ኣምላኽና መን እዩ፧

“ንሱ (ክርስቶስ) መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ። ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።” (ቆሎሴ 1፡15-18)

እግዚኣብሄር ንፈርኦን፡ “ንህዝበይ ከገልግለኒ ሕደጎ” ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮና ዝመላለሰና ሕቶ ኣሎ። ፈርኦን ድማ፤ “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ፡” በለ። (ዘጸ 5፡2)።

እዚ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ዝብል ሕቶ፡ ሎሚ ኣምላኽካ/ኪ መን እዩ፧ ኢልና ናብ ውልቕና ነምጽኣዩ። ነዚ መልሲ ዝኸውን ኣብ ቆሎሴ ምዕራፍ ሓደ ብኣዝዩ ኣስደናቂ መገዲ ኣቀሚጡልና ኣሎ። ኣምላኽና፡ ክርስቶስ የሱስ ኩሉ ፍጥረት ንጽፈልክ፡ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ዘምጽአ፣ ጥራይ ዘይኮነ። ሕጂ’ውን ኩሉ ፍጥረት ስርዓቱ ሒዙ ክኸይድን ክቕጽልን፡ ኩሉ ብስምረትን ብሓደን  ብዘይ ገለ ጉርፍጥን ግጭትን ንክቅጽል ዝገበረን፡ ዝጽኒዑ ሒዙ ዘሎን እዩ። “. . .  ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡. . .” እብ 1፡3

ፍጥረት ኩሉ ዕቤቱ ክሳብ ክንደይ ዓብዪ እዩ። ብብሊዮናት ኣዝዩም ዓበይቲ ከዋኽብትን ኮሜታትትን ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ኩለን ፕላኔታትን . . . ነዚ ኩሉ ምሕሳብ ማዕረ ክንደይ ኮን ከቢድ እዩ። ነዚ ኩሉ ግና ኣብ ኣእዳዉ ሒዙ ዘጽንዖም፣ ንሱ ኣምላኽካ/ኪ እዩ።

“ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ? እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ? ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” ኢሳ 40፡27-31

ክርስቶስ፡ ናይ ኩሉ ፈጣርን ላዕለዋይ ገዛኢ መላኺ እዩ። ሽግርናን መከራናን ናትና መሰናኽልን ደኣ ክንደይ ግዳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ኣዝዮም ቀለልቲ ዘይኮኑ፧ ስለዚ ድማ ከም ኣመንቲ . . .

“ዕረፍ/ፊ፣ ኣይትጨነቅ/ቂ፣ ኣይትተሃወክ/ኪ፣ ግና ብሓይሊ ኣምላኽ ተኣመን/ኒ”

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply