ሉተርን ቪተንበርግን ብ1527

ማርቲን ሉተርን ቪተንበርግን ብ1527 ሓደ ለበዳ ሕማም መጾም። ብወርሒ ነሓሰ 1527 እዩ፣ ኣብታ ዘገልግለላ ዝነበረት ከተማ ቪተንበርግ፡ ሓደ ለበዳ ሕማም ስለዝተላብዐ እታ ከተማ ኣብ ፍጹም ጸልማት ኣተወት። ነገራት ኩሉ ፍጹም ተዓጽወ። ብዓልቲ-ቤቱ ካትሪና ቮን ቦራ ድማ ነፍሰ-ጾር እያ ዝነበረት። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2ቈረ 1.8 ጽሒፍዎ ዘሎ ድማ፣

“ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና።” 

ብምባል፣ ነቲ ዝሓልፍዎ ዝነበሩ መከራ ዝገለጾ። ከምኡ ድማ ማርቲን ሉተር ኣብ ቪተንበርግ ኣብ ልዕሊ እቲ ብምኽንያት እምነቱ ዝወርዶ ዝነበረ መከራ፡ እቲ ለበዳ ሕማም ድማ ተወሳኺ ክብደት ኮይንዎ ነበረ። ዉሉዱ ሞይትዎ። ብጸቕጢ (ማለት depression) ኣዝዩ ጸቢብዎ ነበረ። ብሕማም ድማ ክሳብ ኣፍ ሞት በጺሑ እዩ። ህይወቱን ናብርኡን ኩሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ሞት ተዋሒጡ የሕልፍ ነበረ።

ዝኾነ ዝረኸቦ ሰብ ድማ፣ ንክቀትሎ ካብ ብቻርለስ ሓሙሻይ ዝተኣወጀ ሕጋዊ ናይ ሞት ኣዋጅ ከምዚ ይብል ነበረ፦

“ስጋይ፡ ነፍሰይን  ደመይን ኩሉ፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት መንግስተይ ብምሉኡ፡ ማርቲን ሉተር ካብ ገጽ ምድሪ ንክጠፍእ ኣዚዘ ኣለኹ።” ኢሉ ኣዋጅ ኣውጽአ  (Heiko A. Oberman, Luther: Man between God and the Devil, 29)።

ብሕማም ኮላሊትን ናይ ርእሲ መርዚ ማለት ማይግሬን፣ ብድርቀት ከብዲ፡ ብቁስሊ ኣእዛንን ብርቱዕ ረስንን ነዲዱ ይሳቀ ነበረ። ነዚ ኩሉ ተኸቲሉ ዝመጸ ብቡቦኒክ ፕላግ – ወይ ጸሊም ሞት (Black death) ዝፍለጥ ለበዳ ድማ፣  ህይወት ብዙሓት ሰባት እንዳወሰደ መጸ። እዚ ሕማም ካብ ቻይና ተበጊሱ ካብ 1347 ክሳብ 1350፡ ከባቢ 1/4 ህዝቢ ኤውሮጳ ኣህሊቁ ነበረ። ደጊሙ ድማ ኣብ 15 ክፍለ-ዘመን፡ ዘመነ ማርቲን ሉተር ከቢድ ስምዒታውን  በሰላን ሽበራን ገዲፉ ዝሓለፈ ለበዳ እዩ። ካብ ከባቢ 30 ክሳብ 90 ሚእታዊት ተጠቓዕቲ ናይዚ ሕማም፡ ናይ ምቕታል ተኽእሎ ድማ ነበሮ።

ካብዚ ናይ ሞት ህሞት ንምህዳም ድማ ብዙሓት ካብታ ከተማ ሪሒቆም፣ ቪተንበርግ፣ ክሳብ ጭር ምባልን፡ ናይ ክፏት መናፍስቲ መንበሪ መሲላ ነበረት።  ናይ ሳክሰኒ (Saxony) ልዑል ዮሃንስ (ዮሃንስ ጽኑዕ – The Steadfast John)፣ ድማ ካብዚ ሕማም ንሉተር ንኽሃድም ብግዲ ኢልዎ ነበረ። ኮይኑ ግና ብዙሓት ብዕድመ ዓበይትን ድኹማትን፡ ብእምነቶም ምክንያት ኣብ ትሕቲ መከራ ዝነበሩ ኣመንቲ፡ ገዲፉ ንክሃድም ግና ኣይመረጸን።

ልክዕ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ ዝከኣሎ ዝበለ ናይ ጥዕና ጥንቃቄ እንዳገበረ፣ ምስ ነፍሰ-ጾር በዓልቲ ቤቱን ምስ ብጽኑዕ ዝሓመሙ፡ ኣብ ኣፋፌት ሞት ዝነበሩ ሰባት ብምዃን፡ ብጽንዓት ድኣ ኣገልገለ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ካብ 2-19 ነሓሰ፣ ሉተር ካብ ናይ ቀረባ ናይ ስጋ ኣዝማዱን ምስኡ ብቀረባ ዘገልግሉ፡ ከባቢ 18 ሰባት ሞይቶም ብገዛእ ኢዱ ቀበሮም። በዓልቲ-ቤት ከንቲባ ናይታ ከተማ፡ ቲሎ ዴን (Tilo Dene)፣ ብደገፍ ሉተር ካብ ኣፍ ሞት ኣምለጠት። ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ፡ ወዲ ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝነበረ ቀዳማይ ውሉዱ፡ ዮሃንስ ድማ ኣፍ ሞት ጥዒሙ፡ ኣምሊጡ፡ተረፈ። ድሕሪ ከባቢ ኣርባዕተ ወርሒ ማለት ታሕሳስ 10, 1527 ድማ፡ እቲ ዝነበረ ለበዳ ቁሩብ ሃድአ። ኣብቲ ግዜ ድማ እታ ኣብ ማህጸን ዝነበረት ካልኣይቲ ጓሉ፡ ኤልሳቤጥ ተወልደት። ኮይኑ ግና በዓልቲ-ቤቱ ገና ናይ ሸሞንተ ወርሒ ሓራስ እንዳሃለወት፡ ኤልሳቤጥ ጓሉ ሞተት።

ማርቲን ሉተር፡ ነቲ ናይ ልቡ ቃንዛን ሓዘንን፡ ዝነበሮ ኩሉ ስንብራት ክገልጽ እንከሎ ድማ ከምዚ ኢሉ ገለጾ፦

“ህጻን ጓለይ ኤልሳቤጥ ሞይታትኒ! ልበይ ብጣዕሚ ደምዩ፤ ሓሚሙ`ውን ኣሎ። ክሸከሞ ዘይክእሎ ከቢድ ሓዘን ገዲፋትለይ ከይዳ ኣላ . . . ብጣዕሚ ከቢዱኒ ኣሎ። በጃካትኩም ናብ ጐይታ ብጸሎት ደግፉኒ።” (Luther’s Works 49:203).

ኣዲኣ ካተሪና ብወገና ድማ፣ ጸጋ ብዝተመልአ ቃላት ገይራ፡ ሓዘና ከምዚ ክትብል ዝርግፍ ኣቢላ ደርጉሓቶ፤

“ኣንታ ብሩኽ ኣምላኽ፣ እዛ ጽብቕቲ ኤልሳቤጥ፡ ካብ ርህራሔካ ዝተላዕለ ሂብካኒ ነይርካ። በቲ ዝተዋሃብክዎ፡ ውህብቶ ድማ ኣዝየ ሕጉስቲ ነበርኩ።  ንኣምላኸይ ባሪኸ ድማ ኣመስገንኩ። ድሮ ለበዳ ሕማም፡ ጠፊኡ ከምዘይነበረ ኮይኑ እዩ! ይኩን እምበር፡ እቲ ቑጥዓስ ቅድሚ እዛ ጽብቕቲ ጓለይ ምውላዳ፡ ኢዱ ዘንበላ ይመስለኒ። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ፣ ፍትውቲ ኤልሳቤጠይ፣ ኣቡኣን ኣዲኣን ተፋንያ ናብ ክርስቶስ ከይዳ።”

ኢላ ከምዘልቀሰት፡ ኣብቲ ኣብ (Bainton, Roland H. Women of the Reformation in Germany and Italy. Augsburg: Fortress Publishers (1971) ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ።

ህይወት ብቀንዱ፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፣ ንሉተር እውን ኣዝያ ከቢዳቶን ፍጹም ኣጨኒቃቶን ነበረት። ካብቲ ኣብ ነሓሰ 2, 1527 ዝጸሓፎ፡ ኣብቲ ናይ መዓልታዊ መዘከርታ መጽሓፉ ድማ፡ ከምዚ ብምባል ኣስፊርዎ ንረክቦ፦

“ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ኣብ መንጎ ድነ ሞትን ሲኦልን ውሽጢ ተመላሊሰ ኣለኹ። ክሳብ እታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላትኒ እምነት እትፍተን ድማ፣ መላእ ኣካለይን መገጣጠሚ ኣዕጽምተይን ብብርቱዕ ቃንዛን ሕማምን ተሰቀየ። ናይ መከራ ውሕጅን ማዕበላትን እንዳተበራረዩ፣ እምነተይ ዝፍትን፡ ናይ ቀትሪ ለይትታት፡ ብጸልማት መዓልታት ከቲቶም የሕሊፎምኒ። ተስፋ ብምቁራጽ ንልበይ ብጣዕሚ ኣድኪምዎ እዩ።”

ብምባል ኣብታ፡ (The Man Between God and the Devil, 323) እትብል ጽሕፍቲ ሰፊሩ ንረኽቦ።

እዚ ኩሉ መከራ ግና፣ ወንጌልን ናይቲ ናይ ኩሉ ሰብ ናይ መጨረሽታ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ ካብ ምስባኽ ኣይዓገቶን። ምዓሉ፡ ምስ ቃል ኣምላኽ ነበረ። ልቡ፡ በቲ ንጹህ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ወንጌልን ዕዮ ወንጌልን ዘይጸዓድ፡ ትኩረቱ ዘይሳነፍን መጋብን ኣገልጋልን ነበረ። ትጉህ፣ ዘይስልኪ፡ ነቲ ዝጸውዖ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝበርሃሉ ወንጌል ሓቂ እሙን ነበረ። ናይ ስነ-መለኮት መምህርን መጋብን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘማሪ`ውን እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ዓይነት ኩነት ዝዝምር ዘማሪ። ኩነታት ዘልውጦን ዘየሰንፎን ዘማሪ። ከባቢ 36 ዝኾኑ መዛሙር ነይሮሞ። ካብዞም መዛሙሩ ውሽጢ ድማ፣ መዝሙር ዳዊት 46 መሰረት ብምግባር፡ ካብ 1527-1529 ኣብ ዝነበረ ግዜ ከምዝተጻሕፈት ዝንገረላ መዝሙር “ዕርድና ኣምላኽና እዩ” (A Mighty Fortress Is Our God) እትብል መዝሙር፡ ልዕሊ ካልኦት ቀዳመይቲ እያ ነይራ።

ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና።” (መዝ 46:1-3)

እዚ ናይ 16 ክፍለ-ዘመን፡ ሓዳስን መራሕ ተሃድሶን ማርቲን ሉተር፡ ቅድሚ ከባቢ 500 ዓመታት ዝኸውን ንለበዳ ሕማም ዝኸውን ምላሽ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ለበዳ ጸሊም ሞት ምስ ተሓተ፡ ሉተር ዝሃቦ ምላሽ፣ ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ፡ ቀውስን ዘይንጹር መጻኢታትን ዝኸውን፡ ገለ ምላሽ ዝሓዘ ይመስለኒ።

ኣብታ ናብ ኣገልጋሊ ዶክተር ጆን ሀስ፡ ዝጸሓፋ ደብዳቤ – ኣብ Luther’s Works እትብል መጽሓፍ፡ ኣብ ቅጺ 43, ገጽ 132, ኣብ ትሕቲ “ካብ ቀታሊ ለበዳ ሕማም ክንሃድም’ዶ ኣሎና፧” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝርከብ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:

ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ዝህቡካ ምክሪ ዘይምስማዕን ፍቓደኛ ኮንካ ዘይምክትታልን፣ ናብ ሞት ምምራሕ፣ ንእግዚኣብሄር ምፍታን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነፍሰ-ቅትለ’ውን እዩ። ስለዚ ዝዓበየ ሓጢኣት እዩ። ነቲ መሳኪን ምእመን፡ በዚ መገዲ ምምርሑ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሞቶም ተሓተቲ ይገብረና – ምኽንያቱ ድርብ ነፍሰ-ቀተልቲ ኢና እንኸውን።

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት፡ ገዛ ብሓዊ እንዳነደደ እንዳረኣዩ፣ “እግዚኣብሄር እንተፈትዩ፣ ነዚ ባርዕ ሓዊ ብዘይ ማይ ከጥፍኦ ይኽእል እዩ” ብምባል፣ እቲ ባርዕ ከተማ ምሉእ እንዳሃሞኸ፡ ከም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ እዩ።  ኣሕዋተይ፣ እዚ ብፍጹም ትክክል ኣይኮነን። መጥፊኢ ሓዊ ውሰዱ፡ ገዛውትኩም፡ ካንሸሎታትኩም መገድታትኩም ካብ ዝተክክ ርሱን . . . ሓዊ፡ ካብ ሓደ ገዛ ናብ ሓደ እንዳ ኸደ ካብ ዝላባዕ፣ እሞ ድማ ነታ ከተማ ብምሉኣ ክሳብ ዘጥፍኣ ኣይትጸበዩ . . . እግዚኣብሄር ብልኡላዊ ፍቃዱ [ብናይ ወዲ-ሰብ ናይ ጥንቃቄ ጉድለት ወይ ናይ ሰይጣን ክፋኣትን] ለበዳ  ሕማም መጺኡ ኣሎ።

እግዚኣብሄር ምሕረቱ ከውርደልናን ክሕልወናን ንጸሊ። ኮይኑ ግና፡ ክዕጠኖ ዘሎኒ ክዕጠን እየ፡ ነቲ ኣየር ንክነጽህ ደገፈይ ክገብር ምእንቲ፡ መድሃኒተይ ብስርዓት ተከታቲለ ክወስድ እየ። ኣብ ክርከቦ ዘይግብኣኒ ቦታ፡ ክረክቦም ዘይብለይን ሰባት ኣይክርከብን እየ። ምህላወይ ኣይዘየድለየሉ፡ ንካልኦት ምእንቲ ከይለክፍን ብካልኦት’ውን ከይልከፍን፣ ክገብሮ ዝግብኣኒ ብዘይምግባረይ፦  ከየጋድድን ክይብክልን፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ሸለልትነት ጠንቂ ምሟት ካልኦት ኣይከውንን እየ።

እግዚኣብሄር ክወስደኒ እንተደኣ ደልዩ፣ ብርግጽ ኣብ ዘለኽዎ ክረኽበኒ እዩ። እቲ ካባይ ዝጽበዩ ኩሉ ከምዝገበርኩን፣ በዚ ድማ ንሞት ገዛእ ርእሰይን ካልኦትን ድማ ሓላፍነት ኣይክህልወንን እዩ። ብጻየይ እንተደኣ ሓገዘይ ደልዩ፡ ንምድጋፉ ኣብ ዝኾነ ቦታን ንዝኾነ ሰብን ድሉው እየ፣ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ንጥዕናይን ናይ ካልኦትን ዘይጎድእ ምስ ዝኸውን ጥራይ። ስለዚ ነዚ ነገር ምግባር፣ ፈሪሃ-እዝግሄር ዘለዎ እምነት እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ እዚ ዓሻ ድርቕና ኣይኮነን፡ ከምኡ`ውን ንእግዚኣብሄር ምፍታን ድማ ኣይኮነን።

ስለዚ እቲ ሓላፍነታውን እሙንን ናይ 21 ክፍለ-ዘመን ኣማኒ፡ ከምዚ ሉተር ዝብሎ ዘሎ እዩ ዝገብር። ሉተር ነቲ ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ለበዳ ኣመልኪቱ፣ ክርስትያናት ክህልዎም ዝግባእ ግንዛቤ፡ ብዝምልከት ብዙሕ ምኽርታት ይህብ ነይሩ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ክህልዎም ዝግባእ ኣመላኽታን ክገብርዎም ዘለዎም ጥንቃቄታት ካብ ዝጸሓፎ፣ ነዚ ሎሚ ብዓለምና ደረጃ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ COVID-19 ብዝተተሓሓዘ፣ ንዓና ክኸውን ዝኽእል ብዙሕ መልእኽትታት ዘሎ ይመስለኒ እሞ፣ እንሆ ኣብዚ ታሕቲ የስፍሮ፦

▶️ መራሕቲ ሃገርን ህዝብን ከምኡ`ውን ናይ ቤተ-ክርስትያን መራሕቲ፡ እዚ ለበዳ ከይላባዕ ዝግባእን ዝከኣልን ጥንቓቄ ምግባር፡ ህዝቢ ምንቃሕ፡ ምምሃርን ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎም።

▶️ ሉተር ከም ዝበሎ፣ ጓሶት ማሕበራት “ቁጹራት ደሞዝተኛታት ኣይኮኑን” ግናኸ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ልክዕ ከምቲ ዓብዪ ጓሳ፡ ነፍሶም ምእንቲ እቲ መጓሰ ኣሕሊፎም ክሳብ ምሃብ ዝተጸውዑ እዩም (ዮሃ 10.11)። እቲ መጓሰ ንክርስቶስ ከመይ ክነብር ከምዘለዎ፡ ህይወቱ ንክርስቶስ ከመይ ከምዝህብ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ክምህሩ፣ ክጽልዩን ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ናይ መጋቢነት ኣገልግሎቶም ብእምኑነት ንምሃብ ሓደራ ኣለዎም። ናይ እግዚኣብሄር ፍቕሪ፡ ናይ ፈውስን ምሕረትን ኢድ መግለጺ ክኸውን ይግባእ።

▶️ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ለበዳ “ከነምልጠሉ ዘይንኽእል ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ እዩ። መፍትሒኡ ድማ ጸሎት ጥራይ እዩ።” ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ስለዝነበረ፣ በዚ ድማ ካብቲ ክግበር ዝግብኦ ናይ ንጽህናን ጽሬትን ጥንቃቔ ጉድለት ዝተላዕለ፡ ሉተር ኣዝዩ ሓዚኑን ጉህዩን ነይሩ።  ብከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ምኻድ ድማ፡ ክርስቶሳዊ ርሕራሔን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ኣካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓጢኣት`ውን እዩ ብምባል ብትሪ ኮነኖ።

▶️ ሓጢኣት፡ ብርግጽ እግዚኣብሄርን ሰብን ከምኡ’ውን ምስ ኩሉ ተፈጥሮ ዘሎና ዝምድና ኣበላሽዩ እዩ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 3  ከም ዝተገልጸ፣ ናይ ወዲ-ሰብ መርገም (ለበዳ ሕማማት`ውን ወሲኽካ) ውጽኢት ውድቀት እዮም። ብመሰረት ሓፈሻዊ ነጥበ-ርእየት ሉተር፡ እዚ’ውን ኣብኡ ጥቕሉል ኮይኑ፣ ለበዳ ጸሊም ሞት ብዘጋጠመሉ እዋን፡ “ህዝበ ቪተንበርግ ዝተፈለየ ሓጢኣት ስለዝሰርሑ ዝወረዶም ቁጥዓ ኣምላኽ እዩ” ኢልካ ምፍራድ፡ ስነ-መለኮታዊ ፍርሰት እዩ። ብከምዚ ኣባህላ ድማ፡ ነቶም ግዳያት ዝኾኑ ምኹናን፡ ርእስና ምጽዳቕን፡ ምስ ናይ እግዚኣብሄር ጽድቂ ምቕራንን እዩ። ቻይና፡ ኣሜሪካ፡ ጥልያን፡ እስጳኛ፡ . . .  ወዘተ እሞ፡ ካባና ብዝለዓለ ክፉኣት ሓጢኣተኛታት ኣይኮኑን!

▶️ ለበዳታት ሕማማትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ኩሉ ወሲኽካ፡ ካብ ሓጢኣት ዝተላዕለ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዘላ ዓለም ንነብር ምህላውና የዘክረና እዩ። ይኩን እምበር፡ ኩሎም ሓደጋታት ኣብ ውሽጢ ናይ ብገዛእ ርእሱ ልኡላውነቱ ክቱታት እዮም። ድምጹ ክንሰምዕ፡ ካብ ጥፍኣት ፈተና ክንምለስ፡ ህይወት ኣብ ኢዱ እምበር ኣብ ኢድና ዘይምዃና ንከርእየና፡ እግዚኣብሄር ናይ ምንቃሕን ናይ ምብርባርን ደወል የስምዓና ኣሎ። ብምኽንያት ሓጢኣት፡ ብፍርዲ ሞት ኣብ ትሕቲኡ ተገዚኦም ንዘለዉ መውጽኢ መገዲ፡ ብክርስቶስ የሱስ ትንሳኤ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ናይ ብስራት ወንጌል፡ ተስፋ ዝህብን ዘሐድስን፡ ኣብ ዝኾነ ኩነት ውሽጢ ንሃሉ፡ ክንእውጆ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተልእኮ እዩ።

▶️ ሉተር ብትክክል ከምዘስፈሮን ጐይታ ከምዝመሃረናን፣ “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና” ብምባል፣ ካብ ኩሉ ዓይነት ክፉእ፡ ሕማምን መከራን ናይ እግዚኣብሄር ናይ ምሕረትን ረዲኤትን ኢድ  ብምድላይ ብምምላድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ምቅራብ። ፈውሲ ውህበት እግዚኣብሄር እዩ። ብሕክምና ዝርከብ ፍወሳ`ውን ምንጩ ናይ እግዚኣብሄር ርዳእታ እዩ። ስለዚ COVID-19, ብጸሎትን ኢድና ብምሕጻብን ሕክምናዊ ምኽርታት ብምክትታልን ክንከላከሎ የድልየና እዩ።

▶️ ሉተር ከምዘስፈሮ፣ ንእግዚኣብሄር ናይ ምፍቃርና ምልክት፡ ንብጻይና ንካልኦት ከም ርእስና ገይርና ከነፍቅር ምኽኣልና እዩ። በዚ ናይ ፈተና እዋን፣ ንካልኦት ብፍቅርን ብርህራሔን፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ንዘክር – ብተግባር ዝግለጽ ናይ ክርስቶስ ፍቅሪ!

▶️ ማርቲን ሉተር በቲ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ ከምዘተሓሳሰቦም፣ ብዝኾነ መገዲ እንተሞትና ካብ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፍርዲ መዓልቲ ኮታ ኣይነምልጥ ኢና። ስለዚ ድማ፡ እቲ ዝዓበየ ሕቶ፡ ብዝኾነ መገዲ ምስ ጐይታ ገጽ ንገጽ ኣብ እንራኸበሉ ግዜ ድሉዋት ናይ ምዃንና ጉዳይ እዩ። እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ለበዳ፡ ልባትና፡ ከም ውልቀ ምእመን፡ ከም ማሕበርን ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ህይወትና እንፍትሸሉ ኣጋጣሚ እዩ። ህይወትና ኣብ ቅድሚ ጐይታ እንታይ ይመስል ኮን ይህሉ፧ 

▶️ ብናይ ሞት ፍርሃት ዘይኮነ፣ ብእምነት፡ ብተስፋን ብፍቕርን ክንነብር ይግብኣና – ካብዚኣተን ኩለን እትበልጽ ድማ ፍቅሪ እያ። ንጳውሎስ ብምክታል፣ ሉተር ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። (ሮሜ 14:7-8)

እግዚኣብሄር ኣቦናን ኣቦ ምሕረትን ርህራሄን፣ ብምሕረትካ ዘክረና፡ ፈውስኻ ልኣኸልና! አሜን!

ምንጪ

Martin Luther, Luther’s Works, Vol. 43: Devotional Writings II, ed. Jaroslav Jan Pelikan, Hilton C. Oswald, and Helmut T. Lehmann, vol. 43 (Philadelphia: Fortress Press, 1999), 119–38.

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has 2 Comments

  1. Anonymous

    Thank you for putting the article! I learned a lot!! Tebarek!

  2. ዘቢብ

    ኣዝዩ መሃሪ ኣብ ሂወት ክርስትና ክኣ ጠቃሚ መልእክቲ

Leave a Reply