ንእምነቱ ዋጋ ዝኸፍል ሰብኣይ – ማርዶካይ

3ይ ናይ መወዳእታን ክፋል

ማርዶካይ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ማእከል እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡን ክብሪ ዘይህቡን፡ እሞ ኸኣ ጣኦታትን ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ዘምልኹ ህዝብን እዩ ዝነብር ኔሩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ከም ዝግባእ ዝገዝኣሉ ስፍራ፡ ንኣምላኽ ምምላኽ እምብዛ ከይከብድ ይኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ድንቁርና ዝነገሰሉን ዝዓበየሉን ሞራልዊ ውድቀት ዝበዝሓሉ ናብራን ሓዳርን ቤተሰብን ትርጉም ዝሰኣነሉ ስፍራ ዀንካ ግና ንኣምላኽ በይኑ ክትነብር ምውሳን ዘኽፍለካ መስዋእትነት ቀሊል ኣይኰነን። ማርዶካይ ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ንሱን ቤትሰቡን ንእምነት ሓሊዋ፡ ሰናይ ገድሊ እምነት ተጋዲሉ፡ ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣስሚሩ ሓሊፉ። ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ንሃማን ኣጋጋዊ ክብ ኣቢልዎ ነበረ፡ ፍጡሩ ኩሉ ድማ ይንብርከኸሉን ይሰግደሉን ነበረ።

እዚ ብሰይጣን ዝተገዝኣ ኣምልኾ ድም ዝደሊ ዝነበረ ሃማን፡ ማርዶካይ ከም ዘይካልኦት ክሰግደሉ ዘይምርኣዩ፡ ክሩኡ እምብዛ እዩ ነዲዱ። እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ “እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ። ኮነ ኸአ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ፡ ብቑጥዓ መልኤ።” ማርዶካይ ክሰገድሉ ዝተኣዘዘ ንኣምላኽ ሰማይን ምድርን ጥራይ እዩ፡ ማርዶካይ ከኣ ዋላ ሞት ይኩን እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን እዩ። ነዚ ሓቒ እዚ እዩ እምባኣር ክነብረሉ ወሲኑ። ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕደጋ ኣየኣትዎን። ክሳብ እቲ ዝኽፈል ክኸፍል ተዳሊዩ። ከም ብጸቱ ሲድራቕ ሚሳቕ ዓብድኔጐ ንኣምላኽ እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን ብምባል ጸኒዑ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ቅድሚኡ ፈተና መከራ ሞት እዩ ተደቂኑ። ሃማን ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጽንት ብዝከኣሎ ኩሉ ተዳልዩ። የግዳስ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ክብሩ ብኣስቴርን ብማርዶካየን ገሊጹ። እቲ ሓደ ግዜ ሓዘንን ጓህን ዝዀነ እዋን ኣምላኽ ብእልልታን ሓጐስን ቀይርዎ።

እምበኣር ናብ ገዛእ ርእስንን ቤትናን ንምጻእ፡ ኣነን ቤተይን ንኣምላኽ ኢና እነገልግል ክንብል እንከሎና። ብካልእ ኣዘራርባ እንትርፎ ንዓኻ ንኻልእ ኣይሰግድን ኣይንብርከኽን ኢና ንብል ዘሎና። ሎሚ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ነገራት ክንሰግድሎም እሞ ካብታ ኣብ ቤትና ዝኣተወት ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዩና ዝጋደሉ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ እዃ ደኣ ጽድቒ ዝመስል ሓጢኣት፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኣትዩ ኣሎ። ቤተክርስትያን ካብ ብውሽጢን ማለት ብስሕተት ትምህርትን ካልእን ብደገን ድፊኢት ሰይጣንን መሳርሕቱን፡ ክሳብ ዓቕልና ዘጽቡቡልና ክንምብርከኸሎም ይደልዩናን ይብህጉን። ኣብዚ እዋን እዚ ግብረ መልስና ከም ግብረ መልሲ ማርዶካይ ክኸውን ይግብኦ። ብሰንኪ ዘይምስጋድናን ዘይምብርኻክናን ንቤትና ንግዚኡ ዝደቀኖ ፈተና ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ግና እዚ ንግዜኡ እዩ ደሓር ግና ንዓቢ ኽብሪ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ዝእምንዎ ኣሓፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ነቶም ንዕኡ ጥራይ ዝሰግዱ ኣኪብርዎም እምበር ኣሕሲርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ዋጋ ኽብሪ ንኣምላኽ፡ በይኑ ምግዛእ እዩ።

ሎሚ ንኣምላኽ ጥራይ ክንሰግድ ስለ ዝበልክም ቤትኩም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘላ ኣጆኹም ኣምላኽ ገፋዒ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ መሳኹቲ ሰማይ ንዓኩም ኩፉት እዩ፡ ታሪኽኹም ኩሉ ኣብ መዝገብ ኣምላኽ ጹሑፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ተጻረርቲ ተኣሚንክምዎ ኢኹም እሞ ከምቲ ማርዶካይ ብሃማን በቲ ጸላኢኡ ዝኸበረ ኣብ ድዃ እግሩ ድማ ዝሰገደ እዚ ታሪኽ እዚ ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ምስ ከፈቶ ኣባኹም ክውን ክኸውን እዩ። ኩሉ ንሃማን ክሰግድ ይኽእል እዩ፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ደኣ ንንበር። ንሱ ዘይጠልም መንበሪ እዩ። ቤትናን ስድራናን ንዓላማ ኣምላኽ እናነበረት ራእይ ዝተሓንገጠ ትኹን። ንውዲት ጸላኢ ንምልላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤትና ኣትዩ ነገር ዝጽሕትር ንምእላይ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዱዃ፡ ንጉስ ጐይታና የሱስ ንኹን። ክብሪ ኣምላኽ ኣባና ክግለጽ ብጎደና መከራን ስቓይን ሓሊፍና ናብ ዓቢ ዓወት ንምስጋር ሎሚ ንኣምላኽ ሰማይ ጥራይ ንስገድ፡ ንሃማን እምቢ ኣይሰግድን ንበሎ፡ ኣምላኽ ብነገር ኩሉ ኣብ ኩሉ እዋን ጸግኡን ሓይሉን የብዝሓልና።

እዚ ናይ ማርዶካይ ናብራ ህይወት ክንለማመድ ጸግኡ ይሃበና።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.