መላእኽቲ 4

እንታይ ይምህረና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላአኽቲ

ብቢንያም ዮሃንስ

(ራብዓይ ክፋል)

7.ሞት መላአኽቲ
ብዛዕባ መለኣኽቲ ይሞቱ ዶ? እንተልኻ ልኽዕ ከምቲ ናይ ወዲ ሰብ
ይውለድ፡ ይዕቢ፡ ይመውት፡ አብ ሰራዊት ሰማይ (መለኣኽቲ )ግና ፍሉይ ዝገብሮ ከምኡ ኣይኾንን ምክንያቱ
ሉቃስ 20፥35-36
“እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኢ ምውትታን ንምርካብ ዚበቅዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምካኖም
ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላአኸቲ ስለ ዝኾኑ’ውን ድሕርዚ ክመቱ ኣይከነሎምን እዩ።”
ተወሳኪ
ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዘመንውን እንተ ኾነ ኣይልወጡን እዮም። እቶም ምስ ሰይጣን ዝተርደርበዩ መላእኽትን ሰይጣንን ሓዊስካ ድማ
ከምታ ሓንሳብ ዝተፈጠሩላ ኣብ ናይ ዘለአለም ሓዊ ይድርበዮ።
ማቴዎስ 25፥41 “ከምዚ ይብሎም ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቁ ናብቲ ንሰይጣንን መላአኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
ተወሳኪ ጥቅሲ
ራእይ የሃንስ 20፥10

8.መውስቦ (ምትእትታው)መላአኽቲ
ምክንያት መውስቦ ምፍራይ ምብዛሕ እዩ። መውስቦ ብእግዚኣብሄር ንስብ ዝተውሃበ
ብቅዱስ መንገዲ ክግበር ዝተውሃበ ፍቃድ እዩ። ንሰራዊት ሰማይ (መላአኽቲ) ግና ከምዚ ይብለና
ማቴዎስ 22፥30
የሱስ ከምዚ በሎም ኣብ ትንሳኤሲ፡ ከም መላአኽቲ ኣምላኽ አብ ሰማይ እዮም እምበር ኣየእትዉን ኣይተኣታተዉን።

9.ብልዒ(መግቢ)መላአኽቲ
መዝሙር ዳዊት 78፥25
ሰብ ናይ መላአኽቲ እንጌራ በልዔ፡ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን መግቢ ሰደደሎም።

10.ፍሉይ ቛንቛ ወይ ኣንደበት (unique language)

ንኣምላኽ ዝጨንቆ ነገር የለን ንሱ ፈጣሪ ወሃብን ስለ ዝኾነ ናይ ዋንነት፡ ምልኺ፡ ሓላፍነት፡ ስልጣን አለዎ።
እግዚኣብሄር ንስብ ክዛረቦ እንተ ደልዩ በቲ ሰብ ብዝርድኦ ቛንቛ ብመላአኽቲ ብዝደለዮ ይሰደልኻ ይዛረበኻ ምክንያቱ እግዚኣብሄር መስተንክር ስለ ዝኾነ።
ስለ’ዚ ድማ
1ቆሮንቶስ 13፥1
” ቛንቛ ሰብን መላአኽትን እንተ ዝዛረብ……..ምኾንኩ”።
ራእይ የሃንስ 19፥6-7
ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጎዳታትን ዝበለ ከአ እቲ ኹሉ ዝኽእል
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ ሃሌሉያ መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ
ንተሓጎስ ባህ ድማ ይበለና ንእኡውን ክብሪ ንሃብ ኪብሉ ከሎ ሰማዕኩ”።
ተወሳኪ ጥቅሲ
ቆሮንቶስ 14፥10-11, ግብሪ ሃዋርያት 2፥4-12
ራእይ የሃንስ10፥3, 5፥5,11:15

11.ኣምልኾን ስግደትን
ኣምልኾን ስግደት ካልእን ናይ ትሕትና፡ ኣክብሮት፡ ብዓላት ……ወዘተ ዝብሃሉ፡ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ይመስል ወይ እንታይ ሳዕቤን የከትለልና
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ሕጊ ኣምላኽን ትእዛዝን ምፍራስ እዩ። ስለዚ ዘዳግም 4፥19 “ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ኩሎም ሰራዊት ሰማያት (መላአኽቲ) ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰምይ ከይተልዕል እሞ ነቶም
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ኹሎም ህዝብታት ዝመቐሎም ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሓሎ”።
ዘዳግም 17፥3 “ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎም ኻልኦት ኣማልኽቲ ንጽሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንኹሎም ሰራዊት ሰማይ (መላአኽቲ) እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን”።
ቆሎሴ 2፥18 “ሓደ እኻ ትሕትና ብዝመስልን ብስግደት ንመላእኽቲን ገይሩ ንሰብ ዘይረአዮ ነገር እናተሓወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም”።
ተወሳኪ ጥቅሲ
ራእይ የሃንስ 19፥10,22፥8-9

ይቅጽል………