ጸሎት

“ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና፡ በሎ።” ሉቃ 11:1

I. መእተዊ

A.   ኣብ መጽሓፍ ቕዱስ ልዕሊ 650 ጸሎታት ኣለዉ

B.   ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ብከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ንረኽቦ:

  • ነፍስና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እነልዕለሉ እዩ: መዝ 25:1; 143:8
  • ልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነፍስሰሉ እዩ: መዝ 62:8
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነእውየሉ እዩ: መዝ 86:3
  • መንፈሳዊ ዕጣን ንኣምላኽ እንዓጥነሉ እዩ: ራእ 5:8
  • ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚኣብሄር ብጸጋ እንቀርበሉ እዩ: መዝ 84:1-2; እብ 4:16
  • ጸሎት መንፈሳዊ መስዋእትን ፍረ ከናፍርን እዩ: እብ 13:15
  • ዕርኽነትና ሕብረትናን እምንቶናን ምስ ኣምላኽ ነምዕብለሉ እዩ: Jas 4:8

C.   ጸሎት ብዙሕ እዋን ብግጥማዊ መንገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ:

  1. ሕብረትን ርክብን
  2. ናይ መጀመርያ ወንጌላዊያን ንክርስትና ክሳብ ኣብዚ ከብጽሕዎ ዝገበሮም ቅብኣት ናይ ጸሎት ሓይሊ እዩ
  3. ወዲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ክራከብ ክገብሮ ዘለዎ (effort)
  4. An audience with the Father.
  5. ንጹህ፡ ጽሩይን ፍቕራዊ መንገዲ ነፍሳትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እነፍስሰሉ መገዲ እዩ።
  6. ናይ ክርስትያን ህይወት እተተንፍሰሉ መገዲ ጸሎት ጥራይ እዩ
  7. ኩሉ ስሚዕታትና ኣብ ቅድሚ ህላውነት ኣምላኽ እነምጻሉ መገዲ እዩ
  8. “ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወትና ንኣምላኽ እንራኸቦ ሰባት እንተኮይንና ኣብ ናይ ብሕቲ ህይወትና ንኣምላኽ ብግዲ ንነብር፡ ብብሕትና ንኣምላኽ እንሰምዖ እንተኽዕይንናን ኣብ ህዝቢ ዝተኣኸበሉ ድማ ብግዲ ክዛረብ እንከሎ ንስምዓዮ።” (Bounds)
  9. እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንሓጢኣት እንቃለሰሉ ኣብራኽና እዩ
  10. እቲ ዝበለጸን ዝሓየለን ሓይሊ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ጸሎት እዩ
  11. The spectacle of a nation praying is more awe-inspiring than explosion of A bomb (J.E. Hover)
  12. ጸሎት ምምላስ ድማ እግዚኣብሄር ደኒኑ ንደቁ ክስዕሞም እንከሎ ማለት እዩ

D.   እምነት ዘይብሎም ኣብዚ ዘመን ንጸሎት ዝቃወሙ ካብ ዝብልዎ ነገራት:

  1. ንናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ (psychological benefit): ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ዝህብ እንተኮይኑ ዘይኣምኑ ጸሊዮም ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ክረክቡ ይኽእሉ እዮም ይብሉ።
  2. ስለምንታይ ንጽሊ እንተደኣ እግዚኣብሄር ኩሉ ዘድልየና ይፈልጥን ኮይኑ? እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ከም ኣቦ ክንሓቶ ይደልየና እዩ
  3. ተኣምራት ዝብሃል የለን ኣምላኽ ድማ ጸሎት ኣይምልስን እዩ

E.   ንኣምላኽ ፍቕርናን እምነትናን ብብዝሒ ኣብ ጸሎት እነሕልፎ ግዜ ኢና እነርእዮ

F.   ዘይምጽላይ ሓጢኣት እዩ: 1 ሳሚ 12:23

G.   ኩሎም ናይ ኣምላኽ ሰባት ጸሊዮም እዮም፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያት፡ ናይ መጀመርታ ቤተክርስትያንን ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብ ብሉይ ኪዳንን

H.  ጸሎት ኣብ ኩሉ ጽላት ህይወትናን ምንቅስቃስናን ሓይሊ ይህበና እዩ

  1. ትብዓት ኣብ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት: “up-reach, in-reach, then out-reach”
  2. ብመንፈስ ዝተመርሐ ናይ መዝሙርን ኣምልኾን ኣገልግሎት ንምህላው
  3. ካብ ልቢ ዝኽዕነ ሓጎስን ደስታን
  4. ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ንክትወጽእ ትብዓት ይህበካ

I.      ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸሎታት ኣሎ

  1. ናይ ውልቂ/ ብሕቲ ጸሎት: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌቴሰማኔ ዝጸለዮ ጸሎት
  2. ናይ ሓባራዊ ወይ መጥቃዕታዊ ጸሎት (Arrow prayers): ነህ 2:4

J.    ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ወይ ልቢ ብጽቡቕ ዕንባባ ዝመሰለ ዝተወቃቀበ ቃላትን ነገራትን ኣይንረክቦን ኢና፡ ብዘይካ ኣዝዩ ትሑትን ምሕረተኛን ዝኾነ ልቢ ሃልዩና።

K.   ምሕንባስ ብምሕንባስ ኢኻ ትመሃሮ፡ ብሽግለታ ምዝዋር ብምዝዋር ኢኻ ትመሃሮ። ምጽላይ ከኣ ብምጽላይ ኢኻ ትመሃሮ

 

ሓንቲ ሰዓት ጸሎት፡ ንዓለም ትልውጣ እያ

 

ጸሎት

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.