ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ

ፊሊጲ 3:15–16

ከም መቀጸልታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል ዝረኣናዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ሓሳብ ብጹሕ ወይ ፍጹም ሰብ ዝብሎ፡ ንሎሚ ድማ ሳልሳይ ክፋሉ ንቕጽሎ ኣሎና። ናይቲ ዝሓለፈ ካልኣይ ክፋል እንታይ ከም ዝዘተናን ዘጽናዕናን ንምርኣይ ዝኣኽል፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ካልኣይ ክፋል ምንባብ ትኽእሉ

ሓቀኛ ኣማኒ ግድን እዩ ዝተፈልየ ሓሳብ ካብ ካልኦት ክህልዎ። በዚ ድማ ቀልጢፉ ካብ ምፍራድን ድምዳሜታት ካብ ምሃብን ክቁጠብን፣ ካብ ምስ ካልኦት ብዕሙት ምሕባር ከጸጽን ንቡር እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሓሳብ እዚ እግዚኣብሄር ነቲ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳብ ከብርሃልና ክንጽልን፡ ካብ ኣምላኽ ክንጽበን ይግባእ። እቲ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳብና ድማ ኣምላኽ ንዓና ኮነ ነቶም ካልኦት እቲ ሓቂ ከፍልጠና ምጽላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ስለዚ ኣብዛ ሓጻር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍሉይ ሓሳብ ብጹሕ ክርስትያን፡ ወይ እቲ ብጹሕ/ፍጹም ዝብሃል ሓሳቡ ፍሉይ ምስዝኸውን ብኸመይ ሓሳቡ ከቕርብ ይግባእ፧ ወይ ካልኦት ሓሳቡ ምስ ዘይርድእዎ፡ ሓሳቡ ብኸመይ የቕርብ፧ ምስምማዕ ኣብዘይህልወሉ እዋን ብኸመይ ሓሳቡ ይገልጽ፧ ዝብልን ካልእን ካብ መልእኽቲ ፊሊጲ 3፡15-16 ክንርኢ ኢና።

“እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ።

እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ።” ፊሊ 3፡15-16

ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ፊሊ 3፡15-16 እንዳ ኣንበብኩምን እንዳ ኣጽናዕኩምን እንከሎኹም ክትሓትዎን ከዘራርበኩም ዝግባእ ሕቶታት ካብዚ ይቅጽል፡

  1. ጥዑይ ዘይምርድዳእ (disagreement) ኣብ መንጎ ክርስትያናት እንታይ ይመስል፧ ዘይጥዕናዊ ዘይምርድዳእ’ከ፧
  2. ፊሊጲ 3፡10-16 ኣንብብ፣ ጳውሎስ ምስ ሰማዕቱ ንዝነበሮ ናይ ዘይምርድዳእ ነገር ብመሰረት ጥቕሲ 15 መንን ብኸመይን ክፈትሖ ፈቲኑ፧
  3. ምእማን ጳውሎስ ኣብ ግዜ ዘይምርድዳእ ብኸመይ ንነገራት ቅርጺ የትሕዞ ነይሩ፧
  4. ንስኻ/ኺ ‘ከ ኣብዘን ዝሓለፋ እዋናት ሓሳብካ ምስ ካልኦት ክርስትያናት ኣብ ዝተፈለየሉ እዋን ብኸመይ ቅርጺ ከተትሕዞ ፈቲንካ፧ ብኸመይ’ከ ፈታሕካዮ፧
ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

ሓፈሻዊ ምስልን ቅርጸ-መሬትን (landscape) ምሓዝ

ንምሉእ ትሕዝቶ ሓደ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ንኣብነት ነቲ ከተንብቦ ዝደለኻ፣ ብሓደ ኣፍ ወይ ኣብ ሓንቲ ኮፍ ምባል ከተንብቦ ፈትን። ከምኡ እንተዘይጌርና፡ እቲ ዓብዩ ዓላማ ወይ ቀንዲ ሓሳብ ናይቲ መጽሓፍ ክንስሕቶ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። እቲ ዓብዩ ትሕዝቶን (the big themes) ናይቲ መጽሓፍ እንተዘይሒዝናዩ፣ ንጽል ጥቕሲ ብጥቕሲ ብምጽናዕ ነቲ ገዚፍ ስእልን መልእኽትን ናይቲ መጽሓፍ ክንስሕቶ ኢና።

ንኣብነት፣ – እቲ ዓብዩ ትሕዝቶን ገዚፍ ስእልን ናይቲ መጽሓፍ፣ ከም ሓደ ጫካ ዱር ኣእዋም እንተ መሲልናዮ፣ ነቲ ንጽል ጥቕሲ ብጥቕሲ ምጽናዕ ድማ ነፍሲ-ወከፍ ገራብ ኣብቲ ጫካ እንተሓሲብናዮ፣ ንነፍሲ-ወከፍ ገረብ ብምፍላጥ ነቲ ምሉእ ጫካ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ምሉእ ጫካ ኣበይ ይርከብን እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎን፣ መዓስ ዝናብ ይዘንቦን መዓስ ይፈርን ወዘተረፈ ዓይነት ነገራት ናይ ምሉእ ጫካ ብምፍላጥ ግና ናይ ነፍሲ ወከፍ ገረብ ጠባይ፡ ባህሪ፡ መልክዕ፡ ኣቛውማ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ስለዚ ምሉእ ሓሳብን ቀንዲ ትሕዝቶን ናይ መጽሓፍ ብምርድእ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ሓሳብ ምርዳእ ይከኣል።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply