ፖሊካርፕ

ፖሊካርፕ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ክርስትያን እዩ ነይሩ፣ ይኹን እምበር ሮማውያን ክሳዕ ኣብ ሰማንያ ዓመቱ ዝኸውን  ክቐትልዎ ምስ ደለዩ እዩም። ምኽንያት ምድንጓዩም ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ናይ ሓድሽ ኪዳን ታሪኽ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰማእት ኰይኑ ተመዝጊቦም ካብ ዘለዉ እዩ።

ዘይተማህረ ግን ከኣ ቀጥታዊ

ፖሊካርፕ፣ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምሹእ ዝዀነ መዋእል: ማለት ኣብ መወዳእታ እቶም ቀዳሞት ሃዋርያት ዝነበርዎ ዘመን፣ ናብ ካልኣይ ወለዶ ምእመን ንምስግጋር እትጽዕረሉ ዝነበረት እዋን ድማ እዩ ዝነብር ነይሩ ።

ፖሊካርፕ – ካብ ሃዋርያ ዮሃንስ ብምምሃር መራሕቲ ቤተክርስትያን ኮይኑ፣ ነታ ኣብ ዘመኑ ዝነበረት ቤተክርስትያን ኣገልጋልን ተጣባቒ ንወንጌል ክርስቶስን ኮይኑ ደው ዝበለ እዩ። ነታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ማሕበር ማለት (ናይ ዘመንና ኢዝሚር ኣብ ዝብሃል ቦታ ቱርኪ እትርከብ ከተማ) መራሕ ማሕበር ኰይኑ ከም እተሸመን ጽሑፋት ታሪኽ ይሕብሩ።ኣብቲ እዋን፣ ቤተክርስትያን ዝተፈላለየ ንዓኣ ዚጻረር ማሕበራውን ስነመለኮታውን ነገራት የሸግራ ነይሩ። ፖሊካርፕ ድማ ከም ሃዋርያዊ ኣቦ ነዚ ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ።

ንኣብነት ክርስትያናት ከመይ ኢሎም ኪመላለሱ፣ ኣብ እምነት የሱስ ክርስቶስ ድማ ኪጸንዑ ከምዘለዎም ብሃዋርያዊ ምዕዶ ኣሰንዩ ጽሒፉሎም። ጸኒሑ፡ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ መዕለቢ ክገብረሉ ፈተነ። ኣብ ቤተክርስትያን ኪረአ ንዝጀመረ ፋይናንስያዊ ምስሕሓብ ድማ ብኣገባብ ኪሕዝዎን ኪፈትሕዎን ከምዘለዎም ነቶም ኣመንቲ ይመክር ነበረ።

ሓደ ካብቶም ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ዘጨንቕ መናፍቓን ዝዀነ «ግኖስቲካዊ ማርሲዮን» እዩ። ካብቲ ንጽልዋኡ ዕዙዝ ዚገብሮ፣ ኣንጻር እዚ «ማርሲዮን” ዚበሃል መምህር ኬተኣታትዎ እተበገሰ ንመንነት «ኣምላኽ” ብሉይ ኪዳን ብምንጻግ ንክርስትና ናይ ምቕያር ሓሳብ ደው ምባሉ እዩ። በዚ ኸኣ ፖሊካርፕ ጓሳ ማሕበር ናይ ስሚርና ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን ሓደ ካብቶም ቀንዲ “ተጣበቕቲ ወንጌል” ዝነበሩ ምዃኑ ንርዳእ።

ምህሮ ግኖስቲካዊ ማርሲዮን ግና፡ ክሳብ ናብ ሮሜ ብምኻድ ጐይዩዎ እዩ። በዚ ድማ ማርሲዮን መምህር እዚ ስሕተት ምህሮ እቲ “ናይ መጀመርታ ወለዶ ሰይጣን” ኢሉ ጸውዖ። ፖሊካርፕ ድማ ንብዙሓት ካብ ግኖስቲካዊ ምህሮ ንምምንዛዕ ከም ቀንዲ ሓላፍነቱ ተተሓሓዞ።

እታ ናብ ሰብ ፊልጲ እተጻሕፈት ጉስነታዊት መልእኽቲ ድማ፡ ሓንቲ መልእኽቲ፣ ስሩዕ ትምህርቲ ከም ዘይነበሮን ዘይጸዓድን ኣዝዩ ትሑትን ቀጥታውን ከም ዝነበረን እተርኢ እያ። ካብታ ንሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ መልእኽቱን ካልእ ጽሑፋቱን ከምዚረአ ጽልውኡ ብዙሕ ከምዝነበረ ኣየጠራጥርን። ኣብዛ መልእኽቱ ዋላኳ ከም ናይ ጳውሎስ ዝበለ ቅዲ ናይ መዝሙራዊ ኣገላልጻ እንተቕረበ፣ መንፈስ መልእኽቲ ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝኾነ “ናይ ፍቕሪ” መልእኽቲ፣ ንሰብ ፊልጲ ከምዝጸሓፈ የርእየና።

እዚ ዓይነት መፍለዩ ባህርያት ድማ – ብፍሉይ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሰማእት ዝኮነሉ ንዝተጻሕፈ ጽሑፋት ኰይኑ ዝጸሓፎ ዛንታ ብንጹር ይርአ እዩ ።

ኣብ 155 ድ.ል.ክ ቤተክርስትያን ስሚርና ብዙሕ ስደት ነበራ። ሽዑ ፖሊካርፕ ናብ ሮሜ ኪበጽሕ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዙሓት ክርስትያናት ይቕተሉ ነበሩ። ብሃንደበት ኣብ 86 ዓመቱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ስለምንታይ ምዃኑ ብንጹር እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ፡ ሰበ ስልጣን ሮም፣ ኺኣስርዎ ከም ዝሓሰቡ ምስ ሰምዐ ግና፡ ኣብ ቤቱ ኰይኑ ክጽበዮም ወሰነ። ንሱ ግና ካብ ሮሜ ምውጻእ ኣበየ። ኣብቲ ክርስትያናት ኣብ ስታድዩማት ዚቕተሉሉ ዝነበረ ህዝቢ እታ ከተማ ንፖሊካርፕ ኬምጽእዎ ጨደረ።እቶም ብስንባደ እተጎብኡ ሰዓብቱን ፈተውቱን፣ ምእንቲ ኸህድኦም፣ ክሃድም ለመንዎ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካብታ ከተማ ወጻኢ ናብ ዝርከብ ንእሽቶ ቦታ ክኸይድ ተሰማምዐ። ኣብኡ ኽጽሊ ከሎ ግና፡ ሓደ ራእይ ረኣየ። ዝረኣዮ ወይ ዝሰምዖ ዘበለ ኣይፈለጡን። ግና ንኣዕሩኽቱ፡ “ብህይወተይ እንከለኹ ክነድድ ኣሎኒ” ኢሉ ከምዝነገሮም ይነግሩ።

ድሕርዚ፡ ወተሃደራት ሮም ናብቲ ፖሊካርፕ ዝርከበሉ ቦታ ብምምጻእ ረኸብዎ። ዋላ እዃ ፈተውቱ ክሃድም እንተነገርዎ፡ ፖሊካርፕ፡ “ፍቓድ ኣምላኽ ክግበር እዩ” ኢሉ መለሰሉ፣ ነቶም ወተሃደራት ድማ ንክወስድዎ ፈቐደሎም።

ናብቲ ስታቲዩስ ኳድራቱስ ዝበሃል ምስለኔ ኣምሪሑ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝርከብሉ ስታድዩም ክምርመር ጀመረ። ፖሊካርፕ በቲ እተገብረ መርመራ ፈጺሙ ኣይተሰናበደን። መርማሪ ኳድራቱስ ድማ፣ ቍጥዓኡ ኽሳዕ ምቁጽጻር ዝስእን፣ ከፈራርሆን ክህድዶን ጀመረ። ንፖልካርፕ ንምፍርራህ ድማ፦ “ናብ ኣራዊት ክትድርበ ኢኻ፣ ኣብ ገረብ ሰቂለ ከቃጽለካ እየ፣» እንዳበ ኣፈራርሆ።

እቲ ሓለቓ ካብ ዕቤቱ እተላዕለ ንፖሊካርፕ ደንገጸሉ እሞ፣

“ንክርስቶስ ርገሞ እሞ ክለቀካ እየ” በሎ። ፖሊካርፕ ግን «ንሰማንያን ሽዱሽተን ዓመታት ኣገልጊለዮ፣ ሓንቲኳ ኣይበደለንን፣ ከመይ ኢለ እየሞ ነቲ ዘድሓነኒ ንጉሰይ ክረግሞ?” ኢሉ መለሰ።

እንተኾነ እቲ ሓለቓ ተስፋ ከይቆረጸ ኪኽሕድ ሓተቶ። ፖሊካርፕ “ኣነ ክርስትያን እየ” ኢሉ ፈጺሙ ኣቕበጾ።

ፖሊካርፕ ድም ንኳድራቱስ እቲ ምስለኔ፣ «እዚ ኣብዚ ዝነድድ ሓዊ ቍሩብ ግዜ ዝጸንሕ ሓዊ  እኳ እንተ ኰነ፡ እቲ ናይ ፍርዲ ሓዊ ግና፣ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም እተሓዝአ ሓዊ እዩ።” ኢሉ ገጸሉ። ፖሊካርፕ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ እትድንጒ፧ ንዓ፡ እቲ እትገብሮ ግበሮ” በሎ።

ድሕርዚ፡ እቶም ወተሃደራት ንኺሰቕልዎ ሓዝዎ። ይኹን እምበር ፖሊካርፕ ደው ኣበሎም፡ ከምዚ ድማ በሎም – “ከምዛ ዘለኽዋ ደኣ ግደፉኒ። እቲ ኣብ ሓዊ ከሕልፈኒ ዝኽእል፣ ኣብ ዝቃጸል ባርዕ እትየ’ውን፡ ብዘይ እዚ መሳምርኩም እውን ከይተንቀሳቀስኩ ከጽንዓኒ ይኽእል እዩ በሎም።

ዓው ኢሉ ጸለየ፡ «እቲ ሓዊ ድማ ገደደ፡ ቃል ቃል ኢሉ በራዕራዕ በለ፡ ስጋኡ ድማ ክቕህም ጀመረ። እቲ ነባሪ ስራሕ እዚ ሰማእት ግና – “ከምቲ ዝነድድ ስጋ ዘይኰነስ፣ ከም ዝስንከት ሕብስቲ ወይ ድማ ከምቲ ወርቅን ብሩርን ኣብ እቶን ሓዊ ከም ዝጸርይ እዩ” ተገሊጹ እንረኽቦ።

ፖሊካርፕ ብሓዊ ተቓጺሉ ኪመውት ተፈርደ፣ ግናኸ በቲ ሓዊ ስለዘይሞተ መሊሶም ብሴፍ ወጊኦም ቀተሉዎ።

ንሱ ቅድሚ ሞቱ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፣-

ኦ ኩሉ እትኽእል ጎይታ እግዚኣብሄር፣ ኣቦ እቲ ፍቁርን ብሩኽን ወድኻ የሱስ ክርስቶስ፣ ብእኡ ጌርና ንዓኻ ዝፈለጥናካ፣ ኣምላኽ መላእኽትን ሓይልታትን ኩሉ ፍጥረትን፣ ከምኡውን ናይ ኩሉቲ ኣብ ቅድሜኻ ዚነብር ጻድቕ ዓሌት፣ ኣብ ቁጽሪ ሰማእታትካ ካብ ጽዋእ ቅቡእካ ክርስቶስ ግደ ክቕበል፣ ንትንሳኤ ዘለኣለማዊ ህይወት ነፍስን ስጋን፣ በቲ ዘይጠፍእ መንፈስ ቅዱስ ነዛ መዓልትን ሰዓትን ዚበቅዕ ስለዝገበርካኒ እባርኸካ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንስኻ እንታ ዘይብልካ ሓቂ ኣምላኽ ዘዳለኻዮ ዘፍለጥካዮን ዝፈጸምካዮን ኣብ መንጎኦም ሎሚ መዓልቲ በዚ ስቡሕን ቅቡልን መስዋእቲ ተቐበለኒ። አመስግነካ፣ እባርኸካ። በቲ ዘለኣለማውን ሰማያውን ሊቀ ካህናት ዝኾነ ፍቁር ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ልዕል አብለካ። ብእኡ ንዓኻ ንዕኡን ንመንፈስ ቅዱስን ሎሚ ከምኡውን ንዘመናት ክብርን ግርማን ይኹንካ። ኣሜን

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.