መላእኽቲ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና – ብዛዕባ መልኣኽቲ

ብቢንያም ዮሃንስ

(ቀዳማይ ክፋል)

1. ትርጉም መላእኽቲ

  • Greek (ብግሪክ) – ኣግጋሎስ (aggelos)
  • Hebrew (ኢብራይስጥ) – ማል’ኽ (mal’ak)
  • English (እንግሊዝ) – ኤንጅል (angel)

ብትግርኛ መልኣኽ፡- ተፈታዊ፡ ምጩው፡ ጽቡቕ፡ የዋህ፡ ገርሂ…..ወዘተ። ብሰለስቲኡ እንተ ርእናዮ ዝተፈላለየ ፊደልን ኣደማምጻ ዘለዎ ኾይኑ ሓደ ትርጉም እዩ ዘለዎ ንሱ ድማ መልእኽተኛ/Messenger ዝብል እዩ
መሰንጀር (messenger) ትርጉሙ — መልእኽተኛ ወይ ሉኡኽ ማለት እዩ ።

2.መበቆል(ምንጪ) ናይ መልኣኽቲ

ብዛዕባ መበቆል እንተ ተላዒሉ ንድሕሪት እዩ ዝመልሰኻ ማለት፡ ንዝኾነ ነገር መበገሲ ከም ዘለዎ ንዝኾነ ሰብ ዝተሰወረ እዩ ኢለ ኣይሓስብን። ንኣብነት ብዛዕባ ሰብ፡ ምድሪ፡ ሰማይ፡ ህይወት …. ወዘተ። እግዚኣብሄር ከም ዝፈጠሮ ከምኡ ድማ ብዛዕባ መልኣኽቲ መበቖል (origin) (መፈጠር) ንርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብንጹር ዘቀመጦም ነጥብታት
መጽሓፍ ነህምያ 9፥6
“ከምዚ ይብል ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማያትን ኩሉ ሰራዊቱን፡
ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ኹሉን፡
ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ኹሉን ፈጠርካዮ፡
ነዚ ኹሉ ብህይወት እተንብሮ ኽኣ ንስኻ ኢኻ።
ሰራዊት ሰማይ /ሰራዊት መልኣኽቲ/ ድማ ይሰግዱልካ።”

ተወሳኪ ጥቅሲ
መ. ዳዊት 148:2-5, እዮብ 38፥4-7, ዘፍ 1፥1, ቆሎሴ1፥16-17

3. ክንደይ እዩ ብዝሒ /ቁጽሪ/ መልኣኽቲ

ብዝሒ ወይ ቁጽሪ መልአኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቁጽሪ ዓቢ ምኻኑ እዩ ዝነግረና።
ወንጌል ማቴዎስ 26፥53
የሱስ ካብ ዝተዛረቦ ከምዚ ይብል ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መልአኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለኹም ኣሎ።
ዳንኤል 7፥10
ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ። ካብ ቅድሚኡኻ ይወጽእ ነበረ።
ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ።
ስለ’ዚ
ለጌዎን /legion/ ማለት – countless, numerous, immuerable
ዓቢ ቁጽሪ፡ ክፍቀድ ዘይኽኣል …….. ወዘተ ማለት እዩ።
ከምቲ አብ መጽሓፍ ተጠቂሱ ንረኽቦ እልፊ ጊዜ እልፊ፡ ኣእላፋት ምዃኖም ይነግረና።
ተወሳኪ ጥቅሲ
እብራውያን 12፥22, ኢሰያስ 45፥12

ይቅጽል ….