ቃል ኣምላኽ፤ ኣምላኽ-ዜተንፈሶ ጽሑፍ

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ሓንቲ ጉልሻ ብምምሳል ክንጽሕፍ ዝጀመርናዮ፣ መቀጸልትኡ እንሆ። እግሪ እታ ጉልሻ ብሰለስተ እንተዘይኮይኑ ብክልተ ኮነ ብሓንቲ ክቀውም ኣይክእልን እዩ። ሰለስቲኤን ኣእጋራ ድማ ሓንቲ ካብ ሓንቲ ብዘይ ሰናነፍ ደልዲለን ደው ክብላ ኣለወን። እታ ሓንቲ እግሪ ጌጋ-ኣልቦነት (inerrancy) ቃል ኣምላኽ ኢልና ገሊጽናያ ነይርና። ሕጂ ድማ ነታ ካልኣይቲ እግሪ ናይታ ጉልሻ ዝኾነት ኣስተንፍሶ-እግዚ ( inspiration) ናይ ቃል ኣምላኽ ንምግላጽን ኣብዚ ሓቂ ንምቛምን ንምድልዳልን እዚ ጽሑፍ ነቢብኩም ክትባረኹን ክትጥቀሙን ንዕድም።

ብዙሕ እዋን ከም ክርስትያንናት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረብ እንከሎና፣ ኣምላኽዜተንፈሶ ወይ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ምዃኑ ኣርጊጽና ኢና እንዛረብ። ግና –

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ-ዜተንፈሶ መጽሓፍ ድዩ፧
  • ብምልኣት ወይ ብኹሉ (ብኹለንታ) ድዩ እስትንፋሰ-እግዚ ዘለዎ ወይስ ገለ ክፋሉ እዩ፧
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዃ ዝተፈላለየ ሰባት፡ እንስሳታት፡ . . . ወዘተ ዝተዛረብዎ ሓሳብ ኣሎ፣ ዋላ እዚ . . .፧!
  • እንታይ ማለት’ዩ ኣምላኽ-ዜተንፈሶ ወይ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፧

እዚ ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ሕቶታት ምምላስን ምርዳእን ድማ መሰረታዊ ናይ ክርስትና ሰረተ-ኣምነይ ይመስለኒ። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ጽልዋን ድሪኺትን ሃልይዎ፣ ብመገዲ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት እተዋህበ፣ ናይ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ቃል ምዃኑ ንምርዳእ እዩ። ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዝብል ጽሑፍ ቃል ኣምላኽ ድማ ብንጹር እስትንፋሰእግዚ ማለት ኣምላኽዜተንፈሶ ምዃኑ ንምርዳእን ተረዲእኻ ብኸምኡ ንቃል ኣምላኽ ንምቕባልን እዩ።

ቃል ኣምላኽ፣ ኣምላኽዜተንፈሶ ጽሑፍ እንታይ ማለት እዩ፧

ሎሚ ዝተፈላለየ ርእየተን ርዲኢትን እስትንፋሰ-እግዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። እዚ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ቃል ኣምላኽ ንክብሃል መንፈስ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ነፊስዎ ኣሎ ማለት እዩ። ብዘይ ጥርጥር ግና መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ብንጹር ቃላት ማዕረ ክንደይ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ከምዝነፈሶ ይሕብረና እዩ። ብምልኣት ድማ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ፣ ንነፍሲ-ወከፍ ቃላትን ሰዋስውን፡ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ከምዝነፈሶ ብንጹርን ብቀሊሉን የርእየና እዩ (1ቈረ 2:12-13; 2ጢሞ 3:16-17)። ካብቶም ዘለዉ ርእየተ ቅዱሳን-ጽሑፋት (view of the Scriptures) ድማ ቃላዊ ኲለንታ (verbal plenary) ይብሃል። እዚ ማለት እግዚኣብሄር ንቃል ኣምላኽ መንፈሱ-ዜተንፈሶ ንነፍሲ ወከፍ ቃላትን ሰዋስውን (verbal) እምበር፣ ንሓሳባትን ስነ-ሓሳባት ጥራይ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ንቃል ኣምላኽ መንፈሱ-ዜንፈሰሉ ንምሉእ ምልኣት ትሕዝቶ፣ ዛዕባን ናይ ኲሉ ወይ ኩለንታ (plenary) ቃል ኣምላኽ’ውን እዩ።

ገለ ገለ እዋን፣ ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምልኣት ኣምላኽ-ዜተንፈሶ ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑ ይኾኑ እዮም። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቅርብዎ ድማ፣ ኣምላኽ ነቲ መንፈሳዊ ዝኾነ ሓሳባት ጥራይ ደኣ እምበር ንኩሉ ነቲ ናይ ካልእ ዛዕባታት መንፈሱ ኣየንፈሰሉን ብምባል ከም መርትዖ የቅርብዎ እዮም። እዚ ግና ባዕሉ ቃል ኣምላኽ ዉዱቕ ይገብሮ እዩ። ቃል ኣምላኽ ብደረጃ ቃላውን ብደረጃ ኩለንታን ሓፈሻዊ ትሕዝትኡን መንፈስ ኣምላኽ-ዜተንፈሶ ጽሑፍ ህያው ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
እቲ፡ “ኣምላኽ ዜተንፈሶ” ዚብል ኣምር ናይ ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን (2ጢሞ 3፡14-17ን 2ጴጥ 1፡21) ብንጹርን ብቀጥታውን መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። ብዘይቀጥታዊ መገዲ ግና፡ ኣብ መላእ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳን ተዘውቲሩ ኣሎ። እቶም ብንጹርን ብቀጥታውን መገዲ፡ ዚነግሩና ኽልተ ቕዱሳት ጽሑፋት እምበኣር ኣጸቢቕና ብናይ ስነ-መለኮታዊ መዳያቶም ክንርእዮም ክንፍትን ኢና።

1 2ጢሞ 314-17 – እቲ ቐዳማይ “ኣምላኽዜተንፈሶ” ዚብል ንጹርን ቀጥታውን ኣምር፡ ኣብ 2ጢሞ 3፡14-17 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኩሎም ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ብሉይ ኪዳን፣ ኣምላኽ ከም ዜተንፈሰሎም ቀሊዑ ገሊጽልና ንረኽቦ ኢና።

ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬልብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ (theopneustos = ተዮፕኑስቶስ) ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ። 2ጢሞ 3፡14-17

ኣብዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ተተርጒሙ ዘሎ ቃል፡ ኣብቲ መበቆላዊ ቃል “ተዮፕኑስቶስ” (θεόπνευστος)፡ ዚብል ሓደ ብክልተ ቃላት ዝቖምመ ናይ ግሪኽ ቃል እዩ። እዚ ቃል’ዚ ነጸላ ቝጽሪ፡ ስምን ቅጽልን እዩ። እቲ ቐዳማይ ክፋል ናይቲ ቃል፡ “ቴዮስ” ዚብል ኮይኑ፡ ኣምላኽ ማለት እዩ። እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ ቃል ድማ፡ “ፕነኦ” ዚብል ኮይኑ፡ ምትንፋስ ወይ ኡፍ ምባል ማለት እዩ። ክልቲኣቶም ብሓደ ምስ ተጸመሩ ድማ፤ ኣምላኽዜተንፈሶ ኣምላኽኣተንፈሶ ወይ ብኣምላኽ ተተንፊሱ ዚወጽኤ ዜስምዕ ቃል የቚዉም። በዚ ድማ፡ ኩሎም ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽዜተንፈሶ ወይ ኣምላኽኣተንፈሶ ዚብል ፍሉይ ኣምላኻዊ መጸውዕን መለለዪን ኸም ዘሎዎም ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍሊጡና ኣሎ።

ስለዚ እዛ ኣብ 2ጢሞ 3፡16-17 ዝረኣናያ ጥቕሲ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ እንግልዘይና ትርጉማት ዝተፈላለየ ናይ ቃል ትርጓሜታት ይምጥቃም ተገሊጻ ንረኽባ እያ። ገለ ከም ኣምላኽ-ኣተንፈሶ (God-breath) ወይ ድማ ስርጸት (inspired) ዝብል ተጠቂሙ ንረኽቦ። እቲ ኢንስፓይርድ ዝብል ቃል ናይ ኣምላኽ ህይወት ኣብቲ ቃል ባዕሉ ከምዘሎ ዝገልጽ ናይ ላቲን መበቆል ዘለዎ ቃል እዩ። እዚ ድማ ልኽዕ ከምቲ ኣምላኽ-ኣተንፍሶ ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ነፍሲ-ወከፍ ቃል ብቃል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ናይ ኣምላኽ ህይወት ዘለዎን እምበር እቲ ገለ ሰረተ-እምነታዊ ሓሳባት ጥራይ ኣይኮነን ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስ ዘለዎ። ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ናይ ኣምላኽ-ኣስተንፍሶ ኣለዎ። ስለዚ ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ ስልጣንን ብቑዕ ንተግሳጽን ምእራምን ዝኸውን፣ ናብ ርኽክብ ምስ እግዚኣብሄር ዝመርሕ በዓል ስልጣን ቃልን ቅዱስ ጽሑፍን እዩ።

እዚ ኣብዚ እንዛረበሉ ዘሎና “ኣምላኽኣተንፈሶ” ዚብል ኣምር እምበኣር ምስቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብሰይጣን ክፍተን እንከሎ ዝመለሶ መልሲ ብልኽዕ ዝተሓሓዝን መሰረታዊ ሓሳብ ኣምላኽን ዝጣመር እዩ። ንሱ ድማ፤ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብር እዩ (ማቴ 4፡4, ዘዳ 8፡3)፣ ዚብል ቃል ኣምላኽ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣሎዎ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ሓደ ሓደ እዋናት፡ ንቓላቱ፡ ከምቲ ናይ ቃላት ጽሕፈት ዓይነት ገይሩ፡ ናብ ውሽጢ እቶም ጸሓፍቲ የተንፍሶ እዩ። እዚ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ንነብይ ኤርምያስ፤ እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር ኣሎኹ (ኤር 19)፣ ኢሉ ነጊርዎ ዘሎ፣ ልኽዕ ከምኡ ማለት እዩ። እዚ ማለት እግዚኣብሄር ነቶም ጸሓፍቲ ኣብ ውሽጦም ሓሳብቱን ምሉእ ቃላቱን የተንፍሰሎም ማለት እዩ።

ኣብዚ ኣዚና ከነድህበሎም ዝግብኣና ነገራት ክንፈሊ ጽቡቕ ይመስለኒ። ኣብ ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር ከምዝረኣይ ግና፡ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እግዚኣብሄር፣ –

  • ነቲ ኣምላኻዊ ሓቂብኣእምሮን ስምዒትን ነፍስን መንፈሰን እቶም እግዚኣብሄር ኪጥቀመሎም ዚሓረዮም ባሮቱ እዩ ዘመሓላልፎ።
  • ነቲ ኣምላኽዜተንፈሶ ሓቂብኢድ እቶም ዚሓረዮም ሰባት ኬጽሕፎ ኸሎ ግና፡ ብኣምላኻዊ መገዲ ተቘጻጺሩ ጌጋ ዘይብሉ፣ ሓቂ ኺጽሕፉ ተጠቂምሎም እዩ።
  • ብኣምላኻዊ መገዲ ድማ፡ ነቲ ኣምላኻዊ ቓሉ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኬስተውዕሎ ኺኽእል ኢሉ፡ ብቛንቋ ደቂ ሰባት ኣዳልዩ ሂቡና።

 

….. ይቕጽል

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.