ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ

ጽልዋ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ ኣብ ምዕራባዊ ኣተሓሳስባ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ክንብል እንከሎና ድማ፡ ብናይ ክርስትያናዊ ስነ-መለኮታዊ ኣተሓሳስብኡን እምንትኡን እዩ። ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ፡ ኣዝዩ ጸላዊ፡ ኣብ እምነት ካቶሊክ ኮነ ወንጌላውያን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ብዘይ ኣመንቲ ክርስትያናት’ውን ኣዝዩ ዓብዩ ታሪኻዊ ፈላስፋን ቀያሲ ፍልስፍናዊ ታሪኽ እዩ።

በንጃሚን ዋርፊልድ ዝተባህለ ጸሓፊ ብዛዕባ ኣጎስጢኖስ ካብ ዝጸሓፎ፣ ኣጎስጢኖስ ናብ ቤተክርስትያን ኮነ ናብ ናይ ዓለም ታሪኽ ብሓያል ሰውራዊ ሓይሊ እዩ መጺኡ፣ ሓደ ፍሉይ ሓድሽ መዋእል ጥራይ ኣይኮነ ኣብ ቤተክርስትያን ኣእትዩ፣ ግና . . . ብፍሉይ ንኣንፊ ታሪኽ ምዕራብ ክሳብ ሎሚ ዝቀየሰ ሰብ እዩ። ኢሉ ኣብታ (Calvin and Augustine, 306) እብል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 306 ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣሕተምቲ መጽሄት Christian History ድማ ብቀሊሉ፡ ድሕሪ ጐይታ የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን፣ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ፡ እቲ ቀንዲ ጸላዊ፡ ምስሊ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ክብሉ ኣብታ ቅጺ 6, ቁጽሪ 3, ኣብ ገጽ 2 ዘሎ መጽሄት ኣስፊረሞ ኣለዉ።

ድሕረ-ባይታ – ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ

ኣጎስጢኖስ ኣብ ሶውክ ኣህራስ እትብሃል ንእሽቶ ቁሸት፡ ጥቃ ሂፖ፣ ናይቲ እዋን ናይ ሮማዊ ግዝኣት ኣብ ምምሕዳር ኑሚዲያ፣ ናይዚ እዋን ኣልጀሪያ ብሕዳር 13, 354 ተወሊዱ። ስድራ-ቤቱ መበቆሎም፡ ካብ ሰሜን-ኣፍሪቓውያን ዓሌት በርበር ኮይኖም፣ ግና ብሮማዊ ኣተሓሳስባ ጽሉዋት ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ ኣብ ገዝኦም ላቲን ጥራይ እዮም ዝዛረቡ ነይሮም።

ኣብኡ፡ ኣማኒ ክርስትያን ኣይነበረን፣ ኣዲኡ ግና ውፍይቲ ሰዓቢት ክርስቶስ እያ ነይራ። ኣብኡ፡ ፓትሪኩስ፡ ማእከላይ እቶት ዝነበሮ ጻዕራም ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ነይሩ። ወዱ ኣጎስጢኖስ ድማ፡ ዝበለጸ ትምህርቲ ንክረክብ ብዝብል ክቱር ሓሳብ፡ ገና ወዲ 11 ዓመት እንከሎ፡ ኣብቲ ዝሓሸ ዝብሃላ ናይቲ እዋን ትምህርቲ ቤት ኣብ ማዳውሩ፡ ማለት ከባቢ 20 ማይልስ ርሒቁ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ወዱ 15 ዓመት ዝኸውን ኣምሃሮ። ቀጺሉ ድማ፡ ሓደ ዓመት ኣብ ገዛ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ካርቴጅ፡ ናይዚ እዋን ቱኒዝያ፡ ካብ ወዲ 17 ዓመት ክሳብ 19 ዓመት ሰደዶ።

ኣጎስጢኖስ፡ ድሕሪ ብ386 ናብ እምነት ክርስትና ምምጽኡ፡ ብዙሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክርስትያናዊ ስርሓት ሰሪሑን መጽሓፍቲ ጽሒፉን እዩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብቲ ብዛዕባ መበቆላዊ ሓጢኣት ማለት መሰረት ኩሉ ሓጢኣት ዝኾነ ኣዳማዊ ሓጢኣት ዝጸሓፎን ዝሰረቶን ስነ-መለኮት፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ጸጋ ኣምላኽን ቅዱስ ስላሴን ኣዝዩ ፍሉጥ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ።

ኣደ ኣጎስጢኖስ፡ ኣብ ህይወት ንእስነት ኣጎስጢኖስ ኣዝዩ ብዙሕ ጽልዋ ነይርዋ፣ ኮይኑ ግና ካብታ ዘርኣየቶ መገዲ ክርስትና ንድሕሪት ብምምላስን ንማኒኪን ዝብሃል እምነት ብምኽታሉ፣ ንብዙሕ ሓዘን ኮና። ማኒኪዝም – ብ240 ዓም ኣብ ምድሪ ፋርሲነብዩ ማኒ ዝተባህለ ዝተጀመረ እምነት እዩ። እዚ እምነት ኣብ ክልኣዊ ኮስሞሎጂ (dualistic cosmology) ማለት ሞራላዊን መንፈሳዊ ስነ-ሓሳባት ሃልይዎ፡ ግናኸ እዞም ክልተ መሰረታውያን ስነ-ሓሳብ ማለት ሞራልን መንፈሳውነትን ኣንጻራውያንን ተጻረርትን እቶም፡ ኢሉ ዝኣምን እምነት እዩ።

ኣጎስጢኖስ ድሒሩ፡ ምስ መሳትኡ ኣዕሩኽቱ ናብ ናይ ዕንደራን ደስታን ህይወት ኢሉ፡ ዝሓስቦ ህይወት እዩ ኣትዩ። ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ካብ ዘጋጠሞ ክዝክር እንከሎ፡ – ካብ ካንሸሎ ናብ ካንሸሎ እንዳዘለሉ ጥዑም ፍረታት ክሰርቑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሕንሕነ ምፍዳይን ዊንትኡ ንምርዋይ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ይነግር። እዚ ነገር ድማ፡ ነቲ ድሒሩ ኣብ ህይወቱን ኣብ ስነ-መለኮታዊ ነገራት ብዛዕባ መበቆላዊ ሓጢኣት ዝብል ኣማር፡ ንከፍልቕ ብዙሕ ከምዝሓገዞ ይነግር። ዋላ እዃ ህይወቱ ብብዙሕ ናይ ንእስነት ነገራት ዝተታሕዘ እንተነበረ፣ ኣብ ፍልስፍናዊ ዓለም’ውን ብፍሉይ ተገዳስነት ኣማዕበለ። ብፍላይ ብጽሑፋት ፈላስፋ ሲሰርሆ (Cicero)፡ ኣጎስጢኖስ ሊቃ ናይ ላቲንን ናይ ረሆተሪክ (rhetoric) ማለት ናይ ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ጥበብ ከምኡ’ውን ጣቛ መደረ ክኢላ፡ ኮነ። ኣጎስጢኖስ ናይ ረሆተሪክን ናይ ሰዋስውን መምህር ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ኣብ ታህጋስተ፡ ካርቴጅ፡ ደሓር ድማ ኣብ ሮም መሃረ።

ቅድሚ ኣጎስጢኖስ፡ ንናይ 3 ዓመታት ትምህርቲ ናብ ካርቴጅ ናይ ሎሚ ቱኒዝያ ምግዓዙ፣ ኣዲኡ ብጽኑዕ ካብ ዘጠንቐቀቶ ነገራት እንተነይሩ፣ ዝኾነ ዓይነት ፍቅራዊ ዝምድና ምስ ደቀኣንስትዮ ከይጅምርን ምንዝር ከይፍጽምን፣ ካብኡ ብዝለዓለ ድማ ናይ ካልእ ሰብኣይ ሰበይቲ ከይሓባብል ዝብል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣጎስጢኖስ ድሒሩ ኣብታ ምእማን (Confessions) እትብል መጽሓፉ ከምዝጸሓፎ፣ ናብ ካርቴጅ ምስ ከድኹ፡ ህይወተይ ኣብዘይፈልጦ ዓለም ናይ ስጋዊ ፍትወታትን ትምኒታትን እየ ረኺበያ፣ . . . ብሓቂ ናይ ውሽጢ ድሌተይን ሃረርታይን ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፡ ንጥምይቲ ነፍሰይ መግባ። ኣብ ነፍሰይ ግና እዚ ጥምየት ከምዝነበረኒ ኣይፈልጥን ነይረ። ኢሉ ጸሓፈ። ግና፡ ሓንቲ ኣብቲ እዋን ካብ ትሑት ሕብረተሰብ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ጓል ካርቴጅ ወሲዱ ድማ ምስኣ፡ ቅድሚ ምርዓዉ ክነብር ጀመረ። ምስ እዛ ሰበይቲ ድማ ንከባቢ 15 ዓመታት ነበረ። ንእስነት ኣዝዩ ጥዒምዎን ደስ ኢልዎ ክነብር ደላዩ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዳንኼራን ዕብዳንን ነገር ብብዙሕ ተጸምደ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዓሰርተታት ዓመቱ፡ ብ372 ዓም ድማ ቅድሚ ሓዳር ሓደ ኣዲኦዳቱስ ዝተባህለ ወዲ ወለደሉ።

ምስ ጳጳስ ኣምብሮሰ ናይ ሚላኖ

ኣብ ከባቢ 29 ዓመቱ፣ ኣጎስጢኖስ ካብ ካርቴጅ ናብ ሮማ ንክምህር ገዓዘ፣ ኮይኑ ግና ባህርያት ተመሃሮ ብቅልጡፍ ኣዝዩ ኣሰልከዮ። በዚ ድማ ንካልእ ናይ ምምህርና ስራሕ ብ384 ዓም ናብ ሚላን ገዓዘ። ኣብዚ ድማ እዩ፡ ምስ ሓደ ዓብዪ ጳጳስ ኣምብሮሰ ዝብሃል ዝተፋለጠ። ብ384 ኣብ Imperial Court of Milan ዝበለጸ ናይ ፕሮፈሰርነት ማዕርግ ብምሓዝ መምህር ናይ ረሆተሪክ ኮይኑ ኣገልገለ።

ኣጎስጢኖስ ድማ ዝበለጸ መምህር ናይ ረሆተሪክ ብምዃን ካብ ወዲ 19 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ወዲ 30 ዓመት ዝኸውን፣ ንኣስታት 11 ዓመታት ናይ ህይወቱ መምህር ኮይኑ፡ መሃረ።

ነዊሕ ከይወሰደ ድም ምስ ኣምብሮሰ ጳጳስ ናይ ሚላን ምሕዝነት ጀመረ። ኣጎስጢኖስ፡ ንብዙሕ ምህሮታትን ከበድቲ ስብከታትን ናይ ኣብ ኣምብሮሰ ድማ ክሰምዕ ጀመረ። በዚ ድማ ሓድሽ ርእይዎ ዘይፈልጥ ነጥበ-ርእየት ኣብ ክርስትና ክረክብ ሓገዞ። ነቲ ዝኽተሎ ዝነበረ እምነት ማኒኪዝም ብብዙሕ መገዱ ክጠራጠሮን ብህየሳዊ ዓይኒ ክርእዮ ጀመረ።

እዚ ንጹህ ዝምድናን ዕርክነትን ምስ ኣምብሮሰ ድማ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ተቀሚጡ ዝነበረ ፍቕሪ ኣምላኽ ንክነቃቃሕን – ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ዝኽተሎ ዝነበረ እምነት ክርስትና ንክክተልን ዓቢ ደገ ከፈተሉ። ኣዲኡ ንኣጎስጢኖስ’ውን ብዙሕ ከይጸንሐትን ንሚላን ስዒባ ተከተለቶ። ኣብቲ እዋን ድማ ነታ ወሊዱና ዝነበረ ጓል ገዲፉ፡ ካልእ ብኣተሓሳስባን ብማሕብራዊ ክፍሊ ምስኡ እትሰማማዕን ብዕድመ ኣዝያ ንእሽቶ ጓል ንክምርዖ ኣእመነቶ። ኣብዚ እዋን ኣጎስጢኖስ ዋላ እዃን ነዲኡ ከየሕዝን ኢሉ ሓራይ እንተበላ፣ ነታ ዘፍቕራ ጓል ምግዳፉን ዝምድና ምብታኩንሲ፡ ኣብ ውሽጡ ኣዝዩ ከቢድ ስምዒታዊ በሰላታት ገደፈሉ። ኣብ መወዳእታ’ውን ነቲ ዝነበሮ መርዓ፡ ብምኽንያት ናብ ምንኩስና፡ ናይ ምምናን ቅሽነት ምኻዱ፡ ነቲ ዝነበሮ ሓድሽ መርዓ ሰረዞ።

ጽሑፋት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ

ኣጎስጢኖስ፡ ኣብቲ እዋን ንናይ ፈላስፋ ፕላቶ ራእይ ናይ ክውንነት (the Platonic vision of reality) ዝብሃል ኣተሓሳስባ ይቕበሎ ስለዝነበረ፣ በቲ ኣብ ዮሃንስ ወንጌል ምዕራፍ 1፡ ጥቕሲ 14 ዘሎ – እቲ ቃል ስጋ ኮነ ዝብላ ሓሳብ፡ ኣዝዩ ሰንቢዱ ተደናገረ። ምኽንያቱ ናይ ፈላስፋ ፕላቶ ናይ ክውንነት ራእይ ወይ ኣጠማምታ፡

ኣብ Theory of Forms ዝብሃል ኣተሓሳስብኡ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፣ ንሱ ድማ ዝኾነ ነገር ኣብዚ ዓለም ዘሎ ካብ ሓደ ቅርጺ ኣለዎ፡ እቲ ናይ ሓቂ ቅርጹ ግና ኣብቲ ዘልኣለማዊ ሓቕነት እዩ ዝርከብ ዝብል ኮይኑ፣ ብከምዚ ክንገልጾ ንኽእል፡ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ኣፍራስ ኣለዉ ገለ ዓበይቲ፡ ገለ ንኣሽቱ፡ ገለ ጸዓዱ፡ ገለ ጸለምቲ፡ ገለ ሓመዳውያን፡ ገለ ኣረግቶት . . .  ወዘተ ይቕጽል። ስለዚ እዚ ናይ ፈላስፋ ፕላቶ ናይ ኣተሓሳስባ ክውንነት፡ እቲ ሓቀኛ ዓለም እዚ ኣይኮነን፡ እዚ ዓለም ጽላሎት ናይቲ ሓቀኛ ናይ ሓሳብ ወይ ናይ ቅርጺ ዓለም እዩ ዝብል፡ ኣተሓሳስባ ነበሮ።

ግና፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ናይ ጳጳስ ኣምብሮሰ ስብከታትን ትምህርትታትን ይሰምዕ ነበረ። ኣብታ ምእማን እትብል መጽሓፉ (Confessions, 108) ከምዚ ክብል ኣስፊርዎ ኣሎ፣ ንዝነበረኒ ርትዒ ንምቕያር ዳርጋ ኩለንትናይ እዝኒ እየ ነይረ። ቀስ ብቀስ ድማ ነቲ ዝምህሮ ዝነበረ ሓቂ ኣብ ውሽጠይ ክስወጠኒ ጀመረ። ኣብ መጨረሽታ ከምዘስተውዓሎ ግና፣ ብዝኾነ ትምህርትታት ዝተታሕዘ ኣይነበረን፡ ግና ብፍትወት ዝሙት፡ ብፍትወት ፍቕሪ ናይ ደቂሄዋን ኣዝየ እሱር እየ ነይረ። ድማ ይብል።

ስለዚ፡ እቲ ዝነበረ ውግእ፡ ውግእ ኣብ መንጎ እቲ ብፍትወት ዝሙት እተኣስረ ህይወቱን ብጽንዓት መኪትካ ምዕዋት እዩ ነይሩ። ክሳብ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ፡ ዘተዓርቕ መማለዲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝረክብ ድማ፡ ትርጉም ናይ ሓቂ ብርታዔን ሓይልን ኣብ ልዕሊ ፍትወት ስጋ ክርድኣኒ ኣይክእል ነይሩ። ንጐይታ ብዝረኸብኩላ ሰዓት ግና ንገዛእ ስጋ ክመልኽን ክገዝእን ከኣልኹ። ኢሉ (Confessions, 152)።

“ውሰዶን ኣንብቦን”

ስለዚ እቲ ቅልስ ኣብ መንጎ፣ እቲ ጽቡቕ ንጽህናን ፍቕርን ኣንጻር ንገዛእ ስጋኻ ምሕጓስ እዩ ኮይኑ።

ኣነን ገዛእ ርእሰይን፡ ኣብ ጽሞና ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም  በለስ ኮፍ ኢለ እንዳ ኣስተንተንኩ፡ ኣዒንተይ ብንብዓት ተሓጺበን ዘርባዕባዕ በላ . . . ብነውረይ ኣዝየ ነባዕኩ፣ ክሳብ መዓስ እየጽባሕክመሓየሽ እየ፡ጽባሕኣሎኒ ክብል፧ ስለምንታይ ሕጂ ዘይብል፧ ስለምንታይ ነዚ ኩሉ ክፉእ ሓጢኣተይ ኣብዛ ህሞት እዚኣ መወዳእታ ዘይገብረሉ፧ እናበለ ኣስቆርቆረ (Confessions, 177)።

ኣብ ማእከል እዚ ናይ ንብዓት ህሞት እዚ፣ ኣጎስጢኖስ ሓደ ድምጺ ናይ ዝዝምር ቆልዓ ሰምዐ፣ ውሰዶ፡ ኣንብቦ ድማ። ውሰዶ፡ ኣንብቦ ድማ ዝብል።

ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ክሓስብ ጀመርኩ፡ እንተደኣ እዚ ድምጺ ካብ ዝጻወት ዘሎ ቆልዓ፡ ወይ ድማ ዝኮነ ቆልዓ የድህዮ እንተኮይኑ’ውን ሓሰብኩ፣ ግና ከምዚ ዓይነት ድምጺ ቆልዓ’ውን ብፍጹም ቅድሚ ሕጂ ሰምዔ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ ንብዓተይ ደራሪዘ፡ ተንሳእኩ፣ ንገዛእ-ርእሰይ ድማ እዚ፡ እቲ መለኮታዊ ድምጺ ጥራይ ዝእዝዘኒ ዘሎ ብምባል፡ ንመጽሓፍ ቅዱሰይ ከፈትክዎ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ዝመጸለይን መጀመርታ ኣዒንተይ ዝወደቆን ጽሑፍ ድማ ከንብብ ጀመርኩ። (Confessions, 177)

ኣጎስጢኖስ፣ መጽሓፍ ቅዱሱ ብምግንጻል፡ ናብ መልእኽቲ ጳውሎስ ከፈተ፡ ኣዒንቱ ድማ ኣብ ሮሜ13፡13-14 ዓረፈ –

ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

ዝብል፡ ጽሑፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ምእማን እትብል መጽሓፉ ከምዝሰፈረ፣ ዝኾነ ካልእ ጽሑፍ ወሲኸ ከንብብ ኣይደሌኹን፣ ኣድላይ ድማ ኣይነበረን።” “ብኡ ብኡ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ጥቕሲ ምስ በጻሕኩ፡ ንኩለንትናይ ናይ ብርሃን ትብዓት ከጥለቕልቖን፡ ኩሉ ናይ ምጥርጣር ጸልማት ክቕንጠጥን፡ ሓደ ኮነ። (Confessions, 178) ይብል።

ኣብ 386፣ ወዲ 31 ዓመት ምስ ኮነ፣ ብወግዒ ንእምነት ክርስትና ተቀቢሉ፡ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ድማ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ፈለጦ። ካብቶም ብቀንዲ ንህይወት ኣጎስጢኖስ ዝጸለዉ ድማ ጽሑፋት ቅዱስ ኣንጦንዮስ ናይ ምድረበዳ እዩ።

ብዛዕባ ምልዋጥ መንፈሳዊ ህይወቱ ብዝምልከት ድማ፡ ኣብታ መዓልታዊ ንጥፈታት ህይወቱ ዝጽሕፈላ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብታ ምእማን እትብል ጽሕፍትኡ – ድማ ማዕረ ክንደይ ጸላዊ፡ ንስለ ጥብቅና ክርስትና ዝቀውምን ናይ ህይወቱ ዛንታ ከመይ ብስርዓት ከምዘስፈሮ ክትርዳእ ንኽእል ኢና።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ – ከም ጳጳስ ናይ ሂፖ

ኣጎስጢኖስ ብሚያዝያ 387 ኣብ ከባቢ በዓል ፋሲካ፡ ምስ ወዱ ብጳጳስ ኣምብሮሰ፡ ኣብ ሚላን ተጠምቀ። ኣብ ጽድያ ናይቲ ዓመት ድማ ኣዲኡ፡ ድሕሪዚ ኩነት ነዊሕ ከይጸንሐት ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልየት። ኣዝያ ሕጉስቲ ሰበይቲ ድማ እያ ነይራ፣ ምኽንያቱ ድማ ነታ ካብ ንእስነቱ ጀሚራ፡ ብብዙሕ ንብዓት ዝኾስኮሰታ እምነት ኣብ ክርስቶስ ጨርብጪባ ክትዓብይ ስለዝረኣየት።

በዚ ድማ ነዊሕ ከይጸንሑ፣ ብ388 (ዳርጋ ወዲ 34 ዓመት ክኸውን ምስቀረበ ማለት እዩ፣) ናብ መበቆል ዓዶም ናብ ኣፍሪቃ ተመልሱ። ኣብቲ እዋን ዝነበሮ ራእይ ድማ ንዕኡን ንመሓዙቱን ተከተልቱን፡ እቶም – ብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ – ዝፍለጡን ዝኸውን ገዳም ንምግባር ነበረ። ኣጎስጢኖስ ድማ ዝነበሮ ኩሉ ሃብቲ ንድኻታት ድሕሪ ምሃብ፡ ንገዝኡ ድማ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንክግልገለሉን፡ ከም ናቱ እምነት ተኸተልቲ ሰባት ንምምሃርን ምዕጣቕን ንክጥቀምሉ ወፈዮ። ንዝኾነ ካብዛ ዓለም ንዝርከብ ሃብቲ ኮነ ናይ መርዓ፡ ናይ ምድርን ናይ ደቀ-ኣንስትዩ ዝምድናንታት ብፍጹም ብምምናን ድማ – እቲ ንቡር ህይወት ዝብሃል ኩሉ ሓደገ። ናይ ገዳም ህይወት ክጅምር እንከሎ ድማ ነቲ መላእ ህይወቱ ሃረር ዝበሎ – ናይ ህይወተይ ኢሉ ዝሓዞ ፍልስፍና ንከንጸባርቕን ከስተንትን፡ እውን ከም ተወሳኺ ይደሊ ስለዝነበረ እዩ።

ኮይኑ ግና እግዚኣብሄር ካልእ መደባት ነበሮ። ወዱ ኣዲኦዳቱስ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብ389 ዓም ሞቶ። እቲ ናብታ መበቆል ዓዲ ዝኾነት፡ ታህጋስተ ተመሊሱ ከሕልፎ ዝደልዮ ዝነበረ ሕልምታቱ ድማ ብቅልጡፍ፡ ንኩሉ ግዜ በነነ። በዚ ድማ ኣጎስጢኖስ፡ ንዝነበሮ ሓሳብ፡ ካልእ እስትራተጂ ብምንዳፍ፡ ናብ ካልኦት ማሕበረ-ሰባት ብምጥማት፡ ርእይኡ ናብ ዝዓበየ ከተማ፣ ማለት ሂፖ ቀየሮ። ሓሳቡ ናብ ሂፖ ንክቕይር ቀንዲ ምኽንያት ዝመረጸሉ ድማ፡ ኣብቲ ቦታ ኣቀዲሙ ጳጳስ ስለዝነበሮም፡ ነቲ ናይ ጵጵስና ኣገልግሎት ንምግልጋል ኣይግድዱንን እዮም ብዝብል ሓሳብ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ጽቡቕ ገይሩ ዝሓሰበሉ ኣይመስልን። ናብ ሂፖ ድሕሪ ምግዓዙ ግና፡ እታ ኣብ ሂፖ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ብቅልጡፍ ናብ ኣጎስጢኖስ ብምምጻእን ብብዙሕ ድፍኢትን ጳጳስ ንክኾኖም ሸምዎ። ጳጳስ ሂፖ ድማ ኮነ። ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ድማ ከም ጳጳስ ናይ ሂፖ ኮይኑ ኣገልገለ።

ካብታ ብ391, ጳጳስ ናይ ሂፖ ኮይኑ እተሸመላ ድማ፡ ንዝቀጸላ 39 ዓመታት ጳጳስ ሂፖ ኮይኑ እንዳኣገልገለ ድማ ኣዝዩ ጸላዊ ሰባኺ ኮነ፣ ብዙሕ እዋን ድማ ኣንጻር እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ርእየተ-ዓለምን ሃይማኖት ማኒኪዝምን ብዙሕ መሃረ፡ ሰበኸን ተማጎተን።

 

ኣብ መወዳእታ መፋርቕ ዕድመ ህይወቱ፡ ኣጎስጢኖስ ብመንፈሳዊ ህይወቱ እዩ ዝፍለጥ – ካብቲ ናይ ቀደም ናይ ዕንደራን ፍታው ህይወትን ተኣልዩ፡ ቀሊልን ውፉይ መንፈሳዊ ህይወትን ክነብር እዩ ጀሚሩ። ከምቶም ብዙሓት ጸለውቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኮይኖስ ዝሓለፉ ድማ፣ ብዙሕ ዕዮታት ብምዕያይን ብዙሕ ጽልዋን ገዲፉ እዩ። ብፍላይ ድማ ካብ ወዲ 36 ዓመት ምስ ኮነ፡ ካብ ናይ ምስትንታንን ስነ-ሓሳባዊ ነገራት ወጺኡ ናብ ናይ ተግባር ሰብ ብምቕያር ብዙሕ ስርሓት ሰርሐ። ኣጎስጢኖስ፡ ኣብ ከባቢ እታ ዘገልግላ ዝነበረ ማሕበር ገዳም ብምምስራት፡ ንልዕሊ ከባቢ 40 ዓመታት ብቃል ኣምላኽ ኣዝዩ ዝተሰረቱን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረታት ዝፈለጡ ጓሶትን ጳጳሳት ብምፍራይ፣ ንምሕዳስን ንጽገናን ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ኣበርክቶ ገበሩ። ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ ነታ ኦርቶዶክሳዊ ምህሮታት (ማለት ቅኑዕን ሓቀኛን ምህሮታት) ቤተ-ክርስትያን ብምጥባቕ መሃረ። ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ንምጥንካር ድማ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን፡ ብዙሓት ኣዝዮም ኣገደስትን ጸለውትን መጽሓፍቲ’ውን ጸሓፈ – ገለ ካብኦም፡ ConfessionsOn Christian DoctrineOn the Trinity, and The City of God ዝብላ ይርከብአን።

ብፍላይ እታ ብ ከተማ ኣምላኽወይ (City of God) እትፍለጥ መጽሓፉ፡ ንክሳብ ሕጂ ዘሎ ፍልስፍናዊ፡ መንፈሳውን ፖለቲካውን ስነ-ሓሳብ ዝጸለወትን ዝለወጠትን መጽሓፉ እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ነቲ – ብከረጺት ናይ ሮም ዝፍለጥ ዝነበረ ኣምር፡ ምላሽ ንምሃብ እዩ ጽሒፍዋ። ንሱ ድማ፣ እቲ ናይ ሓቂ እምነትን ሃይማኖትን መንፈሳዊ እምበር፡ ኣብዚ ዝርአን ግዝያውን ሓላፍን ከተማታትን ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ቦታታትን ኣይኮነን ዘሎ፣ ብምባል ይምጉት ነበረ። በዚ ድማ፣ ምውዳቕ ሮም፡ ንኣጎስጢኖስ ብዙሕ ዘምጽኣሉ ጽልዋታት ኣይነበረን። እዚ ድማ፡ ንኣጎስጢኖስ ከም ተጣባቒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ማለት እታ ዓለምለኻዊት ቤተ-ክርስትያን ይገብሮ እዩ። እዚ ማለት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓንኬል ጸጋ ጥራይ ዘይኮነት ዘላ፡ ክትኸይድን ክትወጽእን ነቶም ዘይተበጽሑ ረሲኣንን ሓጥኣንን ዝብሃሉ ሰባት ክትበጽሖም ኣለዎ፣ እንዳበለ ሞጊቱ እዩ። እቲ ካልእ ክውንነት ናይታ ዘይትርአ ማሕበር ኣምላኽ ድማ ብፍቕሪ፡ ጸጋን ደግነት እትግዛእ ምዃና እዩ፡ ኢሉ መጎተ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ፣ እቲ መንፈሳዊ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ’ቲ ብትዕቢት ገዛእቲ ደቂ-ሰባት ዝምእዘዝ ዓለማዊ ግዝኣታት፡ ዝዕወት ሓይሊ እዩ፣ ብምባል መሃረን ጸሓፈን።

ይኹን እምበር፡ እዚ ዓይነት ጽሑፋቱ፣ በቶም ድሒሮም ዝመጹ ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ነቲ ምድራዊ ሓይልታት ዕቃበታት ብምግባር፣ ጳጳስ፡ ልዕሊ ኩሉ ግዝኣታት፡ መንግስትታት፡ ሃገራትን ነገስታትን እዩ ብምባል፣ ጳጳስ፡ ዘይትንከፍ፡ ብጹእን ፍጹም ንጹህን እዩ ዝብል ምህሮ ንከልዕሉ ናብ ካልእ ጽንፊ፡ ቃነዮም። እዚ ድማ ካብ ዝቀጸሉ ዘመናት ክሳብ ሎሚ ዘሎ ጸላዊ ፍልስፍናዊ ቀውስን ግርጭታትን ኣብ መንጎ ስልጣን ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያንን ስልጣን ሃገርን (ማለት conflict between the Catholic Church and State) ኣስዒቡ ይርከብ።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብድሆታት ንእስነት፡ ብፍላይ ድማ ፈተናታት ዝሙትን ምንዝርን ኣጸቢቁ ዝርዳእ እዩ ነይሩ። መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ጸሎቱ ካብ ዝበሎ ድማ፣ ኣምላኸይ፣ ንጽህናን ርእሰግትኣትን ሃበኒ፡ ግና ሕጂ ኣይኮነን!” (“Da mihi castitatem et continentiam, sed noli modo (Give me chastity and continence, but not just yet)!”) ይብል ነበረ። ድሒሩ ግና ካብቲ ቀንዲ ዝመሃሮ ምህሮታቱ፡ ብዛዕባ መበቆላዊ ሓጢኣት ኮነ። መበቆላዊ ሓጢኣት ድማ ብእምነት ብጐይታ የሱስ ጥራይ ክናገፍ ከምዝኽእል፡ ኣጽኒዑ መሃረ። ብዛዕባ ክርስትያን ምዃን ብዝምልከት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ ንጾታዊ ዝምድናታት ብዘይካ ክትሃድመሉ ካልእ ኣማራጺ የለን ኢሉ። እዚ ዘበሎ ድማ ኣብቲ ዝነብሮ ዝነበረ መዲቫላዊ ዘመን፡ ጽልዋን ኣምልኾታት – ብዝሙትን ጾታዊ ዝምድናታትን ልሙድ ብምንባሩ፣ ኣትሓሳስብኡን ቅዲ-ህይወቱን ጸልዩ፡ ናይ ሓጢኣት ባህሪ ንክህልዎ ካብዝገበሩ ሓደ ባእታ ብምዃኑ እዩ።

ኣጎስጢኖስ ካብ ዝመሃሮ ምህሮታት – ቁሩብ ልውጥ ዝበለ ናይ ጽሕፍቶ ምህሮ ወይ ድማ (a modified form of predestination) እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ነገራት ናይ ወዲ ሰብ ዕድልን ኣተሓሳስባን ኣቐዲሙ ብእግዚኣብሄር ተወሲኑ እዩ፣ ዝብል ምህሮ እዩ። ሓደ ካብ ዝቅርቦ ምጉታቱ ድማ፣ ሰብ ናይ ምምራጽ ነጻነት ኣለዎ፣ ኮይኑ ግና ኣብ መጨረሽታ ኩሉ ነገር ብናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ጥራይ እዩ ዝምእዘዝ ዝብል እዩ። እዚ ስነ-መለኮታዊ ኣተሓሳስባ ድማ ብመሰረት ኣጎስጢኖስ፣ ገለ ካባና ንምድሓን ኣቀዲምና ብጽሕፍቶና ዝተመደብና ኢና። እዚ ድማ ነቲ ድሒሩ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዝተንስኡ ስነ-መለኮታውያን መምሃራን ከም በዓል ቅዱስ ቶማስ ኣቁናስዮሃንስ ካልቪንን ብፍሉይ ጸልይዎም እዩ።

ኣጎስጢኖስ ብካልእ ካብ ዘማዕበሎ ሓደ ስነ-ሓሳብ ድማ ሰላም ጥራይ ዝብል እዩ። ነዚ ስነ-ሓሳብ ክገልጾ እንከሎ ድማ – ንሰላም ምድላይምናልባት ግርጭት ዘካተተ እውን እዩ፣ ግጭት ድማ ከም ኣማራጺ ክርአ ይኽእል እዩ። እንተደኣ እቲ እንኮ ኣማራጺ ንሰላም ምዕቃብ ኮይኑ፣ ምቕባሉ ጥራይ እዩ፣ ይብል ነይሩ።

ኣጎስጢኖስ፡ ኣብ ምምዕባ ኣካድያምያዊ ትምህርቲ’ውን ኣዝዩ ዓብዩ እጃም ተጻዊቱ እዩ። ብፍሉይ ድማ – ብነጻ ሞራላዊ ኣተሓሳስባ ዝተቀየሰ ኣካድያምያዊ ናይ ትምህርቲ ኣገባብ ንምህላው ብብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ብጽቡቕ ስነምግባር መምሃራን ዝተሰነየ፡ ጽቡቕ ተገዳስነት ኣብ ነፍሲወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ምህላውን፡ ተመሃሮ ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ንከማዕብሉን ብገዛእርእሶም ንነገራት ክጥምቱ ይሕግዞም እዩ፣ ዝብል ፍሉይ ኣረኣእያ ነበሮ።

እቲ ስዋን፡ ኣየጽቀጠን

ድሕሪ ኣጎስጢኖስ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ብ426 ዝተረከበ፣ ማለት ቅድሚ 4 ዓመታት ምሟቱ፣ እቲ ዝተክኦ ጓሳ፡ ብዕዮታት ኣጎስጢኖስ ኣዝዩ ተመሰጠ። ኮይኑ ግና ድምጽን ስርሓትን እዚ ዓብዩ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስ ግዜ ተዓፊኑን ከይተፈልጠን ዝተርፍ ምስ መሰሎ ከምዚ በለ፣ እቲ ስዋን ድምጺ ኣጥፉኡ ወይ ኣጽቒጡ!” በለ።

ይኹን እምበር እቲ ስዋን’ሲ ሱቅ ኢሉ ኣይኮነን ዘሎ – ኣብ 426 ሱቕ ኣይበለን፣ ኣብ 2020’ውን ሱቕ ኣይበለን፣ ኣብዚ ኩሉ ዘመናት’ውን ሱቕ ኣይበለን። ንከባቢ 1600 ዓመታት፣ ድምጺ ኣጎስጢኖስ ብቀጻሊ ነቶም ብጽድቒ ዝጠመያ ነፍሳት ይጽውዓን፡ ነቲ እንኮ መስፍን ሰላም ዝኾነ ጐይታ የሱስ ንክፈልጡን ሓርነት ክረኽቡ ይእውጃ ኣለዋ። ከምዚ ይብላ ኣለዋ:

ክንደይ ኮን ደስ ይብል፣ እቲ ሓደ እዋን ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግዝያዊ ሓጎስን ደስታን ከየጥፍእ ኢለ፡ ምፍርሀይ እዩ! . . .  ነዞም ነገራት ካብ ውሽጠይ ኣውጺእካዮም፣ ንስኻ ሓቀኛ ሓጎስ ኢኻ፡ ልኡላዊ ፍስሃ። ካባይ ኣውጺኣካ፣ ናብ ቦቦትኦም ሰደድካዮም፣ ካብቲ ግዝያዊ ሓጎሳት ንስኻ ትጥዕም፣ ዋላ ንስጋን ንደምን፡ ንኩሉ ብብርሃንካ ኮላዕካዮ፣ ገና ድማ ኣብ መዓሙቕ ልብና ብዕምቖት ምስጢር ኮይኑ ተሓቢኡ ኣሎ፣ ንስኻ ንኩሉ ካልእ ክብርታት ትሓልፎ፣ ዋላ እዃ ኣዒንቲ ሰባት ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ክብሪ ጥራይ እንተረኣዩ . . .  ዎ ጐይታይን ኣምላኸይን፣ ብርሃነይ ኢኻ፣ ሃብተይ ክብረይ ኢኻ፣ ከምኡ’ውን ምድሓነይ ኢኻ። (Confessions, 181)

 

ኣብ ጽድያ 430፣ እቶም ብቫንዳላውያን (Vandals) ዝፍለጡ ካብ ሰሜናዊ ክፋላት ኤውሮጳ ወሪሮም ንደቡባዊ ኤውሮጳን ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዝተቀጻጸሩ፣ ድሮ ንሮም ኣቃጺሎማ ነበሩ። ቫንዳላውያን ነቲ ግዝኣት ሮም ዝነበረ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ’ውን ብምሉእ ተቖጻጺሮን ነብሩ። ኣጎስጢኖስ ድማ ኣዝዩ ብጽኑዕ ሓሚሙ ነበረ እሞ፣ ብ28 ነሓሰ 430 ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈለየ። እቶም ቫንዳላውያን ድማ መሊሱም ገጾም ናብ ሂፖ ዓዲ ኣጎስጢኖስ ብምጥምዛዝ ዳርጋ ንብምልእቲ እታ ከተማ ከምዘይነበረት ገበርዋ፣ ኮይኑ ግና ቤት-ንባብ ናይ ኣጎስጢኖስ ግና ምንም ከይኮነን ከይነደደን ተረፈ።

ከም ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ስነ-መለኮታዊ ክርስትያን ቅድሚ’ቲ ዓብዩ ጸልማት ናይ መዲቫል ግዜ፣ ኣጎስጢኖስ፡ ኣብ ምምዓብል ክርስትያናዊ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ ጸላዊ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣጎስጢኖስ – ክሳብ እዛ ዕለት ብስነ-መለኮት፡ ፍልስፍና፡ ስለ-ሕብረተ-ሰብ፡ ሞራል፡ ስነ-ምግባርን ጣቛ ዘረባን፡ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብ ኣዝዩ ብዙሕ ጽልዋታት ካብ ዝገደፉ ሰባት ሓደ እዩ።

መወከሲታት:

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.