ደረጃታት ክርስትያናዊ ህይወት

ፊሊጲ 3:15–16

ከም መቀጸልታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል ዝረኣናዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ብገለ ነገር ሓሳብና ንበይኑ ወይ ፍሉይ እንተኾነ ዝብሎ፡ ንሎሚ ድማ ራብዓይ ክፋሉ ንቕጽሎ ኣሎና። ናይቲ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል እንታይ ከም ዝዘተናን ዘጽናዕናን ንምርኣይ ዝኣኽል፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ሳልሳይ ክፋል ምንባብ ትኽእሉ

ዋላ ሓደ እዃ ካባና ብሱል ኮይኑ ዝጀመረ የብልናን። ዋላ ሓደ ሰብ ድማ ብብስለትን ብፍጽምናን ዝተበገሰን ኣብዚ ዝበጽሐን የለን። ስለዚ ኣብዛ ሓጻር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደረጃታት ብጽሕናን ንእግዚኣብሄር ምጽባይን ክንርኢ ኢና። ስለዚ ኩሉ ግዜ እንዳ ዓበናን እንዳወሰኽናን ክንከይድ ይግብኣና እዩ። እቲ ናብ ፍሉይ ብጽሕና ክመርሓና ዝከኣሎ ጐይታ እንዳ ኣመንና ንሳለ።

ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ፊሊ 3፡15-16 እንዳ ኣንበብኩምን እንዳ ኣጽናዕኩምን እንከሎኹም ክትሓትዎን ከዘራርበኩም ዝግባእ ሕቶታት ካብዚ ይቅጽል፡

  1. ዝተፈላለይ ደረጃታት ክርስትያናዊ ህይወት ኣሎ’ዶ፧ እንተደኣ ኣሎ ኾይኑ፣ እቲ ደረጃታት ብምዝርዛር ተዘራረበሉ።
  2. ነዚ ዝስዕብ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ ፊሊ 2፡12-13 ን ፊሊ 3፡15-16. ኣብ መንጎ ንፍጽምና ምድላይናን ምስዓብናን ካብ እግዚኣብሄር ዝወሃበና ፍጽምናን እንታይ ፍልልይን ዝምድናን ኣለዎ፧
  3. ደረጃታት ፍጽምና ብመሰረት ፊሊጲ፣
    1. ናይ መጀመርታ ደረጃ ብጽሕና (ፊሊ 1፡6);
    2. ናብ ብጽሕና ምውሳኽ ግና’ኸ ፍጹም ዘይኮነ ብጽሕና ();
    3. ነቲ ብጽሕና ኣጥቢቕኻ ምሓዙን ንዕኡ ምጉያይን (ፊሊ 3፡14);
    4. ነቲ ብጽሕና እግዚኣብሄር ይገልጸልና እዩ (ፊሊ 3፡15);
    5. ኣብቲ ናይ ብጽሕና ብሓደ መገዲ ንመላለስ (ፊሊ 3፡16)
    6. ዝውስኽ ፍጽምናን ብጽሕናን ዝበጻሕናዮ መጠን (ፊሊ 3፡16)
ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

ንክትነብሮ መድብ፣ ሰማዒ ጥራይ ዘይምዃን

ኩሉ ግዜ ቃል እግዚኣብሄር ከነንብብ ኮነ ከነጽንዕ ክንዝክሮ ዘሎና ሓደ ትእዛዝ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣሎ። እዚ ትእዛዝ ጐይታ ድማ ያእቆብ’ውን ኣብ መልእኽቱ ኣስፊርዎ ኣሎ። ገበርቲ ቃል ደኣ እምበር ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ ዝብል እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ማቴ 7፡24-27ን ያእ 1፡22-25 ንረኽቦ።

“ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።” ማቴ 7፡24-27

ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።” ያእ 1፡22-25

ሎሚ መብዛሕትና ሳሕቲ ኢና ናብ ምእዛዝ እቲ ቃል እነድህብ። ብዙሕ ግዜና ግና ኣብ ምዂምሳዕ እቲ ቃል ኮነ ኣብ ምስትንታንን ምሕሳብን እቲ ዝተመገብናዮ ቃል ኣይነሕልፍን ኢና። ግና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰሚዑና ክንተርፍ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝሰማዕናዮን ዝተማሃርናዮን ዘጽናዕናዮን ቃል ኣምላኽ ብመደብ ክንእዘዞን ክንላመዶን ተግባራዊ ናይ ምእዛዝ ህይወት ክርስትና ክንላመድ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply