መላእኽቲ 2

እንታይ ይምህረና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መልአኽቲ

ብቢንያም ዮሃንስ

(ካልእይ ክፋል)

4. ትርኢት (appearance) መልአኽቲ

እግዚኣብሄር ኣብ ፍጥረቱ ጎደሎ ወይ ዘይተመልአ ዝብሃል የብሉን። ሰለ ዝኾነ ድማ እግዚኣብሄር ፍጽምን መንክርን ተባሂሉ ይነበር ንዘልአለም ድማ ኽነበር እዩ።
ስለ’ዚ የሱስ ከምዚ ኢሉ
ሉቃስ 24፥39 “…….ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘለኹም
ንመንፈስ /spirit/
ስጋን
ዓጽምን
የብሉን በሎም
(Spirit) እንግሊዘይና (Pneuma) ብግረክ (Ruach) እብራይስጥ ትርጉሙ – wind or breath፡ ሓደ ትርጉም ኣለዎ
ዝገልጾ ድማ መንፈስ ዝብል ኾይኑ ከምቲ ክርስቶስ ዝገለጾ እዩ።
እብራውያን 1፥14 ” ኩላቶምዶ ነገልግሎት እቶም(መልኣኽቲ )
ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚልኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኾኑን”።

ሉቃስ 24፥4 “…..እንሆ ብርቕርቕ ዝብል ክዳውንቲ እተኸደኑ
ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ”።
ተወሳኪ ጥቕሲ
ማቴዎስ 28፥2
2ነገስት 6 ፥17
2ተስሎንቄ 2፥8

5.ብዛዕባ አኽናፍ /wing/

ኩሉ ጊዜ ክንፊ ዝብል ተልዒልካ ኣብ ሓንጎልኻ ዝመጻኻ ምንፋር እዩ፥
ግን ሰብ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ኣምላኽ ከምኡ ይሓስብ ማለት ኣይኾነን፥
ኩሉ ግን ኣምላኽ ክፈጥሮ ከሎ ዕላማ አለዎ የእምሮ ሰብ ክበጽሖ ኣይከአልን እዩ፥
ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኽልተ ዓይነት የርኢና ክንፊ ዘለዎም ዘይብሎምን

ኢሰያስ 6፥1-2 “ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል /seraphim/ ቆይሙ ነበረ። ነፍሲ ወፎም ሹድሹተ ኽንፊ
በቲ ኽልተ ንገጽ ይኽድኖ
በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኽድኖ
በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ”።
ሱራፌል ትርጉሙ “ones of love” ማለት እዩ።
ዘጽኣት 25፥20 “እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዝርግሑ፥
ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኽውልዎ፤
ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብሉን”።
ተወሳኪ ጥቅሲ
ዘካርያስ 5፥9

ኣገዳሲ :- ሰይጣን /satan/lucifer/devil/
አቶም ምስኡ ዝተደርበዩ /evil sprit/demons/ጋኔን፡ ርኹስ መንፈስ
ኽንፊ ኣለዎም የብሎምን ኣይፍለጥን (UNKNOWN) እዩ።

፥- ገብርኤል፡ ሚኬኤል ኽንፊ የብሎምን

ይቕጽል …..