ሓሳባት ብጹሕ ሰብ እንታይ እዩ፧

ፊሊጲ 3:15–16

ከም መቀጸልታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ዝረኣናዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ብጹሕ ወይ ፍጹም ሰብ ዝብሎ፡ ንሎሚ ድማ ካልኣይ ክፋሉ ንቕጽሎ ኣሎና። ናይቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል እንታይ ከም ዝዘተናን ዘጽናዕናን ንምርኣይ ዝኣኽል፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ቀዳማይ ክፋል ምንባብ ትኽእሉ

ከም ሰባት፡ ከም ኣመንቲ ምእመን ክርስትና ድማ፣ ቅድሚ ዝኾነ ተግባር ምውሳንና፡ ቅድሚ ምዝራብና፡ ቅድሚ ዝኾነ ምግባርና፡ ንሓስብ ኢና። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ እንሓስቦ ዛዕባ ኮነ እንሓስቦ ነገር ኣዝዩ ይግደሰሉን የገድሶን እዩ። ስለዚ ኣብዛ ሓጻር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ብጹሕ ክርስትያን፡ ወይ እቲ ብጹሕ/ፍጹም ዝብሃል እንታይ ክሓስብ ከምዝግብኦ፡ ካብ መልእኽቲ ፊሊጲ 3፡15-16 ክንርኢ ኢና።

“እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ።

እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ።” ፊሊ 3፡15-16

ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ፊሊ 3፡15-16 እንዳ ኣንበብኩምን እንዳ ኣጽናዕኩምን እንከሎኹም ክትሓትዎን ከዘራርበኩም ዝግባእ ሕቶታት ካብዚ ይቅጽል፡

  1. ብጹሕ ክርስትያን ብዛዕባ እንታይ ዝሓስብ ይመስለካ፧ ሓሳብ ብሱል ሰብ ንክትሓስብ ማዕረ ክንደይ
  2. ካብ ፊሊ 3፡10-16 ዘሎ ምሉእ ሓሳብ ኣንብብ። ብምሉእ ብርሃን ናይዚ ምሉእ ዓውደ-ንባብ ብምግንዛብን ብምርዳእ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ “እዚ ንሕሰብ” ክብል እንከሎ፡ እንታይ ክብል ዝደለየ ይመስለካ፧
  3. ካልኦት ናብ ብጽሕናን ፍጽምናን ንክበጽሑ፡ ብመሰረት ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎን ኢልዎን ዘሎ ሓሳብ፡ ከመይ ገይርካ እትሕግዝ ይመስለካ፧ ካልኦት’ከ ናብ ብጽሕናን ፍጽምናን ንክትበጽሕ፡ ከመይ ገይሮም ዝሕጉዙኻ ይመስለካ፧
ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

ትሕትና ዝመልኦ ርትዒ 

መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ እንከሎና፣ በሪሁለይ ወይ ተገሊጹለይ ብዝብል ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብ ጥራይ፡ ወይ ድማ ንምሉእ ሓሳብ ናይቲ ቀረባ ዓውደ-ንባብን ምሉእ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስን ከይሓዝና ምኻድ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ኩሉ ግዜ ካልኦት ቅድሜና ዘጽንዑን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ መገዲ ዝረኣዩ እንታይ ከምዝበሉ ምርኣይ’ውን ካልእ ሓጋዚ መገዲ እዩ። ግና ብፍጹም ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ኮነ መጽናዕቲ ምምርዃስ ግና ግቡእ ኣይኮነን። ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝምህረና ምስ ናይ ካልኦት ከነገናዝቦ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይኮይኑ፣ ኣእዛንና ዓጺና ተገሊጹለይ ወይ በሪሁለይ ብምባል ሓደገኛ መንገዲ ምፍታሕ ቃል ኣምላኽ ከይንኽተል ንጠንቀቕ። ምኽንያቱ ሓደ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ዝፈለጥናዮ ፍልጠት፡ ነቲ ካልኦት ዘጽንዕዎ ወይ ኣብ ዘመኖም ኣምላኽ ዝመሃሮምን ዝፈትሕዎ ኣፈታትሓን ከነገናዝብን ትሑትን ተመሃራይን ርቱዕ ልቢ ክህልወና ቅቡል ስለዝኾነ።

በቲ ካልእ ወገኑ ድማ፡ ንናይ ካልኦት ምርዳእ ኮነ ምፍታሕ ቃል ኣምላኽ ሃንጎፋይ ኢልካ ምቕባል፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ናይ ምጽናዕ ትብዓት ንኸይህልወና ክጸልወና ዓብዩ ተኽእሎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ንሕና፡ ነቲ ባዕልና ዘጽናዕናዮ ከምዘይንኣምኖን፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሓሳብን መጽናዕትን ጥራይ ከም እንምርኮስ ገይሩ፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብርትዒ ዝምህረናን ዘብርሃልናን ቃል ኣምላኽ ክንነጽጎ’ውን ንኽእል ኢና። ብዙሕ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ኣመንቲ ንዝተማህርዎ ቃል ኣምላኽ ካብቲ ዝኣምንዎን ዘገልግሎምን ጓሳ ማሕበር ወይ ዝጥቀምሉ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍቲ ወይ ኣዝዮም ዝኣምንዎ መምህር ቃል ኣምላኽ ዝበሎ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ካልኦት ዝብልዎ ወይ’ውን ብገዛእ ርእሶም ዘጽንዕዎ ቃል ኣምላኽ ዝኸውን ትብዓት የብሎም።

ስለዚ ከም ሚዛናውነት ዝመስል ስለዘየለ፣ መጀመርታ ባዕልኻ ምጽናዕ፡ ነቲ ዘጽናዕካዮ ድማ ምስ ምሉእ ሓሳብ ኣምላኽ ይሰማማዕ’ዶ ምባል ግቡእ እዩ። ከምኡ’ውን ካልኦት ቅድመይ ዘጽንዕዎ እንታይ ኢሎም ኣለዉ፧ ኢልካ ምሕታትን ብዛዕባ እቲ ተጽንዖ ዘሎኻ ዓውዲ ምፍታሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ካብዚ እንብሎ ዘሎና ተበጊስና፡ ካብ ክልተ ጌጋታት ክንሕሎ የኽእለና እዩ። መጀመርታ “ግጉይ” ኮነ “ቅኑዕ” ርትዒ ሒዝና ተነፋሕቲ ወይ ተዛሃርቲ ንኸውን። ንካልእ ተወሳኽን ቀጻልን ምፍታሕ ወይ ብርሃን ቃል ኣምላኽ ዘይንጽበ ዕቡያት ክገብረና ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ወይ ድማ ዝንቡዕን ዘይንጹርን ርትዒ መሪሑ ናይ ገዛእ ርእስኻ ርትዒ ቃል ኣምላኽ ዘይብልካ ይገብረካ። በዚ ድማ ብዘይካ እቲ ትፈትዎን ትኣምኖን ጓሳን መምህርን ዝበሎ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘይትቅበል ትኸውን።

እቲ ዝሓሸ ኣጠማምታ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ዝመልኦ ርትዒ ምሓዝ እዩ። ማለት ካልእ ነጥበ-ርእየትን ኣጠማምታን ተጠቂምካ ምምዝዛን እዩ። ኣብ ያእቆብ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ክገልጽ ካብ ዝተጠቀመሉ ኣባህላ ሓደ “. . . ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ . . . “ ያእ 3፡17 ዝብል እዩ። ኣብቲ ናይ እንግሊዘይና ግና ነዛ ሓሳብ “open to reason” ማለት ንካልእ ሓሳብን ምኽንያታውነትን ርትዕን ክፍትቲ፡ ተአቀባሊት ዝብል ሓሳብ ኣለዎ። እዚ ማለት ምናልባት ናትና ምር’ታዕ (ምኽንያታውነት)ን ኩነተ-ርዲኢትን፡ ኣዝዩ ዘይበጽሐ (underdeveloped) ወይ’ውን ጌጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።  ምኽንያቱ እቲ ዝበለጸን እቲ እንኮን መጽሓፍ ቅዱስ ክፈትሕ ወይ ከም ናይ ስነ-መለኮት እንኮ ቁልፊ ገይርካ እንርእዮ፡ ገዛእ ርእስኻ ክኸውን ስለዝኽእል። በዚ ኣኻይዳ ድማ እቲ ዝኸፍአ ኣዝዩ ኣሸጋርን ስሑትን ምፍታሕ ቃል ኣምላኽ ከምትገብር ርግጸይና ኩን።

ትሕትና ዝመልኦ ርትዒ

ብካልእ ወገን ግና፡ እቲ ፍጹም ሓቅን ዘይምርዳእ ካብ ዓሚቕ ዝኾነ ርትዒ ምርካብ ኣይግድበናን እዩ። ፍጹም መረዳእታ ምህላው ነዚ ዘሎ ኩሉ መምለጢ እዩ። ምንጻግ እቲ ዝበጻሕናዮ ንእሽተይ መረዳእታ ግና ነቲ ድሒሩ ክንበጽሖ እንኽእል መረዳእታ መኸላእታ እዩ ዝኾነና። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ምህላው እምበኣር፡ ንነገራት ኣበርቲዕና ከይንኣምኖም  ምንጻግ ማለት ኣይኮነን; ኣእዛንና ዓጺና ንዘሎ ምር’ታዕ — ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ — ምንጻግ ኣይኮነን፡ እዃ ደኣ ነቲ ዘሎና መረዳእታ ብምብዳህ መረዳእታና ምዕራይን ምጥጣሕን እዩ።

ትሕትና ዝመልኦ ርትዒ ግና ንኣምላኽ ዘኽብርን፣ ኣብ ነገራት መረዳእታ ክህልወና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ትኹል ቃል ኣምላኽ ክንኣምኖን ምላሽ ክንህብን ይገብረና። ስለዚ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብሎ ክንኣምኖ እዩ። ብምቕጻል ድማ እምነትና ኣብ ኣምላኽ ብምግባር ነቲ ቃል ክንእዘዞ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፣ ከም ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብርትዒ ልቢ ምቛም፡ እግዚኣብሄር ብፍቅሩ ክእርመናን ንሕና ድማ ካልኦት ክንእርምን፡ ብመንፈሱን ብቃሉን ተደጊፍና ርትዒ ክህልወና እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply