ጽንዓትን ሓይልን ጐይታ

መእተዊ

“…ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ።

ብዙሕ ግዜ ክእለት ከለና፣ ብስንኪ ብርታዔ ምስኣን፡ ብዙሕ ነገራት ካብ ኢድና ይወጽእ᎓ ብጸላኢ ድማ ይማረኸና። ቃል ኣምላኽ ምንጪ ብርታዐ ኣማኒ እንታይ ከም ዝኾነ ኣብዚ ክፍሊ ይነግረና። ብርቱዕ እንተ ኾይኑ ኣማኒ ብጐይታ እዩ ዝብርትዕ። ቀዳማይ ንክርስቶስ ብምጥማት ኣብኡ ብምትኳር ዝመጽእ ሓይሊ ኣሎ። ከምኡ’ውን ካብኡ ብንቕበሎ ሓይሊ ድማ ንብርትዕ። ህይወት ኣማኒ ምስ ክርስቶስ ብዘለዎ ርክብ እዩ ዝብርትዕ።

መዝ 105.4 እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ ይብለና። ኣብ ቁጽሪ 24 ድማ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ካብ ተጻረርቱ ኣብዝሖ ይብለና። ንእግዚኣብሄር ምስ ትደልይ᎓ ብሓይልኻ ብኽእለትካ᎓ ብዘለካ ንብረት ስልጣን ወይ ወለዶኻ ወይ ኣለዉኒ ብትብሎም ሰባት ዘይኮነስ ብሓይሉ ክትተኣማመን ምስ ትጅምር ኣምላኽ ድማ የበርትዓካ።

ቀንዲ ሓሳብ

ዳዊት ሳኦል ንከይቕተል ዝሃደመ ሰብ እዩ ካብ ገዝኡን ዓዱን ወጺኡ ኣብ ስደት ዘሎ ሰብ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ጸላኢ መጺኡ ድማ ንኣንስቶም ደቆምን ንብረትን ዳዊትን ሰቡን ማሪኾምሉ። ኣብቲ ኣንስቶም᎓ ደቆም᎓ ንብረቶም ኹሉ ነገራቶም ስለዝሰኣኑ፡ ብብኽያት ሓይሊ ክሳዕ ዝስእኑ ኣብ ልዕሊ ዳዊት ተመሪሮም ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ምስ ተንስእዎ ዳዊት ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣተወ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ።

እግዚኣብሄር ምሳኻ ከም ዘሎ ክርድኣካ ኸሎ᎓ ንተስፋ ቃሉ ክትዝክር ከለኻ᎓ ናብቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ መንፈስ ብምድጋፍ፣ ብእግዚኣብሄር ትጸንዕ። ክትብርትዕ፡ ንሰባት ወይ ንጽቡቕ ኹነታት ክሳዕ ዝመጽእ ክትጽበ የብልካን ልብኻ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን ከተበርትዕ ይግባኣካ።

ኣማኒ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ካብ ክርስቶስ ብእምነት ብዝቕበሎ ሓይሊ እዩ ዝመላለስ። ኣብ ክርስቶስ ዘለና እምነት ንቕድስና᎓ ንክርስትያናዊ ህይወት᎓ ንመንፈሳዊ ውግእን ኣብ ኹሉ መዳይ ህይወት ዝኸውን ሓይሊ ይህበና። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ከቢድ ውግእ ንዘለዉ ሰብ ኤፌሶን ኣጆኹም ብጐይታ በርትዑ ክብሎም ንርኢ። ብርታዔ ኣማኒ ብጀካ ካብቲ ሓይሊ ዝህብ እግዚኣብሄር ካብ ካልእ ኣይመጽእን እዩ። ኣምላኽ ዘጽንዕ ሓይሊ ኣለዎ᎓ ነዚ ሓይሊ ብክርስቶስ ነቶም ብእምነት ዝመጽዎ ኣመንቲ ይህቦም። ሓይሊ ኣምላኽ፣ እምነቶም ኣብ ክርስቶስ ንዝገበሩ እዩ ዝመጽእ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለና እምነት፣ ንህይወትና ዘድልይ ፍሉይ ጸጋ የምጽኣልና። ክርስቶስ ነቶም ዝኣመንዎ፡ ብሓይሉን ብጽንዓት ሓይሉን፡ ብርታዔ ይህብ።

ዚንበብ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ኤፌ 1

መዛተዪ ሕቶታት

  1. ተስፋ ኣብ እትቆርጸሉ እዋን እንታይ ትገብር፧
  2. ሓይልኻ ደኺሙካ ኩሉ ነገር ኣሰልችዩካ ይፈልጥ’ዶ፧ እንታይ ትገብር፧
  3. ዝኸብደካ ነገራት እተዛርቦ ሰብ ኣሎካ’ዶ፧ መን እዩ፧ ስለምንታይ፧
  4. ኣብዛ ሕብረት ብፍሉይ ነገርካ እተካፍሎ ሰብ እንተሎ፣ ስለምንታይ መሪጽካዮ፧
  5. ናይ ምትብባዕ ቃላትን ኣጆኻ ምብህሃልን ልምድኻ ከመይ እዩ፧
  6. ብርታዔን ጽንዓት ጐይታ ኣብ ህይወትካ ንገር!

መጠቓለሊ ሓሳብ

ሓይሊ ዝሰኣነ ብጐይታ ክብርትዕ ይኽእል እዩ። ጐይታ የበርትዕ እዩ። ንሱ ድኻምና ወሲዱ ሓይሉ ይህበና። ጸላኢ᎓ ፈተና᎓ መከራ… ምስ መጸ ደው ኢልኩም ምእንቲ ክትስዕርዎ ብጐይታ በርትዑ᎓ ብጽንዓት ሓይሉ በርትዑ። ከይመጸ ከሎ ብጐይታ በርትዑ᎓ ምስ መጸ’ውን ሓይሊ ካብ ካልእ ኣይትጸበዩ። ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እዩ ዝወሃብ። ካብ ብዝሒ ገንዘብ᎓ ኣዝማድ᎓ ስልጣን᎓ ሃብቲ᎓ ትምህርቲ… ሓይሊ ከም ዘይመጽእ ፍለጥ። ኻልእ ነገራት ኹሎም ሓይሊ ዝሃቡና ክውሰደና ይኽእል እዩ፡ እቲ ሓቂ ግና እቲ ዘይደክም ጽኑዕ ሓይሊ᎓ ሓይሊ ጐይታ እዩ።

ኣማኒ እምነቱ ኣብ ካልኦት ነገራት ክገብር ክጅምር ከሎ ይደክም። ብርታዔ ዘይብሉ ወይ ሓይሊ ዘይብሉ ድኹም ሰብ ድማ ኣብ ውግእ ክወጽእ ኣይግብኦን እዩ። ከምኡ ድማ ሓደ ኣማኒ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ክስዕር እንተ ኾይኑ ብርቱዕ ክኸውን ይግብኦ። ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ናይ ህይወት ውግእ ኣብ መንፈሳውን ኣብ ስጋዊ ዓለም ስዒሩ ክወጽእ ብክርስቶስ የሱስ ንዝተመደበሉ ሓይሊ ብእምነት ሒዙ ክመላለስ ኣለዎ።

ክብርትዕ ዝደለየ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሕብረት ክገብር ከሎ ብጐይታን ካብ ጐይታ ብዝረኽቦ ጽኑዕ ሓይልን ይብርትዕ። ብጐይታ ክትብርትዕ ከለኻ ድማ ንጸላኢኻ ትስዕር።

እትጽናዕ ጥቕሲ

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። ኤፌ 6፡10

 

ንምሉእ ትሕዝቶ መጽናዕቲ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ልጥፎ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፣ –

https://usercontent.one/wp/www.wihbet.com/wp-content/uploads/dlm_uploads/2019/11/Bible-Study-Material-2019-Last-3-months.pdf

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. Anonymous

    Senay ሓወይ ኣምላኽ ይባርኽካ!

Leave a Reply