ትንቢት ሃጌ

ድሕረ ባይታ (Overview) – ትንቢት ሃጌ

እቲ ነብዪ፡ –

ናይ’ዚ ትንቢት’ዚ ነብዪ ሃጌ ባዕሉ እዩ፡ ነቶም ካብ ምርኮ ዝምለሱ ዝነበሩ ብመገዲ ዘሩባብኤል ኣብ እዋን ንጉስ ቂሮስ ናይ ፋርስ ከምዝተነበየሎም ድማ ርዱእ ይገብሮ። ዝተነበየሉ እዋናት ኣብ እዋን ምህናጽ ቤተ-መቅደስ ምዃኑ እዝራ ብግቡእ ኣስፊሩልና ይርከብ። ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን ዝተመልሱ ዓሌታት ኣይሁድ፡ ድሕሪ 16 ዓመታት ምምላሶም ቤተ-መቅደስ ንክሰርሑ ከምዝተነበየን ከምዝመሃረን የርእየና።

ኩነተ ትንቢት ከመይ እዩ፦

ብትእዛዝ ንጉስ ቂሮስ ናይ ፋርስ፡ ሓደ ካብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ ዘሩባብኤል ንኣይሁዳውያን መሪሑ ናብ ዮርሳሌም ቀዳማይ ናይ ምምላስ ዕማም ፈጺሙ። ነቲ መሰውኢታት የሐዲሱ ዕዮ ቤተ-መቅደስ ጀሚሩ ነይሩ ግና፡ እቲ ዕዮ ነዊሕ ከይከደ ተቛሪጹ። በቲ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰማርያዊያንን ካልኦት ኣህዛብ ዝጀመሮም ተቓውሞ፡ ንከባቢ 14 ዓመታት ምንም ዓይነት ዕዮ ከይተዓየ ድማ ደው በለ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ቅንኣት እቲ ህዝቢ ጠፊኡን ንድኻሞም ድማ ከም ቅቡል ወሲዶም ነቲ ዓብዪ ዕዮ ግዲ ኣይሃብዎን። እቲ መጀመርታ ክምለሱ እንከለዉ ዝነበሮም ቅንኣትን ሃንቀውታን እታ ከተማ ኣምላኽ፡ ዮርሳሌም ምስራሕን፡ ቤተ-መቅደስ ምሕዳስ ጠሪሹ ጠፍአ።

እቲ ትንቢት፦

ዓላማ ናይዚ ትንቢት፡ ተስፋን ቅንኣትን ህዝቢ እግዚኣብሄር ንምሕዳስ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ተስፋታት ድማ ብ4 መልእኽትታት ኣብዚ ትንቢት ተነጊሩ ኣሎ። ዕዮ ኣምላኽ ዘይምዕያይ ዘለዎ ሳዕቤን፡ ንተስፋታትን በረኸትን ኣምላኽ የጉድለልካ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ድማ ሰምዑ “. . . ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፣ ዕየዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ብምባል ዕዮኦም እንደገና ተበገሰ። ከም ውጺኢቱ ድማ ዋላ እዃ ተቓውሞ እንተተላዕለ፡ ክሰርሑን ክዓዩን፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ዕዮ ብትግሃትን ብተወፋይነትን ክገብርዎ ንርእዮም’ሞ፡ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ነታ ቤተ-መቅደስ ሰርሑዋ።

ትንተና፦

  1. ቤተ-መቅደስ ናይ ምስራሕ ጻውዒት፡ ምዕራፍ 1
    1. ጻውዒት፡ ምዕራፍ 1:11
    2. እቲ ህዝብን ዘሩባብኤልን ንጻውዒት ኣምላኽ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ምዕራፍ 1፡12-15
  2. ሓዳስ ቤተ-መቅደስ – ብክብሪ እግዚኣብሄር ዝተመልአት መቅደስ፡ ምዕራፍ 2:1-19
    1. ፍሉይ ክብሪ ናይታ ቤት፡ ምዕራፍ 2:1-9
    2. ምንጪ በረኸት – ምእዛዝ፡ ምዕራፍ 2:10-19
  3. ንዘሩባብኤል ዝተዋህቦ ተስፋ (መሲሓዊ ንግስነት)፡ ምዕራፍ 2:10-23

መጽናዕትን መዘራረቢ ሓሳብን፦

(1) ተግሳጽ እግዚኣብሄር ብመገዲ ነብያቱ – ተግሳጽ ኣምላኽ ትቕበል’ዶ፧ ብኸመይ፧ ኣብ ከመይ ኩነት፧
(2) ምትብባዕ እግዚኣብሄር – ተስፋኻ ምሕዳስን ዕዮ ኣምላኽ ዘይምቑራጽን
(3) ታሪኻዊ መረጋገጺ እዚ ትንቢት’ዚ ካብ መጽሓፍ እዝራ – ቃል እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ!
(4) ኣብ ዙርያኻ ዝልዓል ውግእን ተቓውሞን ምስዓር

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.