ጀምስ ሃድሰን ተይለር

ሰብኣይ ምስ ኮንኩ፡ ሚስዮናዊ ኮይነ ናይ ቻይና ክኸይድን ወንጌል ክሰብኽን እየ። ብምባል ኩሉ ግዜ ኣብ ኣእዛን ስድርኡ፡ ዝቓጭሎ ህንጥዩነት ካብ ልቡ ኣፍሲሱ ዝነግሮ ዝነበረን እዩ። እዚ ሓሳብን ትልምን ገና ሓደ ሕንጫል ንእሽቶ ቆልዓ እንኮሎ ዝምነዮን ሃረር ዝብሎን ናፍቖት ልቡ እዩ፣ – ጀምስ ሃድሰን ተይለር

ድሕረ ባይታ ስድራቤት

ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ብ21 ግንቦት 1832 ኣብ ባንስለይ እትብሃል ናይ ዓባይ ብርጣንያ ከተማ ተወልደ። ካብ ሓደ ፋርማሲስን ናይ ሜቶዲስት ቤተ ክርስትያን ኣባልን ሰባኽን ዝኾነ፡ ጀምስ ተይለር ዝተባህለ ኣቦ ተወልደ። ኣብኡ ሰባኽን ወዲ ሰበኽትን እዩ ነይሩ። ወለዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ዘፍቅሩን፣ ኩሉ ሰብ ድማ መገዲ ክርስትያና ክፈልጥ ሃረር ዝብሉን፡ ብልዑል ተኣማንነት ዘገልግሉን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነበረ። ኣደ ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኣሚሊያ ሃድሰን ተይለር ድማ ከምኡ ንፍዕትን ንእግዚኣብሄር እትፈቱን እምንቲ በዓልቲ-እንዳ እያ ዝነበረት።

ስለዚ ድማ ከም ህጻን፡ ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኩሉ ሰብ ክረኽቦ ሃረር ዝብሎ፡ ብሉጻት ወለዲ ዝተዓደለ ቆልዓ ኮይኑ እዩ ዓብዩ፡ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ፡ ኣዝዩ ትኩርን ምጭዉን እዩ ዝነበረ፣ ግናኸ ኣዝዩ ወሳንን ተሪርን ስለ ዘይነበረ፡ ወለዱ ባህርያቱ ብቀሊሉ ከይበላሾ ኣዝዩ ይፈርሁን ይስኸፉን ነበሩ። ወለዱ ግና፡ ምእዛዝን ምግታእ ርእሱ ክመሃር ከም ዝግብኦ ካብ ሽዓኣ እዮም ተገንዚቦን ዝነበሩ። ሽሕ እኳ ተነቃፊ ቆልዓ እንተነበረ፣ እዘን ትምህርትታት እዚኣተን ንኽምህርዎ ግና ቆሪጾም ወሰኑ።

ገና ወዲ ክልተ፡ ሰለስተ ዓመት ንእሽቶ ህጻን ኮይኑ፡ ምስ ኣብኡን ኣዲኡን ንቤት ክርስትያን ይኸይድ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ቤተክርስትያን ነዊሕ መደብ ናይ ኣገልግሎት እንተ ደኣ ብስነ-ስርዓት ተኻፊሉ፣ ቡራኬ ተገይሩ ተወዲኡ ድማ፣ ወለዱ ነቲ ኣብ ድሕሪኦም ኮፍ ንዝብል ኣቦሓግኡ ንተይለር ንኽሓቅፎ ይህብዎ ነይሮም። እዚ እቲ ሓደ ኣብ መላእ ህይወቱ ዝዝክሮ ተዘክሮታት እዩ።

ንእሽቶ ቆልዓ ኮይኑ ካብቲ ኣዝዩ ዘሓጉሶ ዝነበረ ነገር ድማ፣ ምስ ምንኣስ ሓዉ ምጽዋት ይፈቱ ምንባሩ እዩ። ከምኡ ድማ ነታ ንእሽቶ ሓፍቱ ብእግራ ምኻድ ንኽምህራ፡ ታተ የብላ ከምዝነበረ ይዝኽር። ኮይኑ ግና ገና እንሽተይ እንዳሃለወ እንከሎ እዩ እቶም ኣዝዮም ዝፈትዎም ዝነበረ፡ ክልተ ምንኣሱ ኣሕዋቱ ብሞት ካብዛ ዓለም ዝተፈለይዎ። እዚ ድማ ናብራ እዛ ዓለም፡ ጓህን ደስታን መኻፍልቲ ህይወት ምዃኖም ብንኡሱ ዝተማህሮም።

ካልእ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዝነበረ ነገር፡ ምስ ፍጥረታትን እንስሳታት ዝነበሮ ፍቕሪ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ምርኢት ናይ እንስሳታት ነበረ፣ እዚ ድማ ንሃድሰን ዝያዳ ብህንጥዩነትን ብተመስጦን ንክርእዮ ቀሰቦ። ኣብዚ ምርኢት እክብካብ ናይ ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ብመልክዕ ኤግዚቢሽን እዩ ቀሪቡ። ኣብቲ ምርኢት ድማ ካብ ፍቕሪ እንስሳታትን ተፈጥሮን ዝተላዕለ፣ ብዘይ ገለ ስንባደ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ጣውላ ተሓጺሮን ተቀሪቦምን እንስሳታት ክርእዮም ሃረፈ። ይኹን ኣምበር መእተዊ ናብቲ ምርኢት ዝኸውን ኣብ ኢዱ ዝነበረቶ፡ ብክንደይ ጻዕሪ ዝረኸባ ሓንቲ ሳንቲም ጥራይ እያ። ነቲ ኣብቲ መእተዊ ኣፍ ደገ ናይቲ ምርኢት ቦታ ዝነበረ ሰብ ምስ ሃቦ ግና፣

ኣብዚ ምርኢት መእተዊ እኮ ክልተ ሳንቲም እዩ ብምባል መለሰሉ፣

ተይለር ድማ፣ – ካልኣይቲ ሳንቲም ደኣ ዘይብለ፣ ካብ ዘይምህላው ድማ ሓንቲ ሳንቲም ምህላው ከም ዝሓይሽ ትፈልጥ ኢኻ።ኢሉ ምኽንያት ሃበ

ነቲ ዘቕረቦ ምኽንያት ስለዘይተቀበሎ ግና፣ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ተሪሩ ምእታው ኣበዮ። ተይለር ድማ ኣዝዩ ጉህዩ፣ ጸገሙ ነዲኡ ንኽነግራ እንዳጎየየ ኸደ። ወላዲቱ ግና ብኣንጻሩ፡ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ንመእተዊ ክልተ ሳንቲም ከኽፍል ብምሕታቱ ሓላፍነቱ ከምዝገበረ ገለጸትሉ። ኮይኑ ግና ካልእ ዘዕግብ ኣገባብ ኣፈታትሓ ናይዛ ሽግር ከኣ ኣምጸአትሉ። ከምዚ ድማ በለቶ፣

ሃድሰን ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ጽቡቅ ኢኻ ክትገብር ቀኒኻ፣ ኩሉ ተግባራትካ ደስ ስለ ዝበለኒ ድማ እዛ ሳንቲም እዚኣ እንካ፡ መወሰኽታ ካልኣይቲ ሳንቲም ክትኮነካ እያ። ኢላ ካልኣይቲ ሳንቲም ወሰኸትሉ፡ ልቡ ብሓጎስ ተመሊኡ ድማ እናዘለለ ጐይዩ ኸደ።

ስድራቤት ጀምስ ተይለር፡ ካብ ግዜ ቁልዕነቶም ጀሚሮን ኩሉ ስነ-ስርዓትን ስነ-ምግባር ተማሂሮም እዮም ዓብዮም። ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ፡ ምስ ሰባት ኮነ ንውልቖም፡ ኩሉ እዋን ጽፉፋትን ጽሩያትን ክኾኑ፡ ኣእዳዎምን ገጾምን ብዝግባእ ክሕጸቡ፣ ጫምኦም ክነግፉ፣ ጽፍሮም ብግቡእ ክሕዙን ተማሂሮም እዮም ዓብዮም።

ብዘይካ እዚ’ውን፡ ሰዓት ምኽባር እቲ ካልእ እተማህርዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ዉሉዶም፡ ኣብ እዋን መኣዲ፡ ኣብ ቆጸራታትን ካልእን ኩሉ ዝህልዎም ርክባትን፣ ኣብ ሰዓቱ ክርከብ ከምዘለዎም ፈሊጦም ዓበዩ። ብዙሕ እዋን ድማ ኣብኦም ተይለር ከምዚ ይብሎም ነበረ፣ – ሓሙሽተ ሰባት ንሓንቲ ደቂቅ እንተደኣ ተጸብዮምካ፡ ተመሊስካ ክርከብ ዘይክእል ሓሙሽተ ደቃይቅ ኣብ ህይወትኩም ከም ዝጠፍእ ክትፈልጡን ክትግምቱን ኣይንኽእልን?” ብምባል ኩሉ ግዜ ይብድሆም ነበረ።

ኣብኦም፡ ብድኽነት ካብ ምዕባዩ ዝተላዕለ፡ ንደቁ ዝውረስን ዝወሃብን ሃብትን ናይ ዓለም ትሕዝቶን ብዙሕ ኣይነበሮን። ግናኸ ኣዝዩ ብሉጽ ነገር ደኣ ኣውሪስዎም ሓለፈ። ንሱ ድማ – ጽኑዕ እምነት ኣብ እግዚኣብሄርን ልዑል ክብሪ ንቃል ኣምላኽን።

ትምህርትን ስራሕን

ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኣዝዩ ተሪርን ደፋርን ስለዘይነበረ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ መጀመርታ ዓመታቱ ኣይከደን፡ ግና ትምህርቱ ብዝያዳ ኣብ ገዛ እዩ ቀሲምዎ። ኣብ ገዝኡ ድማ ካብቶም ለባማትን ወራዙን ወለዱ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክረኽቦ ዝኽእል ፍልጠትን ስነ-ምግባርን ቀሲሙን ተማሂርን እዩ ዓብዩ።

ግና ጀምስ ሃድሰን ተይለር ናይ ትምህርቲ እዋኑ ወዲ 11 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ጀሚርዎ። ትምህርቱ ድማ ምስ ብዙሓት ቆልዑ ምሕዝነት ክገብርን ንክፋለጥ ኣዝዩ እዩ ሓጋዚ እዩ ነይሩ። ነገር ግን፣ ናይ ትምህርቲ ግዚያቱ ጽቡቃትን ጥዑማትን ኣይነበራን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተማህሮ፡ ናይ ንእስነቱ እምነት ኣጥፍኦ፣ ህይወቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ካብ እግዚኣብሄር እንዳረሓቀት ከደት፡ ተመሊሱ ክሳብ ህይወቱ ንጐይታ ዝህብን ዝውፍን ድማ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ።

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣብ ሓደ ባንኪ ከም ጸሓፊ ኮይኑ ስራሕ ጀመረ። ይኹን እምበር ኣብቲ ቦታ ስራሕ እምነቱ፡ ከም ፋሽኑ ዝለፎን ድሑን ኣተሓሳስባን፡ ብኩሉ ንጹልን ብፈላስፋትትን ጸሓፍትን ድማ ተነቃድን መስሓቕን ኮነ። ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ገዝኡ ምስ ተመልሰ፣ ካብ ካልእ እዋናት ብዝበኣሰ ካብ እግዚእብሄር ኣዝዩ ርሒቁ ነበረ።

ኣብኡን ኣዲኡን ግና ንድሕነት ዉላዶም ግዲ ስለዝነበሮም፡ ጾር ተሰኪሞም ነንመዓልቱ ይጽልይሉ ነበሩ። ሓፍቱ ኣመሊያ ድማ ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክትጽልየሉ ንኣእምሮኣ ድሉው ገበረቶ፣ ነዊሕ ኣይጸንሐን ድማ ጸሎት ወለዱን ሓፍቱ ምላሽ ረኸበ።

ለውጢ ሃድሰን ተይለር

ሓደ መዓልቲ ከባቢ ወዲ 17 ዓመት ምስኮነ፡ ኣብ ገዛ ምንም ዝሰርሖ ስራሕ ኣይነበሮን፣ ላዕሊ ታሕቲ ኢሉ ዝገብሮ ምስ ጠፍኦ ድማ፡ ኣብታ ኣጋ ምሸት ኣብ ናይ ኣቦይ ቤተ መጽሓፍቲ ኣትየ ንግዜ መሕለፊ ዝኸውን መጽሓፍቲ ክገላብጥ ጀሚረ። ኣደይ ኣብ ገዛ ዘይነበረትን፣ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እዩ፣ እንታይ ደኣ እሞ፡ መጽሓፍ ምንባብ እዩ ዝሓይሽ። ካብቲ ኣብኡ ዝነበረ መጽሓፍቲ ግና፡ ዝስሕቦ ኣይረኸበ። ሃንደበት ግና፣ ሻቡ ኣዒንቱ ኣብ ሓንቲ ናይ ፋንፍለታት ሳንጣ ኣተኮራ። ሓንቲ ሰሓቢት ኮይና ዝተራኣየቶ ትራክት ናይ ወንጌል (ማለት ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝሓዘት ንእሽቶ ጽሕፍቲ) ኣልዓለ። ኣርእስቲ እቲ ዘልዓሎ ጽሒፍ ድኻ ርቻርድ ዝብል እዩ ዝነበረ። ንገዛእ ርእሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ክዛረባ ጀመረ፡

እዚ ጽሑፍ መጀመሪ ታሪኻዊ ዛንታ ይህልዋ ይኸውን እዩ፣ ኣብ መዛዘሚኡ ግና ፍሉጥ እዩ፣ ስብከት ወይ ሞራላዊ ማዕዳ ከም ዝህልዋ። በለ።

እቲ መፈለምታኣ ከንብብቦ እየ፣ እቲ ዳሕረዋይ ግና ነቶም ዝፈትዎ ክገድፈሎም እዩ። በለ።

ነታ ጽሕፍቲ ኮፍ ኢሉ፡ ዳርጋ ብዘይተገዳስነት ሸለል ብምባል ከንብባ ጀመረ። ብርግጽ ኣብቲ እዋን ዝነበሮ ኣረዳድኣ፣

ገለ ምድሓን ዝበሃል እንተሎ፡ ንዓይ ግና ኣይምልከተንን እዩ ዝብል እዩ ነይሩ።

እታ ትራክት ድማ ስልቹው ኮይኑ እንዳኣንበበ፡ ኣብ ደስ ዘይበለቶ ክፋል ምስበጽሐ ድማ ክድርብያ እየ ብምባል የንብባ ነይሩ። ግናኸ እናንበባ ከሎ ግና፣ በቲ ዛንታ ናይታ ጽሕፍቲ ኣዝዩ ክርታዕን ውሽጢ ናይ ክሲ ነገርን ክስምዖ ጀመረ። ተረትዐ፡ ብብዙሕ ንብዓት ንበይኑ ድማ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ተነስሐ። ርእሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ሃበ።

ከንብባ እንከሎ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ኣይነበረትን። እታ ነዚ ደስ ዘብል ወረ ቀዲማ ዝሰምዐት ግና፡ ሓብቱ ኣመሊያ እያ ነይራ። ኣዲኡ ምስ ተመልሰት ብዛዕባ ምልዋጡ ክነግራ እናተሃንጠየ፡ ብሓጎስ ሓቚፉ ሰዓማ። ከምዚ ኢላ ድማ ቅድሚ ምንጋሩ መለሰትሉ፡

እፈልጥ እዚ ወደይ!” በለቶ ።

እቲ ክትነግረኒ ትደሊ ዘሎካ ዘሐጉስ ወረ ንኽልተ ቅነ ዝኣክል ኣደሲቱኒ እዩ። በለቶ

ንሱ ግና ብቕልጡፍ፡ ኣመሊያ ሓብቱ ዝነገረታ መሲልዎ፡

ስለምንታይ ግን ኣመሊያ ዝኣተወቶ ቃል ዘይሓለወት፧ ኢሉ ክሓትት ጀመረ።

ኣመሊያ፡ ኣነ ንማንም ሰብ ኣይነግርን እየ። ኢላትኒ ነይራ፣ ከምይ ገይሩ ከምዚ ይኸውን በለ።

ኣዲኡ ድማእዚ ወደይ ከምዚ እዩበለት።ማንም ሰብ ኣይነገረንን። ቅድሚ ክልተ ቅነ ብዛዕባኻ ልበይ ኣብ ከቢድ ጾር እዩ ነይሩ፣ ናይ ድሕነትካ መረጋገጺ ክሳብ ዘይረኸብኩ ድማ ካብ ጸሎት ንኸይትንስእ ወሰንኩ። ንጹር መረጋገጺ ምስ ረኸብኩ ግና፣ ብኡ ንኣምላኸይ ብፍሉይ ኣመስገንክዎ።በለቶ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ድማ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ይገልጾ፣

ኣብታ ካባይ 70 ወይ ድማ 80 ማይልስ ርሒቃ ዝነበረት ኣደይ፡ ኣብ ልባ እንታይ ይኸውን ከምዝነበረ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። ሽዓ ምሸት፡ ካብ ድራር ክትትንስእ ከላ ወዳ ንኽልወጥ ኣዝዩ ብርቱዕ ናፍቆት እዩ ነይሩዋ። ካብ ገዛ ርሒቃ፡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ፡ ብዛዕባይ ንእግዚኣብሄር ክትልምን ከተማልድን ኣዝዩ ፍሉይ ዕድል ከም ዝረኸበት ኮይኑ እዩ ዝስምዓ ዝነበረ። ኣብ ክፍላ ኣትያ ማዕጾኣ ዓጽያ፣ ናይ ጸሎታ መልሲ ክሳብ ትረክብ ነታ ስፍራ ንኸይትሓድጋ ወሲና እያ ነይራ። እዛ ክብርቲ ኣደ ካብ ደቓይቕ ክሳብ ሰዓት ክሳብ መዓልታት ጸለየትለይ፣ መወዳእትኡስ ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ክትጽሊ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጽሐት። ግናኸ ኣብቲ እዋን ንእግዚኣብሄር ከተመስግን ጥራይ ከምዘለዋ እያ እተቀሰበት። መንፈስ ቅዱስ ድማ ንልባ፡ ናይ ዉሉዳ ናይ ምልዋጥ ግዜ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጥዋ እዩ ዝነበረ። ልክዕ ኣብ ኣብ መንጎ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እየ፡ ኣነ ነታ ትራክት ኣልዒለ፣ ዘንበብክዋ። ኣብቲ “እቲ እተፈጸመ ዕዮ ክርስቶስ” ኣብ እትብል ኣርእስቲ ምስ በጻሕኩ ድማ ውሽጠይ ተተንከፈ። ንምንታይ እዩ እዚ ጸሓፋይ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክጥቀም ወሲኑ፣ ኢለ ሓተትኩ። ንምንታይ ክርስቶስ ፈጺምዎ፧ ኢለ ደጋጊመ ሓተትኩ።

እዚ ክብል እንከለኹ ድማ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብቅጽበት ተፈጺሙ ዝብላ ቃላት ዝመጸ።

እንታይ እዩ እቲ ዝተፈጸመ፧ ደጊመ ሓተትኩ።

ብተደጋጋሚ ሓሳባት መጹኒ፡ ኣነ’ውን ሓንሳብሲ ከምዚ ኢለ ምላሽ ሂበ እየ ምሉእን ፍጹምን ዕርቂ ካብ ሓጥያት፣ ናይ ሓጥያትና ዕዳ ተከፊሉ እዩ፣ ናትና ጥራይውን ኣይኮነን፣ ግናኸ ኩላ ዓለም ሓጢኣትውን እምበር።

ካልእ ሓሳባት ‘ውን መጸኒ፣ እንተደኣ ኩሉ እቲ ስራሕ ተፈጺሙ፣ ኩሉ እቲ ዕዳ ውን ተኸፊሉ፣ ኣነ ክገብሮ ዝግበኣኒ ደኣ እንታይ ተሪፉ፧

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ብምቅጻል ከምዚ ይብል፣ በዛ ሕጉስቲ መፈለምታ ለውጢ ናይ ህይወተይ፣ ልኽዕ ከምቲ ብርሃን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሂወተይ ዘብርህ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ከምዚ ኩነት ድማ ክትገብሮ ዘድለየካ ነገር የለን። እንታይ ደኣ፣ ብብርክኻ ተንበርኪኻካ ነቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝህበካ ድሕነት ምቅባልን፣ ምምስጋንን ጥራይ እዩ። ክብርን ውዳሴን ንዘልእለም ኣለም ንእኡ ይኹን።

ኣደይ ኣብ ክፍላ ኮይና ተንበርኪኻ ንእግዚኣብሄር እናመስገነት ከላ፣ ኣነ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ንበይነይ ዝኽዕነላን ነታ ንእሽቶ ፋንፍሊት ዘንበብኩላ መኽዘን፡ ንእግዚኣብሄር የመስግን ነበርኩ።

ኣደይ ነዚ ወረ እዚ ካብ ማንም ሰብ ከምዘይሰምዓቶ ኣረጋገጸትለይ። ኮይኑ ግና፣ ህይወተይ ብሓይሊ ጸሎት ናይ ስድራይ ከምዝተለወጠ እየ ፈሊጠ። ሓደ መዓልቲ’ውን ብኣጋጣሚ ናተይ እትመስል ጥራዝ ናይ ዲይሪ መትሓዚ መዓልታዊ ፍጻሜታትን መዘከርታን ኣልዓልኩ። ናተይ ትመስል እናበልኩ ኣልዒለ ከፊተያ፣ እታ ጥራዝ ግና ናተይ ኣይነበረትን፣ ናይ ሓብተይ እያ ዝነበረት። ኣብ ገለ ገጻት ገንጺለ ድማ፡ ነዒንተይ ዝሰሓበኒ ጽሑፋት ረኸብኩ። ሓፍተይ እውን ከምኡ፡ ኣነ ሓዋ ክሳብ ዝልወጥን ጐይታ ዝረክብን መዓልታዊ ህይወታ ንጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ከም እተቅርበኒ ዝነበረት ኣንበብኩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናይዚ እዩ እንበኣር፣ እግዚኣብሄር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከሰጋግረኒ ዝፈተወ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣቦ እዛ ስድራ ዝኾነ ጀምስ ተይለር፡ ኣብ ሚስዮን ኣገልግሎት ኣዝዩ ግዱስ እዩ ነይሩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘገልግላ ናይ ሚስዮናው ኣገልግሎታት። ካብ ነዊሕ እዋን ድማ ኣብ ሃገር ቻይና ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ይግደስ እዩ ዝነበረ። እዚ ፍሉይ ተገዳስነት ሚሰንያዊ ኣገልግሎት፡ ናይዞም ፋርማሲስታዊ ሰብ ሞያን ናይ ሜቶዲስት እምነት ክርስትና ተኸተልትን ድማ፣ ንደቆም ገና ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ብፒተር ፓርለይ ንዝተጻሕፈት መጽሓፍ ብተደጋጋሚ የንብብሎምን የዘራርብዎም ነበሩ። ድሕሪ ነዊሕ ድማ ሃድሰንን ሓፍቱ ኣመሊያን ሓንቲ መዓልቲ ናብታ ሃገር ንክኸዱ ድልየት ከምዘለዎም ክገልጹ ጀመሩ። ካብተን ግዜያት ጀሚሩ ድማ ጀምስ ሃድሰን ተይለር፣ – ሰብኣይ ምስ ኮንኩ፡ ሚስዮናዊ ኮይነ ናይ ቻይና ክኸይድ እየ ብምባል፣ ናይ ግዜ ቁልዕነቱ ሕልምን ድሌትን ኣብ ነዊሕ ዝፍጽሞ ሃቀንኡን ገይሩ ዝተበገሰሉ።

ጻውዒት

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ድሕሪ ንጐይታ የሱስ ምፍላጡ፡ ህይወቱ ብሰላምን ብሓጎስን ዝተመልአ እዩ ነይሩ።  በዚ ድማ ህይወቱ ንእግዚኣብሄር ወፈየ። ኣብ እተጸውዖ ዘበለ ንኽኸይድ ድሉው ኮነ። እግዚኣብሄር ድማ ንቻይና ኪደለይ ዝብል ድምጺ፣ ብክስማዕ ብዝከኣል ብንጹር እዩ እተዛረበ። እቲ ጻውዒት ኣዝዩ ንጹር ነበረ፣ እዚ መንእሰይ ከኣ ኣይተወላወለን።

ብዛዕባ እዚ ካብ እግዚኣብሄር እተዋህቦ ጻዊዒቱ፡ ንናይ ትምህርቲ ሰንበት መምህሩ ነገሮ፣ መምህሩ ድማ ኣዝዩ ኣተባብዖ። እቲ መምህሩ ድማ ብቋንቋ ቻይና እተጻሕፈት መጽሓፍ ወንጌል ሉቃስ ሃቦ። ንነፍሱ ድማ ብኹሉ መዳያት ንህይወት ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ድልውቲ ክገብራ ጸዓረ። እቲ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ፡ ኣብ ፍርናሽ ዓራቱ ምድቃስን፡ ካልእ ነገራትን ጠንጢኑ ድማ ሓርፋፍ ናብራ ክላማመድ ጀመረ። ብዙሕ ኣካላዊ ተመኮሮታትን ምንቅስቃሳትም ብምግባር ንኣካላቱ ኣትረሮ። ብክርስትያናዊ ዕዮታት ድማ ንነፍሱ ኣበርትዓ። ኣብ ቻይና ከይዱ ነፍሳት ንምድሓን ከምጽእ እንተደኣ ኮይንኑ፣ እዚ ነገር እዚ ኣብ ገዝኡ እንከሎ ክጅምሮ ከም ዘለዎ ተረድኦ። በዚ ምኽንያት ድማ ትራክትታት ዘርግሐ፣ ትምህርቲ ሰንበት መሃረ፣ ንሕሙማትን ሽጉራትን በጽሐ፣ ንእግዚኣብሄር ክገብር ኣሎኒ ኢሉ ዝሓሰቦ ዘበለ ኩሉ ገበረ።

እቲ ኣካያዲ ናይቲ ትምህርቲ ሰንበት ዝሃቦ መጽሓፍ ተጠቒሙ ድማ ናይ ቻይና ፊደላት ከጽንዕ ጀመረ።  ቋንቋ ቻይና ምጽናዕ ቀሊል ጉዳይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈለጠ፣ ብዝቀልጠፈ ክጅምሮ ደለየ። ሓደ ሰብ ከም ዝበሎ፡ እቶም ቋንቋ ቻይና ክመሃሩ ዝደልዩ ናይ ሓጺን ኣካላት፣ ናይ ኣስራዚ ሳናቡእ፣ ናይ ተሪር ገረብ ርእሲ። ናይ ኣቻዮ ዝምጠጥ ኣእዳው፣ ናይ ንስሪ ኣዒንቲ፣ ናይ ሃዋርያት ልቢ፣ ናይ መልኣኽቲ ክእለት ምዝካር ከምኡውን ዕድመ ማቱሶላ ክህልዎም ይግባእ ኢሉ። ሽሕ እኳ ንሃድሰን እዚ እተጠቅሰ ብቅዓት እንተዘይሃለዎ፣ ብትብዓት ግና ቛንቛ ቻይና ክመሃር ጀመረ፣ ጽቡቅ ድማ ሰጎመ። ነቲ ዝኸዶ ዓዲ ዝኾኖ ቛንቛን ባህልን ቻይና ኣጽኒዑ ድማ ከም ባህሊ እቲ ሃገር ምኽዳንን ምምጋብን ፈለጠ። ምስ ቻይናውያን ዘረዳድኦ ድማ ናይ ቻይና ማንደሪን ዝብሃል ቛንቛ ኣጽንዐ።

ድሕሪ’ዚ ድማ፡ ናብ ናይ ቻይና ኣገልግሎቱ ንምድላዉ ኢሉ፡ ብ1851 ናብ ኪንሲንግቶን ኣብኦን ሃል እትብሃል ከባቢ 140 ኪ.ሜ. ካብ ለንዶን ርሒቃ እትርከብ ከተማ፡ ከም ተሓጋጋዚ ንዶ/ር ሮበርት ሃርደይ ብምዃን ኣገልገለ። እታ ከተማ ብብዝሒ ድኻታትን ዘኽታማትን ዝነበሩዋን ዶ/ር ሃርደይ ድማ ናይ ነጻ ኣገልግሎት ሓገዝ ዝህበላ እያ ነይራ። ሃድሰን ድማ፡ በዚ ሓደ ናይ ሕክምና ሞያ እንተደኣ ኣጥርዩ፣ ኣብ ምድሓን ነፍሳት ጽቡቅ ዕድል ከም ዝኸፍተሉ ፈለጠ። ኣብ ፈለማ ኣብቲ ምቹእን ደስ ዘብልን ገዛ ዶ/ር ሃርደይ እዩ ተቀሚጡ። ነገር ግን እዚ ኣብ ምድላው ህይወት ሚስዮናዊ ተመራጺ ኩነት ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ናብ ኣዝዩ ትሑትን ዘይጽቡቕ ዝኾነ ገዛ ናይ ኣሙኡ፡ ካብ ናይ ዶ/ር ሃርደይ ገዛ ገዓዘ። ንርእስኻ ኣብ ምክሓድን ኣብ ናብራ ሓቀይኛ ሚስዮናዊ ንምልማድ ኣብ ዝግበር ልምምድ ግና ገና ኣኻሊ ከም ዘይኮነ ይርድኦ ነበረ፣ ኣይዶንጎየን ድማ ከምታ ዝደልያ ዝነበረ ኣዝያ ትሕቲ ገዛ ረኸበ።

ኣብ ከምዚ እዋን እዚ ድማ ሃድሰን ምስ ሓደ ካብ ቻይናን ርሑቅ ምብራቕን ዝተመልሰ ካርል ጉትዝላፍ ዝተባህለ ጀርመናዊ ሚስዮናዊ ተራኸበ። እቲ ሚስዮናዊ ድማ ንመንእሰይ ሃድሰን ምስ ረኣየ፡ እዚ ጽቡቕ መንእሰይ፡ ዘንጸባርቅ ጸጉርን ዓይንን ዘለዎ መንእሰይ፡ ብምባል፡ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፣ –

ስለምንታይ ግና ከምኡ ወሲንካ፧”

“ንስኻ ፍጹም፡ ንቻይና ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ኢሉ መለሰሉ።

ወሲኹ ድማ፣ – ንዓይ እዃ፡ ቀይሕ ጸጉሩ ሰይጣን ኢሎም እዮም ዝጽውዑኒ። ካባኻ ከኣ እሞ፡ ብራዕዲ ክሃድሙ እዮም፣ ከም ዝሰምዑኻ ክትገብር ፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኢሉ ተስፋ ብዘቑርጽ መለሰሉ።

ብርግጽ እዚ ዘረባ’ዚ፡ ንገለ ተስፋ ከቁርጾ ዝከኣል እዩ። ሃድሰን ግና ብህድኣት ከምዚ ክብል ጥራይ እዩ ዝመለሰ፣ እቲ ዝጸውዓኒ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ ሕብሪ ጸጉረይን ዓይነይን ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ።በሎ።

ናብራ ኣብ ድኽነት

ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኣብታ ንቻይና መለማመዲት ክትኮኖ ኢሉ እተኻረያ ገዛ ናብር ኡቀጸለ። ከቢድ ናብራን መነባብሮ ክራይ ገዛን ተተሓሓዞ። እዛ እተኻረያ ገዛ ኣብቲ ዝኸፍአ ከባቢ ናይ ከተማ ‘ሃል’ እያ ዝነበረት። እተን ገዛውቲ፡ ኣብ ንሓድሕደን ዝጠማመታ፡ ብጸበብትን ንኣሽቱን ኣንጎሎታት ዝተኻበባን፡ ንኡሳትን ዘይረብሓ ጎጀታት ዝሓዛ፣ ኣብ መንጎአን ድማ ካናለ መአከቢ ጎሓፍን መሕለፊ ፈሳሲታት ዝነበረን እየን። እቲ ገዛውቲ ብልማድ “መሕለፊ ርስሓት” ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ውሕጅ እንተደኣ በርቲዑ ጎሓፍ ተሰኪሙ ናብኡ እዩ ዘምጽኦ። ኣዝዩ ሕማቕን ክሳዕ ክንድዚ ክፉእ ቦታ እዩ ዝነበረ። ሃድሰን ተይለር ግና መንበሪኡ ክከውን መረጾ። መንበሪ ክፍሉ ትሕቲ 12 ጫማ እስኬር (feet square) = ማለት 1.12 ሜትሮ ዃድሮ እያ ዝነበረት። ኣካራይቱ ወ/ሮ ፊንች ምስ ደቃ ላዕለዋይ ክፍልን ክሽነን ሒዛ ትነብር ነበረት። ኣቶ ፊንች ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ባሕሪ ስለ ዘሕልፎ፣ ሰበይቱ በቲ ብሃድሰን ተይለር ዝወሃባ ገንዘብ ናይ ክራይ፡ ማለት ሰለስተ ሽልን ኣብ ሰሙን ሕጉስቲ እያ ነይራ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኣብ ከተማ ሃል ኣብ መንበሪ ገዛ ናይ ዶ/ር ሃርደይ እናሰርሐ፣ ኣብቲ ኣዝዩ ናይ ነዳያትን ድኻታትን ዝኾነ ገዛውትን፡ መሕለፊ ርስሓት ዝበዝሖን ከባቢ ይቅመጥ። ንኻልኦት ዝሕግዘሉ ገለ ገንዘብ እንተረኸበ፣ ንርእሱ ዋጋ ከይሃበ፣ ጥጡቕ ሩዝን ናይ ስርናይ ባንን ጥራይ ብምምጋቡ፡ ብሓጎስን ባህታን ኣብ ጸባብ ገዝኡ ይነብር ነበረ። ኣብ መዓልታት ስራሕ ናብታ ምቾት ዘይብላ ገዝኡ ይሳለ፣ ሰንበት ድማ ንሕሙማት ይበጽሕ፣ ንሽጉራት ድማ ይሕግዝ። ማንም ክመርጾ ዝኽእል ዓይነት ናብራ ኣይኮነን፣ ግናኸ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ። እዚ ከኣ ልዕሊ እቲ ካብ ካልእ፡ ኩሉ ዓለም ክርከብ ዘይኽእል ሓጎስን ደስታን እዩ ዝነበረ።

ዕዉት ሚስዮናዊ ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፣ መንእሰይ ሃድሰን ክመሃራ ዝግብኦ ሓንቲ ትምህርቲ ከም ዘላ ተረዲኡ ነበረ። ንሳ ኸኣ ምህሮ እምነት እያ። ኣብታ ክኸዳ ዝደሊ ዘሎ፡ ርሕቅቲ ሃገር ከይዱ ዝውከሎ ሰብ የብሉን፣ እንትርፎ እግዚኣብሄር ኣምላኹ። ስለዚ ድማ፡ ብእምነት ምጽላይን፡ ከመይ ከም ዝጽሊ፡ መልሲ ጸሎቱ ብከመይ ከም ዝቅበልን ክፈልጥ ብግዲ እዩ ነይሩ። ተወሳኺ’ውን፡ ብጸሎት ከመይ ገይርካ፡ እግዚኣብሄር ሰባት ከምዝህበካን ሰባት ከምዘንቀሳቅሰልካን፡ ክፈልጥ ደለየ።

ነቲ ዝሕግዞ ዝነበረ ዶ/ር ሃርደይ፡ ብስራሕ ኣዝዩ ጽሙድ እዩ። ወይ’ውን ሓደ ሓደ እዋን ብዙሕ ይርስዕ ነበረ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ንሃድሰን ከምዚ ኢሉ ነገሮ፣ –

“ደሞዝኻ እትኽፈለሉ ግዜ ክበጽሕ እንከሎ፡ በጃኻ ኣዘክረኒ፣” ኢሉ ሓበሮ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ግና ካብ ምጽላይ ሓሊፉ ምንም ንከይገብር ወሰነ። መልሲ ናይ ጸሎቱ ድማ፡ ባዕሉ እግዚኣብሄር፡ ንዶ/ር ሃርደይ ከዘክሮ ምኻኑ ኣሚኑን ተረዲኡን ነበረ። እዚ ድማ ንእምነት ኮኖን፣ እምነቱ ድማ ደልደለ።

ሓደ ግዜ እታ ናይ ክፍሊት መዓልቲ ቀረበት፣ ሓለፈት እውን። ዶሞዙ ግን ኣይተኸፍለን፣ ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን ፍርቂ ክሮውን (ክልተ ሽልንን ሹድሽተ ፕንስን እያ ትኸውን = በዚ ናይ ሎሚ 10 ፖውንድ ማለት እዩ) ጥራይ ሒዙ ተረፈ። ሕጂ’ውን ብጀካ ምስ ኣምላኹ፣ ምንም ኣይበለን።

ሓደ ምሸት ድማ፡ ድሕሪ እቲ ኩሉ እዋን ዝገብሮ ዝነበረ ስብከትን ጸሎትን ንድኻታት፣ ሓደ ሰብኣይ ክትመውት ዝቀረበት እትመስል ሰበይት ነበረቶ እሞ፡ ንሰበይቱ ንኽጽልየላ ለመኖ። ነቶም ካህናት መጺኦም ንሰበይቱ ክጽልዩላ ሓቲትዎም ነይሩ እዩ። ግናኸ እቶም ካህናት ዝሓትዎ ናይ 18 ረንስ (ገንዘብ) ክፍሊት ክኸፍል እዩ። ድኻ ብምንባሩ ግና ክኸፍሎ ዝኽእል ምንም ኣይነበሮን። ስድራቤቱ ብጥሜት ትሳቀ። እዚ ሰብኣይ ድማ ብፍጹም፡ ተስፋ ቆሪጹ ነበረ።

መግቢ ከም ዘድልዮም ፈለጠ፣ በለ ድማ ኣብ ክንዲ እዛ ፍርቂ ክሮውንሲማለት ክልተ ሽልንን ሹድሽተሲክስ ፕንስንሓንቲ ክሮውን እንተዝነብረኒ መን ምሃበ፣ ነዞም ድኻታት ሰባት ሓንቲ ሽልን እንተዝህቦም ከመይ ደስ ዝብል እዩ። በለ። ኣብ ገዝኡ ዘለዎ፣ ንሎሚ ድራሩን ንጽባሕ ቁርሱን ጥራይ እዩ። ካብኡ ዝሓለፈ ምንም ነገር የብሉን። ዘሎዎ ዘበለ ኩሉ ሂቡ፡ እግዚኣብሄር ድልየታቱ ከማልኣሉ ድማ ክውከሎ ጥራይ ነይርዎ።

ብጸልማት ጎደናታት ተጓዒዞም፣ ሕማቕ ዝኣረገ ኣስካላ ደይቦም፣ ኣብቲ ሰበይቱ ደቂሳትሉ ዘላ ገዛ፡ ናይቲ ድኻ ሰብኣይ በጽሑ። ኣብ ጎድና ወዲ 36 ሰዓታት ቆልዓ፡ ደቂሱ ይውጭጭ ነበረ። ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዝጠመዩ ቆልዑ ኣብታ ክፍሊ ደው ኢሎም ነበሩ። ሃድሰን፡ ነዚ ድኽነት እዚ ምስ ረኣየ፡ ሓደ ሽልንን ፈረቓን ክህቦም ሓሰበ። እታ ዘላቶ ሳንቲም ኩላ ክህቦም ግና፡ ኣእምርኡ ኣይተቀረበን ነበረ። ብዛዕባ እቲ ዝሓልየሎም ፍቁር ሰማያዊ ኣቦ ክነግሮም ፈተነ፡ ግናኸ ብዙሕ ክዛረብ ኣይኸኣለን። ንኽጽሊ ድማ ተምበርከኸ፣ ግናኸ ሕልንኡ ኣጨነቆ። ከምዚ ድማ በለ፣ –

ነዞም ኣዝዮም ተወጺዖም ዘለዎ ስድራ፡ ክህቦም ፍታወይ እንተ ዘይኮይኑስ ከመይ ኢሉ እዩ ክጽሊ፧” በለ።

እቲ ድኻ ሰብኣይ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ከምዚ በሎ፣ – ኣብ ከመይ ዝበለ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘሎና ትርኢ ኣሎኻ። ክትሕግዘና ትኽእል እንተኾንካ በጃኻ ስለ እግዚኣብሄር ሓግዘና በሎ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ድማ ጐይታ ዝበሎ ቃል ትዝ በሎ፣ – ንዝለመነካ ዘበለ ሃብ፣ ነቲ ቃል ድማ ሽዑ፡ እሺ ኢሉ ተኣዘዞ። ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ሃቦም፣ እዚ ብምግባሩ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ድኻታት ጥራይ ኣይኾነን ዝሓገዘ። ግናኸ ዓወት ድማ ተጎናጸፈ። ውሽጡ ድማ ብኣዝዩ ሕጉስ ተመልአ።

ሃብ ክወሃበካ ይብል መጽሓፍ ቅዱስ፣ በቲ እትሰፍርሉ መስፈሪ ክስፈረልኩም እዩ እሞ፣ ጽቡቅ እተሰጎደ፣ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቅፍኹም ኪህብኹምም እዮም። ንጽብሒቱ ንግሆ ድማ ፖስታ ዘመላልስ ሰብኣይ፡ ሓንቲ ዕሽግቲ ፖስታ፡ ስም ናይ ሰዳዲኣን ዘይብላ ፖስጣ ገደፈሉ። ኣብ ውሽጣ ከኣ ሓድሽ ጽምዲ ጓንቲ ኢድን ካብ ቆርበት ናይ ማሕስእን እተሰርሐን፣ ፍርቂ ናይ ወጻኢ ሰልድን ነበረ። ካብቲ ነቲ ድኻ ሰብኣይ ካብ ዝሃቦ፣ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይኸውን። እግዚኣብሄር ጽቡቅ ወለድ (መኽሰብ) ከም ዘሎዎ ድማ ሓሰበ።

ክልተ ተወሳኺ ሳምንታት ሓለፋ፣ ዶሞዙ ግና ገና ኣይተኸፍለን። ገዛ ኽራይ ዝኸፍለሉ መዓልቲ ቀዳም ምሸት ነበረ። ኣካራይቱ ወ/ሮ ፊንች ድማ እቲ ገንዘብ ኣዝዩ ኣድልዩዋን ኣገዲስዋን ነበረ። ግናኸ ብዛዕባ ደሞዝ ብዝምልከት ግና ንዶ/ር ሃርደይ ምንም ከይብሎ ወሲኑ ስለዝነበረ፣ ኣብ ዕላምኡ ድማ ጸንዐ።

ቀዳም ናይ ምሸትግና ሃንደበት ዶ/ር ሃርደይ፣ – ሃድሰን ግዜ ደሞዝካ ኣይኣኸለን ድዩ፧ ኢሉ ሓተቶ።

እዚ መንእሰይ ብህድኣት መለሰ ግዜ ድኣ፡ ገለ ግዚያት የሕሊፉ እምበር። በሎ።

እዋእ ኣይተሓዘለይ በል፣ ኣየዘከርካንን ግና፡ በለ ዶ/ር። ቀጺሉ ድማ፣ – ብስራሕ ማዕረ ክንደይ ጽሙድ ሙኳነይ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቀዲመ ክዝክሮ ነይሩኒ፣ ግና እቲ ገንዘብ ኩሉ ሎሚ ናይ ምሸት ንባንክ ሰዲደዮ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ሕጂ ምኸፈልኩኻ ነይረ።ኢሉ ዶ/ር ሃርደይ ዘረብኡ ዛዘመ።

እዚ ብርግጽ ንእምነት ናይዚ መንእሰይ ፈተነ እዩ ዝነበረ። ግናኸ ክጽልየሉ ዝኽእል ጽምዋ ቦታ ብዝረኸበ፡ ሻቡ ተምበርከኸ። እግዚኣብሄር ድማ፣ ኩሉ ነገር ንሰናይ ከም ዝኾነ ኣራጋገጸሉ። ኣብታ ምሸት ድማ ንጽባሕ ሰንበት ምስቶም ድኻታት ንዘለዎ ርክብ ምድላዋት ድሕሪ ምግባር፣ ንገዝኡ ክኸይድ ብግስ ክብል ከሎ፣ ግና ንዶ/ር ሃርደይ ክስሕቅ እንከሎ ረኣዮ።

ኣዝዩ መስሓቅ ዝኾነ ነገር እዩ ኣጋጢሙ። በለ ዶ/ር ሃርደይ።

ኻብቶም ዓማዊለይ ሓደ ሃብታም፣ ሕጂ ምሸት መጺኡ ናይ ሕክምና ክፍሊቱ ከፊሉኒ፣ ርእዮ እሞ ሃድሰን ተይለር። እናበለ እቲ ናይ ሕሳብ ወረቐት ንሃድሰን ተይለር ሃቦ።

ኣይገርመካን ኣብ ዝኾነ እዋን እኮ፡ ቸክ ክጽሕፍ ዝኽእል ክነሱስ እዩ፡ በዚ ጸላም ምሸት ምድሪ ክኸፍል ምምጽኡ። በሎ። ሃድሰን ተይለር ድማ ገንዘቡ ተኽፈለ። ብብዙሕ ምኽንያት ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ። ድሌታቱ ረኺቡ። ልዕሊ ዝኾነ ድማ እታ ኣካራይቱ፡ ገንዘባ ክትክፈል እያ። ግናኸ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዘሐጎሶስ ጸሎቱ ምምላሱ እዩ ዝነበረ። ሃድሰን ድማ፡ ዶ/ር ሃርደይ ብጸሎት ጥራይ እዩ ተነቃንኒቁ፡ እግዚኣብሄር እዩ እዚ ዝገበረ በለ። ንእምነት ኮኖ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ከም መርኣያ ሕያውነቱ፣ ንኣካራይቱ ወ/ሮ ፊንች ናብታ በዓል ቤታ ዝሰርሓላ ዝነበረ ትካል እናኸደ፣ እቲ ሰብኣያ ዝሰዶ ወርሓዊ ገንዘብ የምጽኣላ ነበረ። እዚ ብምግባሩ ድማ፣ እቲ እታ ትካል ባዕላ ነቲ ገንዘብ እንተደኣ ኣብጺሓቶ፡ ትወስዶ ዝነበረት ኮምሽን ካብ ምኽፋል፡ ንወ/ሮ ፊንች ኣድሓና።

ሓደ እዋን ወ/ሮ ፊንች ገንዘብ ኣዝያ ስለ እተሸገረት፣ ንሰብኣያ ወርሓዊ ዶሞዝ ብዝተኻእለ መጠን ብቅልጡፍ ክሰደላ ሓበረቶ። ኣብ ከምዚ እዋን ድማ ሃድሰን ግዜ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣብ ክንዲ ንኸተማ ብምኻድ ግዜኡ ዘጥፍእ፣ ካብ ናቱ ገንዘብ ክትጥቀም ሃባ። ነቲ ገንገብ ካብቲ ትካል ምስ ኣውጽኦ ድማ፡ ገንዘቡ ክትኽእ እዩ ሓሳቡ። ናብቲ ትካል ከይዱ ገንዘብ ምስ ሓተተ ግና፣ እቲ ጸሓፊ ከምዚ በሎ፣ – ኣብዚ ጉዳይ እቲ ገንዘቡ ክትወስድ ትሓትት ዘሎኻ ሰብ፡ ካብታ መርከብ ሃዲሙ ኣብ ናይ ወርቂ ዕደና ከይዱ እዩ፣ ስለዚ እንኸፍሎ ገንዘብ የብልናን በሎ።

እዚ ነገር ንዓይ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ነገር እዩ፣ እቲ ገንዘብ ኣቐዲመ ሂበያ እየ፣ እዛ ሰበይቲ ድማ ነዚ ገንዘብ ብዝኾነ መገዲ ከም ዘይትመልሰለይ እፈልጥ እየ። በሎ ሃድሰን። እቲ ጸሓፊ ምንም ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ብርግጽ እዚ ፈተነ እዃ እንተመጾ፣ ትውክልቱ ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር ኣዝዩ ጸንዐ።

እዚ ድማ ኣብ ምቅርራብ ናይ ሚስዮናዊ ህይወቱ ዓቢ ስጉምቲ ንቅድሚት ነበረ። ድሕሪ እዚ ብዙሕ ኣይጸንሐን ንዝያዳ ምቅርራብን ትምህርትን ናብ ሎንደን ከደ። ብዙሕ ገንዘብ ኣይነበሮን፡ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ እዩ ነይርዎ። ትምህርቱ ንምቕጻል ግና ገለ ጸጋማት ኣጓነፎ። ኮይኑ ግና ኣብ 1852 ኣብ ሮያል ሎንደን ሆስፒታል ናይ ዋይትቻብል ምዱብ ናይ ትምህርቱን መጽናዕቱን ግዜኡ ንክቅጽል ዕድል ረኸበ። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ ድማ ወንጌል ንምስባኽን ንምብጻሕን ንክሕግዞ ኢሉ እዩ፣ ናይ ሕክምና ትምህርቱ ዝተማህረ። ነቲ ዝሰብኾ ወንጌል ድማ ብግብሪ ምእንቲ ክድግፎን ክሕግዞን ኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ዝነብረሉ ናይ መዕረፊ ቤቱ፡ ካብቲ ሆስፒታል ኣዝዩ ርሑቅ እዩ ነይሩ። ናይ ኣውቶቡስ ክፍሊት ክኸፍል ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ድማ ናብኡ ብእግሩ እናተመላለሰ ብዙሕ ልምምድ ናይ ጉዕዞ ይገብር ነበረ። እምነቱ ንኽላማመድ ውን ዕድል ረኸበ።

ናይ እምነት ፈተነ

ነዊሕ ኣይጸንሐን ካልእ ናይ እምነት ፈተና መጾ። ሓደ መዓልቲ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ እንከሎ፣ ጥራዝ ንምስራሕ ወረቃቅቲ ኣኪብካ ብመስማር ብምስማር ኢኻ እተተሓሕዞ። ሃድሰን ድማ ንትምህርቲ ዝኾኖ ጥራዝ ክሰርሕ ወረቃቅቲ ብመስማር እናሰመረ ከሎ እጻብዕቱ ብመስቃር ኣንኮላ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቱ ኣብቲ ንሓደ ብሓደገኛ ረስኒ ዝሞተ ሬሳ፣ ኣካላቱ ጠቢሕካ ዝግበር ትምህርቲ ተሳተፈ። ኣብ ኣካላቱ ድኻምን ምልክት ሕማምን ክሳብ ዝስምዖ፣ ኣጻብዕቱ ምንኳሉ ረሲዕዎ ነበረ። እቲ ሕማም ካብቲ ምዉት ሰብ በዛ ንእሽቶ ቀዳድ ናይ መርፍእ፣ ናብ ኣካላቱ ኣተወ። እቲ ኪኢላ መጥባሕቲ ከምዚ በሎ እምበኣር ገዛኻ ኪድ፣ ብዝቀልጠፈ ከኣ ጉዳያትካ ወግን፣ ምኽንያቱ ንስኻ ድሮ ምዉት ሰብ ኢኻ። በሎ

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ግና ነቲ ናይ መጥባሕቲ ኪኢላ ብዝቀልጠፈ ምስ ኣምላኹ ክህሉ ዝስምዖ ደስታ ገለጸሉ። ግናኸ ወሲኹ በሎ ዝመውት ግና ኣይመስለንን፣ ኣብ ቻይና ዕዮ ከም ዘሎኒ ተጋግየ እንተዘይኮይነ። ፈተና እንተመረ እኳ፡ ኣነ ግና ክድሕን እየ።” በሎ።

ጽቡቅ እንበኣር እዚ እዩ ሓሳብካ በለ፣ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይኣምን ሓኪም። ሰረገላ ረኪብካ ግዳ ብዝቐልጠፈ ገዛኻ ዘይትኸይድ፣ ግዜ ኣይትቅተል፣ ግዜ የብልካን፣ ሕጂ ንብረትካ ክትውግን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ክትበጽሕ ኢኻ። ወሰኸ።

ኣብ ገዝኡ ምስ በጽሐ ኢዱ ብማይ ውዑይ ተሓጽበ። እዚ እናገበረ እንከሎ ድማ ሓደ ሰራሕተኛ ብዛዕባ የሱስ ተዛረቦ። ሃድሰን ግና ብግዜኡን ብዘይ ግዜኡን ድሉው እዩ ዝነበረ። ዕድል ብዝረኸበሉ ድማ፡ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ የሱስ ገለ ንኽብል እዩ ዝደሊ። እቲ ክርእዮ እተጸውዐ ሓኪም ድማ ቅልል ዝበለ ናብራ እንተደኣ ክነብር ጀሚሩ፡ ክድሕን ተክእሎ ከም ዘሎ ገለጸሉ። ከምዚ ድማ በሎ ናብ መስተ መሰልቱ ገጽካ እንተደኣ ኬድካ ግና ክትድሕን ተኽእሎ ዝበሃል የብልካን። በሎ። ንገለ እዋን መግቡ፡ ባኒ ስርናይን ማይን ጥራይ ኮነ።

እቲ ዝኸፍአ መልክዕ ናይቲ ሕማም ምስ ሓለፈ ቀስ ብቀስ ክጥዒ ጀመረ። ኣብ መዓልቲ ምጥባሕ እቲ ሬሳ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ምስኡ ዝነበሩ ክልተ መማህርቱ ከም ዝሞቱ ሰምዐ። እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ሃድስን ተይለር ቖመ።። ንነፍሱ ድማ ተበጀዋ። ናብታ ሃገር ዙረት ንኽገብር ምኽሪ ተዋህቦ። ግናኽ እቲ ዘድልዮ ገንዘብ ኣይነበሮን። ከም ልማዱ ነቲ ጉዳይ ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ኣቕረቦ። እግዚኣብሄር ድማ ብዘይ ተጸበዮ መገዲ ንጸሎቱ መለሰሉ።

ገና ተዳኺሙ ከሎ፡ ሓደ መዓልቲ ምናልባት ብዛዕባ ደሞዝ ኣቶ ፊንች ንኽሓትት ናብቲ ትካል ናይ መርከብ ክኽይድ ሓሰበ። ግና ገለ ነገር ክገብርሉ ዝከኣል ኮይኑ ኣይተራእዮን። እቲ ኣብ ቕድሚኡ ዘሎ ጉዕዞ፡ ናይ ክልተ ማይልስ ድማ ዘይከኣል ኮይኑ ተራእዮ። ግናኸ ብዛዕባ እዚ እናጸለየ፣ እግዚኣብሄር ክኸይድ ከም ዝደልዮ ኣነጸረሉ። እግዚኣብሄር ሓይሉ ሙኳኑ እናኣመነ ድማ ተበገሰ። ኣብታ ቤት ጽሕፈት ብዝበጽሐ፡ ሻቡ እቲ ጸሓፊ ከምዚ በሎ። ብምምጻእካ ሕጉስ እየ፣ እቲ ነገር ከምዚ ይመስል። ሓደ ልክዕ ከም ናቱ ስም ዘለዎ ኪኢላ ባሕረኛ እዩ ሀዲሙ። እቲ ብጻይ፡ ግና ገና ኣብ መርከብ ኣሎ፣ ገንዘቡ ድማ እንሀልካ፣” ኢሉ ሃቦ። ሃድሰን ተይለር ድማ ብሓጎስ ተቐበሎ። ሽሕ እኳ ብኸቢድ እንተ ተፈተነ፣ እምነቱ ግና ሞስኣ ረኸበት።

ንጽብሒቱ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝከታተሎ ዝነበረ ሓኪም ረኸቦ እሞ፣ ብዛዕባ መልሲ ጸሎቱ ድማ፡ ኩሉ ነገሮ። እቲ ነተን ገንዘብ ንኽረኽበን እተጓዕዞ ነዊሕ ጉዕዞ ምስ ሓበሮ። እቲ ሓኪም ፍጹም ዘይከውን ብምባል ክኣምኖ ኣይከኣለን። እቲ ጉዕዞ  ብርግጽ ከም እተጓዕዞ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ኩሉ ዘድልዮ ዘበለ ከፊሉ ናብታ ሃገር ከብጽሖ ከም ዝኽእልን ምስ ተረድአ ግና፣ እቲ ሓኪም ኣንዒንቱ ብንብዓት መሊአን፣ ከምዚ በለ። ንከም ናትካ ዝበለት እምነት ምልእቲ ዓለም ምኸፈልኩ። በሎ።

ንቻይና ምኻድ

ካብታ ጀምስ ሃድሰን ተይለር ንቻይና ኪደለይ እትብል ድምጺ እግዚኣብሄር ዝሰምዓላ ጀሚሩ፡ ድሮ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ሓለፈ። ተይለር ብታሕሳስ 1849 እዩ ንመጀመርታ ግዜ ህይወቱ ንቻይና ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ከምዝኸይድ ዝወሰነ። ጀምስ ሃድሰን ተይለር ግና ንክኸይድ ይህንጠ ኣሎ። ናይ ሕክምና ትምህርቱ ገና ኣይተዛዘመን ነይሩ፣ ይኹን እምበር መገዲ ኣብ ዝተከፍተትሉ እዋን ንኽከይድን ትምህርቱ ንከቛርጽን ድሉው ነበረ። እግዚኣብሄር መምርሒ ንክህቦ ጸኒዑ ጸለየ። ዝያዳ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዝቀረበሉ መጠን ድማ ንኽኽይድ ናይ እግዚኣብሄር መደብን ፍቓድን ምዃኑ ዝያዳ ነጸረሉ።

ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ንምግባር ድማ፡ መጀመርታ ንኤድዋርድ ክሮኒን ናይ ክንሲንግቶን ዝኾነ፡ ሓደ ኣባል ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ናይ ፓልይማውዝ ኣብ ባቕዳድ ረኸቦ። ካብኡ ድማ ሚስዮናውነትን መትከላቱ ሚስዮናውነትን ተማሀረ።  ነቲ ክገጥሞ ዘለዎ መንፈሳዊ ህይወት ክድግፎ ዝኽእል እኹል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣጽንዐ። ብዘይካ እዚ ድማ፡ ናይ ቻይና ቛንቛ ብፍላይ ማንደሪንን፡ ቛንቛታት ግሪኽ፡ እብራይስጥን ላትንን ተማህረ። ማዓጹ ቻይና ድማ ንዕዮ ሚስዮን ዝተኸፍተ መሰለ። ስለዚ ድማ፡ ናይ ሚስዮን ጉጅለ ከይደንጎዩ ነቲ ሕጹይ መንእሰይ ናብ ርሑቕ ምብራቅ ክሰዱዎ ወሰኑ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ብዕለት 19 መስከረም 1853 ቅድሚ ናይ ሕክምና ትምህርቱ ምውድኡ ካብ ከተማ ሊቨርፑል ተበጊሱ ናብ ሻንጋይ፣ ቻይና ብዕለት 1 መጋቢት 1854 ኣትወ። ጉዕዞ ባሕሪ ናይቲ እዋን፡ ዘይከም ሎሚ ኣዝዩ ጽንኩር እዩ ዝነበረ። በዚ ድማ ሃድሰን ተይለር ኣብ መርከብ ዱምፍሪስ፡ ኣብ ጉዕዞ ካብ ሊቨርፑል ናብ ሻንጋይ ድማ ሓሙሽተ ወርሕን ፈረቃን ገበረ። ብ19 መስከረም 1853 ካብ መበቆል ዓዱ ክብገስ እንከሎ፡ ኣዲኡን ገለ ክልተ ዝኾነ ኣዕሩኹን ክሳዕ እታ መርከብ ኣፋነውዎ። እታ መርከም ቅድሚ ምብጋሳ ድማ ጸለዩን ዘመሩን፡ ካብ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ድማ ኣንበቡ። ኣይትንብዒ ክብርቲ ኣደይ በለ ተይለር። ንሓጺር እዋን እዩ ምፍልላይና ድሕሪ ቅሩብ መሊስና ክንራኸብ ኢና። ብዛዕባ እቲ ክገድፈኪ ከሎኹ ዘሎኒ ክቡር ዓላማ እሞ ሕሰቢ፣ ንሃብትን ዝናን ኣይኮነን፣ ንመሳኪን ቻይናውያን ናብ ፍልጠት ክርስቶስ ምምጻእ እዩ፡ በላ። እቶም ኣፋነውቱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ ከዱ፣ ኣብ ቆጽሊ ወረቐት ከምዚ ጸሓፈ፣ እታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቅሪ ኣምላኽ፣ ኣዲኡ ኣብቲ መድረኽ ናይ ወደብ ደው ኢላ ከላ፣ እዛ ንእሽቶ ናይ ስንብታ ቃል ናብኣ ወርወራ። እታ መርከብ ክትንሳፈፍ ምስ ጀመረት ነቶም ኣብ ገምገም ዘለዉ ኣዕሩኹ ብንጹር ንኽሪኦም ኣብቲ ዓንዲ እታ መርከብ ሓኾረ። ኣዕሩኹ፡ እታ መርከብ ክሳብ ትስወር መንዲሎም እናወዛወዙ እንከለዉ ንሱ ድማ ኣብኣ ኮይኑ ቆብዑ የወዛውዝ ነበረ። መገዲ ሃድሰን ተይለር ንቻይና ድማ ርግጽ ኮነ።

ዝሰዓባ 12 መዓልታት ናይ ማዕበል እዋናት ነበራ። እቲ ካፕተይን እግዚኣብሄር እንተደኣ ዘይደገፈና ተስፋ የብልናን በለ። እግዚኣብሄር ከኣ ደገፎም። እዚ ሚስዮናዊ መንእሰይ እዚ ከምዚ ዝብል ተስፋ ዘከረ ብጸበባኻ ናባይ እንተ ኣእዌኻ ኣነ ድማ ክድግፈካ እየ። ንስኻ ኸኣ ከተኽብረኒ ኢኻ፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ብህድኣት ጠመተ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ማዕበል ሃድአ። ብከባቢ ጸንፊ ጽቡቅ ተውስፋ (Cape of Good Hope) ኣቢሎም፣ ኣውስትራልያ ሓሊፎም ናብ ሰለማዊ ውቅያኖስ፣ ብኡ ኣቢሎም ናብ ማያት ቻይና ተንስሳፈፉ።  ብ1 መጋቢት 1854 ድማ ኣብ መዕለቢኦም በጽሑ። ኮይኑ ግና ኣብ መርከብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ተይለር፡ መገዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝገብር ዝነበረ። ነቶም ኣባላት እታ መርከብን ኣብታ መርከብ ምስ ዝነበረ ክርስትያን ኮይኑ ጉባኤ ይገብረሎም ነበረ።

ብርግጽ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ገምገም እታ ህይወቱ ከሕልፈላ ዝወሰነ ሃገር ምስበጽሐ ዘለዎ ስምዒታት፡ እንታይ ከም ዝኾነ ክትስእሎ’ዶ ትኽእል፧ ሃድሰን ተይለር፡ ኣብታ ቀዳመይቲ እዋን ንገማግም ቻይና ዝረኣየሉ፡ ናይ ዓመታት ጸሎቱ እተመለሰ ኮይኑ እዩ እተሰሚዕዎ።  ገለ እኩባት ደቂ ዓዲ በቲ ንዕኡ ጓና ዝኾነ ቋንቋኦም ጫውጫው ክብሉ ምስ ሰምዖም፡ እቲ ጥዑም ወረ ምድሓን ክነግሮም ተመነየ። ስምዒታተይ ኣብቲ ገማግም ክስጉም እንከለኹ ክገልጾ ኣይክእልን ክብል ጸሓፈ። ብምቅጻል ድማ፡ ልበይ ነቲ ቅጽጽ ኢሉ ዝመልአ ሓጎስ ዳሕዳሓቶ። ናይ ምስጋናን ናይ ሞሳን ንብዓት ድማ ኣብ ዓይነይ ወሓዘ።” ኢሉ ጸሓፈ። ኮይኑ ግና መሬት ቻይና ክረግጽ እንከሎ፣ ውግእ ሓድሕድ ቻይና እዩ መርሓባ ኢሉ ተቀቢልዎ።

ተይለር ካብ እንግሊዝ ክብገስ እንከሎ ዝተዋህብኦ ሰለስተ ንመንነቱ ዘላልያ ደብዳቤታት ነበርኦ። እዘን ደብዳቤታት፡ ብዛዕባ ሚስዮናውያን እየን ነይረን። ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ንኸብጽሓሎም ድማ ተበገሰ። ነታ ቀዳመይቲ እትምልከቶ ሰብ፡ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ሞይቱ እዩ። እቲ ካልኣይ ንኣሜሪካ ከይዱ። በዚ ድማ ነቶም ኣብኡ ዘሎዉ ሚስዮናውያን ንምርካብ፡ ብመገዲ ሚስዮናውያን ለንደን ኣቢሉ መገዱ ቀጸለ። ዘይፈልጥዎ ይኹኑ ደኣ እንበር ጽቡቅ ተቐበልዎ፣ ዘዕርፈሉ ቦታ ድማ ሃዎ። ነቲ ናይ ሓቂ ዕዮ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፣ ንጽብሒቱ ንግሆ ነቲ ቋንቋ ከጽንዖ ጀመረ።

ዝነብረሉ ቦታ ከናዲ ጀመረ። ድሕሪ ብዙሕ ምድላይ ኣብ መወዳእትኡ ዝካረያ ክፍሊ ረኸበ። ዑናን ረሳሕን ትኹን እምበር፡ ጽግዕተኛ ናይ ካልኦት ክኸውን ስለ ዘይደለየ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ምርካቡ ሕጉስ እዩ ዝነበረ። ሓኪም ሙዃኑ ሰባት ክፈልጡ ጀመሩ፣ ብዙሓት ሕሙማት ድማ ናብኡ ወሓዙ። ኣካላቶም እናሓከሞም ብዛዕባ ሓጥያትን ናይ ነፍሲ ሕማምን ከመይ ይፍወስ ይምህሮም ነበረ። ንኣወዳትን ኣዋልድን ቤት ትምህርቲ ጀመረ። ተይለር ሕጉስ ኮይኑ ቀጸለ። ጸገማት ኣይነበሩን ማለት ግና ኣይኮኑን፡ ግናኸ ኣብ እንግሊዝ እንከሎ ብዝገበሮ ልምምድ ናይ ሓርፋፍ ናብራ ተለማሚዱ፡ ይስገሩ ስለዝነበረ እዩ።

ብደስታን ብሓዘንን እተመልኣ፣ ትንፋስ ዘይህባ ጽዑቃት ኣዋርሕን ዓመታትን ሰዓባ። ናይ ገዛ ጃልባ እናገበረ ናብተን ስም ክርስቶስ ሰሚዐን ዘይፈልጣ ቁሸታትን ከተማታትን ወንጌል ክሰብኽ ዝተፈላለየ መገሻታት ገበረ። ሃድስን ተይለር ኣብ ካናለታትን መገዲ ማያትን ቻይና፡ ብጃልባ እናተጓዕዘ ሰበኸ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘርገሐ። ብርግጽ ብዙሕ ጸገማት ገጠሞ፣ ኣብ ገለ እዋናት ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ትኣቱ ነይራ እያ፣ ግናኸ ንድሕሪት ኣይተመልሰን።

ብኸምኡ መገዲ ዝያዳ ከስልጥ ከም ዝኽእል ኣሚኑ፣ ምርዓም ኣለባብሳ ቻይና ኣብ ግምት ኣእተዎ፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ክገብሮ ወሰነ። ልክዕ ከም ቻይናውያን ኣብ ድሕሪት ወገን ርእሱ ቅሩም ጸጉሪ ኣትሪፉ ተላጸየ፣ ገፍላው ስረ ወደየ፣ ጻዕዳ ካልሲ ናይ ዓለባ፣ ናይ ሃሪ ጫማ … ነቲ ኣከዳድና ምሉእ ንምግባሩ ከኣ ገፊሕ እጅገ ዘሎዎ ፎኪስ ሲልክ ጋውን ወሰኸ። ካብቶም ደቂ ዓዲ እተፈልየ ኣቓልቦ ዝስሕብ ነገር ኣይነበሮን። ኣብቲ ናይ እንግሊዝ ኣከዳድና ተከዲኑ እንከሎ ክገብሮ ዘይከኣለ፣ ሕጂ ግና ልቢ ደቂ ዓዲ ክወስድ ጀመረ።

ሓደ መዓልቲ ካብ ሻንጋይ ናብ ኒንግፖ ክከይድ ምስ ተበገሰ፣ እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጉዕዞ ብጃልባ ነበረ፣ ብድሕሪኡ ድማ ሳንጥኡ ምስ እተሰከመሉ ሮፋዕ ብእግሪ ቀጸለ። ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ምስ ኣተወ፡ እታ እንኮ ክረኽባ ዝኽእል መግቢ ዝሑል ሩዝ ምስ ኣብ ዘይቲ እተጠብሰ ተመን እያ ነይራ። ሸውሃቱ ዝዓጹ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ እንተደኣ ነጺግዎ ወጻእተኛ ሙዃኑ ስለ ዝፍለጥ፣ ክበልዕ ፈተነ። እታ ክፍሊ ናይ ሆቴል ምስ 10 ወይ 11 ሰባት እዩ ክድቅሳ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ወናብር ኣብ ዝነበረ ጣውላ ጽላሉን ጫምኡን ከም መተርኣስ ተጠቂሙ ዓራቱ ኣዋደደ። ንንግህኡ ነቲ እቲ ረፋዕ ተሰኪሙ ዘምጻሉ ሳንጣ ክረኽቦ ኣይኸኣለን። ኣብ ኣርማድዮን ዓራትን ደለየ፣ ኣሰሩ የልቦን። ክንደይ ዘሕዝን እዩ። ዝከኣሎ ደለየ ክረኽቦ ግና ኣይከኣለን። ንጽባሒቱ ዘዕርፈላ ቦታ ኣጋይሽ ደልዩ ንከንቱ ጸዓረ፣ ኣብ መወዳእታ ገንዘቡ ኣብ ትሕቲ ርእሱ ሓቢኡ ኣብ ኣስካላ ናይ ሓደ ቤት መቅደስ ተገምነዎ።

ነዊሕ ኣይገበረን፣ ናብኡ ገጹ ዝቀርብ ስጉሚ ሰምዐ፣ ሻቡ ሰላሕታ ኣእዳው ኣብ ልዕሊኡ ዓለባ። እንታይ ደሊኻ፧ ሓተተ ህድእ ኢሉ። ሽዑ እቲ ዝሓዞ ሰብኣይ ተሰወረ። ኣይደንጎየን ግና ጸኒሑ ምስ ካልኣዩ ተመልሰ።

እንታይ ደሊኹም፧ ሓተተ ተይለር

ካማኻ ኣብዚ ግዳም ናይዚ ቤት መቅደስ ኮይና ነዛ ለይቲ ነሕልፋ ኣሎና መለሱ። በቲ ካልእ ወገን ናይታ ቤት መቅደስ ብዙሕ ነጻ ቦታ ስለ ዘሎ፣ እዚኣ ቦታ ንዕኡ ክሓድግሉ፣” ኢሉ ተይለር ተወከሶም። ሓሳቡ እተቀበልዎ ኣይመስሉን። ስለዚ ድማ ኮፍ ኢሉ ብዕቱብ ክከታተሎም ወሰነ።

ጽቡቅ ጌርካ ደቅስ፣ እንተዘይ የዕሪፍካ ጽባሕ ስራሕ ክትሰርሕ ክትጽገም ኢኻ በልዎ። ኣይትፍራህ፣ ምሳኻ ኣሎና ማንም ዝጎድኣካ ድማ የልቦን ኢሎም ድማ ወሰኹ።

ተይለር ክኣምኖም ኣይክእልን እዩ፡ በሎም ድማ፣ ስምዑኒ ናትኩም ሓለዋ ዘድልየኒ ኣይኮንኩን፣ ኣነ ቻይናዊ ኣይኮንኩን ነዞም ከንቱ ጣኦታትኩም ድማ ኣየምልኽን እየ፣ ንእግዚኣብሄር እየ ዘምልኽ፣ ንሱ ኣቦይ እዩ፡ ኣብኡ ድማ እየ ዝውከል፣ መን ሙኳንኩም እንታይ ከም ዝደለኹምን ኣጸቢቀ ፈሊጠኩም ኣሎኩ፣ ኣዒንተይ ንዓኩም ደኣ ይሕልዋ እምበር ድቃስ ዝበሃል ብፍጹም። በሎም። ሓደ ካብኣቶም ከደ ኣይደንጎየን ግና ካልእ ሰብኣይ ሒዙ መጸ፣ እንተደቀሰ ብምባል ንገለ እዋን ተጸበይዎ፣ ንሱ ግና ጥቅስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስን መዛሙር ክዝምርን ጀመረ። በዚ ነገር እዚ ኣይተሓጎሱን ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሓዲጎሞ ከዱ።

ሳንጥኡ ክርከብ ስለ ዘይተኻእለ፡ ኣብ ክንዲ መገዱ ናብ ኒንግፖ ዝቅጽል ናብ ሻንጋይ ክምለስ ተገደደ። ንሓደ ብሕማም በዲዶ (smallpox) እተለኽፈ ሕሙም ሓከሞ። ምሕካሙ ምስ ወደአ ነቲ ተከዲንዎ ዝነበረ ክዳውንቲ ኩሉ ከቃጽሎ ብግዲ እዩ። ገንዘቡ ብነጻ ይዕድል ስለ ዝነበረ ሓድሽ ቀረብ ክገዝእ ኣይክእልን እዩ። ልኽዕ ድሕሪ እዚ ኣብታ ግብእቲ ግዜ እታ ዝጠፍአት ሳንጥኡ ሃንደበት ተረኽበት፣ ኩሉ ድሌታቱ ድማ ክረክብ ከኣለ።

እዚ ካብቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ቁጽሪ ዘይብሉ ኩነታት፣ ሓደ ጥራይ እዩ፣ እታ እግዚኣብሄር ይርኢ እዩ (ዘፍ 22፣14) እትብል ቃል ኣብ ህይወቱ ተፈጻምነት ረኸበት። እዚኣን እታ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣናኤቨን ዔዘር እትብል ጥቅስን ናይ ተይለር ምሩጻት ጭርሖ ነበራ።

ውርሻ ጀምስ ሃድሰን ተይለር

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ኣብ ዕዮ እንከሎ ምስ ወ/ሪት ማርያ ዳየር ተፋለጠ፣ እዛ እንግሊዛዊት ጎርዞ ኣቡኣ ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዝነበረ እዩ። ምስ ኣብ እንግሊዝ ዝነበረ ኣኮኣ – መጉዚታ ሙኻኑ እዩ – ብዛዕባ መርዓኣ ተሰማምዐ።  በዚ ድማ ኣብ ጥሪ 1858 ኣብ ሓደ ካብቲ ሚስዮናት መርዓ ተገብረ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ትሕትቲ ቦታ ኣብ ኒንግፖ ብሓባር ዕዮኦም ጀመሩ። እቲ ደስ ዘብል ናይ ጥንቲ ዛንታ የሱስን ፍቅሩን ክነግሩ ከለዉ ኣዝዮም ሕጉሳት ነበሩ።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ገና ኣብ እንግሊዝ እንከሎ፡ “ብኸመይ ጸሎት ጥራይ እግዚኣብሄር ሰባይ ምእንታካ የንቀሳቅሰልካ” ኣጸቢቁ ተማሂሩ ነበረ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓለሉ ብዙሕ ዕድላት ከኣ ረኺቡ እዩ። ሓደ እዋን ናይ ሆስፒታል ሓለቓ ኣብ ዝነበረሉ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ዘድልዮም ዘበለ ንምርካብ ኣብ እግዚኣብሄር እዮም ዝውከሉ ዝነበሩ። ሓደ መዓልቲ መጋቢኦም ሩዝ ኣብ ምውድኡ ምኻኑ ሓበሮ፣ – “እታ ናይ መወዳእታ መሸማዕ ተኸፊታ ኣላ።” በሎ። መልሲ ተይለር ግና፣ – ስለዚ እታ እግዚኣብሄር ኢዱ ዝዝርግሓላ ሰዓት እዚያ ቀሪባ ኣላ ማለት እዩ። በሎ። ብርግጽ ድማ ቅድሚ እተን ሩዝ ምውደአን፣ $250 ካብ እንግሊዝ መጾም፣ ሓጎስ ናይቶም ሰራሕተኛታት ወሰን ኣይነበሮን። ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናይ ምስጋና መዛሙርን ጫውጫውታን ሰምዑ፣ ከምዚ ከኣ በሉ እዚ ከምዚ ዝገብር ጣኦትሲ ኣበይ እዩ ዝርከብ፣ ኣብ ጸገምና ገለ ኣናጊፉና ይፈልጥ’ዶ ይኸውን፣ ወይስ ብኸምዚ ዓይነት ቅዲ ጥራይ እዮ ጸሎት ዝምልስ፧ ተበሃሃሉ።

እዚ ሚስዮናዊ ኣብ ቻይና 6 ዓመት ምስ ኣሕለፈ፣ ምስ ወ/ሮ ተይለር ጉዕዝኡ ናብ እንግሊዝ መደቡ፣ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣኽሳብን ጉዕዞ እዩ ዝነበረ። ጥዕንኦም ተመሓየሸ፣ ንኣገልግሎት ሚስዮም ውሽጢ ሃገር ቻይና (China Inland Mission) ድማ መስረቶ። ዝያዳ ዓመታት ንምግልጋል ናብ ቻይና ተመልሰ። እንደገና እንግሊዝ በጽሐ፣ ቀጺሉ ኣሜሪካ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣሕለፈ። ልቡ ኩሉ ግዜ ምስታ እግዚኣብሄር ካብ ግዜ ንእስነቱ ዝጸውዖ ምድሪ እያ ዝነበረት፣ ኣብኣ ክፋል ህይወቱን ድርዑ ኣንቢሩ ኣሎ። ብዕለት 3 ሰነ, 1905 ግና ካብዛ ዓለም ብሞቱ ሓለፈ። ናይ ቻይና ክርስትያናት ድማ ኣብቲ እዋን ክረኽብዎ ንዝኽእሉ ኣዝዩ ዝበለጸ ሳንዱቅ ሬሳ ቀረቡ። ዕዮኡ ግና ምስኡ ኣይሞተን።

ጀምስ ሃድሰን ተይለር ብጠቕላላ 51 ዓመታት ኣብ ቻይና ተቀሚጡ። በቲ ዝጀመሮ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ድማ ልዕሊ 800 ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ኣፍርዩን ኣብ መላእ ሃገር ቻይና ድማ ልዕሊ 125 ቤት-ትምህርትታት ሃኒጹ። ከም ውጺኢት ቀጥታዊ ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ተይለር ድማ ልዕሊ 18,000 ሰባት ናይ ምድሓን ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ መጺኦም። ኣብ ኩለን 18 ኣውራጃታት ቻይና ድማ፡ ልዕሊ 300 ቀወምቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝህባን ልዕሊ 500 ዞባውያን ማእከል ጥዕናታት ሃኒጹ።

ብዕዮ ኣገልግሎት፡ ሚስዮን ውሽጢ ሃገር ቻይና ዝደሓና ኣዝየን ብዙሓት ነፍሳት እየን። ክሳብ እዛ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ሰማይ ኮይነን ኮነ ኣብ ምድሪ ስለቲ እግዚኣብሄር ብባርይኡ፣ ጀምስ ሃድሰን ተይለር፡ ኣብ ቻይና ብኣገልግሎት ሚስዮንን ዝገበሮ ድንቂ ስራሕ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሄር ከመስግናን ክባርኻን እየን።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply