ዕረፍቲ ፥ ንዕረፍቲ ዝሰኣነ

መእተዊ (ካብ 3 – 9 ጥሪ 2022)

መሸም፡ ዕረፍቲ ፣ ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ እዋን እዩ፡ እቲ ጥቕሙን ረብሕኡን ዝርድኣና።

እቲ ሓለቓ እታ ነፋሪት፡ እታ ነፋሪት፡ ካብ ባይታ በረራ ኣዝዩ ብብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ክትሰግር ምዃና ክሳብ ዝገልጽ፣ ምንም ነገር ዘጋጠመ ኣይመስል ነይሩ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብምባል ድማ፣ ብኽብረትኩም፣ መቀነትኩም ተዓጠቁ፡ መቐመጢኹም ድማ ኣጣጥሑ። ብምባል ከም ናይ መወዳእታ መሳሊ ሓበሬታ ሃበ።

ድሕርዚ ነዊሕ ኸይጸንሐ፡ እታ ነፋሪት ነቲ ህቦብላ ንፋስ ኽትሰግሮ እንከላ፡ ከተንፈጥፍጥ ጀመረት። ኣብ ልዕሊ ኮፍ መበሊታት ዘሎ መቀመጢ ኣቑሑ፡ ክኽፈትን ገልጠምጠም ክብልን ጀመረ። ተሳፈርቲ ድማ፣ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ብወጥሪ ተጨነቑ። በዚ ናይዛ ነፋሪት ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ዝነበረ ሰብ፣ ብራዕዲ ፈጥፈጥ ክብል ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ፣ ክፋላት ክንፊ እታ ነፋሪት ሸለው ለው በለ። ከም ሕልሚ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓካ፡ ትሓንቢቡ ናብ ምድሪ ክውርወር ጀመረ። ኵሎም ተጓዓዝቲ፣ ብዘይካ ሓንቲ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢላ ዝነበረት ንእሽቶ ጓል፣ ብፍርሕን ብጭንቐት ራዕድን ተወጢሮም ነበሩ። እዛ ንእሽተይ ጓል፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ጠረጴዛ ግፍ ኢላ፡ ስእሊ ትስእል ነበረት። ሕጂ እውን እንተ ኰነ፡ በቲ ኣብ ጎና ዝነበረ ንእሽቶ መስኰት፡ ነቲ በረቕ በረቕ ዝብል ዝነበረ ዘደንቕ በርቂ ርእይ ተብሎ እሞ፣ ተመሊሳ ብህድኣት ምስኣላ ትቕጽል።

እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ እዚ ዳርጋ ፍርቒ መዋእል ኮይኑ ዝስምዓካ እዋን፡ ኣብ መወዳእትኡስ ኣብ መዓልቦኣ፡ ኣብቲ ዝሓሰበቶ በጽሐት። ኩሎም ተጓዓዝቲ ድማ ብሓጎስ ፍንጭሕ ኢሎም፡ ኣጣቕዑ። ኣዝዮም ኣመስገኑን እፎይ በሉን። እታ ንእሽቶ ጓል፡ ቦርሳኣ ጠርኒፋ፡ ሰባት ካብታ ነፋሪት ክወጹ ትጽበ ነበረት፣ ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ድማ፡ ኣይትፈርሕን ዲኺ፧ ኢሉ ሓተታ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ህቦብላን ነውጽን፡ ናይዛ ኣዝያ ትንቕንቕ ትናወጽን ዝነበረት ነፋሪት፡ ከመይ ገይርኪ ከምዚ ዓይነት ህድኣት ክህልወኪ ይኽእል፧ ክብል ሓተታ።

እታ ንእሽቶ ጓል፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ኣይፈራሕኩን ነይረ በለቶ ብኣግርሞት። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብራሪ ኣቦይ እዩ፣ ናብ ገዛይ ድማ ብሰላም ከምዝወስደኒ እፈልጥ እየ በለት።

ዕረፍቲ

ብጣዕሚ ዝገርም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዕረፍት ዘይምህላውን ወይ ዘይምህዳእ ምስ ፍርሒ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ እዩ ዝኸይድ። ብፍላይ ኣብዚ ዓለም ንመብዛሕትኡ ሰብ፡ ብናይ 24 ሰዓታት – ን7 መዓልታት ብስራሕን መንብሮን ትሑዛት ገይራ፡ እንቕጽለሉ ዘሎና እዋን፣ ኣብ ህይወትና ዕረፍት ዘይምህላው ወይ ዘይምህዳእን ፍርሕን ከስዕበልና ብዙሕ ተኽእሎ ኣሎ። መን እዩ’ኸ ኣብ ህይወቱ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ወይ ብፍርሒ፡ ብጭንቀት፡ ከምኡውን ነቲ ጽባሕ ዝገጥመናን ዝጽበየናን ነገራት እናፈርሀ ዘይቃለስ፣ መን ኣሎ፧

እቲ ዝሓለፈ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ። እቲ ናይ ሕጂ፡ ንሱ እዩ ዘሎ። ግና እቲ መጻኢ ብብዙሕ ሕቶታት ዝመልአ እዩ። ኣብዛ ግዚያዊትን ተለዋዋጢትን ዓለም፡ ናይቲ ብዙሕ ሕቶታትና፡ መልሲ፡ ምናልባት እቲ ክንሰምዖ ዘይንደሊ መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት፡ ኣብ ህይወተይ እንታይ ኮን ይገጥመኒ ይኸውን፣ ናይ ዝቕጽል ስራሕ ዕድለይ እንታይ ኮን ይኸውን፣ ክራይ ገዛ፡ ክፍሊት ቤት ትምህርቲ፡ ካልእ ካልእ ወጻኢታት ብኸመይ ይሸፈን፡ ወይ ድማ ሓዳረይ ካብዚ ማዕበል ብኸመይ ክናገፍ እየ፣ ስድራይ፣ ደቀይ እንታይ ዕጻ ይጽበዮም ህይሉ ወዘተረፈ፣ ዝብሉ ሓሳባት ንኣእምሮና ዝበሓትዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ምባልባት እውን፡ ብተደጋጋሚ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር እነጕሂ እኳ እንተ ኰንና፡ “እምበር እግዚኣብሄር ብቐጻሊ የፍቅረኒ እዩ፧” እንዳበልና እውን እንጠራጠር ሰባት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2022 ኣብዘን ዝመጻ 14 ሰሙናት ማለት ርብዒ ዓመት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ዝዝርጋሕ ናይ ኣስተንትኖን ምልስ ኢልካ ምሕሳብን፡ እሞ ድማ ንህይወትና ዘመልክት መጽሓፍ ቅዱሳዊ፡ መንፈሳዊ ህይወትና እነሐድሰሉን እንምርምረሉን ጽሑፋት ከነካፍለኩም ኢና። ኣብ ክርስቶስ ዕረፍቲ ምርካብ፡ ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና ከነጽንዕ ኢና። እዚ መጽናዕቲ ግና፡ ኣርእስቲ ንምዝርጋሕ ወይ ድማ መሳጢ ኣርማ ጥራይ ንምግባር ኣይኰነን። እቲ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ እተመባጽኦ ዓይነት ህይወት፡ ኣብ ክርስቶስ ንክንዓርፍ ጥራይ እዩ። ጐይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። ዮሃንስ 10፡10።

ስለዚ፡ እዚ ዕረፍቲ ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ምስ ድሕነት፡ ምስ ጸጋ፡ ምስ ፍጥረት፡ ምስ ሰንበት፡ ምስ ምእካብ ናብ ጐይታ ወይ ኵነታት ምዉታት፡ ምስ ምምጻእ ክርስቶስ፡ ከምኡውን ምስ ካልእ ነገራት እተተሓሓዘ ናይ ዕረፍቲ ኣርእስትታት ብብዝሒ ኣሎ።

ሕሰብ

ጐይታ የሱስ፡ ዕረፍቲ ክንረክብን ክንዓርፍን እዩ ዓዲሙና (ማቴ 11፡28)፣ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ወይ ነታ ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ኣይኮነን ኢልዎ፣ ንዓና’ውን እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ እንዳ ኣማዕደወ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶ እቶም ምንጪ ዕረፍቲ ክረኽቡን ክዀኑ ዘለዎም – ብሓጢኣት ዝደኸሙ፡ ዝተሓለሉ፡ ምስ ሓጢኣት ዝቃለሱን ዕረፍቲ ረኪቦም ንዕረፍቲ ንኽኾኑ እዩ፡ ተዛሪብዎ። ኣብዚ ዝመጽእ ርብዒ ዓመት፡ እዚ ሰሙናዊ ትምህርቲ ኸነጽንዕ እንከሎና፣ ኣብኡ፡ ኣብ ክርስቶስ ኽንዓርፍ ከም ዘሎና ኣይንረስዕ። ኸመይሲ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኩሉ ተቆጻጺርዎን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩን እዩ ዘሎ። ናብ ቤትና ብደሓን ኼእትወና እውን ድሉው እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply