ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ

ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ – ጀርመናዊ ጴንጠቆስጣዊ ወንጌላዊ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ዝፍለጠሉ ድማ በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም እናተዘዋወረ ዝዝርግሖ ዝነበረ ናይ ወንጌል ወፍርታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዝፍለጥ። ቦንኪ ካብ 1967 ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ሚስዮናውን ኣገልጋሊ ወንጌል ኮይኑ ክሳብ ናይ ጥሮታ ግዚኡ ማለት 2017 ኣገልጊሉ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ግዚኡ ድማ ልዕሊ 79 ሚሊዮን ሰባት ወሲኖም ህይወቶም ንጐይታ ክህቡ እንከለዉ፣ ልዕሊ ማንም ካልእ ኣገልጋሊ ድማ ብብዝሒ ዘገልገሎም ሰባት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ። ከምዚ ዓይነት ምስክርነታት ንምንባብ ኣብዚ ልጥፎ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ምሉእ ስሙ ራይናርድ ዊሊ ጎትፍራይድ ቦንኪ (Reinhard Willi Gottfried Bonnke) ይብሃል፡ ብሚያዝያ 19, 1940 ኣብ ኮኒግስበርግ (Königsberg) ናይ ምብራቕ ፐርሽያ (East Prussia)፣ ጀርመን ተወሊዱ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፡ ኣዲኡ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ መቅጻዕቲ ሓጢኣት ትነግሮ ስለዝነበረት፡ ብጐይታ የሱስ መድሓኒኡ እተዘይገሩ ድማ ካብዚ ከምዘየምልጥ ስለዘፍለጠቶት፣ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ንክቅበል ወሰነ።

ኣቦ ቦንኪ፣ ኣብ ሓደ እዋን ንሃገሩ ብውትህድርና ዘገልግል ዝነበረ ሰብ እዩ። ድሓር ግን ናብ ናይ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ብምምጻእ ከም ጓሳ ማሕበር ብምዃን የገልግል ነበረ። ካብታ ብግዜ ቁልዕነቱ ኣትሒዛ እትምህሮ ዝነበረት፡ ኣዲኡ ድማ ካብ ሓጢኣት ክርሕቕ ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፣ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ተመልሚሉ ዓበየ። ራይናርድ ቦንኪ፣ ገና ኣብ ዓሰርተታት ዓመቱ እንከሎ ንጐይታ ምግልጋል ጀመረ። ኣብቲ እዋን ድማ፡ ጎይታ ከም ምስዮናዊ ኣብ ኣፍሪቃ ከገልግል ከም ዝጸውዖ ብእምነትን ብርግጽነትን ክዛረብ ጀመረ።

ኣብታ «Mighty Manifestations» እብል ምስ ጆርጅ ካንትይ (George Canty) ብምዃን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ድማ፡ ኣብ Swansea ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር እንከሎ ዝረኸቦ ዳይረክተርን ሓላፊ ቤት ትምህርትን ድማ ኣብ ህይወቱ ዓብይ ጽልዋ ከምዝገበረሉ ይነግር። እዚ ሳሙኤል ረእስ ሆውልስ (Samuel Rees Howells) ዝተባህለ ሰብ፡ ንናይ ኣገልግሎት ህይወት ቦንኪ ክነቃቃሕን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘለዎ ቅንኣት ንኽውስኽን ከምዝሓገዞ ይዛረብ። ኣብቲ እዋን ድማ፡ ራይናርድ ቦንኪ፣ ኣብ ሓደ መንፈሳዊ ኣኼባ ጸሎት ክጽሊ ዕድል ምስ ተዋህቦ፡ ጎይታ! ናይ እምነት ሰብ ክትገብረኒ እደሊ ኣለኹ። ዘድልየኒ ነገራት ብየናይ መገዲ ከም ትቕርበለይ ውን ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ። ኢሉ ጸልዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ትምህርቱ ኣብ ቤት-ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዌልስ ወዲኡ ናብ ጀርመን ምምላሱ፣ ቦንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ዓበይቲ ዋዕላታትን ኣገልግሎታትን ኣብ Rendsburg ኣገልጊሉ እዩ። በዚ ከይተሓጽረ ድማ፡ ከም ጋሻ መዳሪ ኮይኑ ብዙሕ ዕድመታት ረኺቡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ጀርመን እናተዘዋወረ መጀመርታ ብብዝሒ ኣገልጊሉ እዩ።

ቦንኪ ኣብ ሓደ ናይ ወንጌል ሙዚቃ ፈስቲቫል፣ ምስ ሓንቲ ኣኒ ሱልዘ (Anni Suelze) ዝተባህለት፡ ኣብቲ ፈስቲቫል እንዳዘመረት እንከላ፡ ናይ ሙዚቃ ቁልፊ ስሒታ ነቲ ውድድር ክሳብ ከኽስራ ዝኽእል እዃን እንተዘመረት፡ ተመሊሳ ብዘገርም ብሉጽ ጸጋ ዝመልኦ መዝሙር ክትዝምር ዝሰምዓ ጓል ተላልየ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ሓደ ሰንበት ኣብቲ ንሳ እተገልግለሉ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ክሰብኽ ተዓዲሙ ከደ እሞ፣ ድሕሪ ፍቅሪ ምጅማሮ ኣብ 1964 ተመርዓዉ። ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ኣኒ ሱልዘ ድማ 3 ደቂ ማለት (Kai-Uwe, Gabrielleን Susie) ዝተባህሉ ደቂ ክህልዉዎም እንከለዉ፡ 8 ደቂ-ደቂ ድማ ኣለዉዎም። ወንጌላዊ ራይናርድ ቦንኪ ብ7 ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2019, ብሰላም ኣብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ስድራ-ቤቱ እንከሎ ናብ ዝፈትዎ ቤት ሑቅፊ ኣቡኡን ጐይቱን ከይዱ እዩ።

ካብ ዌልስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዛዚሙ ምምላሱ፡ ኣብ ቤተክርስትያኑ ከም ጓሳ ማሕበር ብምዃን ንሸውዓተ ዓመታት ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ ብ1967 ዓም ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝጀመረ ክኸውን ከሎ፣ ናይ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ከኣ ኣብታ ብእምባታት ዝተከበት ንጉሳዊት ሃገር ለሴቶ እዩ ነይሩ። ኣብታ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቀበሎ ራእይ ድማ «መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ – ብክቡር ደም የሱስ ክርስቶስ ክትነጽህ» ዘርእይ፡ ካብ Cape Town ክሳብ Cairo፣ ከምኡ’ውን ካብ Dakar ክሳብ Djibouti ብወንጌል ንክብጻሕን ብስራት ወንጌል ንክእወጅን ዝብል እዩ ነይሩ።

እዚ መስራትን መራሕን ናይቲ ብማሕበር ክርስቶስ ንኹለን ሃገራት ወይ ድማ (Christ for all nations) ዝፍለጥ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ፡ በቲ ካብ ለሴቶ ብ1967 ዝጀመረ ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ውሽጢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብተኸታታሊ ብዙሕ ወንጌል ናይ ምዝርጋሕ ጥፈታት ኣካይዱ እዩ። ብርግጽ ኣብ ምጅማር እዚ ኣገልግልት ኣዝዩ ዕዉትን ብዙሕ ውጽኢት ዘርኢ ኣይነበርን፣ ኮይኑ ድማ፡ ካብዚ ዝተላዕለ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ስምዒታት የርኢ ነይሩ እዩ። ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ድማ – ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ራእይ፡ ኣብ ለሴቶ – ንተስፍኡ ዘሐድስን ኣገልግሎቱ ዘቐጽልን ራእይ እዩ ነይሩ።

ራይናርድ ቦንኪ ወንጌል ንምዝርጋሕ ክጥቀመሉ ኣለኒ ዝበሎ መገዲ፡ ሓደ ንሓደ ናይ ምምስካር ንጥፈት ኣይበረን። እንታይ ደኣ፣ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰባት ዝብጽሑሉ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ክህሉ ኣለዎ፣ ኢሉ እዩ ዝኣምን ዝነበረ። ኣብቲ ብChristian Broadcasting Network ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ድማ፣ ዋላ እዃ ወንጌል ምስባኽ ኣብ 800 ሰባት ብዝሕዝ ድንኳን ማለት ዳስ እንተጀመረ፣ ኣብ 1984 ድማ ኣብ ዓለም ክንቀሳቀስ ዝኽእል ዝዓበየ ናይ ድንዃን ማለት ቴንዳ ኣገልግሎት ብምግባር ክሳብ 34 ሽሕ ሰባት ኮፍ ኣቢሉ ክሕዝ ዝኽእል ዱንኳናት ተጠቂሙ ነይሩ።

ኮይኑ ግና፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እዚ 34 ሽሕ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ናይ ድንዃን ኣገልግሎት፣ ብህቦብላ ንፋስ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ ስለ እተወስደ ካልእ ኣማራጺታት ክጥቀም ተገደደ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ግዜ ድማ፣ ኣገልግሎቱ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሜዳ ክሳብ 100 ሽሕ ሰባት ናብ ምግልጋል ደረጃ ክዓብይ እንከሎ፣ ኣብዚ ከይትሓጽረ ኣገልግሎቱ ኣዝዩ ዓበየ። ኣብ ሓደ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ሌጎስ፣ ናይጀርያ ክሳብ 1.6 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት፡ ኣብ ሰፊሕ ሜዳ ብምግልጋሉ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ብብዝሒ ሰባት ዝተረኽቡሉ ኣገልግሎት ኮይኑ ይርከብ። ንኣገልጉሎቱ ዝጥቀመሎም መጉልሒ ድምጽታት፣ ክንዮ ብዙሕ ኪሎሜተራት ንዘለዉ ሰባት፣ ይፍተዉ ይጽልኡ ብዘየገድስ፣ ክርስቶስ ከም ዘድሕን ከም ዝሰምዑ ዝገብር ድማ እዩ ነይሩ።

ካብ 1987 ጀሚሩ ዝተታሕዘ ሰነዳት Christ for all nations፣ ካብ 79 ሚልዮን ሰባት ንላዕሊ፣ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ገይሮም ክቕበልዎ ከም ዝወሰኑ ይገልጽ። ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብምልእኣኽ ትምህርቲ ደቀ መዝሙር ዝሰልጠኑን ዝስልጥኑ ዘለዉን ድምር ቁጽሪ ሰባት ድማ 185 ሚልዮን ዝበጽሕ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ስልጠና ድማ ኣብ 55 ሃገራት ብ103 ቋንቋታት ይቕጽል ኣሎ። ነዞም ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ተምሃሮ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መንፈሳዊ መጽሓፍቲ ኣብተን ከም መሰልጠጢ ማእከላት ዝፍለጣ ሃገራት፡ ከም ኣጸዋውዕኦም ድማ «ማእከል ፈልስታት» ተዘርጊሑን ብነጻ ክዕደል ተገይሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ’ውን ኣብቲ ብራይናርድ ቦንኪ School of Fire ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ድማ ብርሕቀት፡ ብonline፡ ብገዛእ-ርእስኻ ምምሃርን ካልእ መገድታት ብሚሊዮናት ሰባት ትምህርትታት ይከታተሉ። ኣብዚ ብተኸታታሊ ትምህርቲ ንዝሳተፉ ተምሃሮ፣ ድማ ካብ ሰርቲፊኬት ክሳብ ዲግሪ ዝበጽሕ ምስክርነት ወረቐት ይውሃብ።

ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ፡ 55 ሚልዮን ሰባት ንጎይታ የሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ገይሮም ከም ዝተቐበልዎ ሰነዳት Christ for all nations ይገልጽ። ዝያዳ ኩሉ ራይናርድ ቦንኪ ዝፍለጠሉ፣ በቲ Fire Conference ዝተባህለ መደባቱ እዩ። ኣብዚ መደብ ድማ ዝተፈላለየ ዓላማ ኣለዎ

  • ሰባት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓዊ ተነቓቒሖም ናይ ክርስቶስ ወንጌል ክምስክሩ ንምልዕዓል እዩ። ሰባት ብመድሓኒኦም ክርስቶስ የሱስ ኣሚኖም ክድሕኑ፡ በዚ ፕሮግራም ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ክፍለ ዓለማትን ንብዙሓት በጺሑ።
  • ኣገልገልቲ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ዝተነቓቕሑን፡ ንዝርግሐ ወንጌል ዝተዓጠቑን ንምግባር እዩ። በዚ መደብ ድማ ልዕሊ 95 ሚልዮን ብዛዕባ ክርስቶስ መድሓኒ ምዃኑ ዝገልጹ፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስዱ ጽሑፋት ብቅድሓት ተሓቲሞም ይዝርግሑ ኣለዉ።
  • ዝተፈላለየ ኣገባባት ብምጥቃም፣ ነቶም ካብ ወንጌል ሓቂ ዝጠፍኡ ሰባት ንምምላስን፣ ነታ “ናይ ሓዊ ነበልባል” ትብል ንሸሞንተ ክፋላት ዝሓዘት ተኸታታሊት መንፈሳዊት ፊልም ድማ፣ ኣገልገልቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፣ ናይ ወንጌል ዝርግሐ ክዳለዉን ከተግብሩን ከምዝተባብዑ ይግበር።

ራይናርድ ቦንኪ፡ ንኣፍሪቃ ብወንጌል ንምብጻሕ ብእግዚኣብሄር ራእይ ተቐቢሉ እዩ። ወንጌል ናብ ብዙሓት ሰባት ካብ ምብጻሕ ዝሓለፈ፣ ተቖጺሩ ዘይውዳእ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ፈውስን ትኣምራታትን ክገብር እግዚኣብሄር ዝተጠቐመሉ ወንጌላዊ’ውን እዩ። ኣብዚ ናይ ወንጌላዊ ኣገልግሎቱ፣ ኣዒንቲ ዓይነ ስዉራን ክበርሁ፡ ዓባሳት ክዛረቡ፡ ጽሙማን ክሰምዑ ክኢሎም እዮም። ከምኡ ውን ብርክት ዝበሉ ድውያን ተፈዊሶም እዮም። እዚ ናይ ፈውሲ ውህበቱ ድማ፡ ብብዙሓት ዝተፈወሱ ሰባት ክረጋገጽ ተኻኢሉ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንብዙሓት ኣገልገልቲ ኣብ ጎድኑ ብዘሰለፈ ሕልፍ ዝበለ ምውህሃድ፣ ኣብ ዙርያ ዓለም ዓበይቲ ናይ ሕብረት ኣገልግሎታት ብምግልጋል፣ ብዙሓት ካብ ኣፍ ሲኦል መንጢሉ ብምውጻእ፣ ንመንግስቲ ሰይጣን ዘናወጸ ናይ እግዚኣብሄር ባርያ እዩ።

ከም ራይናርድ ቦንኪ – ዝኣመሰሉ ብእምኑነትን ብትግሃት ዘገልግሉ፣ መንፈሳዊ ህይወቶም ዓላምኦምን ሓልዮም፡ ተጽዕኖ ዝፈጥሩ ንከባቢ 50 ዓመታት ዝኣክል ጽልውኡ ከይጎደለ ምቕጻሉ እዩ። ሎሚ ውን፣ ሓደስቲ ነፍሳት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እናማረኹ፣ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከምጽኡ ምርኣይ፣ ኣዝዩ ዘገርም ነገር እዩ። እቶም ዘገልግሎም ኣገልግሎታትን ትካላት ድማ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖም፡ ጽኑዕ ብዝኾነ ሰረት ዝተመሰረቱ ብምዃኖም፡ ንብዙሕ ዓመታት ዝቐጸለ ስርሖም፡ ሎሚ ካልኦት ሰባት ተቐቢሎሞ የካይድዎ ኣለዉ። በቲ ንብዙሕ ወለዶታት ኣርሒቑ ዝጠመተን ራእይ ዝገበረን ኣገልግሎት፡ እቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዝርኣይዎ ራእይ፣ ሎሚ ኣብ ነገራዊ ዓለም ክውን ኮይኑ ኣገልግሎት ምሃቡ ዝድነቕ እዩ። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና፣ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ብእግዚኣብሄር ዝተቀመጠ ጸጋ፡ ሓሳብ፡ ፍልጠትን ትሕዝቶን ተጠቒሞም ብሕብረት ስለ ዝሰርሕዎ ስራሕ እምበር፣ ብብሕቶም ናተይ ጥራይ ዝብል ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣይነበን። ነገር ግን ነዞም ሰብ ራእይ፡ ብሰሪ ኣገልግሎቶም ብዙሕ ብድሆታትን ተጻብኦታትን እንተገጠሞም፡ ኣብዚ ኹሉ ዕዮ ምቅብባል እንተዘይነብር ነይሩ፣ እዚ ኣገራሚ ስራሕ ንምስራሕ ኣይምኽኣሉን ነይሮም።

 

ምንጪ –

https://believersportal.com/evangelist-reinhard-bonnke-biography/

https://cfan.org/reinhard-bonnke

https://www.bbc.com/news/world-africa-50781193

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.