ብዕላማ ዝነብር ሰብ – ማርዶካይ

1ይ ክፋል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት ኣምላኽ መሊኦም ኣብ እምነት ጸኒዖም ብሕጋግቱ ተመሪሖም ንፍቓዱ ነቢሮም ንኽብሩ ደው ኢሎም ብመከራ ተፈቲኖም ነቲ ዝተጸውዕሉ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ጺሖም ኣብ ፍቕሩ ጢሒሎም  ኣብ ግዜ ድኻሞም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚኖም ኣብ እዋን ውድቀት ሓጥያቶም ብንስሓ ናብ ፈጣሪ ዝተመላለሱ ሰባት እዮም። ታሪኽ እዞም ናይ እምነት ሰባት ኣብቲ ቑዱስ ጹሑፍና ጋህ ኢሉ ተቐሊዑ ኣሎ። ንሎሚ እምብኣር ከም ኣብነት እሞ ድማ ንቤተሰብና ዓቢ ኣርእያ ዝዀነና ብዛዕባ ማርዶካይ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ማርዶካይ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ተማሪኹ ካብ ሃገሩ ናብታ ብንጉስ ኣሕሽዌርስ ትግዛእ ዝነበረት ምድር ናብ ሱሳን ዝኣተወ ሰብኣይ እዩ። ማርዶካይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ምድሪ ስደት ንበረኸትን ንታሪኽን ኰይኑ ዝሓለፈ ብርቱዕ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። እዚ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝወጸ ንኣምላኽ ጥራይ ዝነብር ዝነበር ማርዶካዮ ኣብዚ ዘመን እዚ ንዓና ንቤተሰብ ኰነ ንኻልእ ዘመሓላልፎ ሓደ ረዚንን ከቢድን ዝኰነ መልኣኽቲ ኣለዎ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ዝጽዋዓሉ ነገር ኣሎ እዩ። እዚ ሰብ ዝዝከረሉ ኩሉ፡ ሓደ መዓልቲ ነበረያ ነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ዘበለ ኩሉ ግና ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ እዩ  ዝጸሓፍ። ነዚ እዩ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ መዘከርታ መጽሓፍ ጸሐፎ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ። ሎሚ ባህጊ ድሌትናን ጸሎት ልማኖናን ኣብዛ ምድሪ ከሎና ንኣምላኽ ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሒና ምሕላፍ ክኸውን ኣሎዎ። እምብኣር ኩቡራት ኣሕዋት ብምቕጻል ካብ ህይወት ማርዶካይ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ ማርዶካይ ተሰዲዱ ዘይኮነ ብጸላኢቲ ተማሪኹ እዩ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ዝቕመጥ ዘሎ። ህይወት ሓደ ምሩኽ ክሳብ ክንደይ ክፉኡ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብገዛእ ርእሱን ፍቓዱን ህይወቱ ንምምራሕ ዘለዎ ተኽእሎ የሎን ተበልን ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ማእከል ጸላእቲ ዀንካ ክትነብር ዘሎ ሓርጎጽጎጽን ተስፋ ምቑራጽን እምብዛ ከቢድ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ውርደት ዝመልኦ ናብራ ህይወት ብዕላማ ክትመላለስ ራእይ ሒዝካ ክትጓዓዝ ከቢድ እዩ። መብዛሕቱ እዋን’ውን ዘይከኣል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ህሞት ተዓዊቶም ዝወጹ ሰባት ክትርኢ ኸሎኻ ብርቂ ነገር እዩ ዝዀነካ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ልቦም ንኣምላኽ ዘንገሱ ሰባት ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣዚዩ ጹንኩር እዋን ኣብ ዘይኰን ቦታ ኣብ ቦታ ኽብሪ ትቐሚጦም ዓቢ ዕዮ ኣምላኽ ሰሪሖም ንበረኸት ኰይኖም ዝሓለፉ ባሮት ኣምላኽ ሒደት ኣይኰኑን። ካብ ዮሴፍ ጀሚርካ ንባርነት ብኣሕዋቱ ዝተሸጠ እሞ ድማ ንህዝቡን ግብጺን ንዓቢ ምድሓን ዝዀነ፣ እኒ ዳኒኤል ኣብ ግዝኣት ባቢልዮን ንስም ኣምላኽ ዘሰምዩ ወሲኽካ ማርዶካይ’ውን ኣሰሮም ብምስዓብ ናይ ዕላማ ሰብ ኰይኑ ሓሊፉ።

ብኸመይ ኢና ግና ማርዶካይ ናይ ዕላማ ሰብኣይ ንብሎ ዘሎና። ማርዳካይ ሓንቲ ኣስቴር እትብሃል ዘኽታም ጓል ሓወብኡ ኔራቶ። ማርዶካይ ነዛ ኣዚያ መልከዔኛ ዝኰነት ዘመዱ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ከም ጓሉ የዕብያ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሕሼዌሮስ ንግስቲ ዋሽቲ ሰበይቱ ንንጉስ ምዃና እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ስለ ዝገበረት ካብ ስልጣን ተኣልያ ነበረት። ንንጉስ እትኸውን ሰበይቲ ድማ ትድለ ነበረት። ማርዶካይ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። ከምይሲ እዚ ሰብኣይ’ዚ ብዓላም ኣሪሒቕ ዝርኣዮ፡ ራእይ ስለ ዝነበረ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ንኣስቴር ኣብ ኢድ እቲ ሓላዊ ኣንስቲ ዝንበረ ንሃጋይይ አሒሊፉ ዝሃባ። እቲ ዘገርም እዚ ኣብ ምድሪ ሰደት ኰይኑ ንሩሑቕ ገጹ ዝጥምት ዝነብረ ማርዶካይ፡ ኣብ ኢድ እቲ ሓላፊ ኣንስቲ ሂቡ ጥራይ ኣይኰነን ስቕ ኢሉ።

ዕላማን ራእይን ዘለዎ ንሓደ ነገር ድማ ኣብ መዕረፊኡ ከብጽሕ ዝጋደል ሰብ ስቕ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣይጽበን እዩ። ነዚ ድማ’ዩ እቲ ቓል “ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።” ማርዶካይ ንኣስቴር ኣብ ምድሪ ጸላኢ ንዓቢ ስራሕ ኣምላክ እዩ ዘዳልዋ ዘሎ። ነዚ ዝከውን መምርሒ ሓሳብ ድማ የስንቓ ነበረ። “ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ። ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። ነዚ ኰይከነ ኣይተርፍን ህዝቡ ኣብ ዓቢ ጸባብን መከራን ምስ ወደቐ ንኣስቴር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድሓን መጺኺ ተዀንኪ መን ይፈልጥ ብምባል ዝተዛረባ። ብርግጽ ኣስቴር ነቲ ኣምላኽ ብማርዶካይ ኣቢሉ ዘዳለዋ ዓላማ ኣብ ሸቱኡ ኣብጺሕቶ። ማርዶካይ እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ እሞ ኸኣ ካብ ካልእ ዓሌት ማለት ኣይሁድ ምዃኑ እንተ ተፈሊጡ ዘኽፍሎ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ግና ኸኣ ነቲ ኣርሒቑ ዝረኣዮ ክብሪ ክብል ክኸፍሎ ድልዊ ነበረ።

ሎሚ ነፍሲ ወከፍና፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዕብዮም ዉሉድ እንታይ ዓይነት ዓላማ ወይ ራእይ ኣሎና ንምንታይ ነዳልዎም ኣሎና? ንሕና’ኸ ከም ማርዶካይ ሰብ ዓላማ ኰይና፡ ብዓላማን ራእይን እናተመላለስና ኣሪሒቕና ንምርኣያ ኣዒንትና ብመንፈስ ኣምላኽ ኩሑላት ዲየን? ከምቲ ማርድካይ ክንዮ እቲ ዘለዎ ኩነታት ሓሊፉ ካልእ ብሉጽ ነገር ርእዩ ንምድሓንን ክብርን ዝጠመተ ንሕናኸ እዚ ዓይነት መንፈስ ኣብ ውሽጥና ኣእቲና ክንዮ እቲ ዘይክየድ ዝመስል ክንዮ እቲ ዘይብጻሕን ዘይስገርን ዝመስል ሃዋህው ኣርሒቕና ክንከይድ ሎሚ ብዓላማን ብራእይን ንመላለስ’ዶ? ኣብዚ ከምእንርእዮ ዘሎና ህሉው ኩነታት ቤተሰብ ማርዶካይ፡ እታ ምርኽቲ ከም ጓሉ ዘዕበያ ኣስቴር ናብ ንግስነትሲ ክትመጽእ ይትረፍ ገረድ ንጉስ እኳ ንምዃን ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ። ግና ምስ ኣምላኽ ዀንካ ዘይብጻሕን ዘይከኣለን ነገር ስለ ዘየለ እዚ ኩነት ክውን ኰይኑ ማርዶካይ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ዕላማ ነቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣስቴር ድማ እቲ ክገብሮ ዝግባእ ኩሉ ጌሩ።

ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ስድራናን ቤተሰብናን ክንበጽሖ ዘሎና ክቡር ነገር ንምብጻሕ ነዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ከይረኣና ብዕላማን ብራእይን ንመላለስ’ዶ? ምናልባት ኩነታት ገዛና ክንርኢ ከሎና እቲ ባይታ ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግና ኣምላኽ ንቤትና ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓንን ንበረኸትን የዳልዋ ከም ዘሎ ነስተውዕል። ኣምላኽ ሓደ ግዜ ደገ ክኸፍትለና እንተደልዩ ሎሚ’ዩ ዘዳልወና ስለዚ ከም ማርዶካይ ብዓላማ ዀይና ብራእይ ተሰኒናን ንኹነታትና ከይጠመትና ንቤትና ንኹቡር ምድሓን ኣምላኽ ነዳልዋ።

ይቕጽል . . .

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.