ካህን ኤሊ- ካበይ ናበይ

ካህናት ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፣ ግብሪ ክህንነት ክንሰርሕን ከነስተውዕልን ዝተጸዋዕና ኢና፣ ክህንነት መንፈሳዊ ናይ ዕርቒ ስራሕ እዩ። ካህን ድምጺ ኣምላኽ ብምስማዕ ንህዝቢ ይመርሕን ይዓርቕን፣ ሓደ ሓደ እዋን ግና እቲ መሰረታዊ ናይ ክህንነት ስራሕ ምስ እንስሕቶ ከም ሓደ ሕማቕ ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተገሊጹ ዘሎ፣ ካህን ኢና እንኸውን። ካህን ኤሊ፦

  1. ካህን ኤሊ፦ “. . . ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፣ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፣” 1ሳሚ 1፣9
    • ካህንሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታን ስፍራን የብሉን፣ ኣብቲ ኣምላኽ ዘቀመጦ ስፍራ እዩ፣ ዝሰፍር፣ እቲ ስፍራ’ውን፣
  2. “ካህን ኤሊ ከኣ ኣዝዩ ኣረገን፣ ኣዒንቱ ከኣ ሓሚቀን ነበራ” 1ሳሚ 2፣22,3፣2
    • ስጋዊ እርጋን ነቲ ውሽጣዊ ነገር ኣይጸልዎን እዩ፣ መንፈሳዊ እርጋን ግና ነቲ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎካ ሕብረትን መንፈሳዊ ብርታዔ ብምምህማን መንፈሳዊ ኣዒንቲ ይደፍን።
  3. “ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፣ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥዎን፣” 1ሳሚ 2፣12። “ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቕዎ ነበሩ” 1ሳሚ 2፣17። “እቶም ደቁ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝገብርዎ ኩሉ ነተን ኣብ ደገ ድንዃን ምርኻብ ዘገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዝድቅስወን ሰምዐ” 1ሳሚ 2፣22።,
    • ኣምላኽ ነቲ ዝሃበኻ ዕዮ ብቕድስናን ብጽድቅን ክትፍጽም፣ እቲ ናይ መጀመርታ ኣገልግሎትካ ቤትካ፣ ክትፈልጥን ከተዕርን ከምዘለካ እዩ ዝምህረካ። ኣብ ቅድሚ እቲ መስዋእቲ ድማ ክትቀርብ ብፍጽምቲ ኢድ ክትፍጽሞ ኣሎካ።
  4. ሃና፣ “. . . ብነፍሳ ተመሪራ እንዳ በኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፣” 1ሳሚ 1፣10። ካህን ኤሊ፦ “. . . ክሳዕ መዓስ ኢኺ እትሰኽሪ ወይንኺ ካባኺ ኣውጽእዮ፣” በላ፣ 1ሳሚ 1፣14
    • ካህንሲ ንመንፈሳውን ስጋውን ስኽራን ፈልዩ ዝፈልጥ እዩ፣ ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ ድሌትን ሕቶን ዘንብብ፣ ምስ እግዚኣብሄር ዘራኽብ ድልድል እዩ።
  5. “ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸውዖ፣ ንሱ ከኣ እኔኩ በለ። ናብ ኤሊ ጎይዩ ድማ ጸዊዕኻኒ ኢኻ እሞ እኔኩ በለ፣ ንሱ ግና ኣይጸዋዕኹኻን ተመሊስካ ደኣ ደቅስ በለ። ኸይዱ ከኣ ደቀሰ” 1ሳሚ 3፣4።
    • ካህን ኤሊ ግና ንድምጺ እግዚኣብሄር ረሲዕዎ ስለዝነበረ፣ ንድምጺ ሰብን ንድምጺ ኣምላኽን ከደናግሮ እንከሎ ንርኢ። ሳሚኤል ግና ኣብቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝነበሮ ቦታ ስለዝነበረ ቀረባ ኣምላኽ ነይሩ።
  6. “ካህን ኤሊ ድማ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በጃኻ ካባይ ኣይትሰውሮ፣ ካብቲ እተዛረበካ ነገር ገለ ዘረባ እንተሓባእካለይ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፣ ከምኡ’ውን ይድገምካ በለ” 1ሳሚ 3፣17።
    • ካህን ኤሊ፣ ነቲ ህጻን እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ እሞ ከኣ ብዛዕባ ቤቱ (ቤት ኤሊ)፣ ነቲ ንህጻን ምጥያቁ፣ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ድኻም ኤሊ፣ ጥሜትን ዋሕድን ቃል እግዚኣብሄር ዘርኢ እዩ።
  7. “ካህን ኤሊ ምስ ታቦት እግዚኣብሄር ኣይወጸን፣ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ” 1ሳሚ 4፣4
    • ካህን ምስ ታቦት እዩ ክወጽእ ዘለዎ፣ ካብ ታቦት ክፍለ የብሉን፣ እዚ ታቦት ዓሰርተ ትእዛዛት እዩ። እዚ ማለት ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ሓደ ሰብ ካብ ቃል ኣምላኽ ክፍለ የብሉን፣ እንተ ተፈልየ ግና እቲ ዝህሰ እቲ ሰብ እዩ እምበር እቲ ቃል ኣምላኽ ግና ናብ ቦትኡ ክምለስ እዩ፣ ልኽዕ ከምቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቦትኡ ዝተመልሰ።

ኤሊ ናይ ካህን ቅብኣት ነይርዎ እዩ፣ ግናኸ ኤሊ እቲ ዓብይ ስም ሒዙ፣ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣበራት ተረኺብዎ፣ ንሱ ግን ኣሎኹ እዩ ዝብል ዝነበረ። ስለዚ ኣምላኽ መጀመርታኻ ዘይኾነ ዘገድሶስ መወዳእትኻ እዩ ዘገድሶ። ንሕሬትኩምን ጽውዓኩምን ኣጽኒዕኩም ሓዙ ይብለና። ጻውዒት ክህሉ ይክእል እዩ፣ ግና ንጻውዒትካ መደምደምታ ግበረሉ። ንስኻ/ኺ ኩሉ ብጎይታ ዝደሓነ ካህን እዩ። ሎሚ ካህን ምዃንካ ፍለጥ ካብዚ ሸውዓተ ጌጋ ናይ ኤሊ እንታይ ትመሃር፧

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.