ተቀባልነት’ዶ ትደሊ ትህሉ፧

5ይ ክፋል

ብተቐባልነት ዝድረኽ ህይወት ሰባት

ብመጉዳእቲ ወይ ድማ ብተነጽሎ ኣብ ገለ እዋን ህይወትና ከምዝሓለፍናን ከምዝገጠመናን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይመስለንን። ንገለ ገሌና፡ እቲ መጉዳእቲ ካብቶም ኣዚና እንፈትዎምን እነፍቕሮምን ሰባት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንገሌና ድማ ካብ ካልኦት። ናይ ገዛእ-ርእሰይ ዝኾነ ፈጺመ ዘይርስዖ ዝበጽሓኒ መጉዳእትታት ኣሎ። እቲ መጉዳእቲ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ ነፍስና ኣዕሚቑ ብምእታው፡ ቚስልታት ስለዝፈጠረልናን ኣዝዮ ዘሸግረናን ይገብሮ። ግና በቲ ብክርስቶስ ዝኾነልና ቅድመ-ኩነት ዘይብሉ ፍቕሩን ተቀባልነቱን ግን ክንፍወስ ዕድል ኣሎና። ንሎሚ ድማ ብዛዕባ ተቀባልነት ዝድርኾ ህይወት ሰባት ክንርኢ ኢና። ተቀባልነት እንታይ እዩ፧ ንምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ፧ ዝብል ሕቶታት ክምልስ ክፍትን።

ከም መእተዊ ክኾነና ኣብነት ክጠቕስ፡ ተቀባልነት ካብ ማህጸን ክጅምር ይኽእል እዩ። ማለት ክልተ ሰብ ሓዳር ነቲ ክወልድዎ ዝጽበዮ ቆልዓ ምስ ጠነስዎ፡ ነቲ ዝተጠንሰ፡ ብጾትኡ ንክቕበልዎን ንክንጽልዎን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ወዲ ይኹነልና ክብሃል ይጸንሕ እሞ፡ ጓል ምስ ትኸውን ናይ ዘይምቕባል ዓቢ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል፡ ወይ`ውን እታ ኣደ ብሰብኣያ ንዝህልዋ ተቀባልነት ክጎድል ተኽእሎታት ኣሎ። ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ፡ ካብ ወለዲ፡ ኣዝማድ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነት ካብ ዓርከ-መሓዙት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ እትዓብየሉ ከባቢ፡ ዓዲ፡ ገዛውቲ፡ ኣብ ሃገርካ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ፡ ኣብ እትስደድሉ ሃገር ኮታ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። እምበኣር ሰብ ኩሉ ግዜ ተቀባልነት ምስ ደለየን ሃረር ምስ በለን እዩ። ብርግጽ ባህርያዊ ነገር’ዩ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ተቀባልነት ካልኦት እንክደሊ። ንኣብነት፡ ኣብተን ናይ ኮተቴ ዕድመ ንእስነትና፡ ዓርከ-መሓዙትና እዮም መምዘኒ ክብርናን መንነትናን ዝነበሩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቤት እንከሎና ደረጃና በቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ይጽሎ እዩ፡ ማለት እንኽደኖ ክዳውንቲ፡ ኣዘራርባና፡ ደረጃ ትምህርትናን ካልእ ንጥፈታት ኮታስ ኩሉ ነገር፡ ምኽንያቱ ዝተፈለየ ነገር እንተ ደኣ ገይርናን ኮይንናን፡ ብቀሊሉ ተነጽሎ ከጓንፈና ስለዝኽእል። ህይወት ድማ ኩሉ ግዜ ብንጥፈታትን ብደረጃን ስለ እትምዘን፡ ከምኡ ኮይንና ክትነብር ትቕስበና እያ።

ተቀባልነት ማለት ንገዛእ ርእስኻ በቲ ካልኦት ዝህብዋ ሚዛን ምምዛን፡ ካልኦት ሰባት ምእንቲ ጽቡቕ ገጽ ክርእዩኻ፡ ክሕዉስኻ፡ ከፋሕሹዉልካን፡ ጽቡቕ ገበርካ፡ ንፉዕ ኢኻ፡ ከማኻ የለን ንክብሉኻ ኢልካ እትገብሮ፡ ኣብ ኩሉ ህይወትካ ድማ ምእንቲ ብካልኦት ጽቡቕ ኣጠማምታን ቦታን ክወሃበካን እትገብሮ ኩሉ ነገር እዩ። መንነትናን ክብርናን በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ክብሪ ብየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ፡ በቲ ሰባት ብዛዕባና ዝሓስብዎ ሓሳብን፡ ዝህቡና ግብረ-መልሲ ክብርን መንነትን ይኸውን። ተቀባልነት እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ክሳዕ እቲ ብክርስቶስ ዘለዎ መንነትን ክብርን (worth) ካብ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑ ዘይፈለጠ፡ ካብ ካልኦት ሰባትን ብነገራትን ተቀባልነት ንምርካብን ከርተት ክብል’ዩ ዝነበር። እምበኣር ብተቀባልነት ምድላይ እትድረኽ ህይወት ሰብ ከመይ ዝበለት እያ፧

ተቀባልነት ብምድላይ ዝድረኹ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣብ ህይወቶም ውሕስነት የብሎምን። ውሕስነት ዘይምህላው ድማ ሰላምን ዕረፍትን ናይ ህይወቶም ሰሪቑ፡ ብዙሕ እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣብ ዝምድናታትን ናብራን ይፈጥረሎም። ውሕስነት ዘይምህላው ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ሰባት ተቀባልነት ካብ ካልኦት ምስ ሰኣኑ እምበኣር እቲ ውሕስነት ዘይምህላው ንህይወቶም ይድርኾ’ሞ ናብ ዘይተደለየ ባህሪ ምጥራይ የእትዎም። ከም ውጺኢት ውሕስነት ምስኣን ድማ ተነጽሎን ዓመጽን የስዕበሎም፡ ጽኑዕ ኣእምሮኣውን ነፍሳውን መጉዳእቲ ድማ ኣብ ህይወቶም ክቀላቀል ይጅምርን ንኽዓግትዎ’ውን ይሽገሩ። ተቀባልነት ካብ ካልኦት ስለ ዘይረኸቡ ድማ ስምዒት ተነጽሎን ርእሰ-ምትሓትን ይፈጥረሎም። ነዞም ነገራት ንምስዓር ኩሉ ግዜ – መሐጎስቲ ሰባት ኮይኖም ይነብሩ። እዚ በቲ ሓደ ግዜ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ተነጽሎን ዘይተቀባልነት ዝሰዓበ እዩ።

ኣብ ህይወት ሰብ ኩሉ ግዜ ትጽቢታት ኣለዉ። እዞም ትጽቢታት ድማ ተቀባልነት ከም ግብረ-መልሲ ይህቡና። ንዝኾነ እንገብሮ ነገር ትጽቢታት ወለድና፡ መጻምድትና፡ ደቅና፡ መምሃራንና ወይ’ውን ዓርከ-መሓዙትና ክንመልእ ኩሉ ግዜ ምስ ጸዓርና ኢና። ኮይኑ ግን እቲ ትጽቢታት ምስ ዘይፍጸም፡ ተነጽሎ ብቀሊሉ የስዕበልና። ንህይወትና ድማ ዓትዒቱ ይሕዞ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኩሉ ግዜ ተቀባልነት ንምርካብ ምስ ጸዓረ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ሎሚ፡ ተቀባልነት ናይ ወለዶም ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። እቲ ይገዝኡ፡ እቲ ይገብሩን እቲ’ውን ይውስኹ፡ እቲ ድሪኺት ግን ተቀባልነት ንምርካብ እዩ። ካልኦት ድማ ብጸቅጢ-መሓዛ፡ ማለት ካልኦት ብዛዕብኦም እንታይ ይሓስቡ ወይ እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ኣለዎም ብዝብል ይድረኹ እዮም። እዚ ጸቕጢ ድማ ስኽፋታ ዝብሃል ሕማም ይፈጥር። ስክፍታ ሓደ ሓደ እዋን ኣወንታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተ ደኣ ተሰኺፍካ ሓጢኣት ዘይገበርካ ግሪም እዩ። ተቀባልነት ንምርካብ ኢልኻ ምስካፍ ግን ኣይግድን፡ ኣብ ማእሰቲ ምእታው ድማ እዩ። ስክፍታ ሓደ ልሙድ ተርእዮ ሕብረተሰብና እዩ፡ ግና ተቀባልነት ካልኦት ንምርካብን ከይብሉኒ ብምባልን ጥራይ እዩ።

peer pressure
ምክንዋን ወይ ዓወት ብዙሕ መንገድታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ዝገርም ግን እቲ ቅልጡፍ መንገዲ ውድቐት፡ ኩሉ ግዜ ንኩሉ ሰብ ከተሐጉስ ምፍታን እዩ። ንሰባት ምሕጓስ፡ ገዛእ ርእስኻ ክትከውን ኣይገብረካን፡ ብሓሶትን ብኣምሰሉነትን ክትመላለስ ይገብረካ። ብናይ ካልኦት ሰባት ኣተሓሳስባ ተመሪሕካን ተደሪኽካን ምኻድ’ዩ፡ ካብ ዓላማን መደብን ኣምላኽ ድማ ፈጺሙ የውጽኣካ። መሐጎሲ ሰባት ምዃን፡ እዚ ስምዒት’ዚ ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ነቶም ተቀባልነት ሰባት ዝደልዩ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃንዛን ዘይዕጉብ ህይወትን የንብሮምን። ንምሽፋኑ ድማ ካብ ካልኦት ሰባት ሞጎስ፡ ጽቡቕ ገበርካ፡ ንፉዕ ኢኻን ካልእ ተቀባልነትን ይጽበዩ። እቲ ዝገርም ግን፡ ብዝኾነ ምኽንያት እቲ ተቀባልነት እንተተነፊግዎም ግን፡ ሽዑ ዝግለጽ ባህሪ ኣዝዩ ክፉእን ሕሱርን እዩ። ምኽንያቲ ተቀባልነት ነቲ ዝገበርዎ ነገር ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ጥራይ ንኽረኽቡ ሃረር ኢሎም ከምዝጽበዩ ስለዝገብሮም።

ናይ ህይወቶም ክብርን መንነትን ድማ ብተቀባልነት ካልኦት ሰባት ጥራይ ዝዝወር ይኸውን። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት ተነጽሎ ካልኦት ሰባት ፈሪሖም፡ ተቀባልነት ካልኦት ሰባት ደልዮም፡ ንካልኦት እንኸሐጉሱን ውሕስነት ንክስምዖምን ግዙኣቱ ኾይኖም ይነብሩ። እዚ መግዛእቲ እዩ። ናይ ህይወቶም መስትያት ተቀባልነት ካልኦት ሰባት እዩ። ብዘይ ብእኡ ክነብሩ ኣይኽእሉን እዮም። ተቀባልነት ካብ ሰባት እንተ ረኺቦም ሕጉሳትን ዉሑሳትን እዮም። ካልኦት ሰባት ኣብ ዝቕበልዎም እዋን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝህልዎም ኣጠማምታ ኣዝዩ ብሉጽ እዩ። ተቀባልነት ምስ ዘይረኽቡ ግና ነፍሶም ትስቐይን ኣጠምምታ ነገራቶም ድማ ይቕየር። እዞም ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት፡ ርኡይ ዝኾነ ባህሪ ኣለዎም፡ ዘይተግባራውያን ይኾኑ፡ ዝጅምርዎ ተፈጻምነት የብሉን፡ ትሑት ነፍሰ-ጠመተን ተኣማንነትን ዘለዎም (low self-esteem and confidence)፡ ዘይኣድማዕቲ ይኾኑ፡ ብዙሕ ጸቕጢ ዘለዎም፡ ብዝኾነን ዘይኾነን ዘጉረምሩሙ፡ ኩሉ ግዜ ግዳያት ዝኾኑን ንኩሉ ጸገሞም ናይ ካልኦት ጸገም ዝገብሩን እዮም። እዞም ብተቀባልነት ካልኦት ሰባት ዝድረኽ ህይወት ዘለዎም ሰባት፡ ዘየድሊ ጭንቐትን ብቀሊሉ ዝበሳጮ ህይወትን ኣለዎም። ምኽንያቱ ህይወቶም ዝርእዩሉ መሬጼን፡ መሬጼን ካልኦት ሰባት እንታይ ይብሉኒ፧ እንታይ ኮን ይሓስቡ ይኾኑ ዝብል ስለዝኾነ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕብኦም ዘለዎ ኣረኣእያን ተቀባልነትን እንተ ነጊርዎም ድማ ኩሉ ነገር ኣብ ቦትኡ ዝኾነ ይመስሎም፡ ግን ኣይኮነን፡ ኣብ ውሽጢ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብቲ ናይ ሓቂ ነፍሶም ብቃል እግዚኣብሄር ክፍወስ ዘለዎ ነገር ኣሎ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያናት ዘሎ ጸገም ይመስለኒ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኮኑ ተገልገልቲ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዎም ተቀባልነት፡ ብሰባት ንዘለዎም ተቀባልነት ስለ ዘተኣሳስርዎ ድማ ብቕንዕና ዘይምግልጋል፡ ንሕናስ ድኹማት ባሮት ኣምላኽ ኢና ዘይምባል፡ ነቲ እግዚኣብሄር ብልኡላዊ ባህሪኡ ዝገብሮ ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምውሳድ ይርአ ኣሎ። ብካልእ ወገን ድማ፡ ነቲ ዝቕበለካ ሰብ ናብቲ ዝደለኻዮ ቦታ ምውሳድን ዕድል ምሃብን፡ ነቲ ሓሳብካ ዘይተቀበለ ድማ ምቑንጻብ፡ ርኡይ ተርእዮ ቤት ኣምላኽ ዘመንና ይመስል እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ስርሑ ጻድቕ ስለ ዝኾነ ምጥንቓቕን ምምላስን የድልየና ኣሎ። ኣምላኽ ምሕረት ይግበር!

እምበኣር ከምዚ እንብሎ ዘሎና፡ ናይ ካልኦት ተቀባልነት ንባህሪ ህይወትና ይድርኾን ይዝውሮን እዩ። እዚ ዓይነት ጸገም ግን ግዚያዊ ጥራይ ኣይኮነን፡ ህይወትና ብዘይ ተቀባልነት ዘይትነብር ገይሩ ሕዱር ሕማም እዩ ዘሕድረልና። ዋላ እዃ ካብኡ ክትወጽእ እንተደለኻ፡ ድሕሪ ኣብ ማሕዩር ምእታውካ ከመይ ገይርካ ከምእትወጽእ’ውን ዘይትፈልጦ ትኸውን። ስለዚ ተቀባልነት ክትረኽብ ምንባር ባርያ ይገብረካ እዩ፡ (ናይ ባርነታዊ ኣእምሮነገራውነትን ዝብል ንዝያዳ ክንበብ ይከኣል)።

people pleasers
ናይ ካልኦት ተቀባልነት ጽኑዕ ውሕስነት ኣይህበናን እዩ። ውሕስነት ዘይስምዓና እንተሃልዩ ድማ ማሕዩር እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ማሕዩር ድማ፡ እቲ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን እቲ ጽኑዕ ቃል እግዚኣብሄር ጥራይ’ዩ መናገፊኡ። እዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ምጥዓሙን ምስጥምቓሩን ምርድኡን ፈውሲ እዩ። እዚ ነገር’ዚ ምስ እነስተማቕር ጥራይ ኢና፡ ሰባት ተቀቢለሙናን ተጺጎሙናን ናይ ህይወትና ደረኽትን ደፋእትን ሓይልታት ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም። እግዚኣብሄር መንነተይ’ዩ፡ ንሱ ተቀቢሉኒ’ዩ፡ ንሱ ይሓልየለይ’ዩ፡ ንሱ ምሳይ’ዩ፡ ሰባት ኩሎም እኳ እንተገደፉኒ እግዚኣብሄር ኣሎኒ፡ ኢልካ ደው ምባል እዩ። ናይ ሓቅን ናይ ውሽጢ ርትዒ ምህላውን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከምዚ ዝብል ጥቕሲ ኣሎ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።” ዮሃ 8:32። ሓቂ እዩ ሓራ ዘውጽእ፡ ውሕስነት ዝህብ፡ ተቀባልነት ዝህብ፡ ሓቂ ድማ ቃል እግዚኣብሄርን እዩ። እቲ ቃል ድማ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ።

ሰባት ክንብሃል ኩሉ ግዜ ካባና ወጻኢ ንዝኾነ ኩሉ ብነገረ-ሓቂ ክንገጥሞን ክንብድሆን ብዙሕ ሽግር የብልናን፡ እንተ ናብ ገዛእ-ርእስና መጺእናን፡ ብነገረ-ሓቂ ወይ ብጽጹይነት ክንብድሃን ክንገጥሞን እንተ ጀሚርና ብዙሕ ሽግር ኣሎና። ምኽንያቱ ንሕና ባዕላትና ምስ ገዛእ ርእስና ሓቂ ስለዘይብልና ንሽገር ኢና። ማለት እቲ ኩሉ እንገብሮ ብልኽዕ ሓሲብናን ንምንታይ ንገብሮ ከምዘሎናንን ፈሊጥናን ኣይኮንናን እንገብሮ። ብድሕሪት ደፋኢ ሓይሊ ኣሎና፡ ካብዞም ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ዝረኣናዮም ወይ ብነገራውነት ወይ ብፍርሂ ወይ ብቁጥዓ ወይ’ውን ብኣበሳን ወይ`ውን ብወቀሳን ንድረኽ ክንሕሉ ስለ እንኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ነጻነትን ምንጋፍን እምበኣር ካብ ምሕጓስ ካልኦት ሰባት ዘይኾነ እንረኽቦስ ካብቲ ብነጻ ብእግዚኣብሄር ዝተዋህበና፡ ካብኡ ተቀባልነት፡ ፍቕሪ፡ ውሕስነት፡ ክብርን መንነትን ስለዝረኸብና እዩ። ንሓቂ ክገጥሞ ዘይኽእል እንተደኣ ኮይነ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑትን ንካልኦት ንምሕጓስን ካብ ካልኦት ድማ ተቀባልነት ንምርካብን’የ ዝነብር ዘለኹ። እቲ እንኮ ኣርዑትና ክኸውን ዝግብኦ ንእግዚኣብሄር ንምሕጓስ ጥራይ እምበር፡ ንሰባት ንምሕጓስን ካብ ሰባት ተቀባልነት ንምርካብን ክኸውን ኣይግብኦን እዩ። እግዚኣብኣሄር ንሱ ባዕሉ ውሕስነትና እዩ። ንሱ በይኑ፡ እንኮ፡ ውሕስነትናን ተቀባልነትናን እዩ። ንሱ እምባና፡ ጸግዕና፡ ከውሕና፡ መኸወሊና፡ ዕርድናን ሃዲምና እንዕቆበሉ እምባና’ዩ፡ (መዝ. 9:9; 31:4; 32:7; 37:39; 46:11 ምርኣይ ይከኣል)። ክብርና ተቀባልነትና ዋጋና ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጽእ፡ ካብ ካልእ ዋላ ሓደ ኣይመጽእን እዩ። እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ተቀባልነት እንተ ደኣ ሃልዩና፡ ካልእ ኩሉ እንተነጸገና ሽግር የብልናን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ድማ ኣብቲ ፍቕሩ ብክርስቶስ የሱስ ሱር ሰዲድናን ተሰሪትናን ኣሎና (ኤፌ 3:17)። ስለዚ እምበኣር ካብቲ ኩሉ ካብ ካልኦት ተቀባልነት ክንረክብ ኢልና እንገብሮን እንፍትኖን ነገራት ኩሉ ወጺእና ናብ ክርስቶስ ንጠምት፡ እቲ ጀማርን ደምዳምን እምነትና (እብ 12:2)። እቲ እግዚኣብሄር ክንኮኖ ዝደልየና ህይወትን ክንኮኖ ዝፈጠረናን፡ ተባዕ ክርስትያናዊ ህይወት ክንነብሮ ክንክእል ድማ ኢና። እምነትና ኣብቲ መልህቕና ዝኮነ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ንህይወትና ዘፍቀራን ዝተቀበላን ክርስቶስ ጥራይ ትጠምት።
እግዚኣብሄር ይደግፈና!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.