ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን

ንምንታይ ተፈጢርካ/ኪ፧ ናይ ምንባርና ትርኩም እንታይ እዩ፧ ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን ፧

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ .. .” (1 Peter 3:18)

እቲ ዝዓበየ ደስታን ሓጎስን እዚ ጥዑም ዜና – ወንጌል – ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ምስ ኡ ምስ ገዛኣ ርእሱ እንገብሮ ሕብረት እዩ። ሓጎስናን ኩሉ ደስታ ባህታ ልብና እዩ፣ ሕብረት ምስ ኣምላኽ። እዚ ሕብረት ተባሂሉ ዘሎ ድማ ኣብታ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ፡ 1ጴት 3፡18 – ናይ ምፍጣርና ዓላማገሊጽዎ ኣሎ። ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን፧ ኣብታ ኣብ ጴጥሮስ ዘላ ጥቕሲ፡ ኣብ ሓደ ሓረግ ከምዚ ኢሉ ኣሎ – “ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ነዚ ምኽንያት እዩ፡ ጐይታ ተሰቂሉ።

ኩሎም ካልኦት ህያባት ናይ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነዚ ውህበት እዚ ምእንቲ ክዉን ክገብር እዮም ዘለዉ።

  • ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ኢና። ስለዚ ድማ ሕፍረትን ናይ ገበይነይና ስምዒት ካብ ኣምላኽ ኣይክፈልዩናን እዮም።
  • ጸዲቕና ኢና፣ ስለዚ ድማ ኲነኔ የብልናን። ኲነኔ ድማ ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይክፈልየናን እዩ።
  • እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ጻድቕ እዩ። ንሓጥእ ከም ጻድቅ ኣይርእን። ስለዚ ድማ ቁጥኣ፡ ኣብ መንጎ ኣቦና ዝኾነ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎናን ቦታ የብሉን።
  • ናይ ዘልኣለም ህይወት ተዋሂብና ኢና። ብሓድሽ ህይወት ድማ ዳግም ተወሊድና ኢና። ስለዚ ድማ ምስ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም ንምንባርን ምስ ኣምላኽና ህይወት ናይ ምክፋል ዕድል ተዋሂቡና እዩ።

ብምኽንያት ሓጢኣት ካብ ኣግዚኣብሄር ዝሰኣንናዮ እዚ እዩ፣ ዝረኸምናዮ ድማ እዚ እዩ። እዚ ዓላማ’ዚ፡ ናብቲ ናይ መጀመርታ መደብ ኣምላኽ ንኽመልሰና እዩ ክርስቶስ የሱስ መጺኡ። ስለዚ፣ ንምንታይ ኢና ተፈጢርናን ዘሎናን ፧

ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጎስ ጽጋብ ኣሎ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘልኣለም ብጽእና ኣሎ።

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና ኣሎ።” (Psalm 16:11).

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.