓልፉ ምኽንያታት መከራ ብብዙሕ ጉልበት ነጥፍእ ኢና። ስለዚ ነቶም ቀንድን ኣገደስትን ዓላማ ኣምላኽ ኣብ እዋን መከራና ክንዝኽሮም ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ብገለ ሓሳብናን ወንናን ካብቲ ቀንዲ ነገር እንተዘበለ ወይ’ውን ንገለ ኣብ መከራ ንዘለዉን ብመከራ ንዝሓልፉን ንርህራሄን ድንጋጼን ክንኮኖምን ክንድግፈምን ምእንቲ ኣዝዮም ጠቀምቲ እዮም። እዞም ነገራት እግዚኣብሄር ኣምላኽና፣ ኣብ ሓቂ ቃሉ ምእንቲ ክንትከል እምበር ተስፋና ብዘይ መልህቅ ኮይና ክንዛውንን ተስፋና ከነጥፍእን ኣይኮነን።

እተን ቀንዲ፡ ሓሙሽተ ዓላማታት መከራ ወይ ድማ ኣብ እዋን መከራ ክንዝክረን ዘለዋን እምበኣር እነሀዋ (ወይ ድማ እንተኪኢልካ፡ ካብተን ሰለስተ ወሲድካ ዘክረን ተላመደንን) ድማ –

ዓበይቲ ዓላማታት እግዚኣብሄር ኣብ እዋን መከራ፣

ንስሓ፡ መከራ ኩሉ ግዜ ጻውዒት ናይ ምምላስ እዩ። ገጽና ናብ እግዚኣብሄር እንመልሰሉን ካብ ካልእ ነገራውነትን ምድራዊ ነገርን ወጺእና ናብ እግዚኣብሄር እንምህለለሉን ደገን ይኸፍተልና እዩ። ሉቃ 13:4–5፣

ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

እምንቶ/ ትውክልቲ፡  መከራ ጻውዒት ንትውክልቲ እግዚኣብሄር እዩ። መከራ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ዓለም እንከሎና ዝበጽሓና እዩ’ሞ ብምሉእ ልብና ን ኣምላኽ ክንውከሎ ዕድል ይህበና። 2 ቈረ 1:8–9፣

ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ።

ጽድቂ፡  መከራ ቀይድን ስርዓትን ዘትሕዝ፣ ነቲ ፈቃር ኣምኽና ድማ በቲ ካብኡ ዝተኻፈልናዮ ጽድቅን ቅድስናን ኣብ ህይወትና ዝግለጸሉ መገዲ እዩ። እብ 12:6, 10–11፣

እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም።

እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።

ዓስቢ፡  መከራ ኣብ ህይወትናን ኣብታ እትመጽእን ዓለም ዝዳለወልና ሽልማት ዘዳልወናን፡ ነቲ ኣብዚ ምእንቲ ጐይታ ዝኸሰርናዮን ንኻሕሳን ረዚን ሽሕ ኣፍ ደበሳን እንረኽበሉ እዩ። 2ቈረ 4:17፣

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መዘኻከሪ፡ መከራ ኩሉ ግዜ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ምእንታና ናብ ዓለም ከምዝለኣኾን፡ ምእንቲ ሓጢኣትናን ምእንቲ ጽድቕናን ሰብ ከምዝኾነ እንዝኽረሉን፣ ከም ኡ ድማ ንሕና ብእኡ ንክንመስሎን ክንሓብሮን ዘዘኻክረና ዕድሎት እዩ። ፊሊ 3:10፣

ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ አሎኹ።

ስለዚ፣ ኣብ እዋን መከራ ኣመንቲ ልቦም ክጉህን ክሓዝንን ብዙሕ ዝገርም ኣይኮነን ማለት እዩ። ግና፡ “ስለምንታይ፧”  ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እዋን እቶም ቀንዲ ዓላማታት መከራና ኣይንዝክሮን ጥራይ ዘይኮነ ፈጺምና’ውን ኣይነስተውዕሎም ኢና። እቲ መብዛሕትኡ እዋን እንብሎ — ስለምንታይ እዚ ኣጋጢሙኒ፧ ስለምንታይ ሕጂ፧ ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ፧ . . . . ስለምንታይ፧ ስለምንታይ፧ ግና፣ እዞም ደቀቕትን ናይ ሽዓ ዝሓልፉ ምኽንያታት ነቲ ቀንዲ ዓላማ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ክዕእግቱን ከታርፉን ዕድል ኣይንሃቦም። ነተን ን ኣሽቱ ወኽእሩ ነቲ ክቡር ነገር ከምዘባለሸዋ፡ ብሓላፊ መከራ ኣይንታረፍ። ሓሳብ ኣምላኽ ሒዝና ነቲ ጽባሕ ዝግለጽ ብሉጽ ክብሪ ብክርስቶስ የሱስ እንዳ ኣማዕደና፡ ኣብ እዋን መከራና’ውን እንተኮነ ንመርሽ ደኣ።

ኣጆኻ ሓወይ! ኣጆኺ ሓብተይ!

“ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።” (ያእ 5:11).

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply