መላእኽቲ 3

እንታይ ይምህረና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላአኽቲ

ብቢንያም ዮሃንስ

(ሳልሳይ ክፋል)

5.መንነትን ሓይልን ጥበብን

ካብ ኣምላኽ ካብቲ ሓያል ዝኾነን ዝመጸን ዝወጽን ከመይ ከም ዝኾነ ዘይማትእ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ ድማ መላአኽቲ ናቶም ዝኾነ ውህበት አለዎም።
መ.ዳዊት 103፥20 “ኣቱም መላአኽቲ ንድምጺ ቃሉ እትእዘዙ
ንቃሉ እትፍጹሙ ሓያላት ስልጣንን ንእግዝኣብሄር ባርኽዎ።”
2ጴጥ 2፥11 “መላአኽቲ እኻ ብሓይልን ብስልጣንን ዝበልጹ ክነሶምሲ
አብ ቅድሚ ጎይታ ናኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ኣየምጹኡን እዮም።

6.ኣስማት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሓ ጊዜ መላአኽቲ ሰራዊት /host / ኢሉ እዩ ዝስምዮም
ኣብ ውሽጢ እዚ ግን ብአስማቶም ተጠቂሶም ንረኽቦም መላኣኽቲ ሓሙሽተ እዮም፥-

1. ገብርኤል (GABRIEL)
ትርጉሙ /man of God or strength of God/ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ ወይ ናይ ኣምላኽ ሰብ
አብ ሓድሽ ኪዳን 2 ጊዜ ተጻሒፉ አሎ ሉቃስ 1፥19
ሉቃስ 1፥26
ንቤት ዘካርያስ ዘበሰረ እዩ።
ት.ዳንኤል 9፥21 “ገብርኤል እቲ ቅድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ስብኣይ
ቀልጢፉ ነፉሩ (fly) ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።”
አብ ብሉይ ኪዳን 2 ጊዜ ተጻሒፉ አሎ ት.ዳንኤል 8፥16

2.በዓል- ዜቡብ/ብዔል ዜቤል (BAAL ZUBUB)
ትርጉሙ Lord of the flies

ኣብ ብሉይ ኪዳን 4 ጊዜ ተጻሒፉ አሎ 2ነገስት1፥2
አብ ሓዲሽ ኪዳን 7 ጊዜ ተጻሒፉ አሎ ማቴዎስ 10፥25ማርቆስ 3፥22
ሉቃስ 11፥15 ገሊኦም ግና ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል
በቲ ሓለቃ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ በሉ።

3.ሚካኤል (MICHAEL)
ትርጉም how is like God/ መን ከም ኣምላኽ/ ማለት እዩ።
ሚካኤል ሊቀ መላአኽቲ /Archangel/ ማለት ዓቢ መላአኽ ወይ ብዓል ስልጣን ማለት እዩ። Arch ማለት ብግሪክ ሊቀ፡ ብዓል ስልጣን (chief, first) ማለት እዩ።
arch’an’gel ማለት An Angel of high rank
ት.ዳንኤል 10፥13 “እንሆ ኽአ ሚካኤል ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትን
ሓደ ንምንጋፈት መጸ ኣነ ውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት እኔኹ”
ይሁዳ 1፥9 “ግናክ ሚካኤል ሊቀ መላአኽቲ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ኪከራኽር ከሎ
እግዚአብሄር ይግናሓኻ ድኣ በሎ እምበር ብጸርፊ ኺኹንኖ ኣይደፈረን።”
በሓድሽ ኪዳን 2ጊዜ ተጻሒፉ አሎ ራእይ የሃንስ 12፥7
በብሉይ ኪዳን ድማ 13 ጊዜ ተጻሒፉ ንረኽቦ።

4.ኣባዶን (ABADDON OR APOLLYON)
ኣባዶን በእብራይስጥ
ኣጳልዮን በግሪክ
ትርጉም (destroyer) ኣዕናዊ
ራእይ የሃንስ 9፥11. ….. ንሱ መላአኽ መዓሙቅ እዩ ስሙ ኣባይን/ኣጳልዮን እዩ።

5.SATAN/LUCIFER/ሰይጣን ወይ ዲያብሎስ
ትርጉሙ bearer of light ስይጣን በብሉይ ኪዳን 15 ጊዜ ሓዲሽ ኪዳን 34 ጊዜተጻሒፉ ንረኽቦ።
ዲያብሎስ ብብሉይ ኪዳን የለን ብሓድሽ ኪዳን ግን 27 ጊዜ ተጻሒፉ ንረኽቦ።
ብኻልእ ስም ውን ተጠቂሱ ብመጽሓፍ ቅዱስ ውሺጢ ንረኽቦ።
ራእይ የሃንስ 12፥9…….እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሓተ ዘሎ
ድያብሎስን ሰይጣንን ዝብሃል ዓብይ ገበል
እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተድርበየ፡
ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላአኽቱውን ምስኡ ተደርበየ።

ይቅጽል ….