መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድስና

ቅድሚ ብዛዕባ ቅድስና ምዝራብና፡ ቅድስናን ጽድቅን ንፈላልዮ።

  • ጽድቂ – ብምእማን የሱስ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዝህቦም ነጻ ውህበት እዩ። ጽድቂ ዕዮ ኣምላኽ እዩ። ካብ ወቐሳ ሓጢኣት ንደቂ ሰባት ሓርነት ምውጻእ እዩ።
  • ቅድስና ዕዮ ኣምላኽ፡ ካብ ሓይሊ ሓጢኣት ሓራ ምውጻእ እዩ።

* “ጻድቕ ምዃን – ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ሰብ ማለት እዩ፡ ቅድስና ድማ ጽድቂ ኣምላኽ ብመገዲ ሰብ ማለት እዩ።”

  • ቅድስና – ምፍላይ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ምዃን፡ ንጽህና፡ ጽሬት፡ ናብ ፍጽምና ምሕላፍ
  • ንቅድስና ተጸዊዕና፡ – ኩሉ ዓለማውነት ገዲፍና ካብ ሓጢኣት ተፈሊና ንእግዚኣብሄር ጥራይ ክንከውን

 

  • ሰብ ክርእየካን፡ ሰብ ኣብ ዘይብሉን እንታይ ዓይነት ህይወት ትነብር፧
  • ኣኻይዳና ዀነ ኣነባብራና ሓደ ድዩ፧
  • ወይ ሰብ ኣብ ዘለዎን ሰብ ኣብ ዘይብሉን ህይወትና በበይኑ እዩ፧
  • ኣብ ሓዳር፡ ቢዝነስ፡ ትምህርቲ፡ ደገ ምስ ዓርከ-መሓዛ፡ . . . ኮታ ኩሉ ከመይ ትነብር፧

ዉዱቕ ኣዳማዊ ባህሪ ሒዝና ከመይ ኢልና ንቕደስ፧

  1. ቦታዊ ቅድስና (Positional sanctification)ምስ ደሓንና ተማቀልቲ ኣምላኻዊ ቅድስና ንኸውን፡ መንፈሳዊ ኩነታትና ዘይኮነ ድማ መንፈሳዊ ቦታና የመልክት። ህዝቢ ኣምላኽ ንኸውን – ቅዱስ ህዝቢ፡ – ንኣብነት – 1ቈረ 1:2, እብ 13:12; 1ቈረ 1:30; ሮሜ 6:3
  2. ዘገምታዊ ቅድስና (Progressive sanctification) – መዓልታዊ ህይወትና – ናብ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ እንዳ ተለወጥና ብክርስቶስ ዝኾንናዮ፡ ብቅድስና ምዕባይ ናይ ቀደም መንገድኻ ምሕዳግ፡ ብእምነት ምምልላስ፡ ብምእዛዝ ቃል-ኣምላኽ፡ ንጡፍ መንፈሳውነት ምክያድ፡ – ንኣብነት – ቆሎ 3:1-10፡ 1ተሰ 5:23; ኤፌ 5:26-27ገላ 5:16; ሮሜ 8:13
  3. ፍጹም ቅድስና (Ultimate sanctification) ብህይወት እንከሎና ዘይንረኽቦ ቅድስና ግና ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ እግዚኣብሄር ዝግለጽ ቅድስና እዩ። ንኣብነት – 1ዮሃ 3:2

ስለዚ ቅድስና፡ ኣረጊት ሰብና ገዲፍና፡ ሓድሽ መንነት ብክርስቶስ ለቢስና፡ በዚ 3ተ ዳይመንሽን ምጓዓዝ እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ሮሜ 6 – በቲ ዝተዋህበኩም ቦታዊ ቅድስና ብክርስቶስ የሱስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ፡ ነቲ ዘገምታዊ ቅድስና ንበርዎ ይብሎም።

ከይንደናገር

  • ንመንግስቲ ኣምላኽ – ብጽቡቕ ግብሪ ኣይእቶን እዩ። ጽቡቕ ግብሪ መቕጻዕትን ዋጋን ሓጢኣትና ኣይከውንን እዩ – ደም የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ንቁጥዓ ኣምላኽ ዘዕግብ። ብምእማን ንክርስቶስ እምበር፡ ግብርና ኣየድሕነናን እዩ።
  • ግና፡ እታ እተድሕን እምነትና ኣብ ክርስቶስ ናይ ሓቒ እንተኮይና፡ ነቲ ዘገምታዊ ቅድስና ክንገብር ክትደፍኣና እያ። ሓደ ሰብ፡ ንሓጢኣት ዘይጸልእን ብቅድስና ከኣ ክዓብይ ዘይደልን እንተኮይኑ፡ ምድሓኑን ዘይምድሓኑን ርግጸይና ኣይኮነን። – “ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ” እብ 12:14

1ጴጥ 1:13-16 – “ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።”

  • ጴጥሮስ ንዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት እዩ ጽሒፍዎ – ንመምለኽቲ ጣኦት፡ ኣይሁድ፡ . . . ወዘተ
  • ቅዱስ ህዝቢ ንኽኾኑ ድማ ሰለስተ ኣገደስቲ ናይ ቅዲ-ህይወት ነጥብታት ድማ ኣልዒሉ ኣሎ፡ –
  1. ናብ ምጽኣት ክርስቶስ ዘተኩር ህይወት
  2. ንኣምላኽ ዝእዘዝ ህይወት
  3. ናብ ቅድስና ኣምላኽ ዝፈልጥ ህይወት ምዕባይ

1. ቅዱስ ህዝቢ ንምዃን፡ ናብ ምጽኣት ክርስቶስ ዘተኮረ ህይወት ይሃልወና (1ጴጥ 1:13)

  • ክልተ ትእዛዛት ኣለዋ ኣብ 1ጴጥ 1:13-16:- ምሉእ ተስፋ ግበሩ/ተስፋኹም ሓዙ ቅዱሳት ኩኑ
  • እዚ ትእዛዝ ድማ ነቲ ብምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ዝግሃድ ጸጋ ክንጥንቀቀሉ ይነግረና ኣሎ

1.ቅዱስ ኣነባብራ – ኣብ ኣእምሮን ሓሳብን ይጅምር

  • “ሓቛቑ ልብኹም (ኣእምሮኹም)” – ስእላዊ ኣዘራርባ – ኣብቲ ግዜ’ቲ ሰብኡት ነዊሕ ክዳን ይለብሱ ነበሩ
    • ክጎይዩ እንተኮይኖም፡ ክሰርሑ፡ ክበኣሱ፡ . . . የሸግሮም እዩ
    • ጽቡቕ ገይሮም ክዕጠቁ ኣለዎም – ምስ ቅድስና ምስ ሓጢኣት ንምቅላስ ብኸመይ ነነጻጽሮ፧
  • ቅድስና ኣብ ኣእምሮኣዊ ናብራ ይጅምር፡ – ነቲ እትሓስቦ ኢኻ እትነብሮ!!
    • ኣብ ኣእምሮኻ መጀመርታ ሰዓሮ – ንሓጢኣት (ብኣእምሮን ብኣካልን) ቅንኢ፡ ምንዝር፡ ስስዐ፡ . . .
    • ንሓጢኣት – ፍርዱ ወስነሉ ሽዑ፡ ተነሳሕ፡ ብኣምላኻዊ ሓሳብ ተክኣዮ (2ቈረ 10:5)
    • ናብ ኣእምሮኻ ዝኣቱ ፈትሾ፡ ሓልዎ፡ ግዘሮ – እትሰምዖ፡ እትርእዮ፡ እተሰላስሎ፡ . . .
    • ጎሓፍ ዝበልዐ ይሓምም!! – ካብ ሰባት፡ ቲቪ፡ ሬድዮ፡. . .እንታይ ትበልዕ ትህሉ፧ ቃል ኣምላኽ ትበልዕ’ዶ፧

2. ቅዱስ ኣነባብራ – ካብ ንቁሕ መንፈሳውነት ይመጽእ

  • “እናተጠንቀቕኩም/being sober” (1ጴጥ 1:13) – ብዙሕ ግዜ ተጠቂሙላ ኣሎ (1ጴጥ 1:13; 4:7; 5:8) = “ኣይትስከሩ” – ንቁሓትን፡ ገዛእ-ርእሶም ዝገትኡ – ማለት ጽሩይ ኣእምሮ ቅኑዕ ውሳኔ የምጽእ
  • 1ጴጥ 5:8: – ኣብ ከባቢና ዘሎ ሓደጋ የጠንቕቀና ኣሎ። – ኣብ ናይ ጸላኢ ከባቢ ንነብር ኣሎና –
  • ንኣእምሮና ሓሳብ ዓለም እንተመጊብናዮ፡ ቃል ኣምላኽ እንተዘይመጊብናዮ-ከም ሰኺርካ ናብ በዓቲ ኣንበሳ ምኻድ’ዩ
  • ነቂሕካ’ዶ ትነብር ኣሎኻ፧

3. ቅዱስ ኣነባብራ – ካብ ብምምጻእ ክርስቶስ ዝግሃድ ጸጋ ይመጽእ

  • “ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።” – ጸጋ ኣምላኽ ድሪኺት ብቕድስና – 1ጴጥ 1:13
  • ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንቕደስ – 2ተሰ 2:13; ሮሜ 15:16.
  • ነቲ ዓቢ ምድሓን 1:3-12 – “ተኣርኒብልኩም ዘሎ” present participle ጀሚርናዮ ኣሎና – ብምጽኣቱ ድማ ንዛዝሞ
  • ስለ ዝግብኣና ኣይኮነን፡ ብጸጋ ኣምላኽ – እዚ’ዮ ደራኺ ሓይሊ ንናይ ቅድስና ህይወትና ዋላ እዃ መከራ እንተጸገብና
  • ጸጋ ኣምላኽ ይቕድስ’ዶ፧ ብኸመይ፧ መዓስ፧

2. ቅዱስ ህዝቢ ንምዃን፡ ንኣምላኽ ዝእዘዝ ህይወት ይሃልወና (1ጴጥ 1:14, 15)

1.ሕሉፍ ቅዲ-ህይወትና ክንገድፍ ኣሎና

  • “. . . ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡. . . ” (1ጴጥ 1:14)
    • “ኣይትግበሩ = conformed” – ሮሜ 12:2: “. . . ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።”
    • “እቲ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ዓለማዊ ነገራት ኣብ ኣተሓሳስብኡ ኣየእትኹም . . .”
  • ሕሉፍ ህይወትና ብድሌትና ንትምኒትና ንእዘዞ ከምዝነበርና ከምኡ ድማ ሕጂ – 1ጴጥ 1:14- “ንኩሉ ዓይነት ክብሪ ገዛእ ርእስኻን – ብሃብቲ፡ ስልጣን ደስታን ሓጎስን ዓለም ከይንትሓዝ”
  • ዘይኣመንቲ ንኣምላኽን ቅድስንኡን ብቃል ኣምላኽ ንዝተገልጸ ጸጋ ብዘይ ምፍላጦም
  • ንሕና ክርስትያናት ግና – ንኣምላኽ እንፈልጥ እንብል – ዘይቅዱስ ድሌታትና እንቖጻጸር፡ ካብ ንገዛእ ርእስና ዘማእከለ ህይወት ዝወጻእና፡ ንጐይትነትን ዓላማን ክርስቶስ እንእዘዝ ክንከውን እዩ
  • ናይ ሓቂ እምነት፡ ብንስሓን ምምላስን እትኸይድ ህይወት እያ፡ ሕሉፍ ህይወትና ንግደፍ
  • ትምኒት እንታይ እዩ፧ ቀደም እትገብሮ ዝነበርካ ክሳብ ሕጂ ትገብሮ ዘሎኻ እንተሃሊዩ ተዛረበሉ፧
  • ብሓቂ ክርስትያናዊ ህይወትና ብቅድስና’ዶ ንነብሮ’ዶ ኣሎና፧

2. እዙዝ ህይወት ከነጥርይ ኣሎና

  • “ከም እዙዛት ውሉድ. . .” (1ጴጥ 1:14) – “ብምእዛዝ ዝርአ ህይወት” ወይ “ኩሉ ግዜ እዙዝ ህይወት”
  • እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝኾነ – ንዕኡን ንቃሉን ንእዘዝ፡ ቃሉ ድማ ንሱ ዝደልዮ ህይወት ክንነብር ይነግረና
  • መግለጺ ፍቕርና ንእዘዝ – ብጸጋ ዝግለጽ ምእዛዝ
  • 12 – ሕጊ ጠቒሱ ኣሎ (ዘሌ 19:2) – ኣብ ዘመነ ጸጋ ንዘለዉ ሰባት ሕጊ ይነግሮም ኣሎ
    • ኣብ ትሕቲ’ቲ እስራኤል ከም ሃገር እትገብሮ – ሲቪላውን በዓላውን ሕጊ ኣይኮንናን ዘሎና
  • ሞራላዊ ሕጊ፡ ካብቲ ቅዱስ ባህሪኡ ዝተላዕለ ንገብሮን ኣብ ውሽጥና ድማ ኣሎ (1 ቈረ9:21, ኤር 31፡33)
  • ብኸመይ እዙዝ ህይወት ይጥረ፧ ማዕረ ክንደይ ንኣምላኽ እዙዝ ኢኻ፧ ዘይተኣዘዝካሉ እንተሃሊዩ ተዛራረበሉ፧

3. ኣብ ኩሉ ስፍራን ቦታን ቅድስና

  • “ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1ጴጥ 1:15) – ባህሪ፡ ጠባይ፡ “ቅዲ-ህይወት”
  • “ቅድስና” ምስ “ባህሪ” ኣተሓሒዝዎን ብ“ኹሉ” እትብል ቃል ድማ ኣገዳሲት እያ፡ – ኣብቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቶም ክመጹን ኣብ ካልእ ህይወቶምን ዝተፈላለዩ እዮም
  • ቅድስናና – ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ህይወትንናን ኣብ ብሕትናን ኣብ ሕብረትን ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን እዩ
  • ብንጹህ ናብራ ምንባር – ግብዝና ብዘይብሉ፡ – እንተ ሓጢእካ ምንሳሕን ምምላስን ክርስትናካ ብግብርኽ ምርኣይ’ዩ
  • ኣብ ኩሉ ቦታን ግዜን ዲና ክርስትያናት’ሲ ወይስ ክርስትያናት ኣብ ዘለዉሉ ቦታ ጥራይ፧ ብኸመይ፧

3. ቅዱስ ህዝቢ ንምዃን፡ ናብ ቅድስና ኣምላኽ ዝፈልጥ ውልቃዊ ህይወት ንዕበ (1ጴጥ 1:15, 16)

  • “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡” ን “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡”
  • ክርስትያናዊ ህይወት – ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ዘሎ ናብ ምፍላጥ ኣምላኽ ምዕባይን – ህይወትና ይልወጥ እዩ
  • እግዚኣብሄር ቅዱስ እዩ!! – “እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።” (ኢሳ 6:3)
  • ፍጹም፡ እጹብ፡ ኣበር-ኣልቦ ቅድስና ኣለዎ – “ንእግዚኣብሄር ብቅድስንኡ ምስ ረኣዮ፡ ፍሉይን ቅጽበታዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ረኺቡ፡” (ኢሳ 6፡5)

ውጺኢት ቅድስና

  • ፍሉይ ህዝቢ፡ ቅዱስ ህዝቢ (nation)፡ መዝገብን ጥሪትን ኣምላኽ ትኸውን – 1ጴጥ 2:9-10; ቲቶ 2:14
  • ቅዱስ ባህሪ ኣምላኽ ባህሪና ይኸውን፡ ብኸምኡ ቅዱስ ህይወትን ቅድስና ኣምላኽ ዝገልጽ ህይወት ንነብር – 1ጴጥ 1:15-16; 1ተሰ 4:3-4
  • ዉሉድ ኣምላኽንን ኣሕዋት ክርስቶስን ንኸውን፡ በዚ ድማ ዓላማ ኣምላኽን መደብ ኣምላኽን ኣብ ልዕሌና ይፍጸም – ኤፌ 1:4-5; እብ 2:10-11; ሮሜ 8:29
  • ክብርቲ መርዓት ክርስቶስ፡ ቅድስትን ብዘይ ነውርን ንኸውን – ኤፌ 5:26-27
  • ቅድስቲ ከተማ፡ ሓዳስ ዮርሳሌም፡ መርዓት ገንሸል ክርስቶስ ንኸውን – ራእ 21:2, 9-10,

መዛዘሚ

ኢሳ 57:15: “ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።”

መዛራረቢ ሕቶታት

  1. ተግባራዊ ዝኾነ ቅዱስ ኣነባብራ ከነጥሪ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
  2. ናብ ቅድስናዊ ህይወት ንምዕባይ፡ ጸጋ ኣምላኽ ጥራይ’ዶ ወይ ተራ ሰብ`ውን ኣገዳሲ እዩ፧ ብጥቕሲ ኣሰኒኻ ግለጽ፧
  3. ሕጊ ክንሕሉ ይግብኣና’ዶ፧ ስለምንታይ፧

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.