ጥብቕነት

ክትዕን ክርክርን ኣብ ዘለዎ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኣይኮነን። ግና ሓደ ሓደ እዋን ብግዲ ክትገጥሞን ክትጋፈጦን ዘሎኻ ክርክር ኣሎ። በዚ ምኽንያት ይመስል ጳውሎስ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስና ከም እንረኽቦ፣ ስለ ወንጌል ጥብቕነትን ምምጽራይን ክቀውም እንርእዮ። ኣብ ካልኣይ ጢሞቴዎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 2ጢሞ 4፡16። እሞ ምጒት በይንኻ ዘትርፍ፡ ተጸላኢ ዝገርብ እዩ። ብርግጽ ንስለ ሓቂ ደው ክትብል ቀሊል ኣይኮነን፣ ኣይጥዑምን ድማ እዩ።

ኣብ ክርስትና ብፍላይ ድማ ኣብ ስለ-መለኮት ሓደ ክፍሊ ስነ-ጥብቕነት ዝብሃል ኣሎ። እዚ ጥብቕነት፡ ምጒት፡ ምምጓት፡ ምላሽ ምሃብ ወይ ደው ምባል ዝብሉ ብዝተፈላለየ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተጠቂሱ ንረኽቦ። ይኹን እምበር እዞም ኩሎም ቃላት ኣብ ሓደ ናይ ግሪኽ ቃል ወይ ናይቲ መበቆላዊ ቃል ክሰፍሩ ይኽእሉ። እቲ ቃል ኣፖሎጀቲክስ ይብሃል። ኣፖሎጀቲክስ ካብ ኣፖሎጂያ ዝብል ቃል ዝፈለቀ ኮይኑ፣ ትርጓሜኡ ድማ ቃላዊ ምጉት ወይ ብቃል ምላሽ ምሃብ ማለት እዩ። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ክሳብ 8 ግዜ ተጠቂሱ ድማ ንረኽቦ፣ ኣብ ግብ 22:1; 25:16; 1ቈረ 9:3; 2ቈረ 10:5-6; ፊሊ 1:7; 2ጢሞ 4:16, 1ጴጥ 3:15። ዝያዳ ድማ እታ ኣብ መወዳእታ ጠቂስናያ ዘሎና ጥቕሲ ዝያዳ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣፖሎጀቲክስ ወይ ጥብቕነት ትመርሓና፣ ጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ (a defense to) ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። (1ጴጥ 3:15)። ስለዚ

ኣፖሎጀቲክስ፡ ንሰባት ዘለዎም ስነሓሳብ ምምጓትን ርእየተዓለሞም ምቕያርን ምርዓምን እዩ

ስለዚ ኣፖሎጀቲክስ፡ ንስለ ጥብቕነትን ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ንወንጌል ሓቂ እዩ። ንኩሉ ሕቶታት፡ ህየሳታት፡ ምላሽ ንዘድልዮ ዘበለ ኩሉ ናይ ክርስትናን፡ ምግላጽ እግዚኣብሄር ብወዱ የሱስ ክርስቶስን ንዝምልከት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መርትዖ ምቅራብን ጥብቕነትን እዩ። ምጉት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳውን ተወሳኺ ጽሑፋትን፡ ፍልስፍናዊ፡ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ)፡ ሕሳባዊ፡ ፍልቀታዊ (ኢቮሉሽን)፡ ምጉት (ሎጂክ)፡ ኮታ ወዘተረፈ ምላሽ ምሃብ እዩ። ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝልዓል ኩሉ ሕቶታት መልሲ ምሃብ። ናይ ስሕተት ትምህርትታትን ምህሮ ስሕተትን ልምምዳቶምን ምምጓት’ውን እዩ።

ኣፖሎጀቲክስ ክልተ ኣንፊ ዘለዎ እዩ። ምላሽ ምሃብ (defensive) ነቲ ዝመጽእ ሕቶታትን፣ ከምኡ ድማ ነቲ ዘሎ መርገጺ ምምጓት’ውን (offensive) እዩ። ኣብ ፊሊጲ 1:7 ብከመይ ምላሽ ወይ ከምእንከላኸል ነጊሩና ኣሎ፣ ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ።  2 ቈረንቶስ 10:5 ድማ ብከመይ ከም እነጥቕዕ ወይ እንምጉት ይነግረና፣ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።  ስለዚ ነፍሲ-ወከፍ ሓቀይና ክርስትያን ክቆሞሉን ደው ክብለሉን ዘለዎ ነገር እዩ። ግና ግቡእ ምድላውን ነቲ እትፈልጦ ኣጸቢቕካ ምፍላጥን፡ ከምኡ ድማ ብህዱእ መንፈስ፡ ብዓቕሊ፡ ብፍርሃትን ብናይ ትሕትና መንፈስን ክኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና (1ጴጥ 3:15)።

ንመጒት እሞ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ነታ ኣባና ዘላ ተስፋ ምላሽ እንህብ ሰባት ክንኸውን እዩ ዝምህረና። ንጥብቅነት ወንጌል ብግቡእ ምላሽ እንህበሉ ድማ፣ ነቲ ቃል ብግቡእ ብምጽናዕ፣ ማለት ከይወሰኽካን ከየግዶልና ብግቡእ ብምምቃል። ነቲ እምነተይ ኢለ ኣብ ውሽጠይ ርትዒ ዝረኸብክሉ፣ ስለምንታይ ኣሚነዮ ምፍላጥ እዩ። ሎሚ ብዙሕ ሰብ ከም ብሃውሪ ዝኣመነ ይመስል። ምኽንያቱ ብዋዕን ምርስሳንን ካልኦት፡ ብመንፊት መጽሓፍ ቅዱስ ከየሕለፍና እንኣምንን፡ ብግቡእ ኣብ ልቢ ዝወረደ ፍልጠት ዘሎና ኣይንመስልን። ንዝኣመንናዮ ምጽናዕን ኣጸቢቕና ምፍላጥን፡ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዝጻላእ ሓሳባት ከንቱ ንምግባርን የዳልወና እዩ። “. . . ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። (2ቈረ 10:5)። ከምቲ ኣብ ፊሊጲ 1፡7 ዝረኣናዮ፣ ጳውሎስ ነቲ ዝሰብኾ ዝነበረ እምነት ከም ናይ መዓልታዊ ዕዩኡ ርእዩ፣ ክምጉተሉን ክጣበቀሉን ኢና እንርኢ። ኣብ ቁጽሪ 16 ድማ ጥብቅነት ወንጌል ሓደ ካብቲ ተልእኹኡ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ቲቶስ ነቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ፡ ንጥብቕነት ወንጌል ሓደ ካብቲ ዝለዓለ ዕዮ ኣገልግሎቶም ንኽኸውን ይምዕድ፡ ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስበቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።” ቲቶስ 1:9።

ይሁዳ ድማ ኣብ መልእኽቱ ኣብ ቁጽሪ 3 ከምዚ ዝብል ተጻሒፉልና ንረክብ፣ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረለን እዋናት፡ ኩሉ ግዜ ንጥብቕነት ቅዱስ ጽሑፍ ዝቖመ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ወንጌል ጐይታ ምስቶም ክኸራኸርዎን ክካትዕዎን ክፍትንዎን ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት፣ ኣፍ ንኣፋ ደው ኢሉ ክምጉቶምን ክጣበቕን ኢና እንርኢ። ከም ንኣብነት ኣብ ዮሃንስ 2:23; 10:25; 10:38; 14:29፣ ንጥብቕንት ደው ከምዝበለን ከም ዝቖመን የርእየና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብርግጽ ብተኣምራትን ትእምርትን ዝመልአ ቅዱስ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ክገብሮን ኣብ ደቂ ሰባት ከንብሮ ንዝደሊ እምነት፣ ባዕሉ ብገዛእ ርእሱ ዝምጉት መጽሓፍ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ጽሑፍ፣ ዘጸ 4:1-8; 1ነገ 18:36-39; ግብ 2:22-43; እብ 2:3-4; 2ቈረ 12:12፣ ክንርኢ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ እዋን ሰባት ብዘይ ተጨባጢ ገለ ነገር፡ ንክኣምኑ ይሽገሩ እዮም። ምኽንያቱ ብርግጽ እግዚኣብሄር ሰብ ክፈጥር እንኰሎ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብን ምሉእ ፍቓድ ዘለዎን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። በዚ መሰረት ድማ እግዚኣብሄር ካብ ደቂ ሰባት ሓደ ክውንነታዊወድዓዊ ወይ ኣብ ትርጒም ዘለዎ (rational) ዝኾነ ህይወት ይጽበ እዩ። ኖርማን ገይስለር ዝተባህለ ፍሉጥ ኣፖሎጂስት ከምዚ ኢሉ፣ ኣብ ሰባት ንእምነት ዝኸውን ቦታ የለን ማለት ኣይኮነን። የግዳስ እግዚኣብሄር ብእምነት ሓደ ስጉምቲ፣ ናብ ርግጽ ምግባር ብብርሃን ክንጓዓዝ ደኣ እምበር፡ ብምሕንካስ ኣብ ጸልማት ክንመላለስ ኣይደልን እዩ ኢሉ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ክውንነታዊ ህይወትና፡ ብምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብእምነት ክንመላለስ እዩ ዝደሊ። ግና ኸኣ ነቲ እንኣምኖ፡ እንፈልጦ ክንከውን ዝያዳ ይመርጽ።

እቶም ነቲ ቀጥ ዝበል ምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረሩን፣ ኣብ ቅኑዕ ዘለዉ እናመሰሎም ዝስሕቱ ከምዚ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ቃል ኣምላኽ ማንም ሰብ ክጣበቀሉ ኣየድልዮን እዩ!” ይብሉ ይኾኑ። ግና ኣየኖት ጽሑፋት እዮም ቃል ኣምላኽ፧ ብምባል ንሕተት መጀመርታ። ነዛ ሕቶ እንተሓቲትናን ምምላስ እንተ ጀሚርና፣ ኣብቲ ናይ ጥብቕነት ነገር ኣቲና ኣሎና። ምኽንያቱ ኣየኖት ጽሑፋት እዮም፡ ቀኑናውያንን ኢቀኑናውያን ኣብ ምምማይ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ ኣፖሎጀቲክስ ንሳተፍ ኣሎና። ምናልባት’ውን ገለ’ውን ናይ ሰብ ምሙጓት ንናይ እግዚኣብሄር ነገር ዝውስኸሉ ነገር የለን ይብሉ ይኾኑ። ብርግጽ ዝውስኸሉ ነገር የብሉን፣ ንባዕሉ እዚ ሓሳብ’ዚ ምምጓት ኣየድልን እዩ ምባል፡ ምጉታዊወይ ምላሻዊ መልስን ጥብቕነትን ብዛዕባ እግዚኣብሄር እዩ። ሓደ ልሙድ ኣበሃህላ ኣሎ ሓደ ሰብ ናብ ዛዕባ ክርስትና እንተኣእቲካ፡ ሓደ ካልእ ድማ ካብቲ ዛዕባ ከውጽኣካ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ቈረንቶስ ጳውሎስ ናብ ጥብቕነት ትንሳኤን ነቶም ተኸራኸርቲ ትንሳኤ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንክርስትያናት’ውን ንትንሳኤ ክርስቶስ ወይ ንክቕበልዎ ወይ’ውን ንከይቕበልዎ ምላሽን ጥብቕነትን፣ እኮ ሂቡ እዩ።

እምበር ጥብቕነት በይኑ ብዘይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ርትዒ ንሰብ ናብ እምነት ከምጽኦ ኣይክእልን እዩ። ኣፖሎጀቲክስ ኣዝዩ ኣገዳስን ጠቓምን እዃ እንተኮነ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝን ርትዕን ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ንስለ እምነትና ደው ክንብልን ነቲ ኩሉ ናይ ስሕተትን ጠዋይ መስሓቲ መሪር መርዚ ክንቃወሞን ይግባኣና እዩ። ግና ብርትዒ መንፈስ ቅዱስን ብዓቕልን ብፍርሃት ደኣ ይኹን።

 

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.