መዓልታዊ ጽሙድ ናብራ

(ካብ 10 – 16 ጥሪ 2022)

መዓልታዊ ጽሙድ ፣ ኣብ ናይ 24 ሰዓታት ኣን መዓልቲ/ ኣብ ሰሙን ድማ ኣብ ናይ 7 መዓልቲ ናብራና ኣዚና ጽሙዳት ኢና።

ነዘን ዝስዕባ ጥቕስታት፡ ኣብዚ ሰሙን ኣንብብ

ዘፍ 2:1–3, ኤር 45:1–5, ዘጸ 20:11, 2ሳሚ 7:12, ማር 6:30–32, ዘፍ 4:1–17.

ዝጽናዕ ጥቕሲ:

ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚአብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ። (መዝ 84:2).

እታ ሰዓት ብዘይ ምቍራጽን ብዘይ ገለ ለውሃትን እያ፣ ቂም ቂም እትብል። ሓደ ሰንበት፡ ቅድሚ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ምሕረት (ኣደ ገዛ) ኣብታ ንእሽቶ ክፍላ፡ ርእሳ ኣድኒና ገዛ ርእሳ ትምርምር ነበረት። መጻወቲታት ቈልዑ፡ ኣብ ፍቀዳ ዙርያ ሳሎን ፋህ ኢሎም እዮም ዘለዉ፣ እቲ ክሽነ ከኣ ኣይተወገነን። ሳራ፡ እታ ሕሳስ ልደት እቲ ገዛ፡ ረስኒ ገይሩላ ኣብ ዓራት ደቂሳ ነበረት፣ ጽባሕ ድማ ምሕረት፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያት ከም ተቀባሊት ኣጋይሽ ኰይና ከተገልግል ቃል ኣቲያ እያ። ስለዚ ብዉሑዱ ኣቀዲማ፣ 30 ደቒቕ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከም ዘለዎም፡ ኣዳቂቃ ፈሊጣ እያ። መን ምሃበ፣ ጽባሕ ርግእ ኢለ፡ ሃዲአ እንተዝውዕል፡ ብምባል ምሕረት ብሓሳብ ተዋሒጣ ነበረት።

ልኽዕ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ፣ ሃንስ፡ ሰብኣይ ምሕረት፡ ሰሙናዊ ኣስቤዛ እዛ ስድራ ክገዛዝእ ድሕሪ ምውዓል፡ ነዊሕ መስርዕ ትራፊክ መኪና በዚሕዎ እንዳተጸበየ እዩ። ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ብምብዝሑ፡ መስመር ነዊሑ ከም ኵሎም ሰባት ንዕዳጋ ዝወረዱ መሰለ። ኣነስ፣ ዕረፍቲ የድልየኒ ኣሎ፣ ከምዚ ኢለ ክቕጽል ኣይክእልን ብምባል፣ ሃንስ ብውሽጡ እሕሕሕ በለ። ካብዚ ናብቲ ካብ ምባል ዝወጸ፣ ካብ መዓልታዊ ጽሙድ ዝኾነ፡ ካልእ ህይወት ክህሉ ኣለዎ፣ ድማ በለ።

ሕሰብ

ህይወትና፡ ብናይ ሃታ ሃታን ታህዋኽ ሰዓታት ስራሕ (rush hours)፡ ነዊሕ ሰዓታት ስራሕ: ናይ ሕክምና ቈጸራታት: ናይ ኢንተርነት ናይ ቪዲዮ ዕላላት: ዕድጊ-ዕዳጋ: ከምኡውን ዕዮ-ገዛ ቤት-ትምህርትታትን ካልእ ኣዝያ ጽምድቲ እያ፣ ብእኡ ድማ እያ እትምራሕን ትቅየድን ዘላ። ዋላ ህዝባዊ መጓዓዝያ ንጥቀም፡ ንእሽቶ ቱግ-ቱግ ንዘውር፡ ወይ’ውን ንእሽቶ ኣውቶቡስ ሚኒ-ባስ ንመላእ ስድራ-ቤትና ብቅልጡፍ ካብዝን ካብትን ነጓዓዕዝ፣ በቲ ኣብ ከባቢና ምስ ዘሎ ዓለም ብቐጻሊ ዝግበር ጽምዶ፡ ትሑዛት ኮይንና ከጥሕለና ዝደሊ ምዃኑን፡ ነቲ ሓቂ ክንቅበሎ እምበር ክንሃድም ኣይንኽእል ኢና።

ስለዚ፣ እቲ ሕቶ እምበር፡ ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ሃለኽለኽን ሸኮርተትን  መዓልታዊ ጽሙድ ህይወትካ፡ ከመይ ጌርና ዕረፍቲ ትረክብ?

* ኣብዛ ሰሙን እዚኣ እትምሃሮ ትምህርቲ ኣጽንዓዮ፡ ክሳብ ንሰንበት 16 ጥሪ ተዳሊኻ ኣጽንዕ።

ዘፍ 2:1–3, ኤር 45:1–5, ዘጸ 20:11, 2ሳሚ 7:12, ማር 6:30–32, ዘፍ 4:1–17.

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.