ኣህላኽን ኣድካምን

(ካብ 17 – 30 ጥሪ 2022)

ስለምንታይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኸይሃለኸ ከይደኸም *( ኣህላኽን ኣድካምን ) ደኸመ እንከሎ፡ መዓልቲ ረፍቲ ዝፈጥረ ይመስለካ፧

ዝንበብ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፣ – ዘፍጥረት 2: 1-3

ንሕና ሰባት ነቲ ብርእስና ዘምጻእናዮ ውጥረት ዝመልኦ ህይወት ቅድሚ ምጅማርና እውን ከይተረፈ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክንርስዖ ዘይንክእል መፈለጥራን መዘከርታን ምልክት ገይርልና እዩ። እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሓንሳእ ደው እትብለላን ኰነ ኢልካ ንህይወት እተስተማቕረላን መዓልቲ ዕረፍቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ከኣ፡ ብፍላይ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ኩሉ ፍጥራት ሳዕሪ፡ ኣየር፡ ንፋስ፡ እንስሳ ዘገዳም፡ ማይ፡ ሰባትን ልዕሊ ኵሉ ድማ ፈጣሪ ኵሉ ጽቡቕ ውህበት ዝዀነ ኣምላኽና እግዚኣብሄር፡ እነስተማቕረላን እነብዕለላን መዓልቲ እያ። ደው ኢልኻ ብዛዕባ ኣምላኽ ጥራይ እትሓስበላ መዓልቲ ዕረፍቲ።

ዝኾነ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል እኮ፡ ካብቶም ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዓመት ዝነበረ ሰባት፡ ብብዙሕ ኣካላዊ ጻዕርን ስራሕን ዘቃልሉ መሳርሕን ቴክኖሎጅን ዝተከበብና ኢና። ከም ሓቂ ግና፡ ሎሚ እውን እንተ ኰነ፡ ዕረፍቲ ብቀሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ነገራት ብዝቀለሉ መጠን ኣዚና ጽሙዳት ኢና። ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ንምርካብ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እዚ ዕረፍቲ እንብሎ ዘሎ ግና ንኣምላኽ ዝኸውን ናይ ዕረፍቲ ግዜ እዩ። እቲ ዝገርም፡ ዋላ እዃ ኣብቲ ኣብ ስራሕ ዘየለናሉ እዋን፣ ኣብቲ ዘይንሰርሓሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ከቢድ ንጥፈታት ኣዚና እተጸመድና ኢና። ኵሉ ሳዕ፡ ብገለ ምኽንያት እውን ከይተረፈ ዝገበርና እንተገበርና፡ ኮታ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ወዲኤ ኢልካ፡ ሕጂ ከዕርፍ እየ ምስ በልኻ፣ ገለ እትገብሮ ነገር ትዝኽር። ኣዝዩ ኣህላኽን ኣድካምን እዩ።

ብመጽናዕቲ ከም እተረኽበ እውን፡ መብዛሕትና ድቃስ ይጐድለና ኣሎ፣ ብዙሓት ሰባት ከኣ ቡንን ውጺኢት ካፌንን ዝተመርኮሱ ብምዃን፡ ብቀጻሊ ዝሕቱል ድቃስ ኣለዎም። ዋላ እዃ ፈጣናት ተንቀሳቀስቲ ቴሌፎናት፡ ቅልጣፈ ኮምፕዩተራት፡ ፈጣን ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት እንተ ሃለወና፡ እኹል ግዜ ግና ዘሎና ኣይመስለናን።

እቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ፡ ኣካላዊ ዕረፍቲ ከም ዘድልየና ይፈልጥ እዩ። ኣካላዊ ዕረፍቲ ምእንቲ ክንረክብ ድማ እዩ፡ ጉዕዞ ግዜ፡ ብለይትን ሰንናብትን ዝመቃቀሎ። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ ከም ጐይታ ህይወትና ጌርና ምቕባል፡ ናይ ዕረፍቲ ህይወት ንምንባርን ዕረፍቲ ምርካብን ከም ዘሎና ሓላፍነት ገይርና ክንርእዮ ኣሎና።

እዚ ዝስዕብ ጥቕስታት፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕረፍቲ እንታይ ይምህረና፧ (ማር. 6: 31, መዝ. 4: 8, ዘጸ. 23: 12, ዘዳ. 5: 14ን ማቴ. 11: 28)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.