‘ዝ ከም ልበይ

ዳዊት ከም ልቢ ኣምላኽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ግና ስለምንታይ እዩ ከም ልቢ ኣምላኽ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ እንዘራረበሉ ዝነበርና እዋን ንሓደ ሓው እዛ ዝገበርካያ ጌጋ እያ ብምባል ብርክት ዝበሉ ሰባት ሓሳብ ሃብዎ እሞ እዚ ሓው ግና ነታ ጌጋ እንተስ ክቅበላ ስለዘይደለየ እንተስ ካልእ ከምዘይ ጌጋ ገይሩ ሓለፋ። ንዳዊት ከም ልቢ ኣምላኽ ካብዘበልዎ ባህሪያት እምበር፡ ኣብ ጌጋን ሓጢኣትን ስሕተት ብዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። ሰብ ኣብ ጌጋ ብዘለዎ ኣረኣእያን ካብኡ ዝወስዶ ትምህርትን ኣብ ሰለስተ ክንመቕሎ ንኽእል፣

  1. ጌጋ ዝገብር እሞ ጌጋ ከምዝገበረ ተረዲኡ፣ ዝመሃረሉ
  2. ጌጋ ዝገብር ግን ዘይመሃረሉ (ጌጋ ከምዝገበረውን ዘይፈልጥ)
  3. ካብ ናይ ካልኦት ጌጋ ተማሂሩ ካብ ጌጋ ዝሕሎ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2ጢሞ 3፡16,17

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ። ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ። ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ። መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ። ንተግሳጽ። ንምቕናዕ። ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ፣

ይብል፣ ካብዚ ጽሑፍ እንመሃሮ ቃል ኣምላኽ ንትምህርትና ከምዝተጻሕፈ እዩ፣ ስለዚ ካብ ህይወት ቅዱሳን ክንመሃርን ካብቲ ንሳቶም ዝፈጸምዎ ጌጋታት ክንሕሎን ይግብኣና እዩ፣ ሓደ ካብቶም ንትምህርትና ዝኾኑና ቅዱሳን ኣቦና ዳዊት እዩ፣ ካብ ህይወቱ ገለ ነገራት ብምርኣይ እምበኣር ክንመሃረሉ ኢና፣


ህይወት ዳዊት ቅድሚ ጻውዒት

ዳዊት ቅድሚ ንንግስነት ምሕራዩ ወይ ምቕብኡ ዝነበሮ ህይወት።

  • ካብ ስድርኡ ዝተዋህቦ ዕዮ ብእሙንነት ይዓይይ ኔሩ፣
  • ንኣምላኽ ብመዝሙር ናይ ምምስጋን ልማድ ኔርዎ፣ ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ ንጎልያድ ምቕታሉ ኣብ ናይ ጉስነት ግላዊ ህይወቱ ጸላእቲ ናይ ምቕታል ልምምድ ከምዝነበሮ ነንብብ፣ ብዙሓት ቅድሚ ናብ ዓቢ ዕዮ ምውፋርና እንጋገዮ ነገር  ቅድሚ ምውጻእና ክህልወና ዘለዎ ብሕታዊ ልምምድ ምዝንጋዕና እዩ፣ ንዳዊት እዚ ናይ በይኑ ናይ ጉስነት ህይወት ንእግዚኣብሄር ናይ ምፍላጥ ጊዜ ኔሩ። 1ሳሙ 17፡26
  • ዳዊት ኣብ ዘመን ጉስነቱ ካብ ዝገበሮን ንእግዚኣብሄር ባህ ዘበለን ንሕናውን ክንመሃረሉ ዝግብኣና ካልእ ነገር ንሓንቲ በጊዕ ዘለዎ ተገዳስነት እዩ፣ ሓንቲ ንእሽቶ በጊዕ ወይ ዕየት ብኣንበሳ ወይ ድቢ ምስ እትተሓዝ እንቋዕ ንዓይ ኣይበልዓኒ እምበር ብምባል ሸለል ዘይብልን እኳ ደኣ ነቲ እንስሳ ብጭሕሙ ሒዙ ካብ ኣፉ ዘግድፎ ተባዕ ጓሳ እዩ ኔሩ፣ እዚ ባህርዩ ድማ ጓሳ ህዝቢ ክኸውን ኣብቂዕዎ፣

 ድሕሪ ጻውዒት ወይ ምቅብኡ ዝነበሮ ህይወት

1. ንጸላእቱ ዘፍቅርን ንዝረግምዎ ዝምርቕን ሰብ ኔሩ

ሓደ ንኽቀትለካ ኣብ ዓድታትን በዓትታትን በረኻታትን ሃሰው ዝብለካ ዝነበረ። ኣምላኽ ዝነዓቖ። ቅብኣት ኣምላኽ ካብኡ ዘልገሰ። ንክቐትለካ ሰይፊ ደርብዩ ዘይተዓወተ ሰብ ሞይቱ ምስ እትሰምዕ እንታይ ዓይነት ስምዒት ምተሰምዓካ፧ ዳዊት እቲ ብህይወቱ ዝደልዮ ዝነበረ ሳኦል ምስ ሞተ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዕዎ።

«ሽዑ ዳዊት። ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኹሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ፣» 2ሳሚ 1፡11

ከምዚ ኢሉ ድማ ኣልቂሱሉ።

«ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ። ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን። ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን። ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።» 2ሳሚ 1፡19-23

ኣብዚ ናይ ሳኦል ክፉእ ገዲፉ ጽቡቑ ክጽብጽብ ከሎ ንርእዮ፣ እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ከም ልቢ ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ዘበሎ ነገር እዩ፣

ዳዊት እምበኣር ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝብልዎ ኣእጋሩ ኣብ ብሉይ ልቡ ግን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝነበረ ሰብ እዩ፣ ጎይታ የሱስ ‘ጸላእትኹም ኣፍቅሩ። ንዝረግምኹም መርቑ’ ዝበሎ ትምህርቲ ኣብ ህይወት ዳዊት ንርእዮ ኢና፣ ነዚ ህይወትን ንትምህርቲ ጎይታና የሱስን ኣብ ህይወትካ ከመይ ትረኽቦ፧ ንእሽቶ በደል ንዝበደለና ሓውና ንጽልየሉ ነፍቅሮዶ፧ ቃል እግዚኣብሄር ከምኡ ክንገብር ይምህረና፣

2.  ፍቓድ ኣምላኽ ዝሓትት ሰብ ኔሩ

ዳዊት ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምሕታት ልማድ ኔርዎ። 1ሳሚ 23፡2, 2ሳሚ 5፡19, 1ሳሚ 30፡8, 2ሳሚ 2፡1 ከነንብብ ንኽእል፣ ዳዊት ኣብ ውግእ ጅግና ዝነበረን ኣብ ዝገጠሞ ውግእ ዝዕወት ዝነበረን እግዚኣብሄር ዝሃቦ ቅዲ (Strategy) ይጥቀም ስለዝነበረ እዩ፣ ኣብ እትኽእሎ ወይ እትመልኮ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ምሕታት ኣብ ኣምላኽ ናይ ዘሎካ ትውክልቲ ዝዓበየ መግለጺ እዩ፣ ንሕናውን ናይ ገዛእ ርእስና ስለዘይኮንና ኣብቲ ዘይንኽእሎ ወይ ዘይዓቕምና ኣብዝኾነ ነገር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ እንመልኮውን ፍቓድ ኣምላኽ ምሕታት ከነጥርዮ ዘሎና ኣምላኻዊ ባህርይ እዩ።

3. ሕነ ናይ ዘይምፍዳይ ባህርይ ኔርዎ

ኣብ 2ሳሚ 4፡8 ገለ ሰባት «. . . ርእሲ ኢሽ-ቦሸት። ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዚደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ። እንሆልካ፣ እግዚኣብሄር ሎሚ ንጎይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ።» ምስ በልዎ። እቲ ሕነ ምፍዳይ ናቱ ከምዘይኮነ ዝርድኦ ዝነበረ ዳዊት ግን «ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ። ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን ፧ ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ፧» 2ሳሚ 4፡11 ኢሉ እዩ መሊሱሎም፣ እቲ በዓል ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12፡19 ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ምፍዳይ ሕነ ናይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝጸሓፍዎ ዝተረድኦ ይመስል፣ ዳዊት ከምቲ ኣምልኾን ስግደትን ንእግዚኣብሄር ጥራይ ስለዝምልከት ስግደት ወይ ኣምልኾ ዘይቅበል ከምኡ ድማ ምፍዳይ ሕነ ናይ እግዚኣብሄር ከምዝኾነ ይርድኦ ኔሩ፣ ኣምልኾ ንእግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዝግባእ ምፍዳይ ሕነ ድማ ልክዕ ከምኡ፣

4. ንእግዚኣብሄር ናይ ምጽባይ ባህርይ ኔርዎ 2ሳሚ  5፡4

ኣስታት ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ ተቐብአ ክሳብ ወዲ 30 ዓመት ዝኸውን ኣይነገሰን፣ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ይሁዳ ጥራይ። ወዲ 37 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ኣብ መላእ እስራኤል ከምዝነገሰ ኢና ንርኢ፣ ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብህድኣት ኢዱ ከይሓወሰ ንኣምላኽ ይጽበ ስለዝነበረ እዩ፣ ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ምስ ቀብኣካ ብብዙሕ መንገድታት ኣሕሊፉ ዝበለጸ ንጉስ ክትከውን ከም ዝሰርሓካ ዝተረድአ ይመስል፣

«ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ። ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ኩሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም። ንፈልጥ ኢና፣» ሮሜ. 8፡28

ንሕና ግን ንቕደም ስለዝመስለና ባዕልና ክንነግስ ኢና እንጓየ፣ ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ምውካልን ዝበለጹ ተጸበይቲ ይገብረና፣

5. ንኣምላኽ ዝኸውን ነገር ናይ ምሕሳብ ባህርይ ኔርዎ  2ሳሚ 7፡1

«ኮነ ድማ። እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ኹሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ። እቲ ንጉስ ንነነብዩ ናታን። ርኤማ በጃኻ። ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከለኹስ። ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ። በሎ፣» 2ሳሚ 7፡1-2

ካብዚ እንመሃሮ ምስ ኣዕረፈ ኣነ ኣብ ዝበለጸ ቦታ ተቐሚጠ ታቦት ኣምላኽ ድማ ኣብ ድንኳን ዓለባታት ኣሎ ብምባሉ ንቤት ኣምላኽ ዘለዎ ሓልዮትን ተገዳስነትን የርኢ፣ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣምላኽ ቤት ስርሓለይ ክብሎ ኣይንርእን፣ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዝነበረ ሓሳብ ግን ኣብ ልቡ ስለ ዝነበረ ቤት ክሰርሓሉ ከምዝተለዓዓለ ንርኢ፣

6. ናይ ኣምልኾ ሰብ ኔሩ  2ሳሚ 6

ኣብ ዳዊት እንርእዮ ካልእ ፍሉይ ባህርይ ድማ ኣምልኾ እዩ፣ ኣብ ህይወቱ ብዘሕለፎ ኩሉ መዝሙር ይዝምር ብመሰንቆን ከበሮን ሳዕስዒትን ንኣምላኽ የምልኽ ከምዝነበረ ንርኢ፣ እዚ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መዛሙርውን ናይዚ ውጽኢት እዩ፣ ኣብ 2ሳሚ 6፡14 ከም እንርእዮ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብምሉእ ሓይሉ ይስዕስዕ ነበረ፣ ዳዊትን ብዘለዉ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ፣ ድሕሪ ኣምልኾኡ ድማ በቲ ዝነበረ በረኸት ንቤቱ ክባርኽ ተመልሰ (ጥቕሲ 20)፣ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ መንፈሳዊ ህይወትና ኣብ ደገን ኣብ ገዛን በበይኑ ይኸውን እዩ፣ እዚ ኣብ ዳዊት ዝነበረ ባህርይ ምስ ዝህልወና ግን ከምቲ ንኻልኦት ንባርኾም ንቤትናውን ንበረኸት ክንከውን ንኽእል ኢና፣

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has 4 Comments

  1. Anonymous

    God bless you

  2. Anonymous

    ኣምላኽ ይባርኽካ ሰናይ ሓወይ።

  3. Tesfagabr Gebremeskel

    ሰናይ ሓወይ ኣምላኽ ይባርኽካ።

  4. Anonymous

    Goyta ybareka senicho hawey eza nay dawit zxehafkaya more n over temahirela. Qdmi xawitun Dhri xawietun zgerem Bahri 2x anbibeya temahirela dma des ilatni any ways zenbebkwo Ab lbey yhdro. May God use u 4 many blessings.

Leave a Reply