ማርዶካይ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት ኣምላኽ መሊኦም ኣብ እምነት ጸኒዖም ብሕጋግቱ ተመሪሖም ንፍቓዱ ነቢሮም ንኽብሩ ደው ኢሎም ብመከራ ተፈቲኖም ነቲ ዝተጸውዕሉ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ጺሖም ኣብ ፍቕሩ ጢሒሎም  ኣብ ግዜ ድኻሞም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚኖም ኣብ እዋን ውድቀት ሓጥያቶም ብንስሓ ናብ ፈጣሪ ዝተመላለሱ ሰባት እዮም። ታሪኽ እዞም ናይ እምነት ሰባት ኣብቲ ቑዱስ ጹሑፍና ጋህ ኢሉ ተቐሊዑ ኣሎ። ንሎሚ እምብኣር ከም ኣብነት እሞ ድማ ንቤተሰብና ዓቢ ኣርእያ ዝዀነና ብዛዕባ ማርዶካይ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ማርዶካይ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ተማሪኹ ካብ ሃገሩ ናብታ ብንጉስ ኣሕሽዌርስ ትግዛእ ዝነበረት ምድር ናብ ሱሳን ዝኣተወ ሰብኣይ እዩ። ማርዶካይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ምድሪ ስደት ንበረኸትን ንታሪኽን ኰይኑ ዝሓለፈ ብርቱዕ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። እዚ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝወጸ ንኣምላኽ ጥራይ ዝነብር ዝነበር ማርዶካዮ ኣብዚ ዘመን እዚ ንዓና ንቤተሰብ ኰነ ንኻልእ ዘመሓላልፎ ሓደ ረዚንን ከቢድን ዝኰነ መልኣኽቲ ኣለዎ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ዝጽዋዓሉ ነገር ኣሎ እዩ። እዚ ሰብ ዝዝከረሉ ኩሉ፡ ሓደ መዓልቲ ነበረያ ነበረ ክኸውን ከሎ፡ ንኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ዘበለ ኩሉ ግና ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ እዩ  ዝጸሓፍ። ነዚ እዩ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ መዘከርታ መጽሓፍ ጸሐፎ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ። ሎሚ ባህጊ ድሌትናን ጸሎት ልማኖናን ኣብዛ ምድሪ ከሎና ንኣምላኽ ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሒና ምሕላፍ ክኸውን ኣሎዎ። እምብኣር ኩቡራት ኣሕዋት ብምቕጻል ካብ ህይወት ማርዶካይ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ ማርዶካይ ተሰዲዱ ዘይኮነ ብጸላኢቲ ተማሪኹ እዩ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ዝቕመጥ ዘሎ። ህይወት ሓደ ምሩኽ ክሳብ ክንደይ ክፉኡ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብገዛእ ርእሱን ፍቓዱን ህይወቱ ንምምራሕ ዘለዎ ተኽእሎ የሎን ተበልን ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ማእከል ጸላእቲ ዀንካ ክትነብር ዘሎ ሓርጎጽጎጽን ተስፋ ምቑራጽን እምብዛ ከቢድ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ውርደት ዝመልኦ ናብራ ህይወት ብዕላማ ክትመላለስ ራእይ ሒዝካ ክትጓዓዝ ከቢድ እዩ። መብዛሕቱ እዋን’ውን ዘይከኣል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ህሞት ተዓዊቶም ዝወጹ ሰባት ክትርኢ ኸሎኻ ብርቂ ነገር እዩ ዝዀነካ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ልቦም ንኣምላኽ ዘንገሱ ሰባት ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣዚዩ ጹንኩር እዋን ኣብ ዘይኰን ቦታ ኣብ ቦታ ኽብሪ ትቐሚጦም ዓቢ ዕዮ ኣምላኽ ሰሪሖም ንበረኸት ኰይኖም ዝሓለፉ ባሮት ኣምላኽ ሒደት ኣይኰኑን። ካብ ዮሴፍ ጀሚርካ ንባርነት ብኣሕዋቱ ዝተሸጠ እሞ ድማ ንህዝቡን ግብጺን ንዓቢ ምድሓን ዝዀነ፣ እኒ ዳኒኤል ኣብ ግዝኣት ባቢልዮን ንስም ኣምላኽ ዘሰምዩ ወሲኽካ ማርዶካይ’ውን ኣሰሮም ብምስዓብ ናይ ዕላማ ሰብ ኰይኑ ሓሊፉ።

ብኸመይ ኢና ግና ማርዶካይ ናይ ዕላማ ሰብኣይ ንብሎ ዘሎና። ማርዳካይ ሓንቲ ኣስቴር እትብሃል ዘኽታም ጓል ሓወብኡ ኔራቶ። ማርዶካይ ነዛ ኣዚያ መልከዔኛ ዝኰነት ዘመዱ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ከም ጓሉ የዕብያ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሕሼዌሮስ ንግስቲ ዋሽቲ ሰበይቱ ንንጉስ ምዃና እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ስለ ዝገበረት ካብ ስልጣን ተኣልያ ነበረት። ንንጉስ እትኸውን ሰበይቲ ድማ ትድለ ነበረት። ማርዶካይ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። ከምይሲ እዚ ሰብኣይ’ዚ ብዓላም ኣሪሒቕ ዝርኣዮ፡ ራእይ ስለ ዝነበረ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ንኣስቴር ኣብ ኢድ እቲ ሓላዊ ኣንስቲ ዝንበረ ንሃጋይይ አሒሊፉ ዝሃባ። እቲ ዘገርም እዚ ኣብ ምድሪ ሰደት ኰይኑ ንሩሑቕ ገጹ ዝጥምት ዝነብረ ማርዶካይ፡ ኣብ ኢድ እቲ ሓላፊ ኣንስቲ ሂቡ ጥራይ ኣይኰነን ስቕ ኢሉ።

ውዲት ጸላኢኡ ዘቃልዕ ሰብኣይ

ዕላማን ራእይን ዘለዎ ንሓደ ነገር ድማ ኣብ መዕረፊኡ ከብጽሕ ዝጋደል ሰብ ስቕ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣይጽበን እዩ። ነዚ ድማ’ዩ እቲ ቓል “ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።” ማርዶካይ ንኣስቴር ኣብ ምድሪ ጸላኢ ንዓቢ ስራሕ ኣምላክ እዩ ዘዳልዋ ዘሎ። ነዚ ዝከውን መምርሒ ሓሳብ ድማ የስንቓ ነበረ። “ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ። ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። ነዚ ኰይከነ ኣይተርፍን ህዝቡ ኣብ ዓቢ ጸባብን መከራን ምስ ወደቐ ንኣስቴር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድሓን መጺኺ ተዀንኪ መን ይፈልጥ ብምባል ዝተዛረባ። ብርግጽ ኣስቴር ነቲ ኣምላኽ ብማርዶካይ ኣቢሉ ዘዳለዋ ዓላማ ኣብ ሸቱኡ ኣብጺሕቶ። ማርዶካይ እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ እሞ ኸኣ ካብ ካልእ ዓሌት ማለት ኣይሁድ ምዃኑ እንተ ተፈሊጡ ዘኽፍሎ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ግና ኸኣ ነቲ ኣርሒቑ ዝረኣዮ ክብሪ ክብል ክኸፍሎ ድልዊ ነበረ።

ሎሚ ነፍሲ ወከፍና፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዕብዮም ዉሉድ እንታይ ዓይነት ዓላማ ወይ ራእይ ኣሎና ንምንታይ ነዳልዎም ኣሎና? ንሕና’ኸ ከም ማርዶካይ ሰብ ዓላማ ኰይና፡ ብዓላማን ራእይን እናተመላለስና ኣሪሒቕና ንምርኣያ ኣዒንትና ብመንፈስ ኣምላኽ ኩሑላት ዲየን? ከምቲ ማርድካይ ክንዮ እቲ ዘለዎ ኩነታት ሓሊፉ ካልእ ብሉጽ ነገር ርእዩ ንምድሓንን ክብርን ዝጠመተ ንሕናኸ እዚ ዓይነት መንፈስ ኣብ ውሽጥና ኣእቲና ክንዮ እቲ ዘይክየድ ዝመስል ክንዮ እቲ ዘይብጻሕን ዘይስገርን ዝመስል ሃዋህው ኣርሒቕና ክንከይድ ሎሚ ብዓላማን ብራእይን ንመላለስ’ዶ? ኣብዚ ከምእንርእዮ ዘሎና ህሉው ኩነታት ቤተሰብ ማርዶካይ፡ እታ ምርኽቲ ከም ጓሉ ዘዕበያ ኣስቴር ናብ ንግስነትሲ ክትመጽእ ይትረፍ ገረድ ንጉስ እኳ ንምዃን ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ። ግና ምስ ኣምላኽ ዀንካ ዘይብጻሕን ዘይከኣለን ነገር ስለ ዘየለ እዚ ኩነት ክውን ኰይኑ ማርዶካይ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ዕላማ ነቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣስቴር ድማ እቲ ክገብሮ ዝግባእ ኩሉ ጌሩ።

ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ስድራናን ቤተሰብናን ክንበጽሖ ዘሎና ክቡር ነገር ንምብጻሕ ነዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ከይረኣና ብዕላማን ብራእይን ንመላለስ’ዶ? ምናልባት ኩነታት ገዛና ክንርኢ ከሎና እቲ ባይታ ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግና ኣምላኽ ንቤትና ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓንን ንበረኸትን የዳልዋ ከም ዘሎ ነስተውዕል። ኣምላኽ ሓደ ግዜ ደገ ክኸፍትለና እንተደልዩ ሎሚ’ዩ ዘዳልወና ስለዚ ከም ማርዶካይ ብዓላማ ዀይና ብራእይ ተሰኒናን ንኹነታትና ከይጠመትና ንቤትና ንኹቡር ምድሓን ኣምላኽ ነዳልዋ።

ካብቲ ዝሓለፈ ክፋል ከምዝረኣናዮ፡ ማለት ማርዶካይ ናይ ዓላማን ራእይን ሰብ፡ ሕጂ ድማ ቀጺልና ማርዶካይ ሰብኣይ ዓላማ ዀይኑ ንምድሓን ህዝብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ማሪኹ ዝወሰዶም ንጉስ ከይተረፈ እዩ ካብ ኢድ ጸላኢ ኣድሒንዎ። “በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽን፡ ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎ፡ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ። እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸአ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ። እቲ ዘረባ ኸአ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ።”

ማርዶካይ እዚ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ከቕርብ እንከሎ ንኽብሪ ገዛእ ርእሱ ኢሉ ወይ ድማ ካብ ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ክሞልቕ ኢሉ ኣይኰነን ጌርዎ። ከምኡ ተእንተዝኸውን ኔሩ ብሃማን ዓቢ ውዲት ክፍጸመሉ ከሎ ኣብ ቕድሚ ንጉስ ቀሪቡ፡ ኣነ እኳ ከምዚ ጌረ ኣድሒነካ እየ ኢሉ ክጣበቕ ምኸኣለ ኔይሩ። ሓደ ግዜ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣምላኽ መጽሓፍ ዜና መዋእል ከፊቱ ታሪኹ ተነቢቡ ናብ ክብሪ ከም ዘምጾ ስለ ዝፈለጠ፡ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ ነገር ጥራይ ንምግባር ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ነበረ። ንእግረ መንገድና እንገብሮ ዘበለ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ደኣ ንገብሮ ኣሎና እምበር ብሰብ ክንነኣድን ክንከብርን ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ቤትና እንገብሮ ዘበል ኹሉ ግቡእናን ሓለፍነትናን ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ሓደ ክብርን ሞሳን ከይተቐበልና ንግበሮ ኣምላኽ ድማ ኣብ ግዚኡ ክኽሕሰና እዩ።

ማርዶካይ ንንጉስ ምድሓኑ ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ክግበር ዝሓሰበ እሞ፡ ሰይጣን ድማ በዞም ሰባት ኣቢሉ ንዕላማ ኣምላኽ ክቐጽዮ ዝደለየ ነገር እዩ ኣፍሽልዎ። ዕላማ ሰይጣን ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ኣምላኽ ክገብሮ ዝሓሰበ እምበር ጥራይ ንንጉስ ኣሕሽዌሮስ ኣይኰነን ክቕንጽል ሓሲቡ። ነዚ ግና ማርዶካይ ነቒሒሉ። ሎሚ ሰይጣን ኣብ ቤትናን ኣብ መጻኢናን ዘጻውዶ፡ ነቲ ኣምላኽ ብኣና ኣቢሉ ክፍጽሞ ዝሓሰቦ ንምትዕንቓፍ ወትሩ ምስ ተዓጥቀ እዩ። ነዚ እዩ ቓል ኣምላኽ ኣብ 1ጴጥሮስ 5፣8-9 “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” ይብልና። ሎሚ ነቲ ሰይጣንን ጭፍርኡን ዘሳበብዎ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤትና ክኣግድዎ ዝደልዩ ውዲት ንምቕልዑ ክነቅሕ ይግባኣና እዩ። ሰይጣን ኩሉ ግዜ ነቲ ብኣና ኣቢሉ ጐይታ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ከይተዓመ፡ ኣጉል ሓዲግ መዲግ፡ ተሪፉ ክርእዮ እዩ ዝደሊ። ነዚ ብዝግባእ ስለ ዘይንፈልጥ ኢና፡ ብዙሕ ግዜ ቤትና ንሰይጣን ጋህ ዝበለ ክፉት ንሓድጎ። እቲ ዘገርም ማርዶካዮ መዓስ እዩ ነቲ ውዲት ፈሊጦ እንድሕር ኢልና፡ ኣብ ኣፈ እቲ ንጉስ ምስ ተቐመጠ እዩ። ንሕና ድማ፡ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዝፋን እቲ ልዑል ጐይታ እንተ ተቐሚጥና ምስኡ እንተ ዀይና፡ ነቲ ውዲት ጸላኢ ክንስሕቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡- ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” ስለዚ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ለቢስና ነቲ ሰይጣን ኣኣብ ውሽጢ ቤትና ሰሊኹ ከእትዎ ዝደሊ ዘበል ኩሉ ነላልዮ። ንሱ ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ድሌቱ ስለ ዝኰነ ወትሩ ኣብቲ ኣምላኽ ዝተኸሎ ጽቡቅ ዘርኢ ክርዳድ ከእቱ ሃረርታኡ ስለ ዝዀነ ኩሉሳዕ ንውዲቱ ንምግጣም ከም ማርይም ኣብ ትሕቲ እግሪ መድሓኒ ንኹን።

ናይ ዓላማ ሰብ

ማርዶካይ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ማእከል እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡን ክብሪ ዘይህቡን፡ እሞ ኸኣ ጣኦታትን ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ዘምልኹ ህዝብን እዩ ዝነብር ኔሩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ከም ዝግባእ ዝገዝኣሉ ስፍራ፡ ንኣምላኽ ምምላኽ እምብዛ ከይከብድ ይኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ድንቁርና ዝነገሰሉን ዝዓበየሉን ሞራልዊ ውድቀት ዝበዝሓሉ ናብራን ሓዳርን ቤተሰብን ትርጉም ዝሰኣነሉ ስፍራ ዀንካ ግና ንኣምላኽ በይኑ ክትነብር ምውሳን ዘኽፍለካ መስዋእትነት ቀሊል ኣይኰነን። ማርዶካይ ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ንሱን ቤትሰቡን ንእምነት ሓሊዋ፡ ሰናይ ገድሊ እምነት ተጋዲሉ፡ ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣስሚሩ ሓሊፉ። ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ንሃማን ኣጋጋዊ ክብ ኣቢልዎ ነበረ፡ ፍጡሩ ኩሉ ድማ ይንብርከኸሉን ይሰግደሉን ነበረ።

እዚ ብሰይጣን ዝተገዝኣ ኣምልኾ ድም ዝደሊ ዝነበረ ሃማን፡ ማርዶካይ ከም ዘይካልኦት ክሰግደሉ ዘይምርኣዩ፡ ክሩኡ እምብዛ እዩ ነዲዱ። እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ “እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ። ኮነ ኸአ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ፡ ብቑጥዓ መልኤ።” ማርዶካይ ክሰገድሉ ዝተኣዘዘ ንኣምላኽ ሰማይን ምድርን ጥራይ እዩ፡ ማርዶካይ ከኣ ዋላ ሞት ይኩን እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን እዩ። ነዚ ሓቒ እዚ እዩ እምባኣር ክነብረሉ ወሲኑ። ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕደጋ ኣየኣትዎን። ክሳብ እቲ ዝኽፈል ክኸፍል ተዳሊዩ። ከም ብጸቱ ሲድራቕ ሚሳቕ ዓብድኔጐ ንኣምላኽ እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን ብምባል ጸኒዑ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ቅድሚኡ ፈተና መከራ ሞት እዩ ተደቂኑ። ሃማን ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጽንት ብዝከኣሎ ኩሉ ተዳልዩ። የግዳስ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ክብሩ ብኣስቴርን ብማርዶካየን ገሊጹ። እቲ ሓደ ግዜ ሓዘንን ጓህን ዝዀነ እዋን ኣምላኽ ብእልልታን ሓጐስን ቀይርዎ።

እምበኣር ናብ ገዛእ ርእስንን ቤትናን ንምጻእ፡ ኣነን ቤተይን ንኣምላኽ ኢና እነገልግል ክንብል እንከሎና። ብካልእ ኣዘራርባ እንትርፎ ንዓኻ ንኻልእ ኣይሰግድን ኣይንብርከኽን ኢና ንብል ዘሎና። ሎሚ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ነገራት ክንሰግድሎም እሞ ካብታ ኣብ ቤትና ዝኣተወት ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዩና ዝጋደሉ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ እዃ ደኣ ጽድቒ ዝመስል ሓጢኣት፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኣትዩ ኣሎ። ቤተክርስትያን ካብ ብውሽጢን ማለት ብስሕተት ትምህርትን ካልእን ብደገን ድፊኢት ሰይጣንን መሳርሕቱን፡ ክሳብ ዓቕልና ዘጽቡቡልና ክንምብርከኸሎም ይደልዩናን ይብህጉን። ኣብዚ እዋን እዚ ግብረ መልስና ከም ግብረ መልሲ ማርዶካይ ክኸውን ይግብኦ። ብሰንኪ ዘይምስጋድናን ዘይምብርኻክናን ንቤትና ንግዚኡ ዝደቀኖ ፈተና ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ግና እዚ ንግዜኡ እዩ ደሓር ግና ንዓቢ ኽብሪ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ዝእምንዎ ኣሓፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ነቶም ንዕኡ ጥራይ ዝሰግዱ ኣኪብርዎም እምበር ኣሕሲርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ዋጋ ኽብሪ ንኣምላኽ፡ በይኑ ምግዛእ እዩ።

ሎሚ ንኣምላኽ ጥራይ ክንሰግድ ስለ ዝበልክም ቤትኩም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘላ ኣጆኹም ኣምላኽ ገፋዒ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ መሳኹቲ ሰማይ ንዓኩም ኩፉት እዩ፡ ታሪኽኹም ኩሉ ኣብ መዝገብ ኣምላኽ ጹሑፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ተጻረርቲ ተኣሚንክምዎ ኢኹም እሞ ከምቲ ማርዶካይ ብሃማን በቲ ጸላኢኡ ዝኸበረ ኣብ ድዃ እግሩ ድማ ዝሰገደ እዚ ታሪኽ እዚ ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ምስ ከፈቶ ኣባኹም ክውን ክኸውን እዩ። ኩሉ ንሃማን ክሰግድ ይኽእል እዩ፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ደኣ ንንበር። ንሱ ዘይጠልም መንበሪ እዩ። ቤትናን ስድራናን ንዓላማ ኣምላኽ እናነበረት ራእይ ዝተሓንገጠ ትኹን። ንውዲት ጸላኢ ንምልላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤትና ኣትዩ ነገር ዝጽሕትር ንምእላይ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዱዃ፡ ንጉስ ጐይታና የሱስ ንኹን። ክብሪ ኣምላኽ ኣባና ክግለጽ ብጎደና መከራን ስቓይን ሓሊፍና ናብ ዓቢ ዓወት ንምስጋር ሎሚ ንኣምላኽ ሰማይ ጥራይ ንስገድ፡ ንሃማን እምቢ ኣይሰግድን ንበሎ፡ ኣምላኽ ብነገር ኩሉ ኣብ ኩሉ እዋን ጸግኡን ሓይሉን የብዝሓልና።

እዚ ናይ ማርዶካይ ናብራ ህይወት ክንለማመድ ጸግኡ ይሃበና።

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.