ምርዳእ ሓቀኛ ማሕበራዊ ፍትሒ

እዚ እንነብሮ ዘሎና ዓለም፡ ብርግጽ ገስጋስን ለውጣውን ዓለም እዩ። “ማሕበራዊ ፍትሒ” ድማ ብኣፍ ብዙሓት ሰባት ክዝረብን ክዝንተወሉን ጸኒሑ ኣሎ፡ ግና ፍትሒ፣ ክቡር ባህርን ባህላዊን ክብሪ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝተፈላልየ ማሕበራዊ ኮነ ባህላዊ ንጥፈታት ብእንገብሮ ተሳትፎታትን ታርጋታትን መግለጺታትን ድማ ዝተፈላለየ እዩ። እዚ መለለይታት ካብ ከምኒ ጅግና ክሳብ ከዳዕ፡ ካብ ከምኒ ተቃላሲ (a warrior) ክሳብ ገበነኛ፡ ካብ ከምኒ ዓማጺ ክሳብ ግዳይ ክበጽሕ ይኽእል እዩ። እዝን ካልእ ነገራትን መሰልቱን ድማ ኣብ ነንነብሮ ቦታታት ዝረኣዩ ተርእዮታት እዮም።

ቅድሚ ማሕበራዊ ፍትሕን ካልእ ምዝራብና፡ ከም ከምዚ እዋን ገይሩ መዛረቢ ኣርእስቲ ዝበዝሓሉ ዘመን የለን። በቲ ሓደ ወገን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ብመገዲ ዝርርብ ንምፍትሑ ምሹእ ባይታ ክፈጥር እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ኣዕጽምቲ ደቂ ሰባት ሉሒኹ፡ ከም ኣንጉዕ ዝሰኣነ ንሓድሕዱ ዝፈሓፋሕ ረመጽ’ውን ኣይወሓደን። ኣብ ዘመንና ዘለዉ ፍትሒ ዘድልዮም ብዙሓት ሕቶታት ደቂ ሰብ ኣለዉ። እዚ ፍትሒ’ዚ ብርግጽ ሓፈሻዊ እዩ፣ ግና ናይ እዋንና ሕቶታት ማሕበራዊ ፍትሒ ገደቦም እዃ ብዙሓት እንተኮኑ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ – መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት፡ መሰል ሃይማኖት፡ ፖሊቲካ፡ ዲሞክራሲ፡ ተሳትፎ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራት፡ ነጻ ምንቅስቃስ፡ ወዘተ ኣለዉ። ብካልእ ድማ ምላሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝናፍቁ ሕቶታት ሕቶ ዓሌታዊ፡ ቀቢላዊ፡ ዞባዊ . . . ኣፈላላይ፡ ተነጽሎ፡ ማሕበራዊ-ፍትሒ (welfare)፡ ጥዕናዊ መሰላት፡ ኣከባብያዊ ዕቃበ፡ ስደት፡ ኣተራጉማ መርዓን ሓዳርን፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት፡ ድኽነት፡ ቁጠባን ቁጠባዊ ምምቅራሕን . . . ወዘተ፣ እንዳበልና እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ።

ግና ሓንቲ ሕቶ፣ ርእይቶካ ኣብ ኩሎም እዞም ዝዘርዘርናዮም በብሓደ እንታይ እዩ፧ ኣበየናይ ኣንፊ ኢኻ ዘሎኻ፧

ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻ፡ ኣብ ዓለምና ዘምጽእዎ ጽልዋን ለውጥን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ኮታ። ከም ኣብነት፡ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ – ኣብ ገጻት ትዊተር ብዝህቦ ልጦፋትን፡ ምላሻትን ዘየስደምምን ዘይግረምን ኮታ የሎን። ብዓጸፌታ ንዕኡ ግብረ-መልሲ ዝህቡን ዝምልሱን ድማ ኣእላፍ እዩ። በዚ ድማ ገጻት ፈይስ-ቡክን ትዊተርን ሓደ መድረኽ ውግእ ናይ ዝተፈላለዩ ዝፈሰሱ ሓሳብት፡ ዝጸሓፉ ዓንቀጻት፡ ጭልፎ ሓሳባትን ዝምዕብሉ ህሉው ኩነታትን እዩ። ከም መርኣያ’ዚ ድማ – መዳፍዕ ሓሳባት ዝውንጨፈሎም መድረኽ ምልውዋጥ ስነ-ሓሳባት እዮም። እዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣምር ድማ ሓደ ካብ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባታት ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት እዩ። ከም ንኣብነት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ብዝዘርገሐቶ ልጥፎ ካብ ዝነበራ ስልጣን ክትለቅቅ ዝተገደደት ሓንቲ ብዓልቲ ስልጣን ናይቲ ብልፍንታዊ መንግስቲ ኖርወይ ካብ ዘቖመ ሓደ ፖለቲካ ፓርቲ ኣላ። እዛ በዓልቲ ስልጣን፡ እቲ ንሳ ዝኣባሉ ፖለቲካ ፓርቲ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ንዘለዎ ተሪር መርገጺ ንምግላጽ ብዝዘርገሐቶ መግለጺ፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቁ፡ ስልጣና ክትለቅቅ ተገዲዳ። እዚ ገለ ተጽዕኖታት ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት እዩ።

ፍትሒ ዝብል ኣምር ድማ ዛዕባ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጻት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝብል ኣምር ከነልዕል እንከሎና፡ “ኣብቲ ቅኑዕ ኣንፊ ናይ ታሪኽ” ምህላው ኣገዳሲ ይገብሮ። ምኽንያቱ ወይ ንኣወንታዊ ወይ ንኣሉታዊ ጽልዋ ክንኸውን ቀሊል ስለዝኾነ። ንኩሉ ዓሌትን ዘርእን ቀቢላን፡ ክፍልታት ሕብረተሰብ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ሃይማኖታዊ ኣመላኽታ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፡ ወዲ ኮነ ጓል ዝምልከት ሕቶ እዩ። – “ፍትሒ፣ ኣየናይ፧ ናይ መን፧ ቅኑዕ ፍትሒ እንታይ እዩ፧”

ናይ መን ማሕበራዊ ፍትሒ፧

ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ክርስትያናት ዝበለጸ ፕሮፈሽናሊዝምን ሞራላዊ ብሉጽነት ክህልዎም ይግባእ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፡

“እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኵሉ የስተውዕሉ።” ምሳ 28፡5

እዛ ጥቕሲ ከመይ ትርድኣና፧ እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኣየስተውዕሉን፡ ግና እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዮ ፍትሒ ብምልኣት ይርድኦም፡ እያ እትብል ኣብ ናይ እንግሊዘይና ትርጉም። ምርዳእ ሓቐኛ ማሕበራዊ ፍትሒ እንታይ እዩ፧ ጽቡቕ ምርዳእ ብዛዕባ ፍትሒ’ዶ ሒዝካ ትኸውን፧

ከምኒ ሰሎሞን፡ ፕላቶ፡ ኣርስቶቲል፡ ኣጎስቲን፡ ሆበስ፡ ሁመ፡ ሎከ፡ ቡርከ፡ ካልኦት ኣሽሓት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝነበሩ ሓሰብትን ተጣበቕትን፡ ብዕምቆት ዝሓሰብሉን ዝተቃለስሉን ፍትሕን መሰልን ደቂ ሰባት እዩ ነይሩ። ካብዛ ናይ ሰሎሞን ጥቕሲ፡ ከምዝተረዳእናዮ ፍትሒ ምሉእ እዩ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ድማ ብምልኣት ይፈልጣ። ምኽንያቱ ፍትሒ ብካልእ ኣዘራርባ መሓዙትና፡ ፈለጥትና፡ ፈተውትና፡ ኮታ ኩሉ ሰብ፡ ዋላ እቲ ንጐይታ የሱስ ዘይፈልጥ ፍትሒ የድልዮ እዩ ኢልካ፡ ኣብ ክንድኡ ምቛም እዩ። እቲ ዓይኑ ዘይርኢ፡ ዓይነ ስዉር’ውን እንተኮነ ሕብሪ መንደቅ ንምምራጽን ዝፈትዎ ሕብሪ ንክቀብእን ፍትሒ የድልዮ እዩ ኢልካ፡ ዕድል ምሃብ እዩ።

እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ ሰሎሞን ዝብሎ ዘሎ፡ “መንፈሳዊ” ወይ “ሃማኖታዊ” ወይ’ውን “ሞራላው”ን “ምኽንያታው”ን ሓሳባት ንምኽሓድን ናይ እግዚኣብሄር መርሖ ንምዝባዕን ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ናይ ሰሎሞን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር፣ ቅዱስ ስሉስ ኣምላኽ፡ ብወዱ ብክርስቶስ የሱስ ዝተገልጸ፡ ልኽዕ ምስሊ ኣርኣያ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን እዩ (እብ 1፡3)። ስለዚ ነዚ እንዛረበሉ ዘሎና ነገር ብኸምዚ ክንብሎ ንኽእል ኢና፣

“እቶም ንእግዚኣብሄር (= ንክርስቶስ የሱስ) ዚደልይዎ ግና ኵሉ (= ፍትሒ ይርድኦምን ብምልኣት (completely)) የስተውዕሉ። ካልኦት ኩሎም ግና ፍትሕን ቅንዕናን እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም።”

እዚ ኣዝዩ ከቢድን ብዙሕ ጥንቃቀ ዝሓትት እዩ። ከመይ ጌይሩ ሓቂ ይኸውን፧ ክንብል’ውን ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ኣነ ርግጸይና ኮይነ ዝፈልጦ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ እቲ ፍጹም ዝኾነ ፍትሒ ብዝኮነ ዓይነት ኩነታት ክፈልጦ ከምዘይክእል እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ዋላ እዃ ነቲ ሓቀኛ ፍትሒ ዘድልዩ ነገራት እንተፈለጥክዎም፣ ዝስምዑኒ ዉዕዉዕ ስምዒታት ናይ ልበይ ግና ካብ ፍትሒ ዘቢለ፡ ፍትሒ ከየውጻእኩ፡ ናብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዊንታ ወይ ነፍሰ-ምክልካል፡ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ምፍልላይን ከማዕብል ይኽእል ምዃነይ እዩ።

ስለዚ፡ በየናይ መለኪዒ ኢና ከም ሰዓብቲ ክርስቶስን ከም ደቂ-ሰብ ድማ፡ ፍትሒ ብምልኣት ተረዲኡኒ ኣሎ እንብል፧

ኣምላኽ ዘማእከለ ፍትሒ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ንክርስቶስ ዝስዕቡን ዚደልዩን ኩሎም ፍትሒ ይፈልጡን ይርድኦምን እዩ ኣይብለናን እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ዝበለጽና፡ በላሕቲ፡ ቅዱሳት፡ ጥበበኛታት፡ ምሁራት ስለ ዝኾና ኣይኮነን። ግና ኩሉ ነገር ምስ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዝተሓሓዝ እዩ፣ “ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።” 2ቈረ 3፡5። እዃ ደኣ ብምልኣት ፍትሒ ዝርድኣና ብምኽንያት እቲ ዝኣመንናዮ ጐይታ ንሱ ባዕሉ ፍትሒ ስለ ዝኾነ እዩ። ንሱ በይኑ ነቲ ቅኑዕ ፍትሒ ክገልጾን ሓቀኛ ፍትሒ ምዃኑን ከግህድ ዝከኣሎ። ካብ ገጽካ ፍትሒ ይወጽእ፡ ንሕና’ውን ሰብ ፍትሒ ክንከውን ይደልየና እዩ።

“. . . እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ . . .” ኢሳ 30፡18፡ ፍርደይ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ ማለት ፍትሐይ ካብ ኣምላኽ እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር እንተደሊናን ረኺብናን፡ ንፍትሒ ብምልኣት ደሊና ረኺብና ኣሎና ማለት እዩ። ንክርስቶስ ምርካብ ድማ፡ ኣብ ፍትሒ ዘሎና ኣጠማምታ ይቕይር ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ውልቃውን ንርእሰይ ይጥዐመኒ፡ ንዓይ ጥራይ ይጸብቀለይ ዝወጸ፡ ናይ እግዚኣብሄር ፍትሒ ምርካብ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ንእግዚኣብሄር ዘማእከለ ፍትሒ ሰለስተ ነገራት የጠቃልል፡

1. ብዛዕባ በደል

በደል ወይ ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ንርዳእ – በደልናን ሓጢኣትናን እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ። እዛ እንነብረላ ዓለም ብበደለኛታት፡ ዓለውቲ፡ ሓጥኣን ዝተመልአት ዓለም እያ። እዚ ድማ መሰረታዊ ፍትሒ ወይ ፍርዲ ዘድልዮ ነገር እዩ። ህዝ 18፡20 “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። . . .” ይብለና። ስለዚ፣ ክርስቶስ ዘማእከለ ፍትሒ ከምዘሎና ብኸመይ ንፈልጥ፧ እቲ ሓቀኛ ክርስቶስ ዘማእከለ ፍትሒ፡ እምበኣርብመለኪዒታት እዝን እትን ምግባር ኣይኮነን ዝልካዕ። ሓቀኛ ክርስቶስ ዘማእከለ ምርዳእ ፍትሒ፡ በደልካ ብምእማን ኣብ ሓመድን ሓመኹሽትን ብምውዳቕ፡ ወይ ካብ ተሓታቲ (accountable) ምዃን ይጅምር። እዚ ድማ በደልካ ምእማን፡ ንዝኣበስካዮ፡ ዝበደልካዮ፡ ዝገፋዕካዮ፡ ዘውረድካዮ ኮታ ዝፈጸምካዮ ኩሉ በደላታት ተሓታቲ ምዃን እዩ ዝጅምር። ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ድማ፡ “. . . እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ፧ ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ።” እዮ 40፡4። ተሓታትነት፣ ምላሽ ምሃብ፡ ሓላፍነት በደልካ ምውሳድን እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ “. . . ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ . . .” ሮሜ 3፡10።

እምበኣር ፍትሒ ከም ዝበደልካ ብምእማን ይጅምር ካብ በልና፡ ምኽንያቱ ንእግዚኣብሄር ገለ ክፋል ካብቲ ምሉእ ፍትሑ ኣብ ምድሪ ክፍጽም ምሕታት ኣይኮነን:

ስለዚ ፍትሒ፣ ንኩሉ፡ ንእተኣስረ ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ፡ ብእምነቱን ብሃይማኖታዊ ኣረኣእይኡ፡ ነቲ ኣብ ባርነት ዘሎ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ መጋርያ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ፍቀዳ ሃገረ ስደትን መዓስከራት ስደተኛታት ዝተደርበየ፡ ነቲ ብምድረ-በዳን ባሕርን ዝመውት ዘሎ፡ ነቲ ክፉእ ሰባት ዝሸይጥን ከም ኣቅሓ ዝልውጥን፡ ነቲ ሞት ዝተፈርዶ፡ ነቲ ብዘይ ፍርዲ ይጽንሐለይ ዝተባህለ፡ ነቲ ንኸይውለድ ዝተኸልከለ ናጽላ፡ ነቲ ድቂ ብምቅታል መዓልታዊ እትዋቱ ክረክብ ዘህረፍርፍ፡ ነቲ ንናኣሽቱ ደቀ-ኣንስትዮ ንምንዝርና ዝሸይጥ ዘሎ ክፉእ ሰብ፡ ነቲ ብዓሌት፡ ብዞባ፡ ብብሄር፡ ብሕብረ ቆርበት ዝንጽልን ጽልኢ ዝተክልን . . .ወዘተ፣ ፍትሒ ንኩሉ!!

2. ብዛዕባ ክርስቶስ – ፍትሒ እግዚኣብሄር ዘዕገበ

ግና ልዕሊ እቲ ኣብ በደልን ሓጢኣትን ዘሎና ኣረዳድኣ ንላዕሊ፡ ኣብ ፍትሒ ዘሎና ኣረዳድኣ ኣዝዩ ይዓዝዝ። ምኽንያቱ ናይ እግዚኣብሄር ፍትሒ ማለት ኣብ ልዕሊ በደል ክበጽሕ ዘለዎ ፍርዲ፣ ብምልኣት ዝኸፈለን ዘዕገበን ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ናብቲ መስቀል ክርስቶስ ምስ እንጥምት፣ ንጹርን ምሉእን፡ ፍትሒ፡ ብይንን እግዚኣብሄር ብግሉጽ ይስወጠና። ነዚ ፍትሒ’ዚ ድማ ብምልኣት ንፈልጦ ኢና፡ ምኽንያቱ ምእንታናን ናትናን ፍትሒ ስለዝኾነ: “[እግዚኣብሄር] . . . ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። . . .” 2ቈረ 5፡21። እዚ ድማ ጽድቂ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ካብ ዝተራእየን ኩሉ ፍጡር ዝምስክሮን ምሉእ ዝኾነ ፍትሒ፡ እቲ ክርስቶስ የሱስ ዝረኸቦ መከራን መግደራን ንናይ እግዚኣብሄር ቑጥዐ ንምዕጋብ ምእንቲ በደል ኩሉ ፍጡር ኣብ መስቀል ዝተሰቕሎ እዩ።

3. ነጻነት፡ ሓቀኛ ፍትሒ ምርካብ

ብምኽንያት ናይ እግዚኣብሄር ፍትሒ ብመገዲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን በደልን፡ በደልናን ሓጢኣትናን ፍርዱ ረኺቡ እዩ። ግና ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍትሒ ዘይወጹ፡ ፍትሒ ዘድልዩ ኣለዉ። ማለት ብዘረባ ወይ ብዜና ክንሰምዖ እንከሎና ጥራይ እንዝክሮ፣ ንዓኣቶም ማሕበራዊ ፍትሒ ከምዘድልዮምን መሰረታዊ መሰላት ንምርካብ ምእንትኦም ክንቀውም ከምዘሎና ኣብ ምርዳእ ምስ እንበጽሕ እዩ ሓቀኛ ምርዳእ ፍትሒ። እምበኣር እቲ ንክርስቶስ ዝፈልጥ፡ ፍትሒ ሓጢኣቱን በድሉን ዝረኸበ እዩ ሓለፋ ካልኦት ምእንቲ ፍትሒ ደው ክብል ዝግባእ።

ማሕበራዊ ፍትሒ ወንጌል ኣይኮነን። ማሕበራዊ ፍትሒ’ውን ቀንዲ ዓላማ ወንጌል ኣይኮነን – የሱስ ክርስቶስ’ውን ምእንቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣይተሰቅለን ኣይተንስአን፣ ምእንቲ ሓጢኣትና እዩ። ግና ሓቀኛ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። እቶም ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ዝሓዙን ዝፈለጡን ግና ደው ክብልሉ ዝኽእሉ መትከል እዩ።

እቶም ብእምነት ዝጸደቁ፡ ማለት ብእምነት ፍትሒ ኣምላኽ ዝረኸቡ፡ ዝያዳ ካልኦት ብናይ እግዚኣብሄር ፍትሒ ዝተመልኡን ዝተደረኹን ክኾኑ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ፍትሒ ዝረኸበ ሰብ፡ ኣዒንቱ ኣጉላዕሊዑ ከፊቱ ንፍትሒ ክሓትትን ክደልያን ይግባእ። እቲ ፍትሒ ዝረኸበ፡ ንሱ ፍትሒ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ጾታዊ ዓመጽ ዝገጠሞምን፡ ተነጽሎ ውርደትን ዝሸሞሞም፡ ማሕበራዊ ውገዛ ዝወረዶም፡ እምነቶም ክገልጹ ዘይተፈቕዶም፡ ኣብ ማሕቡስ ቤት ዝተሓየሩ፡ ደቆም ውሉዶም ገዲፎም ኣብ ሸላታትን መጻብቦን ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእይኦም ክገልጹ ዘይተፈቕዶም፡ ሓሳቦም ብነጻ ክጽሕፉን ክገልጹን ዝተኸልከሉ፡ ዓሌታዊ፡ ዞባዊ፡ ዓዳውን ኣውራጃውን ዘይምዕሩይነት ዝገጥሞም ዘሎ፡ ናጽላታት ከይውለዱ ንዝተነጸሉ፡ ውሽጣዊ ዓዳዊ መጥቓዕትታት ዝገጠሞም፡ . . . ኮታ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ፣ – እቲ ፍትሒ ዝረኸበ ጥራይ እዩ፣ ፍትሒ ኣምላኽ ክሓትት ዝኽእል። ፍትሒ ክንሓትት እንከሎና ብዘይ ግብዝና፡ ነቲ ድኻምና፡ ሓጢኣትና፡ ዘይምዕጋስና፡ ዊንታና፡ ሕቡእ ኣድልዎና፡ ፍቅር ንርእሰይ ይጥዓመኒ ከይረኣየ፡ በደልና ዝወሰደልና እንዳረኣና፣ (“. . . [ንእኡ ኩሉ] ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።” ቆሎ 2፡14) ስለ ፍትሒ ደው ምባል።

እቲ ፍትሒ ዝረኸበ ክርስትያን፡ ልዕሊ ማንም ሓቀኛ ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስ ይግባእ። ምኽንያቱ ንሱ ካብ መግዛእቲ ሓጢኣትን ሰይጣንን ሓራ ዝወጸ ስለዝኾነ። ሓርነትና መገባብሮ ረብሓ ክንገብሮ ኣይግባእን። ማሕበራዊ ፍትሒ ንክነግስ፡ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝረኸብናዮ ፍትሕን ተቐባልነት ከም መንጠሪ ባይታ ንናይ ኩሉ ሰብ ክረኽቦ ዘለዎ ፍትሒ ክንጥቀመሉ ግቡእ እዩ። ዓገብ ምባል ኣብ ዘድልዩ ኩሉ ግዜ፡ ዓገብ ምባል ግቡእ እዩ። ስለዚ ብወንጌል መንግስት ኣምላኽን ብወንጌል የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ዝደሓንና እኾ፡ ሓቀኛ ፍትሒ ንኩሉ ክነግስ’ውን እምበር ናይ ገዛእ ርእስና ሃንቀውታታት ከነማልእ ኣይኮነን። ምስቶ ዝስቀዩ ምስቃይ፡ ምስቶም እሱራት ከም እሱር ብምዃን፣ ካብኡ ብዝሓለፈ ድማ ስለ ፍትሒ ደው ኢልካ ድምጽኻ ምስማዕ ግቡእ እዩ።

እዚ ነገር ብግቡእ ዘይተረድኣና እንተደኣ ኮይንና፣ እቲ ሓቀኛ ወንጌል ስለ ካልኦት ገዛእ ርእስኻ ወፊካ ምንባር ኣይተረድኣናን ዘሎ። ሓደ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል፣ ውዳሴ ከንቲ ክህብ ኣይግባእን። ክርስቶስ ዘይብሉ፣ ኩሉ ፍትሒ ኢልና እንሓስቦ ማሕበራዊ ፍትሒ ድማ ከንቱ ደሃያትን ዋዕዋዕታን ዳንኬራን እዩ። ብክርስቶስ ግና፣ “. . . ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ . . .” 1ቈረ 4፡7። ስለ ዝኾነ፡ እንገብሮን እንነብሮን ጽቡቕ እንተሃልዩና፡ ካብቲ ልኡላዊ ስራሕ ኣምላኽ ዝመንጨወ፡ ናቱ ጥራይ እዩ (ፊሊ 2፡12-13) – እቲ ዝሕበን በዚ ይተሓበን፣ “ዚሕበንሲ – እዚ እዩ ባህ ዜብለኒ እሞ፡ – ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትፍርድጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሐበን፡ ይብል እግዚኣብሄር።” ኤር 9፡24።

ንኩሉ፡ ፍትሒ የውጽኣሉ

ማሕበር ኣምላኽ፡ በቲ ዝነፍስ ንፋሳት ንየው ነጀው ዘይትድፋእ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝተሰረተት ምዃና ናይ ዘመናት ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ግና እቶም ንፋሳት ከም ኣመጻጽእኦም ብዙሕ ነውጺ ገዲፎም እዮም ዝኸዱ። ናይ ስሕተት ምህሮታት፡ ናይ መንግስታት ተጽዕኖታት፡ ናይ ባህልን ልምድን ለውጥታት፡ ፍትሒ ምዝባዕን ካልእ ካልእ መሰልቲ ፈተናታት ዘመንና ዝምስክሮም ዘሎ ሓቅታት እዩም። እዚ ከምዚ ዓይነት ማዕበላት፣ ወይ ደገፍና ወይ ድማ ተቃውሞና ይሓትት እዩ። ፍትሒ ተረጊጹ፡ ዓለማዊ ሰረታት ማሕበራዊ ፍትሒ ነጊሱ ፋሕ ጅንግራሕ ክሸምም ግና ክንፈቕድ ግቡእ ኣይኮነን። ፍትሒ ክንደሊ እንከሎና፣ እቲ እንጠልቦ ዘሎና ፍትሒ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። እቲ ሓቐኛ ፍትሒ፡ ካብ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ብክርስቶስ ዝተዋህበ ፍትሒ፡ እቲ ንሓጢኣት ዝጸልእ ፍትሒ ማለት እዩ።
እቲ እንደልዮ ኣብ ኩሉ ሰብ ክኸውን ዘለዎ ፍትሒ እምበኣር፡ ፍትሒ ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ። ብዘይ ተስፋ ምቁራጽ ድማ ነዚ ፍትሒ ክነግስ ክንጽልን ድምጽና ከነስምዕን ስለቶም ፍትሒ ዘይረኸቡ ፍትሒ ክንጠልብ ይግባእ።

“. . . ንሱ ነህዛብ (to the nations) ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። . . . ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ሓይሉ ኣይሐምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኺጽበያ እየን።” ኢሳ 42፡1, 4

ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝበልናዮ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ንኩሉ የስተውዕሉ ካብ በልና፣ ፍትሒ ይርድኦምን ንፍትሒ ክነግስ ድማ ዝደልዩ እዮም። ኣምላኽና ጸጋዊ እዩ’ሞ ከመይ እዚ ፍትሒ’ዚ ኣብ ኩሉ እንተዝነግስ!

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

This Post Has One Comment

  1. ብርሃነ

    ኣሜን። ተባረኽ።
    ዶባትካ የስፍሓዮ። በረኽትካ የንጀርብብ።

Leave a Reply