ትምህርቲ ንሓደስቲ

መላለዪ ትምህርቲ ድሕነት

  • እብራውያን 5፡11-13፤ “ብዛዕባኡ ብዙሕ እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጕሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህርኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩጸባ ዝቕለበ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጽሑኣት እዩ።”

ሰለስተ ዓይነት ሰባት ኣሎዉ፤

  • ካብ ኣምላኽ ዘይተወልዱ
  • ካብ ኣምላኽ እተወልዱ፡ ግናኸ ቘልዑ
  • ካብ ኣምላኽ እተወልዱ፡ ብጹሓት

ክልተ ዓይነት ትምህርቲ ክርስትና ኣሎ፤

  • ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ
  • ናይ ብስለት ትምህርቲ ብጹሓት ናይ ቃል ኣምላኽ

ክልተ ደረጃታት መንፈሳዊ መግቢ ናይ ክርስትና፤

  • መንፈሳዊ ጸባ ነቶም ካብ ኣምላኽ እተወልዱ ኣብ ደረጃ ቝልዑ ዘሎዉ (2ይ ጴጥሮስ 2፡1-2)
  • መንፈሳዊ ዕጹም መግቢ ነቶም ካብ ኣምላኽ እተወሉ ኣብ ደረጃ ብጹሓት ዘሎዉ

ነቶም ከም “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ”፡ “ጸባ” ኢሉ ዚጸውዖም መባእታዊ ትምህርቲ ክርስትና፣ “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነረሩ” ኢሉ ረቝሑ፡ ከምዚ ኺብል ሽዱሽተ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ዘርዚሩ እንሆ፤

  • እብራውያን 6፡1-2፤ “ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሓዲግና፡ ብንስሓ ካብ ምውት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምውታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።”

እቶም ዘርዚሩልና ዘሎ፡ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ” ድማ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤

  • ንስሓ ካብ ምውት ግብሪ (እብራውያን 9፡15) (ህይወት ዘየብሉ ስርዓት ሃይማኖት)
  • እምነት ብኣምላኽ
  • ትምህርቲ ጥምቀት
  • ምንባር ኣእዳው
  • ትንሳኤ ምውታት
  • ናያ ዘልኣለም ፍርዲ

እንተ ዀነ ግና፡ እዞም ሽዱሽተ ትምህርታት እዚኣቶም፤ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ”፡ ንሱ ድማ “ጸባ” ከም ዚዀነ ገሊጹ፣ “ጸባ ዝቕለበ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ” ኢሉ ነጊሩና ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ነዞም ዘርዚርዎም ዘሎ ሽዱሽተ ትምህርታት፤ “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። እዞም ትምህርታት እዚኣቶም እምብኣር፡ ነቶም ካብ ኣምላኽ ከም እተወልዱ ዚፈለጡ፡ ዚውሃብ ናይ መጀመርታ፤ “ትምህርቲ ናይ ቃል ኣምላኽ”፡ “መግቢ መንፈሳዊ ጸባ” ከም ዚዀኑ ኣቕልበሉ።

የሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይተወሊድና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይነርእያ ነጊሩ። ቀጺሉውን ካብ መንፈስን ማይን እንተ ዘይትወሊድና ንመንግስቲ ከም ዘይንኣትዋን ኣትሪሩ ነጊሩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ክንውለድ ናይ ግዲ እዩ፡ ኢሉ ኣትሪርዎ። ነዚ ሓሳብዚ ኣብዚ ዚቕጽል ጽሑፍ ንበቦ፤

  • ዮሃንስ 3፡1-8፤

ከመይ ኢልና ካብ ኣምላኽ ከም እንውለድ ድማ፡ ብንጹር ከምዚ ኺብል ተጻሒፉልና እንሆ፤

  • ዮሃንስ 1፡11-13፤ “ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበለዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።”

ካብዚ ጽሑፍ እዚ ድማ፡ ክርስትና ከመይ ኢልና ከም እንጅምሮ ክነግረና ኸሎ ኣርባዕተ ስጕምቲታት ነጊሩና ኣሎ፣ ንሳቶም ድማ፤

  • ነቶም እተቐበልዎ” ኢሉ ንክርስቶ ብግሊ ክንቅበሎ ከም ዚግባእ ሓብቢሩ
  • ብስሙ ንዝኣምኑ” ኢሉ፡ ወንጌል ሰሚዕና ክንኣምን ከም ዚግብኣና ሓቢሩ
  • ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም” ኢሉ፡ ውሉድ ኣምላኽ ከም እንኸውን ሓቢሩ
  • ንሳቶም ካብ ኣምላኽ” እተወልዱ እዮም፡ ኢሉ ንውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኣረጋጊጹ

እምብኣር፡ ክርስትና፤ እንቕበሎእንኣምኖእንዀኖ እዩ። ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒና ንቕበሎብስም የሱስ ክርስቶስ ንኣምንውሉድ ኣምላኽ ንኸውን

ሕጂ እምብኣር፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ቅድሚ ምቕጻልካ፡ ንስኻ ነዚ ትምህርቲ ዘሎኻ፡ ነቶም ክትምህሮም ተቐሪብካ ዘሎኻ፡ እዚ ትምህርቲዚ፡ ትምህርቲ ናይቶም ካብ ኣምላኽ እትወልዱ ከም ዝዀነ ንገሮም። ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ተቐቢሎም፡ ብስም ወዲ ኣምላኽ ኣሚኖም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኖም እንተ ዀይኖም ሕተቶም። ካብ ኣምላኽ ከም እተወልዱ ዘይፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ወንጌል ምድሓን ኣረዲእካ፡ ቕድም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ገቢሮም ኪቕበልዎ ኣረድኣዮም። ኪቕበልዎ ፍቓደኛታ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ብጸሎት ምርሓዮም። ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ገቢሮም ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰኖም ግና፡ ነዚ ትምህርቲ ኪትቍለሎም ኣድላይነት የብሉን።

ነቶም እተቐበልዎ ግና፡ ነዞም ኣብ እብራውያን 6፡1-3 ተዘርዚሮም ዘሎዉ ሽዱሽተ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ” ብሓጺሩ ኣብርሃሎም። እቶም ካብዚ ቐጺልና ትምህርታት ግና፡ ካብዞም ኣብ እብራውያን ተዘርዚሮም ዘሎዉ ኣርሕብ ኣቢልና፡ ነዞም ሽዱሽተ ትምህርታት እዚኣቶምውን ከም ዚሓቝፉ ገቢርና ከም እንቕጽል ሓብሮም። እቶም እንምሃሮም ትምህርታት ድማ፡ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤

  • ቅዱሳት ጽሑፋት
  • ሰብ
  • ሓጢኣት
  • ሞት በጃነት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሓንና
  • ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምድሓንና

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.