ብጹሕ ምዃን እንታይ እዩ፧

“ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ።”

ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ፊሊ 3፡15-16 እንዳ ኣንበብኩምን እንዳ ኣጽናዕኩምን እንከሎኹም ክትሓትዎን ከዘራርበኩም ዝግባእ ሕቶታት ካብዚ ይቅጽል፡

  1. ንገዛእ-ርእስኻ ከም ብጹሕ ክርስትያን’ዶ ትገልጻን ትርእያን፧ ስለምንታይ ትርእያ ወይ ስለምንታይ ኣይትርእያን ግለጽ።
  2. ነዘን ዝስዕባ ክልተ ጥቕስታት ኣወዳድር፡
    • ፊሊ 3፡15-16 እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ። እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ።;
    • እብ 5፡13-14 ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።
    • ካብዚ ብምብጋስ ባህሪያት ብጹሕ ኣማኒ ከመይ ዝበለ እዩ፧ ናብዚ ብጽሕና ክንበጽሕ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧
  3. ኣብ መንጎ ፍጽምናን ብጽሕናን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧  ስለምንታይ ምፍልዮም ኣገዳሲ ኢልካ ትሓስብ፧
ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

ምፍታሕን ምትርጓምን ቃላት ኣብ ሓደ ዓውደ-ንባብ (Context)

ኣብ ምርዳእን ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስና ብዙሕ እዋን እንጋገዮን እንገብሮን ኢለ ዝሓስቦ፣ ቅድሚ ነቲ ምሉእ ሓሳብን ዓውደ ንባብ ናይቲ ጽሑፍ ምርዳእና፡ ንኣብ ሓደ ዓውደ ንባብ ዘለዉ ቃላት ናይ ገዛእ ርእስና ዝኾነ ትርጓሜታት ንህቦም። እዚ ፍጹም ጌጋ ኣረዳድኣን ኣናብባን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።  ኣብ ገለ እዋን እዚ ኣካይዳ ክሰርሕ ይኽእል እዩ፣ ግና ብፍጹም ጌጋ እዩ። እቲ ጽሑፍ ክዛረብን ባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽን ዛንታን ከዘንቱ ክንገድፎ ይግባእ። እቲ ዓውደ ንባብ ባዕሉ ትርጓሜ (definition) ናይ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ቃላት ክትርጉመልና ኣለዎ። ምኽንያቱ ምርዳእ ቃላት፡ ንምርዳእ ጥቕሲ ይሕግዘና እዩ። ምርዳእ ጥቅሲ ድማ ንምርዳእ ቃላት ይሕግዘና እዩ።

ምርዳእ ቃላት፡ ንምርዳእ ጥቕሲ ይሕግዘና እዩ።

ምርዳእ ጥቅሲ ድማ ንምርዳእ ቃላት ይሕግዘና እዩ።

ስለዚ ከነንብብ እንከሎና፡ ግዜ ወሲድና ክንሓቶ ዘሎና፣ ” ኣብዚ ዓውደ ንባብ ካብ ዘሎ፡ ትርጉም እዛ ቃል፡ እንታይ ክምሃር ይኽእል፧” ኢልና ክንሓትት ኣሎና። ብዙሕ መዓልታት ፈሊና ንምሉእ መጽሓፍ ናይቲ ክፍሊ፡ ብተደጋጋሚ ምንባብ። ምኽንያቱ ሓፈሻዊ ምንባብ ቀዳማይ መገዲ ኣጸናንዓ ስለዝኾነ፡ ደጋጊምካ ንምሉእ መጽሓፍ ምንባቡን ካብኡ ብምቕጻል ድማ ቀስ ኢልካ ነቲ ምሉእ ሓሳብ ናይቲ መጽሓፍ፡ ወይ ድማ ንከተጽንዖ ዝደለኻ ክፋል ብዕምቆት ምጽንዑ ኣገዳሲ እዩ።

እግዚኣብሄር ይደግፈና!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply