ናይ መወዳእታ ድግስ ነፍሲ

እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነታ እትደልዮን ሃረር እትብሎን ነፍሲ፡ ንሳ ንእተቕርቦ ጸሎትን ምህለላን ከይመለሰ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ግና ናይ መወዳእታ ደስታናን ሓጎስናን እንታይ እዩ፧ ናይ መወዳእታ ድግስ ነፍሲ እንታይ እዩ፧

ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣሎኹ። (መዝ 27.4)

መጺኡ ጾርናን ሸኽሚ ብዙሕ ሓጢኣትና የልዕል። ንልብና ድማ ብሓጐስን ብሞሳን ይመልኦ።

ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።!” (መዝ 3፡11-12)

ይኹን እምበር፡ ሓጐስና ካብ ድሕሪት ናብ ቅድሚት ምስጋና ጥራይ ኣይኰነን ዝልዕል። ካብ ተስፋ ንቕድሚት እውን ንትንስእ (ተስፋ ንቅድሚት የተንስእ ኣምበር፡ ካብ ተስፋ ንቕድሚት . . .፧)

ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። ዎ ኣምላኸይ፣ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ ኣሎኹ” (መዝ 42.5-6)

 

“ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ ኣላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ።” (መዝ 130.5)።

ኣብ መወዳእታ፣ ልቢ፡ ሃረር ዝብሎ፡ ነቲ ጽቡቕ ውህበት ኣምላኽ ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ባዕሉ እዩ ሃረር ዝብል። ክትርእዮን ክትፈልጦን ኣብ ቅድሚኡ ኽትህሉን ከኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ድግስን ደስታን ነፍሲ እዩ። ክንዮ እዚ ድማ ካልእ ድልየት የልቦን። ቃላት ይፈሽልን ይጥለምን እዩ። ሓጐስ፡ ደስታ ኢልና ንጽውዖ፣ ኣብ መወዳኣታ ከምዘይነበረ ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ናይ ድኽመት ነጥብታትና ናብ ክንገልጾ ዘይንኽእል (unspeakable) ልዕል ዝበለ ሓደስቲ ተመኩሮታት፡ ናይ መወዳእታ ናብ ድግስ ነፍሲ ክመርሓና እዩ።

“ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ።  . . .  – ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፣ መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣሎኹ።” (መዝ 27.4)

 

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና ኣሎ።” (መዝ 16.11)

 

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።” (መዝ 37.4)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply