ደድሕሪ ንፋስ ምጒያይ

(ካብ 1 – 14 ለካቲት 2022)

እኹል ድቃስ ዘይምርካብን ኣዚኻ ሓይሊ ዘይብልካ ኰንካ ምድኻምን፡ ርእያት ናይ ኣካላዊ ናይ ዘይምጥዓይ ጸገማት እዮም። ደድሕሪ ንፋስ ምጒያይ እዩ። ነዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ግና፡  እቲ “ብስምዒታዊ ጥዕና” ኣዝዩ ተጎዲኡ እንከሎ ክቅጽል ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ልኽዕ እዩ፣ ድቃስ ምስኣን እንተደኣ ስምዒታዊ ፈተናታት ተወሲኽዎ፡ ኣዝዩ መሪር ተስፋ ኸቁርጸና ከስዕበልና ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝነበረ፡ ባሩኽ፣ ቅድሚ እቲ ባቢሎናውያን ነታ ከተማ ብምጥፋእ ዝሰዓበ ዕግርግርን መከራን ህውከትን፡ ኣብተን ኣብ የሩሳሌም ዝነበራ ናይ መወዳእታ ናይ ህውከት ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢለ ይሓስብ።

ኤርምያስ 451-5 ኣንብብ! ኣብታ እዋን ንባሩኽ ይስምዖ ዝነበረ ኢልካ እትሓስቦ፣ ስምዒታዊ ጥዕና ባሩኽ መርሚርካ ብዝርዝር ጸሓፎም።

ሕሰብ!

እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልክዕ ከምቲ ንባሩኽ ኢሉ መልእኽቲ ዝለኣኸ፣ ከምኡ ዓይነት መልእኽቲ ናንዓኻ ኢሉ እንተ ዝልእኽ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧

ባሩኽ፡ እዚ መልእኽቲ ካብቲ ዝፋን ክፍሉ፡ ካብ እግዚኣብሄር ብቐጥታ መልእኽቲ ተቐቢሉ (ኤር 45፡2)። “ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮኣቂም ናይ ይሁዳ” – እዚ ብ605 ወይ 604 ቅ.ክ. ከም እተፈጸመ ተነጊሩና ኣሎ። ኤርምያስ 45፡3 – ድማ፡ ጥቕሉል ሓሳብ፣ ናይቲ ሰባት ኣብ ጥራዮም መገዲ ከም ምስ ንፋስ ምጉያይ ክጐዩ እከለዉ፡ እንታይ ከም ዝስምዖም ዝገልጽ እዩ።

ካብቲ ኵሉ ኣብዚ ክፍሊ ቕዱሳት ጽሑፋትዘሎ፣ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ እንፈልጦ ነገራት፡ እቲ ባሩኽ ዘቕረቦ መረረ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ምግናንን ጸለመን ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። ከም ደድሕሪ ንፋስ ምጒያይ እዩ። ተስፋ ክቘርጽን ብስምዒታዊ መዳይ ደኺሙ ክሕለል ዝገብሮን ክኸውንን ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ብዙሕ ሕማቕ ነገራት የጋጥም ነይሩ እዩ፡ ካልእ ካብኡ ንላዕሊ ተወሳኺ ነገራት እውን ክመጽእ ዝገብር እዩ ነይሩ።

ምላሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ንቓንዛን ስቃይን ባሩኽ ብኸመይ ምመለሰ ኢልካ ትሓስብ፧ ኤርምያስ 454,5 ኣንብብ!

ምላሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንናይ ባሩኽ መከራን እምበኣር፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ቃንዛን መከራን ኣብ ክንዲ ባሪኡ ባሩኽ፡ ብዝያዳን ብዝተዓጻጸፈን፡ ከም ዝበዝሕን ከም ዝገደድን የዘኻኽረና። ምኽንያቱ፡ ንየሩሳሌም ሃኒጽዋ፡ ከፍርሳ ድማ ኢሉ ነበረ፣ ንእስራኤል ከኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ተኺሉ ነበረ (ኢሳ 5፡1-7)፡ ክምሕዋን: ናብ ምርኮ ድማ ኽወስዶ ኢሉ ነበረ። እዚ ጐይታ፡ ንህዝቡ ብኸምኡ ክሓልፉን ክበጽሖምን ኣይኰነን ድላዩ ነይሩ፣ የግዳስ፡ ካብ ጐይታ እግዚኣብሄር ስለዝዓለዉ እዩ ዝበጽሖም።

ይኹን እምበር፣ ንባሩኽ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ገለርያስ ብርሃን ነይሩ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንህይወት ባሩኽ ኣድሒንዋ እዩ፡ ዋላ ኣብ ማእከል ምርኮን ስደትን ጥፍኣትን እውን ከይተረፈ ኣድሒንዎ እዩ።

ደጊምካ፣ እቲ ንባሩኽ ዝመጸ ቃል እግዚኣብሄር ደጊምካ ኣንብቦ!

  • ካብዚ ንዓኻ/ኺ ዝኸውን እትወስዶ ሓፈሻዊ መልእኽቲ እንታይ ኣሎ፧
  • ዅነታትና ብዘየገድስ፡ እዚ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ብውልቕኻ ኣብ መወዳእታ ክትኮኖ ዝደልየካ እንታይ እዩ ይብል፧

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.