ሓድሽ መዓልቲ

“ርሑስ ሓድሽ ዓመት!”
“ኣሕቢሩ! ርሑስ ሓድሽ ዓመት!”

ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ ሓድሽ ዓመት ናይ ጽቡቕ ድሌትን ምንዮትን ተስፋን ልውውጥ እዩ። ኣዝዩ ኣገዳስን ጽቡቕ ድማ እዩ። ዓመት መጸ ድማ እታ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ትብል ቃል፡ ኣዕዚዘን ኣጸቢቀን እንክሓስብ እንትቅስበኒ ሓሳብ እያ። ትማሊ 2017 ነይሩ፡ ድሮ ድማ 2018 ኮይኑ፡ ብሕጂ’ውን 2019 ክመጽእ እዩ። ክንደይ ዓመታት ኮን ኣብ ህይወትና ሓሊፉ ኣሎ። ካብታ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ እዛ ሎሚ ዘላ መዓልቲ፡ ካብቲ ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒየይ ዝተቀበልኩላ መዓልቲ ክሳብ እዛ ግዜ ኣዚኣ።

ኣብ ህይወተይ እንታይ ገይረ፧ እንታይ ኣፍርየ፧ እንታይ’ከ ለዊጠ፧ መንፈሳዊ፧ ስጋዊ፧ ሓለፋ ኩሉ ድማ እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎኒ ህይወት፧ እንታይ . . . እንታይ ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ኮታ ንሓሳበይ ቅጅል ቅጅል እዮም ዝብልዎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ንነፍሲ-ወከፍና ብማዕረ ማለት 24 ሰዓታት ተዋሂበናና ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ እዘን 24 ሰዓታት ድማ 1440 ደቓይቕ፡ ኣብተን ደቓይቅ ድማ 86400 ካልኢታት ኣለዋና። ስለዚ፡ ኣብዘን ዝተዋህባና ግዜያት ድማ፡ ወይ ክንጥቀመሉ ወይ ክንጉድኣሉ፡ ወይ ክንከስበሉ ወይ ድማ ከንቱ ብብላሽ ከነሕልፎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። ግዜ መለክዒ መንፈሳውን ነንመዓልቱ ህይወትናን እዩ። ከም መንእሰይ ሓደ፡ ከም ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ ድማ ብዓቢኡ እንክሓስብ፡ ግዜን ኣጠቃቅማ ግዜን ኣብ ነንመዓልቱ እዩ ዘተሓሳስበኒ። ብፍላይ ሎሚ ሰባት በቲ ኣብ ኣእዳውና፡ ኣበየ ቤትና፡ ቤተ-ክርስትያናትና ኣትዩ ዝገዝኣና ዘሎ፡ ምዕባለን ክንዩ-ምዕባለት ዘምጽኦ ቴክኖሎጂ እዩ። ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ብዙሕ ጥቅምታት ኣምጺኡልና ከምኡ’ውን ፍታሕ ናይ ብዙሕ ሽግራትና መቃለሊ ኮይኑ ኣሎ፡ ግን ብኣንጻሩ ድማ መላኺ፡ ገዛኢ ኮይኑ ከም ድላዩ ይዝውረና ኣሎ። ሎሚ ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ቤተ-ክርስትያናት፡ ናይ ወለዶም ተንቀሳቃሲ ቴሌፎናትን ኣይ-ፖዳትን ታብሌታትን ሒዞም ብምልዲ ናይ ዝተፈላለየ ጸወታትን ጌይማትን ተታሒዞም ኢኻ እትርኢ። እዚ ድማ ነጸብራቅ ናይ ወለዲ ይመስለኒ። ካብኡ ብዘይ ንእስ ድማ ንሕና’ውን እንተኮነ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ-ድሕረ-ገጻት ርእስና ኣብ ዘይንገትኣሉ እዋን ዘሎና ንመስል። እሞ እዚ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ከምኒ ፋይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቲዊተር ወዘተረፈ ይመልከና’ዶ ኣሎ ወይ መሊኽናዮ ኢና ዘሎና፧ ግዜና የባኽነና’ዶ ኣሎ ወይስ ግዜና ብግኡእ ካብቶም ዝጥቀሙ ሰባት ኢና፧

እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስና ከምዝብለና ግዜ መለኺዒን መስፈርን ዕቤትን ለውጥን ሰብ ምዃኑ ይምህረና እዩ። ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ዕቤትና ብግዜ ክልካዕ ይኽእል እዩ። ካብ ሓጢኣትና ተነሲሕና ብጎይታ ኣሚንና ዳግም ምስ ተወለድና፡ ልኽዕ ከምቲ ብስጋ ምስ ተወለድና ደረጃ ዕቤትና ዝውስኽ፡ ከምኡ’ውን እቲ መንፈሳዊ ህይወትና ክውስኽ ይግብኦ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ብሰለስተ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ህይወቱ ከምዝዓበየ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡ ሉቃ 2፡52 “የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።” እዘን ተገሊጸን ዘለዋ ሰለስተ ክፋላት ድማ ጥበብ፡ ቚመትን ጸጋን እየን። ጥበብ ነቲ ኣብ ነፍሲ ዘሎ ዕቤት’ዩ ዘመልክት፡ ቚመት ድማ ነቲ ኣብ ኣካላት ወይ ደጋዊ ስጋ ዘሎ ዕቤት የመልክት፡ ጸጋ ድማ ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት’ዩ ዘመልክት። ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እዃ በዚ ሰለስተ ነገራት ዕቤት ካብ ነበሮስ፡ ንሕና’ኸ ደኣ!

ከምኡ’ውን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ቁረ 13፡11 “ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።” ስለዚ መንፈሳዊ ህይወት ዝተፈላለየ ደረጃታት ከምዘለዎ ይነግረና። ኣብ መልእኽቲ እብራውያን ኣብ ምዕራፍ 5፡11-12 ድማ ግዜ ዝብሃል ኣምር ንዕቤት መንፈሳዊ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎ ይምህረና።

ስለዚ ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ፍልጠት ተሕልፈላ ከምዝብል እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትና እንመሃሮ፡ ግና’ኸ ተማሂርና ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ነገር ደኣ እምበር፡ እቲ እንቖጽሮ ቁጽሪ ዓመታት ጥራይ ኣይኮነን ኣገዳሲ። ምኽንያቱ ዓመታት ክንቆጽርን ካብ 2017 ናብ 2018 ሓሊፍና ክንብል ንኽእል ኢና፡ ግን እታ መዓልትስ ከምተን ካልኦት መዓልታት እያ። ገለ እዃ ዘፍሊ ነገር የብላን። ዳዊት ኣብ መዝሙር ከምዚ ኢሊ ኣሎ፡ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።” ኣብዚ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝስምዓንን ዝርድኣንን እምበኣር መዓልታትና ክንቆጽርን ክንጽብጽብን፡ ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጥበበይና ልብን ካብ ደረጃ ቑልዕነት ሓለፍ ብዝበለ ህይወትን፡ ንምጽኣት ክርስቶስ እንዳተዳሎና፡ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ነገር ቘልዓ ሓደግኹ ከምዝበለ፡ ህይወትካ ብሓድሽ ለውጢ ምንባር እዩ። ሓድሽ ለውጢ ክብል እንከለኹ ግና፡ ከምቲ ከመዮ ገሌና ኣንገብሮ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መጸ ከምዚ ክገድፍ እየ ከምዚ ክገብር እየ ማለት ናይ ሓድሽ ዓመት መብጽዓታት (New year resolution) ብምእታው ኢለ ኣይኣምንን እየ። ምኽንያቱ እታ መዓልቲ ነታ መዓልቲ ፍልጠት ካብ ኣሕለፈትላ፡ ሓድሽ መዓልታት ብምሕረት ኣምላኽ ተዋሂቡና እንከሎ ንነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ መብጽዓና ብምሕዳስ ንንበር። ምኽንያቱ ኣምላኽና ድማ ኣምላኽ ህያዋን እዩ። መን ክህብ ኣብ ነንመዓልቲ ድልዉን መብጽዕኡ ዘሐድስን ህይወት እንተዝህልወና።

ርሑስ ሓድሽ መዓልቲ

እግዚኣብሄር ይደግፈና!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.