መስቀል፡ ዋጋ ሓጢኣተይ

ኣብ እግሪ መስቀል ምብካይ

ሎሚ ዓርቢ ስቕለት ኢልና እንጽውዖ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዘሕዝን መዓልቲ እዩ። ጐይታ እተሰቕለሉ መዓልቲ።

ደም እንዳፈሰሰ፡ ካብ ርእሱ ብገጹ እንዳ ሓለፈ። ነቲ ፈጣሪ ኲሉ ዝኾነ ኣኽሊል እሾኽ ምስ ሰለምዎ። ቃላት ቃንዛን ቅዛነን ካብ ኣፍ’ቲ፣ ብቃል ኣፉ ንኩሉ ዝፈጠረ ምስ ወጸ። ወተሃደራት እንክሃርምዎን ከጋፍዕዎን፣ ደቂ ሰባት ከሳቕይዎን፡ ንሞት ኣሕሊፎም ክህብዎን እንከለዉ ዝዝከረላ መዓልቲ እያ። ብኣደባባያት ዮርሳሌም ፉሑኽ እንዳበለ ክሓልፍ፡ ከቢድ መስቀል ኣብ እንግድዕኡ ተዘፍዚፉ ከሸግሮ፡ ብዙሓት ኣራእሶም ነቕሊቖም ክባጭዉ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ዜብህግ ኣይኮነን፡ ርኢኻ ገጽካ እትኽውለሉ እዩ ነይሩ። ነቲ ሙሴ ክርእዮ ዝፈርሀን ዘይከኣለን ገጽ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ሰብ ምስ ኮነ፡ ደቂ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ከለልይዎ ስለ ዘይከኣሉን (ኢሳ 52፡14)፡ ኣላገጽሉ፡ ወቕዕዎ፡ ጸፍዕዎ፡ ገረፍዎ፡ . . . ኮታ ዝኽእልዎ ኩሉ ገበሩ።

ኩሉ እቲ ብነብያት ቅዱሳን ሰባት ብዛዕብኡ ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም፡ እዚ ኮነ። ንፍርድን ግፍዕን ደቂ ሰባት፡ ኣሕሊፉ ተዋህበ። ንሕና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቛጸርናዮ። እግዚኣብሄር ዝገደፎ ዝፈንፈኖ እዩ ዝመሰለና። ንሕና ድማ ከም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ንኣፍ በላዕተኛ ተዋሃብና። ነፍሲ ወከፍና ነናብ መገድና ዘምበልና። ሓደ ዝፈትዎ ወደ መዝሙሩ፡ ብምስዓም ኣሕሊፉ ክሒዱ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራት ኣውደቆ። ብመውቃዕቲ ክሳብ ዝደኽሞም፡ ገረፍዎ፡ ኣቑሰልዎ፡ ኣላደይዎ፡ ክሳብ ጋሕ ጋሕ ዝኸውን፡ ጡፍ እንዳበሉ ኣዋረድዎ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን (ኢሳ 53፡1-12)። ዝባኑ ቆሲሉ፡ ብደምን ምጉልን ጨፈቕፈቕ ምስ በለ፡ ናይ ሞት ጽዋእ ክሰትይ፡ ከምታ ናብ ማሕረዲ እትኽብከብ ገንሸል ናብ ጎልጎልታ ኣምረሐ።

ብዝሒ ቃንዛን ፍቅሩን

ብርግጽ ስቓዩን ቃንዝኡን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ብዙሕ እዋን ነዚ እንክንሓስብን ከነስተንትንን ንብዓት ክስዕረና፡ ስቃዩ ክዝከረና ግድን እዩ። ከምቲ ንማርያም ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ ዝበላ፡ ልክዕ ቃንዛን ስቓይን የሱስ ክርስቶስ ክንሓስብ ከምዚ ይስምዓና ይኸው ይብል። ምፍሳስ ደሙ፡ ኣውያቱ፡ ገዓሩ፡ ስቓዩ፡ ኮታ ኩሉ እቲ ዘሕለፎ። ጐይታ ናብ ሮማውያን ኣሕሊፉ ምስ ተዋህበ፡ ደሙ ዛሕዛሕ እንዳበለ፣ ክገረፍ ክንደይ ይመርር። ኣዝዩ ሮጊድ፡ ገዘፍቲ መሳምር ኣብ ኣእዳዉ ክሽንከርን ክኣቱን እንከሎ፡ ነፍሲ-ወከፍ ማህረምቲ ናይቲ ማርቴሎ ኣብ ኣእዛኑ ክቃጭል እንከሎ፣ ዘሎ ስቃይን ስቅቕታን፣ ንልቢ ንውሽጢ በሲዑ ዝኣቱ ስቃይ እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን፡ እቶም ክድንግጹ ዘይክእሉ ሰባት ጥራይ እዩ፣ ኣፍጢጦም ነቲ ትርኢት ክርእዩ ዝኽእሉ።

ግና ምላሽ፡ ነዚ ንሕና ኣብ ዓርቢ ስቕለት እንሓዝኖን እነስቆርቁሮን እንነብዖን፣ ምላሽ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ይኸውን፧ ጐይታ የሱስ እንታይ ኢሉ መሊሱ ይኸውን በታ እተሰቕለላ፡ እተሳቀየላ ዕለት፧ ቅድሚ ከባቢ 2018 ዓመታት በታ እተሰቕለላ ግዜ ዝመለሶ መልሲ እምበኣር፣ “. . . ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። ሉቃ 23፡28

ዘስደምም ምላሽ የሱስ

ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ጎልጎልታ ዘጋጠሞ ነገራት ሓደን ፍሉይን፣ ሕፍረት ኲሉ ዓለም ሒዙ ምስቃሉ እዩ (እብ 12፡2)። ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዓለም እዩ ተሰቂሉ፡ ከም ሰራቒ፡ ሌባ፡ በርባሪ ወዘተ። እቲ ምስቓሉ ድማ ሕፍረቱ ንዒቁ፡ ጥራይ ዕርቃኑ እዩ ተሰቂሉ። ነዚ ነገር’ዚ ክንውስኸሉ ትንቢታዊ መዝሙር ከምዚ ይብል፣ መዝ 22፡7 ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎ፣ ብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ ኣለዉ። ኣብዚ ዝገርም ነገር መከራን ስቃይን ምርካብ ሓደ ነገር እዩ፣ ዓለም ኩሉ፡ ኩሉ ህዝቢ እናረኣየካ ተኒዕቕካ ጥራይ ሕፍረትካ ምስቃል ድማ ካብኡ ዝገደደ ሕፍረት እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ፡ ሕፍረቱ ንዒቑ ዝሓፈረልና።

ምብጫው፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ የሱስ ጥራይ ዘይኮነ ዝፍጸም ዘሎ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ነብያት እተዛረብዎ ትንቢን’ውን እዩ። ነተን ክስዕብኦ ዝፈተና ኣንስቲ፡ ብንብዓተን ብልመናአን፡ ነቲ እተባህለ ትንቢት ተፈጻሚ እንዳ ገበራ፡ ብነጠብጣብ ንብዓት ተከቲለንኦ እየን። ሎሚ’ውን ንሕና ንስቕለት የሱስ ክንዝክር እንከሎና ነጠብጣብ ንብዓት ካብ ኣዒንትና ይፈስስ ይኸውን። ግና መገዲ መስቀል የሱስ ክርስቶስ፡ መገዲ ነጠብጣብ ደም እዩ ነይሩ። ደም እንዳ ነዝዐ ክሳብ መስቀል ተጓዕዘ። ኣብዚ ከምዚ ኩነት እዩ እምበኣር፡ የሱስ ምስቲ ኩሉ ቃንዝኡን ስቃዩን፡ ቁሊሕ ኢሉ፡ ብስብርባር ቃላትን ምስ ብዙሕ ጻዕረ-ቅዛነን፡ ገጹ ምልስ ኣቢሉ ምሉእ ጸጋ ዝኾነ፡ ዘገርም ቃላት ዝምልሽ ዘሎ፡ የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይሉቃ 23፡28.

በዛ ዕለተ ዓርቢ እምበኣር እዩ፣ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ኮይኖም ዝድንግጽሉን ዝሓዝኑሉን ዝነበሩ ኩሎም፡ እዚኣቶም እቶም ዘይጸረፉዎን፡ ዘይረገምዎን፡ ዘየባጨሙሉን ግናኸ ኣብ ጎድኑ ዝተሰለፉ፣ ዘገርምን ዘስደምምን ምላሽ ዝህቦም ዘሎ። ትእዛዛዊ ብዝመስል ንብዓቶምን ድንጋጸታቶምን ንከይቅጽል ዝገብር መልሲ። ነታ ተሪፋቶ ዘላ ጽዋእ ንምስታይ ድማ ብዘይ ሓዘንን ቅዛነን ንክወስዳ ዝእንፍት ምላሽ ዝሃቦም። ሎሚ ነቶም በቲ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ዝበጽሖ፣ እንሓዝንን ንነብዕን’ውን፡ የሱስ ሓደ ምላሽ እዩ ዘለዎ። ንሱ ድማ ንርእስኹምን ንደቕኹምን ደኣ ብኸዩ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከዩለይ ይብለና ኣሎ!!

ንኣይሲ ኣይትብከዩለይ

ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ 2018 ዓመታት ክነብዓሉን ክነብዑሉን ኣይደለየን፣ ሎሚ’ውን ብምኽንያት ስቕለት ክንነብዓሉ ኣይደልየናን እዩ። ነዚ ሓቒ ድማ ብመገዲ እምነት ሃንቀውታን ድሌትን ጐይታ የሱስ ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና። ድሌቱ እንታይ ከምዝነበረን ከምዘሎን። ንብዓት ምንባዕና ከምዘይኮነ ድማ እዩ።

ንኣይሲ ኣይትብከያለይ፣ ኢሉ። እዚ ማለት ድማ፡

ኣነ ህዝበይ ዘድሕን ዘለኹ። ነዚ ክፍጽም እየ ዝመጻእኩ፡ ዝተሳቀኩን ፍቃድ ኣቦይ ንክፍጽም እዩ። ነዛ ጽዋእ ክሰቲ’ዶ ኣይኮንኩን ዝመጻእኩ (ዮሃ 18፡11)፧ “. . . ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። ዮሃ 4፡32, 34። ፍቓዱ ድማ ብሉጽን ክቡርን ፍቓድ እዩ። ንከገልግልን ህይወተይ ምእንቲ ካልኦት ክቆርስን ክብጀዋን እዩ ሊኢኹኒ። ስጋይ ተቆሪሱ፣ ደመይ ድማ ፈሲሱ ዝጥረ ህይወት (ሉቃ 22፡19-20)። ካብዚ ዝዓቢ ካብዚ ንላዕሊ ፍቕሪ የለን፡ ምኽንያቱ ህይወቱ ምእንቲ ካልኦት ስለ ዝህባ። ዘይናወጽ ዕረፍትን ሰላምን ንምድሓን ህይወት ዝህብ፡ ናብራ ኢዩ (ዮሃ 16፡20-22)።

ንኣይሲ ኣይትብከያለይ፣ ኢሉ። እዚ ማለት ድማ፡

ኣነ ሓጋዚ ዘይብለይ ስኑፍ ግዳይ ኣይኮንኩን። እንተዘድሊ ነይሩስ፡ ኣእላፋት ሌጌዎን መላእኽቲ ተዋጋእቲ ካብ ሰማይ ንሓገዝ ምጸዋዕኩ (ማቴ 26፡53)። ሓንቲ ቃል ካብ ኣፈይ እንተወጺኣ፡ ኩሉ ንፍጻሜ ክቕልጥፍ ዝኽእል እዩ። ሓንቲ ቃል ኣውጺኤ፡ ነዞም ክሰቕሉኒ ኣብዚ ዘለዎ ሮማውያን ኩሎም መጥፋእክዎም። ሓንቲ ቃል ካፍ ኣፈይ እንተወጺኣን ኩሉ ነገር ንዘልኣለም ይኹነን እዩ። ግና ንዓለም ከድሕና እምበር ክኹንና ዝመጻእኩ ኣይኮንኩን (ዮሃ 3፡17)። ንህይወተይ ሓደ እኳ ካባይ ዝወስዳ የለን፡ ብገዛእ ርእሰይ ህይወት ኣላትኒ። ሕያዋይ ጓሳ እየ፡ ህይወተይ በጃ ኣባጊዐይ ይህባ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። ዮሃ 10፡11-18።

ንኣይሲ ኣይትብከያለይ፣ ኢሉ። እዚ ማለት ድማ፡

ኣነ ምርኮ ማሪኸ እየ። ንስኻትኩም መጉዳእተይን ቃንዛይን ርኢኹም – ትቃዝኑ ኣለኹም፣ ግና ብመገዲ እምነት እንተተርእዩ ነቲ ናይ ቀደም ገበል ርእሱ ዝጭፍልቀሉ እዋን እዩ (ዘፍ 3፡15)። ዋላ እዃ ከም ገንሸል እንተተመላለስኩ፡ ከም ኣንበሳ ምርኮይ ይማርኽ – ምርኮ ዝማርኽ እምበር ዝማረኽ ኣይኮንኩን፣ ብመስቀል ዝማርኽ እየ (ራእ 5፡5-6)። ምሉእ ዓለም ዝገዝእ፡ ኣብ ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ንጉስ እየ። እዚ መስቀል እዚ ድማ መሳልል ክብረይ ክኸውን እዩ። ንጸላእተይ መርገጽ እግረይ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ አብ የማን ክብሪ ኣምላኸይ ክቕመጥ እየ (መዝ 110፡1)። ንስም ኣቦይ ከኽብር እየ ዝመጻእኩ፡ ብኽብሪ ኣቦይ እየ ከኣ ዝኸይድ። ስለምንታይ’ከ ምእንቲ እዛ ናይ ክብሪ ሰዓት ዝሓዝንን ዝነብዕን (ዮሃ 12፡27-28)።

ንኣይሲ ኣይትብከያለይ፣ ኢሉ። እዚ ማለት ድማ፡

መዓልቲ ሰንበት ትመጽእ ኣላ። ከምቲ ደጋጊመ ዝበልክዎ፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ክትንስእ እየ (ማቴ 16፡21, 17፡22-23, 20፡18-19)። ዋላ እዃ ሎሚ ኣዝዩ ዘይግለጽ ጸልማት እንተኮነ፡ ክግመት ዘይክእል ቃንዛ እንተኮነ፡ ክሕሰብ ዘይክእል ሽግር እንተኮነ፣ መዓልቲ ሰንበት ትመጽእ ኣላ። ኣቦይ ብመከራ ኪሕምሽሸኒ ፈተወ፡ ክፉኣት ሰባት ዋላ እንተ ኣሳቀዩኒ፡ ደቂ መዛሙርተይ እንተሃደሙኒ፣ ግና ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ፡ መዓልቲ ሰንበት ትመጽእ ኣላ። ኣብ ቅድመይ ሓጎስ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብርታዔ ይህበኒ እዩ። ብዙሓት ይጽበዩኒ፡ ብዘየቛርጽ ሓጎስ ክሕጎስ እየ። ብገዛእ ደመይ ዝዕድጎም ብዙሓት ሰባት ይጽበዪኒ ኣለዉ። ናይ ዘልኣለም ክብሪ ይጽበየኒ ኣሎ። ኣቦይ ይጽበየኒ ኣሎ። ንዓይ ኣይትብከዩለይ።

ንርእስኹም ብከዩላ

የሱስ ነቲ ብኽያት ከቓርጹ ጥራይ ኣይኮነን ብምልኣት ነጊርዎም፡ እዃ ደኣ ኣንፈት ናይቲ ብኽያት ብምልኣት ቀይርዎ እዩ። “ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ ምኽንያቱ ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኤንን ኣብ ልዕሊ ደቀንን ብሰንኪ ሓጢኣተን ክወርድ ስለ ዝኾነ እዩ። እታ ሃገር፡ ንየሱስ ዘይኮነስን ንመሲሕ ኣይተቀብለትን፣ ቁጥዓ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ክመጽእ ስለዝኾነ እዩ።

የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራንኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ንዅርባታትውንከውሉናምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን። (ሉቃ 23:29–30)

ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ . . .” ከምዚ ከም ምባል እዩ፡

ኣነ ጽውኤይ ክሰቲ ይኽእል እየ፡ ግና ንስኻትኩም ጽዋእኩም ኣይክትጾሩን ኢኹም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኩም፡ ሮማውያን ንደቅኹም ከጥፍእዎምን ክቀትልዎምን እዮም። እዞም ሎሚ እትተሓባበርዎም ዘለኹም ሮማውያን፡ ጽባሕ ከጥፍእኹም እዮም። ናይ ሎሚ ንብዓትኩም ንደቕኹም እንተዝኸውን ጽቡቅ ነይሩ። ናተይ ቃንዛን ስቓይን ድሕሪ ሞት ዘይቅጽል እዩ፡ ናታትኩም ግና ከምኡ ኣይኮነን። ብዙሓት ካባኻትኩም ነኽራን ዑቕባ ክሓቱን፡ ከዉሉና ክብሉ እዮም፣ ግና ካብ ፍርድን ቁጥዓን ሮማውያን ኣይክከላኸሉልኩምን እዩም። ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣይከተምልጡን ኢኹም። ፍትሑ ክግለጽ እዩ። ንሱ ኣምላኽ ህያዋንን ምዉታንን እዩ (ግብ 10፡42)። ሕነ ምፍዳዩ፡ ክፍጸም እዩ (እብ 10፡30)። ክንደይ ኮን የፍርህ ኣብ ኣእዳው እቲ ዘፍርህ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምውዳቕ (እብ 10፡31)።

ምእንቲ ሓጢኣትኩም ብኸዩ። እትበኽዩለይ ብኽያት፡ ብኽያት ሓጢኣትኩም ዘይኮነስ፡ ብኽያት ድንጋጼኩም እዩ። ብዙሓት ዝበኽዩ ብምኽንያት ስቃየይ እዩ፡ ነዚ ምኽንያት ዝኾነ ሓጢኣትኩም ግና ስሊኡ ኣይበኽዩን። እዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኩም ኣትርእይዎ ዘለኹም ኩሉ ስቃይ፣ ውጽኢት ኩሉ ሓጢኣት ደቂ ሰብ እምበር፣ ጽድቂ ስለ ዘይገበርኩ ዝወርደኒ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ቁጥዓ ኣይኮነን (2ቈረ 5፡21)። እንተደኣ በኺኩም፡ ስለ’ቲ ዝሙትን ነውርን መሳምር ኣብ ውሽጢ ኣእዳወይ ብዕምቀት ዝስመር ዘሎ፣ ስለ’ቲ ሓሶት ኣብ ርእሰይ ኣኽሊል እሾኽ ዝሰቀለለይ፣ ስለ’ቲ ርኽሰት ኣብ ስጋይ ዝጾሮ ዘለኹ መውቃዕቲ፣ ስለ’ቲ ትዕቢት ኣብቲ መስቀል ዝሸንከረኒ፣ ስሊኡ ደኣ ብኸዩ።

ሓጢኣተይ

ንኣይሲ ኣይትብኸያለይ ከምዝበለ፡ ሓደ ሰብ ክድንግጽን ክበክን ዳግም ምውላድ ኣየድልዮን እዩ። ናይ ጐይታ የሱስ ስቃይ ርእዩ ዝኾነ ሰብ ክነብዕን ክድንግጽ ይኽእል እዩ። ግና ሓደ ዳግም ዝተወልደ ሰብ ዝነብዓሉ ንብዓት ግና ከምቲ ዳግም ዘይተወልደ ንብዓት ዝነብዖ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዳግም ዝተወልደ ሰብ፣ ስለ ሓጢኣቱ ይነብዕ እዩ (ያእ 4፡8-10)። እቶም ቅድሚ 2018 ዓመታት ጐይታ የሱስ ክስቀል ዝረኣዩ ሰባት፡ ሓጢኣቶም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ኣይረኣዩን ወይ’ውን ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጸ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። ኢሳ 53፡8። ዝሓሰቦ የለን፡ ነቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ መስቀልን ዕላማ ምምጽኡን ኣይተረድኦምን፣ ስሒተሞ። በኽዮም በኽዮም፡ ብዘይ ፍቕሪ ኣምላኽን ዕዮ መስቀልን። ክሳብ ብሓጢኣተይ፡ ብሰሪ ኣበሳይ እዩ ኢልና ዘይተረዳና፣ ብኽያትና ከንቱ ብኽያት እዩ።

ብርግጽ ኣብ እግሪ መስቀል ኮይና ክንበኺ ኣሎና፣ ግና ናይ ሕፍረትን ውርደትን ብኽያት ኣይኮነን። ናይ እምነትን ዓወትን ብኽያት። እቲ ብኽያት ሰንበት ሓሊፉ፡ ሶኑይ ኮይኑ ዝነቕጽ ንብዓት ስቕለት ኣይኮነን፣ እዃ ደኣ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝዝኸር መዝሙር ዕዮ መስቀል ዘዘክር ብኽያት። ስለ ሓጢኣትና ዝኾነ ብመሳምር ዝተሰመረ፣ ብኽያት ሓጢኣት። ብኽያት ዓወትን፡ ምርኮ ንጉስን ንምምንዛዕ ምብካይ። እዚ ብኽያት፣ ብኽያት ሞቱን ትንሳኤኡን ዘዘክር ክሳዕ ምጽኣቱ ክኸውን ኣለዎ።

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply