ሓንቲ ደቒቕ፣ ድሕሪ ሞት . . .

ከምዝመስለኒ ዳርጋ ናይ መብዛሕትና ሕቶ እዩ። ሰብ ድሕሪ እታ ዝሞተላ ደቒቕ እንታይ ይኸውን። ዝተፈላለየ መጽናዕትታትን ስታቲስቲካዊ ሓበሬታታት ከምዝገልጽዎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ደቒቕ 106 ሰባት ይሞቱ፡ ከባቢ 55,000 ሰባት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ድማ 4.5 ሚልዮን ሰባት፣ 56 ሚልዮን ሰባት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሞት ካብ ዓለም ይሓልፉ። በዚ መሰረት ሓደ ሰብ ንከባቢ 70 ዓመት እንተደኣ ብህይወት ነይሩ፣ ከባቢ 3.9 ቢልዮን ሰባት ኣብ ዘመን ህይወቱ ከምዝሓልፉ መጽናዕትታት ይሕብሩ (ምንጪ፡ http://www.ecology.com)። ሞት ድማ ዕጻ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዩ። ግና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት እንታይ ይብለና፧ ድሕሪ ሓደ ደቒቕ ሰብ ምሟቱ እንታይ ይኸውን፧

ቅድሚ ናብቲ መሰረታዊ ሕቶ ናይዚ ጽሑፍና ምኻድና ሓደ ኣገዳሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታ ከነዘንቱ። ኣብ ሉቃ 16፡19-31 እንረኽቦ ዛንታ ድማ እዩ፣ –

ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

ካብዛ ዛንታ ብዙሕ ዛዕባታት ክንዛረብን ክንትንትንን ንኽእል ኢና ግና ሓደ ብዙሕ ኣዋን ዘይነድህበሉ ነገር ግና ክንጠቕስ። እዚ ሃብታም ሰብኣይ ምስ ሞተ፣ ምሉእ ሕልንኡ ምስኡ ኣሎ፡ ናብ ሲኦል ከምዝኸደ ድማ ይፈልጥ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ፍልጠትን ኣእምሮን ሰብ ነቲ ኣብ ነፍሲ ዝርከብ ይቕጽል እዩ፣ ማለት ኣይጠፍእን እዩ። ምኽንያቱ ካብዛ ዛንታ እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ሓሙሽተ ኣሕዋት ከምዘለዉዎ ኣይረስዐን።  እዚ ማለት ናይ ሰብ ናይ ምዝካር ዓቕሙ ኣይጠፍእን እዩ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ነገራት ኩሉ ይዝክሮ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ስምዒት ይቕጽል እዩ። ኣብዛ ዛንታ ነቲ ኣብ ሲኦል ዝበጽሖ ዝነበረ ዋዒ ሓውን ስቓይን ንከይበጽሖም ምእንቲ ኣሕዋቱ ክልምን እንሰምዖ። ብተወሳኺ’ውን ሰባት ኣብ ሰማያት ከምዝፋለጡ የርእየና እዩ፣ ኣብርሃም፡ ሙሴ፡ ኤልያስ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሱን ዝተገልጹ እሞ ድማ ዝተለለዩ ምዃኖም የርእየና። ኣብ ራእ 6፡9-10 ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። ነፍሳት እዞም ሰባት፣ ክሓስባ፡ ክዛረባን ስምዒት ዝሓዛን ነፍሳት እየን። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንጹር ዝኾነ ፍልጠት ኣይንረክብን፣ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት እንታይ ምዃኑ። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ናይ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽ መደብ ብጹር መገድታት ኣርእዩና ኣሎ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሞት ሰብ እንታይ ይኸውን፧

ሞትን ሓይሊ ሞትን ብትንሳኤ ክርስቶስ የሱስ ተሳዒሮም እዮም፣ በዚ ድማ እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነ ኩሉ ከምቲ ክርስቶስ ንሞት ዝሰዓረ ንሱ’ውን ንሞት ክስዕሮ እዩ። ስለዚ ሞት ንኣማኒ ከፍርሆ ኣይክእልን እዩ። ናይ መስቀልዕዮ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ ንስራሕን ሓይልን ጸላኢና ሰይጣን ብፍጹም ኣጥፊእዎ እዩ። ንሞት ብዝኾነ ዓይነት እንፈርሃሉ ምኽንያት ድማ የለን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ናይ ሞት መፍትሕን መርሖ ሲኦልን ኣብ ኢድ እቲ ዝሰዓረ ክርስቶስ የሱስ እዩ ዘሎ፣ እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ይብለና ኣብ እብ 2፡15-16 ። ኣብ ካልእ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስና ድማ ከምዚ ይብለና ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። ራእ 1፡18።

ስለዚ ነታ ኣብ መጀመርታ ዝሓተትናያ ሕቶ ንምምላስ ማለት ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዝኸውን፧ ንዝብል እንደገና ናብታ ናይ ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን ዛንታን ምላሽ ጐይታ የሱስ ክርስቶስን ብንጹር እንታይ ምንባሩ ክንርኢ ኢና። ኣብዚ ጐይታ የሱስ ብምሳሌ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ፣ ኣብ ሉቃስ 16 ካብ ጥቕሲ 19 ክሳብ 31 ዛንታ ናይ ሓቂ ዛንታን ናይ ሓቂ ሰባትን እዮም ተጠቂሙ ዘሎ። ክልቴኦም ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን ናይ ብሓቂ ሰባት እዮም። እምበኣር ኣብዚ ጐይታ፣ ብግልጺ ክልተ ቦታታት ምዉታት ዝኸዱሉ ኣልዒሉ ምሂሩ ኣሎ ። እቲ ሓደ ሑቑፊ ኣብርሃም ወይ ገነት ክኸውን እንከሎ፣ ቦታ ምጽንናዕን ዕረፍትን እዩ። እቲ ካልኣይ ቦታ ድማ ሲኦል ኮይኑ ቦታ ስቅያትን ቃንዛን እዩ። እምብኣር ሰብ ምስ ሞተ ብኡ ንብኡ ነፍሱ ብቅጽበት ካብዚ ክልተ ቦታታት ናብ ሓዲኡ ትኸይድ። ሰብ ድሕሪ ምሟቱ ብኡ ብኡ ማለት ኣካላቱ ወይ ስግኡ ናብ መቓብር ከይኣተወ ከሎ ትኸይድ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝዘርዘርናዮ ድማ ሰብ ምስ ሞተ፡ ኣእምሮ፡ ስምዒት፡ ፍልጠት፡ ሕልና፡ ወዘተ ይቕጽሉ እዮም፣ ዋላ’ኳ ኣካላትን ሰብነትን እንተዘይቡሉ ኣብ ዙሪኡ ዘሎ ምጽንናዕ ኮነ ስቅያት ይፈልጦ እዩ።

ሰብ ስሉሳዊ ፍጥረት እዩ፡ ማለት ሰብ ብመንፈስ፥ ነፍሲ፥ ስጋ ዝቖመ ፍጡር እዩ። ምኽንያቱ ሰብ መንፈስ ጥራይ ኣይኮነን፣ ነፍሲ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ ይብል ኣብ 1ተሰ 5፡23። ስለዚ ሰብ ክመውት እንከሎ ድማ መንፈሱን ነፍሱን ካብ ስግኡ ተፈልዩ ወይ ናብ ገነት ወይ ድማ ናብ ሲኦል ይኸይድ። ጐይታ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ፣ ሓደ ኣብ ጎድኑ ዝተሰቕለ ካልእ ሰብ፡ ሕጂ ሕጂ ምሳይ ኣብ ገነት ኣሎኻ ከምዝበሎ ንፈልጥ ኢና። ክልቲኦም ድም ነፍሶም ካብ ስጋ ምስ ወጸት ናብ ገነት እዮም ዝኸዱ። ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ተጻሒፉልና ከምዘሎ ድማ ኣብ ማእከል ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ከምዝጸንሕ ይነግረና።

ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። ማቴ 12፡40። ኣብቲ ግዜ’ቲ ገነት ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ከምዝነበረት እዩ ዝብል ዘሎ። ግናኸ ጐይታ ካብ ምዉታን ምስ ተንሰኤ ግና ካብ ውሽጢ ክፍሊ ምድሪ፡ ናብ ላዕሊ ዓሪጉ። ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሃበ፡ ይብል። እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። ኤፌ 4፡8-10።

ጳውሎስ’ውን ባዕሉ ኣብ 2ቈረ 12 ገነት ኣበይ ከምዝኽዕነ ነጊሩና ኣሎ። ብመሰረት 2ቈረ 12፡2ን 4ን ድማ ኣብ ሳልሳይ ሰማይ ምዃኑ ብንጹር ይነግረና። ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 2ቈረ 12፡2 ይብለና እሞ ኣብ ጥቕሲ 4 ድማ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። ይብለና።

ስለዚ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ብኡ ብኡ ሓደው ናብ ሲኦል ናብ ትሕቲ ምድሪ ሓደ ድማ ናብ ገነት ናብ ሳልሳይ ሰማይ ይኸይድ። ግና ከምቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ንሞት ዝሰዓረ እቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ሰዓብን ወደ መዝሙር ድማ ምስ ሞተ ብኡ ንብኡ ናብ ኣብ ሳልሳይ ሰማይ ዘሎ፥ ገነት እዩ ዝኸይድ።

በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ። ፊሊ 1፡23።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.