ዘገርም ጸጋ – “Amazing Grace”

ዘገርም ጸጋ ! ክንደይ ይጥዕም ‘ዚ ድሃይ

ዘድሓነ ንሓጥእ ከምዚ ከማይ!

እዛ መዝሙር ሰሚዕዋ ዘይፈልጥ፡ ዳርጋ የለን፡ እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ፊልምታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ግሊያነት ዝትሓሓዙ ፊልምታትን ሙዚቃታትን እትተኣሳሰር ብምዃና፣ ዜማታታ ከድሂ እንከሎ ርእሱ እንዳነቅነቀ ዘየዘይምን ዘይቃንን ዳርጋ የለን። ዋላ እዃ ምሉእ ሓረጋት ግጥማ ኣይንፍለጣ፡ ከም መኽፈትን መእተዊ ናይ ብዙሓት ዝተፈላለያ ፊልምታትን ብምዃና፡ ኣዝያ ህብብቲ መዝሙር እያ።

ገለ ጸብጻባት ከምዘርእይዎ ድማ፡ እዛ ተፈታዊት መንፈሳዊት መዝሙር፣ ዳርጋ ብኩሉ ዓይነት ሙዚቃታት ዝጻወቱ ደረፍቲ ኮነ ዘመርቲ ብሓርፋፍ ገምጋም ኣብ ዓመት ክሳብ 10 ሚልዮን ግዜ ትዝመር። እዛ “Amazing Grace” እትብል መዝሙር፡ ክሳብ ክንድዚ ህብብቲ ምዃና ብዙሕ ዝገርም ኣይገብሮን እዩ። ምኽንያቱ ድማ፣ ክንዲዚ ህቡብነት ክህልዋ ዝገበረ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፣ በቲ ሓደ ናይ ቋንቋ እንግሊዘይና መዝሙር ከም ምዃና መጠን፡ ብብዙሓት ዝዝረብ ቋንቋ ብምዃኑ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ትሕዝቶን መንፈስን ናይታ መዝሙር፡ ሓያል ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፣ ንብዙሓት ንምንቕቃሕን ንቃልሲ ስቪላዊ መሰል ስለዘለዓዐለን እዩ።

እዛ ብዛዕባ ልዕልናን ክብርን ጸጋ ኣምላኽ እተዘይም መዝሙር፡ ግና ታሪኽ ድሕረ-ባይታኣን ዛንታ ህብቡነታ እንታይ እዩ፧ ድሕረ-ባይታ ናይዛ መዝሙር ምፍላጥ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ዘመናት በዛ መዝሙር ዝሰርሖን ዝገበሮን ነገራት ክንርዳእን፡ ንጸጋ ኣምላኽ ከነኽብርን ኣዝዩ ይሕግዘና እዩ።

ዘገርም ጸጋ – “Amazing Grace”

ካብ እትጽሓፍ ከባቢ ክልተን ፈረቃን ክፍለ-ዘመን ትገብር። ብ1772 ፊደላት ኣለቃቂባ፡ ቃላት ኣወሃሂዳ ካብ መዓሙቕ ልቢ መንጭያ፡ ኣእምሮን ናይ ህይወት ተመኩሮን ሓሊፍዋ፡ ካብ እንግሊዛዊ ዮሃንስ ነውተን (John Newton) ዝተወልደት መዝሙር እያ። ዑምቀት እዛ መዝሙር ንምርዳእ፡ ዛንታ ህይወት ዮሃንስ ነውተን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሓደ እዋን ነጋዲ ግሊያታት ዝነበረ፣ ቅድሚ እዛ መዝሙር ምጽሓፉ ዝሓለፎ ውረድ ደይብ ናይ ህይወቱ ብምርኣይ፣ ዑምቀት ቃላት እዛን መዝሙርን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዝዩ ዘገርም ጸጋ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት፡ ንክትርዳእ ይሕግዘካ እዩ።

ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ዘይተዓደለ ዮሃንስ ነውተን፣ ገና ወዲ 6 ዓመት እንዳሃለው ኣዲኡ ወላዲቱ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈለየቶ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ነውተን ድኽነት ንምስናፍ ምስ ስልጣናት እናተቃለሰ ክዓብይ ጀመረ። ኣብ ዕስራታት ዕድሚኡ ድማ፡ ክሳብ ካብ ናይቲ እዋን ናይ ንግስነታዊ ሓይሊ-ባሕሪ ክሳብ ከምልጥ ፈቲኑ ነይሩ። ደሓር ግና፡ በቶም ምስኡ ዝነበሩ ባሕረኛታት ተታሒዙ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ናይ ግልያነት ንግዲ ንከገልግል፡ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብሓይሊ ተወዝዐ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ`ውን ደጊሙ፡ ንገለ እዋናት ኣምለጠ። ኣብቲ ናብ እንግሊዝ ንምምላስ ዝገብሮ ዝነበረ ጉዕዞ ድማ፡ ሃንደበት ብሓያል ማዕበልን ህቦብላን እናተገፍዐን እናተጸፍዐን፡ እታ ተሳፊርዋ ዝነበረ መርከብ ክሳብ ንምጥሓል ቀረበት፡ ኮይኑ ግና ንስክላ ካብ ምጥሓል ደሓነት። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ድማ፡ ናብ ፈጣሪኡ ኣድሕነኒ ብምባል ክጠርዕን ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ነጥበ-መቀይሮ ዝኾነ ስምዒታት ክስምዖ ዝጀመረ።

ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ናብ እንግሊዝ ምምላሱ፡ ኣብታ ንነዊሕ ዓመታት ከም ነጋዲ ግልያታት ኮይኑ ብዙሕ ተመክሮ ኣጥረየ እሞ፣ ነውተን ድማ፡ ኣብዛ ኣብ ንግዲ ግልያታት እትነጥፍ ዝነበረት መርከብ  ከም ሓላፊ (master) ኮይኑ ንቁሩብ እዋን ሰርሐ። እታ ዝነበራ መርከብ ድማ፡ ግልያታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ እንግሊዝ ብዙሕ እዋን ኣመላሊሳ ነይራ እያ። ኣብ ኣተሓሕዛ ግልያታት ድማ ኣዝዩ ገፋዕን ክፉእ ኣተሓሕዛ ይኽተሉ ከምዝነበሩ ተኣሚኑ ኣሎ። ኣብ 1754፣ ግና ድሕሪ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ብኸቢድ ምሕማሙ፣ ነውተን ነቲ ንግዲ ግልያነትን፡ ስራሕ መርከብን ዝተፈላለየ ምስ ባሕርን ንግዲ ዝተሓሓዝ ስርሑ ቶባ ኢሉ ተጸይፊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ከገልግል ወሰነ።

ብ1764 ድማ ከም ናይ ኣጀሊካን ቤተክርስትያን እንግሊዝ – ብወግዕ ማዕርግ ቅሽነት ተቀበለ። ድሕሪዚ ድማ ኣዝዩ ፍሉጥ ሰባኽን ጸሓፍ ማህሌታትን ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ብጠቕላላ ድማ ከባቢ 280 መዛሙራትን ማህለታትን ጸሓፈ፡ ሓንቲ ካብዘን መዛሙሩ ድማ እዛ ሎሚ እንዛረበላ ዘሎና ኣዝያ ህብብቲ ዘገርም ጸጋ – Amazing Grace” እያ። እዛ መዝሙር መጀመርታ ኣብ ናይ ልነይ መዛሙር – (Olney Hymns) ብምቕራብ፡ ምስ ፍሉጥ ጸሓፍ ግጥምታት ዊሊያም ኮውፐር (William Cowper) ብምዃን ገለ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ብዮሃንስ ነውተን ተሓቲማ። ድሒሩ ድማ ብ1835 ብዊሊያም ዋልከር (William Walker) ካብተን ኣዝየን ፍሉጣትን ህቡባትን ናይ ሓዳስ ብርጣንያ መዝሙር ብምባል ኣብ መጽሓፍቲ ሰፈረት።

እሞ!! እዚ ነጋድ ግሊያታት ዝነበረ፡ መዝሙር እንተጸሓፈ እንታይ ፋዕራ ኣለዎ፧ ሕጂ፣ ትብሉ ትህልዉ ኢኹም። ግና ዮሃንስ ነውተን ኣብተን ዝተረፋ ዕድሚኡ ምስ ዊልያም ዊልበርፎርስ (William Wilberforce) ዝተባህለ መራሒ ናይ ባይቶ እንግሊዝ ብምዃን፡ ነቲ ጭቃነ ዝተመልአ ሰባት ከም ባርያታት ዝሽየጥሉ ዝነበሩ፡ ንግዲ ግልያነት ጨሪሹ ካብ ኣፍሪቃ ንከርፍ ኣትሪሩ ክቃለስ ጀመረ። ኣብቲ እዋን ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ጭካነን ጭኮናን ንግዲ ግልያነት ብሰፊሑ መግለጺታት ዝሓዘ ጽሑፍ ብምድላው፡ ብመልክዕ በራሪ ወረቓቅቲ ማለት ትራክትታት ብምድላው፡ ዝተፈላለየ ኣንጻር ንግዲ ግልያነት ዝዓለሙ ወፈራታት ወደበ። ብ1807 ድማ ብህይወት እንከሎ ንምቁራጽ ንግዲ ግልያነት ዝእውጅ ሕጊ ብSlave Trade Act 1807 ተደንጊጉ፡ ተግባራዊ ኮይንኑ፡ ንግዲ ግሊያነት ድማ ብዕሊ ተቋሪጹ ረኣየ።

ኣብታ ዝጸሓፋ መዝሙር ድማ ከምዚ ዝብል ግጥሚ ኣሎ፡ (ለውጠ ሓረግ ናይቲ ግጥሚ ከምዚ ይትርጎም)፣

ዘገርም ጸጋ፣ ክንደይ ይጥዕም ‘ዚ ድሃይ

ዝጽውዕ ንክፉእ ከምዚ ከማይ

ጥፉእ ነይረ ሓደ እዋን፣ ሕጂ ግና ተረኺበ፣

ዕዉር ነይረ `ሕጂ ግና ይርኢ

ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል –

ብብዙሕ መከራን፡ መፈንጠራ ሓደጋታትን

በጺሐ ኣለኹ ኣብዚ።

ጸጋ እዩ፡ ክሳብ ኣብዚ ብደሓን ዘብጽሓኒ፣

ገና ድማ እዚ ጸጋ፡ ናብ ቤትካ ክመርሓኒ እዩ።

ከምዚ እንዳበለ፡ ካብ ሓጥእ ዝወጽእ ዓሚቕ ኣኽብሮትን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ይቅጽል።

ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜያት ህይወቱ፡ ናብ ሞት ዝወስድን ብካልእ ድማ ናይ ካልኦት ሓቂ ዘይምቕባል ንዘርእዮ ዝነበረ ዕዉር ኣኻይዳ ድማ በቲ ካልእ፣ ነውተን – ነቲ ናይ ቅድም ቅዲ-ህይወቱ እንተዘይልውጥ ነይሩ “ዘገርም ጸጋ – Amazing Grace” ኢሉ ፈጺሙ ኣይምጸሓፈን ነይሩ። ነዚ ኣብዛ መዝሙር ዘሎ ሓረጋት ተጠቂምና ድማ፡ መብዛሕትና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዋህበና ዘድሕን ጸጋ ኣምላኽን ናይ ግሊ ሕብረትን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጸጋ ተወኪልካ ምንባር ዝብል ኣምር ዝገልጹልና ልክዕ ዝኾኑ ዉቁባት ቃላት፡ ብሓጎስ ኣፈሲሆም ደስ ዘብሉ ኣባህላ ክንጥቀም ኣኽኢሎና እዮም፡ ኢለ ይሓስብ፣

ንልበይ ፍርሃትካ ዝመሃሮ ጸጋ እዩ፡

ጸጋ ድማ፡ ንፍርሃተይ ቀነሶ፣

ጸጋ ክሳብ ክንደይ ኮን ክቡር ምዃኑ ተራእየ

በታ መጀመርታ ግዜ በታ ዝኣመንኩላ ሰዓት።

ናይ እዋንና ትርጓሜታት

ኣብዚ እዋንና ድማ፡ እቶም ብሃሬት በቸር ስቶወ (Harriet Beecher Stowe) ዝተሃህለ ጸሓፊ፡ እተጻሕፈት Uncle Tom’s Cabin እትብል ትረኻዊት ጽሑፍ፡ ዛንታ ኣፍሪቃውያን-ኣሜሪካውያን፣ ሰለስተ ፍቕድታት ናይዛ ዘገርም ጸጋ እትብል መዝሙር ሰፊሮምን ይዝመሩን እዩም። እተን ሰለስተ ፍቕድታት ድማ ብመበቆላዊ ጸሓፊ ዮሃንስ ነውተን ዝተጻሕፋ ኮይነን፡ እታ ናይ መወዳእታ ፍቕዲ ከምዚ ትብል

ዓሰርተ ሽሕ ዓመታት እንተዝነብረና እዃ፡

ከም ጸሓይ ደሚቁ ዘብርህ፡

ናይ እግዚኣብሄር ውዳሴ ንምዝማር ገና ዉሑድ መዓልታት ኣይተረፈናን

ካብ ዝጀመርናሉ መጀመርታ ንላዕሊ

ካልእ ድማ፡ ኣርእስቲ ናይዛ መዝሙር ዝሓዘት ብ2006 ዝተሰርሐት፡ ዛንታ ቃልሲ ንምቛም ግልያነት እተርእይ ናይ ዊልያም ዊልበርፎርስ፡ ምስ ሓደ ኣብ ንግዲ ግልያነት ዝነጥፍ ዝነበረ፣ ግናኸ ካብ በደሉ እተነስሐ ከም ዮሃንስ ነውተን ኮይኑ ዝዋሳእ ኣልበርት ፊነይ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ከም በዓል ኢዮን ግሩፉድሚካኤል ጋምቦንበነዲክት ኩምበርባች ዝርከብዋ ፊልም እተሰርሐት ኣላ።

ብዘይካ እዚ ካልእ’ውን ብBroadway musical ዝተባህለ ትካል ብ2015፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ እተሰርሐት ንጉዕዞ ህይወት ነውተንን ጽልውኡ ኣብዛ መዝሙር እተተኩር እተሰርሐት ሙዚቃዊት ፊልም ኣላ።

እዛ መዝሙር እዚ ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም መሰነይታ ኮይና ኣገልጊላ ኣላ። ከም ንኣብነት ኣብቲ ንመሰል ሲቪላዉ ሓርነት ኣብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝነበረ ሰልፍታትን፣ ኣንጻር ወረራ ኣሜሪካ ኣብ ኩናት ቬርናምን ይርከብዎ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ድማ ብመንፈሳውያን ክርስትያናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለማውያን ደረፍቲ ከይተረፈ ብዙሕ እተዘመረት መዝሙር እያ። ከም ንኣብነት ድማ፡ – ካብ ኢልቪስ ፕረስሊይ (Elvis Presley) ክሳብ ኣንድሪያ ቦሰሊ (Andrea Bocelli)፣ ከም በዓል ሰሊን ዲዮን (Celine Dion)ኣርታ ፍራንክሊን (Aretha Franklin)ደስቲንይስ ቻይልስ (Destiny’s Child)ጁዲይ ኮሊንስን (Judy Collins) ለኣን ርሂመስን (Leann Rhimes) ካልኦትን ብብዝሒ ዘሚሮማ እዮም።

ብ2015 ድማ ፕረዚደትን ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ድሕሪ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝሞተ ኣገልጋልን ኣባል ባይቶ ኣሜሪካን ዝነበረ ፓስተር ክለመንታ ፒንከይን ካልኦት ኩሎም ግዳያት ንምዝካር ብሓያል ትርጓሜ፡ ብሓባር ከምዝዘመራ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።

ካብዚ ድማ ብቀሊሉ ታሪኽን ህቡብነትን ናይዛ መዝሙር ክንርዳእ ንኽእል።

ብሓቂ ዘገርም ጸጋ ኣምላኽ!!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.