ብመገዲ ስጋ ምንባር፣ ብኸመይ፧

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ስጋን ብመገዲ ስጋን ክንነብር ኣይጸውዓናን። ኣብዛ ክፋል ጽሕፍቲ ድማ ብስጋን ብመገዲ ስጋን ምንባር፣ ኣብ ትውክልትን ደገፍን መንፈስ ቅዱስን ምእማን ክርስቶስ የሱስን ሓዲግና ዝንበር ናብራ ስጋ እተብርህ እያ። ኮይኑ ግና ክርስትያን፣ ብምሏ ምእማንን ክርስቶስን ምድጋፍ መንፈስ ቅዱስን ክነብር እቲ ሰማያዊ መዝገብ ህይወቱ እዩ።

ነዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ማለት ፊሊ 3፡2-7 እናነበብኩም፡ ክትሓትዎን ክትዘራረብሉን ዝግባእ ነጥብታት:

  1. ገለ ናይ ህይወትካ ዓበይቲ ዓወታት እንታይ እዮም፧ ነቶም ዝበጻሕካዮም ዓወታት፣ እምነተይ ኣብ ክርስቶስ ብምግባር በጺሐዮም’ዶ ትብል ወይስ ብገዛእ ርእሰይ፧ ናይ ውሽጢ መልሲ የድሊ!
  2. ኣብ ስጋ ትውክልቲ ምግባር ወይ ብስጋ ምምኻሕ እንታይ ማለት እዩ (ፊሊ 3፡2-7)፧ ሕማቕ ድዩ’ኸ፧
  3. ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ክትገብሮም ካብ ዝሓሰብካን ዝመደብካን ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ እዚን እትን እትብሎም ኣለዉ’ዶ፧ ወይስ ኩሉ እትገብሮ ብድድ ኢልካ ኢኻ እትገብሮ፧
  4. ኣብዚ ሰሙን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓጸርቲ ኮነ ዓበይቲ መደባት ክትገብር ኢኻ። ነፍሲ-ወከፍ ንግሆ ገለ ደቓይቕ ወሲድካ ክትጽሊ ፈትን፣ ደግፍካን ትውክልትኻን ኣብ እትገብሮም ነገራት ኣብ ክርስቶስ ክኸውን ጸሊ፣ ኣብ ስጋ ዘይኮነ።

 

ጠቃሚ ምኽርታትን ተወሳኺ ሓሳባትን

መትከላት ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ዓውደ ንባብ ዝርከቡ ኣበሃህላታት ምትርጓም

ብዙሕ እዋን፡ ቃላትን ኣበሃህላታትን ቃል ኣምላኽ ምትርጓም፡ ቅድሚ ምርዳእ ሓደ ጥቕሲ ኮነ ዓውደ ንባብ ንወስድ ኢና። እዚ ኣብ ገለ እዋን ብዙሕ ክሰርሓልናን ክጠቕመናን ይኻል እዩ፣ ኩሉ ግዜ ግና ንሓሳብ ዓወደ ንባብ ንምርዳእ ኣይሕግዝን እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ዓውደ ንባብ ምርዳእ፣ ንቃላት ጥራይ ትርጉሞም ምርዳእ ማለት ኣይኮነን። ቃላት ምርዳእ ንሓሳብ ጥቕሲ ክንርዳእ ይሕግዝ እዩ። ከምኡ ድማ ምርዳእ ጥቕሲ ንትርጉም ቃላት ክንፈልጥ ይሕግዝ እዩ። ስለዚ ክልቲኣቶም ተተሓሒዞም ዝኸዱ እዮም።

ስለዚ፡ እናኣንበብካ እንከሎኻ፡ እዚ ሕቶ ንምሕታት ንእሽቶ ግዜ ውሰድ፣ “ብዛዕባ እዛ ቃል እዚኣ፡ ኣብዚ ትሕዝቶ ዓውደ ንባብ እንታይ ክመሃር ይኽእል፧” ኢልካ ምሕታት።

ገለ መዓልታት ፈሊኻ ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ ደጋጊምካ ብፍጥነት ኣንብቦ፣ ብድሕሪኡ ድማ ቀስ ኢልካ ግዜ ወሲድካ፡ ብዕምቖት ምጽንዑ ጀምር።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply