እግዚኣብሄር፣ ብኸመይ ንኣተሓሳስባና ይቅይሮ፧

ፊሊጲ 3:15–16

ከም መቀጸልታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ራብዓይ ክፋል ዝረኣናዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ደረጃታት ህይወት ክርስትና፡ ንሎሚ ድማ ሓሙሻይ ክፋሉ ንቕጽሎ ኣሎና። ናይቲ ዝሓለፈ ራብዓይ ክፋል እንታይ ከም ዝዘተናን ዘጽናዕናን ንምርኣይ ዝኣኽል፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ራብዓይ ክፋል ምንባብ ትኽእሉ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ድሕሪ ናይ የሱስ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ምህሮን ምግሃድን፣ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ምግላጽ የለን። ብዙሕ እዋን ተገሊጹለይ ብዝብል ሓድሽ ዝመስል ምግላጽ ኣሎ ክብሉ ሰባት ንሰምዕ ኢና። ኮይኑ ግና እቲ እቶም ሰባት ምግላጽ ኢሎም ዘምጽእዎ፣ ድሮ ዝተገልጸ እዩ። ምግላጽ፣ ሓድሽ ፍልጠት ወይ ሓድሽ ነገር ምግላህ፡ ቅድሚ ሕጂ ብማንም ዘይተበጽሐ ምምጻእ ኣይኮነን። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ናይ መጨረሽታ ምግላጽ፣ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብድሕሪ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ኣሎኒ ኢሎም ዝተላዕሉ ኩሎም፣ ናይ ስሕተትን ናይ ከንቱ ሃተውተው ዝሃለሉ ጥራይ እዮም።

ገሊና ነቲ ኣብ ኤፌሶን ዝተጻሕፈ ሓሳብ፡ መንፈስ ምግላጽ ተዋህበኩም ዝብል ከነልዕል ንኽእል ኢና። ኮይኑ ግና እቲ ሓሳብ ” . . . ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም፡” ኤፌ 1፡17 ይብል። ኣብቲ ናይ እንግሊዘይና ድማ “. . . may give to you a spirit of wisdom and of revelation in the knowledge of Him.” ንምፍላጥ ጐይታ የሱስ ብምልኣት ብርሃን ምርካብ፣ ኣብ ውሽጥካ ምርዳእ ማለት ደኣ እምበር ሓድሽ ነገር ምፍላት ኣይኮነን። ምግላጽ እምበኣር ንሓደ ዝተጋህደ ነገር፣ ቅድሜና ዝተፈልጠ ዝተገልጸ ከም ጽሩይ ክቡር እምኒ ገይርካ ኣጸጺኻ ምፍላጡን (making crystal clear) ምርድኡን መሚኻ  ክትፈልጦ ማለት እዩ። እቲ ዝፍለጥ፡ ዝርዳእን ዝስትውዓል ድማ – ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።

ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ፊሊ 3፡15-16 እንዳ ኣንበብኩምን እንዳ ኣጽናዕኩምን እንከሎኹም ክትሓትዎን ከዘራርበኩም ዝግባእ ሕቶታት ካብዚ ይቅጽል፡

  1. እግዚኣብሄር ንኣተሓሳስባና ከመይ ገይሩ ይቕይሮ፧ ብቀመር ግዜ ብምልካዕ፣ ኣብነት ብምሃብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከመይ ገይሩ ከምዝመጽእ ግለጽ፧
  2. ብመሰረት ፊሊ 3፡15, ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ እምንቶ ንሰብ ፊሊጲ፡ ነቲ ሓቂ ኪገልጽን ካብ ስሕተት ክሕሉን ዝከኣሎ መን ይመስለካ/ኪ፧ ሓቂ ብከመይ መገዲ  “ዝግለጸሎም” ይመስለካ/ኪ፧
  3. ነፍሲ-ወከፍና ክእረሙን ክጥዕዩን ዘሎዎም ኣተሓሳስባታት ኣለዉና። ንገዛእ ርእስኻ ግና ናብዚ ዝበለጸ ናይ ምጥዓይ ደረጃን ቦታን፡ በቲ ሓቂ ድማ ንምብዳህን ንምዕራይን ሓሳብካ ንምቕያርን ብኸመይ ትመርሓ፧ ንክቕየርን ክጥዕን ዘለዎ ሓሳብት ብኸመይ ትብድሆም፧
ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ናብ ናይ ጸሎት መኣዲ ምቕያር

ኩሉ ግዜ ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብልና ግአር እንተሃልዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ተራ ጽሑፍ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካልኦት ኩሎም ጽሑፋት ክህየሱ፡ ክግምገሙን ክንቀፉን ኣብ ናይ ኣእምሮ ስነ-ሓሳብ ከም መጽናዕትኻ ክትቀያይሮምን ክትለቃቅቦምን ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና እቲ ጐይታ ቃሉ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፣ ክመቅሎን ግቡእ ዝኾነ ትርጓሜን ክህቦ ዝኽእል። በዚ ድማ ንውሽጥና ክሳብ ዝወርድ ንመንፈስና ክሳብ ዝበጽሕ እቲ ቃል ሓይሊ ኣለዎ፣-

“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” እብ 4፡12

ስለዚ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስና ካብ ጸሎት ዘይነጻጸል ክኸውን ኣለዎ። ጸሎት ዘይደገፎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ግዜ  ምሉእ መጽናዕቲ ኣይከውንን እዩ። ምሏ መረዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሓዝ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝመርሖ ጸሎት ካብ ልብና ክፈስስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ፣

  • ነቲ ቃል ከም ጸሎት ብምጥቃም ጸልዮ።
  • ቃል ኣምላኽ ምጽላይ።
  • ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተመርሐ፡ ብመንፈስ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ጸልዮ።
  • እቲ ቃል ህይወትኻን ኣነባብራኻን ክቕይሮ ጸሊ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply