ወንጌል ማለት

ብዙሕ እዋን፡ ወንጌል ዝብል ነገር ክንሰምዕ እንከሎና ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና ነገር ኣሎ። ግና፣ ወንጌል ማለት እንታይ እዩ፧  ንወንጌል ብሕጽር ዝበለ ከመይ ንርድኦ ንኸውን፧ 

“ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፣ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፣ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፣ መለኸት እንተ ነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፣ ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፣ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፣ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፣ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ።” ህዝ 33.2-5

እዚ ሎሚ መለኸት ዝንፍሓሉ ዘመን ስለዝኾነ፣ ብዛዕባ ወንጌል ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓሳብ፣ ብሓፈሻ ጥቕሉል ሓሳብ ወንጌል እንታይ ምዃኑ ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ፡ ብሓፈሻ ከምኡ’ውን ብሕጽር ዝበለ፡ ንክንርድኦ ዝግብኣና ነጥብታት ከብርህ እዩ። ነቲ ዝተረዳእናዮ ድማ ንካልኦት ነካፍሎ፡ ንንበሮ ድማ።

ወንጌል ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

እዚ ወንጌል ፣ ዝብል ቃል፡ ብሓጺሩ ጥዑም ዜና ማለት እዩ። ኣብቲ ዘመን፡ ሓደ ንጉስ ንውግእ ምስ ዝኸይድ እሞ፡ ምስ ዝዕወት ዝብሰር ዜና እዩ። ናይቲ ዝተዓወተ ንጉስ ብስራት ክብሰር እንከሎ ንሱ፡ ጥዑም ዜና እዩ።

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። (1ጴጥ 3፡18)

1) ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሄር ኢና ተፈጢርና።

  • “ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ” (ኢሳ 43.6-7)።

ንምንታይ ዓላማ ተፈጢርና/ካ/ኪ፧ መጀመርታን ቀንድን ክንፈልጦን ክንርድኦን ዘሎና ነገር እንተሃልዩ፣ ንሕና፡ ደቂ-ሰብ ኩልና፡ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሄር ዝተፈጠርና – ምስሊ እግዚኣብሄር ከነንጸባርቕ ኢና ተፈጢርና። ንዕኡ ክንመስል፣ ማለት ነቲ ናቱ ምስሊ ነጸብራጽ፡ ባህሪን ሞራላዊ ጽባቀን ክንለብስ ኢና ተፈጢርና። ንሱ ምስ እንለብስ ድማ፡ ንኽብሩ ንነብር። ንሱ፣ ክኸብር ንሕና ንዕኡ ክንመስል ኣሎና።

2) ስለዚ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክነብር ይግብኦ።

“ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ።” (1ቈረ 10.31)። ንእግዚኣብሄር እተኽብረሉ መገዲ ድማ፡

  • ንእግዚኣብሄር ብምፍቓር እዩ – ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ (ማቴ 22.37)
  • ኣብ እግዚኣብሄር ብምውካል እዩ – ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። (ሮሜ 4.20)
  • ናይ ምስጋና ህይወት ብምህላው – “መስዋእቲ ምስጋና ዚስውአለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ።” (መዝ 50.23)
  • ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። (ማቴ 5.16)
  • ንእግዚኣብሄር ልዕሊ ኩሉ መዝገብካ ብምግባር –
    • ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። (ፊሊ 3.8)
    • “እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ።” (ማቴ 10.37)

እዚ ነገራት እንዳገበርና ክንነብር እንከሎና፣ መልክዕን ምስልን እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና ይርአ። ክብሪ ኣምላኽ ሒዝና እንመላለስ ሰባት ድማ ንኸውን።

3) እንተኾነ ግና፣ ኩላትና ሓጢእና ክብሪ ኣምላኽ`ውን ስኢንና።

  • “ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” (ሮሜ 3.23)
  • ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። (ሮሜ 1.21-23)

ማንም እዃ ካባና ንእግዚኣብሄር ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ፡ ዘፍቀሮ፡ ዝተወከሎ፡ ዘመስገኖ፡ ዝተኣዘዞን ክቡር መዝገቡ ዝገበሮን የብልናን።

4) ብምኽንያት ሓጢኣትና ድማ ኩልና፣ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ይግብኣና እዩ።

  • “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። . . . ” (ሮሜ 6.23)

እቶም ንጐይታ የሱስ ዘይተኣዘዝዎ ድማ፡

  • “. . .  ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም። (2ተሰ 1.9)
  • እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” (ማቴ 25.46)

5) ግና፣ በቲ ዓብዪ ምሕረቱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ብምልኣኽ ንኩሉ ሓጥእ ናይ ዘልኣለም ህይወት ሂብዎ። 

  • “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ 3.16)
  • ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና። (ገላ 3.13)
  • “ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” (1ጴጥ 3.18)

6) ስለዚ ናይ ዘልኣለም ህይወት፣ ንኩሉ፡ ክርስቶስ የሱስ ጐይታን መድሓንን  ከምኡ`ውን ዝለዓለ መዝገብ ህይወቶም ገይሮም ዝተቀበልዎ፡ ዝውሃብ ነጻ ህያብ እዩ። 

  • “ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ።” (ግብ 16.31)
  • “እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።” (ሮሜ 10.9)
  • “ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።” (ኤፌ 2.8-9)
  • “ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።” (ገላ 2.20)
  • “ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ።” (ፊሊ 3.8)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply