ንኣምላኽ እምበር፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይኮነን

ናይ ዳዊት መዝሙር 23 ፣ ዘይፈትዋ ዳርጋ የለን። እዛ መዝሙር ተፈታዊ ካብ ምዃና፡ ብዙሕ ተዘሚራን ብዙሓት’ውን ብቃሎም ይሽምድድዋ እዮም። ኣብታ መጀመርታ ሰረተ እምነት ዘምሃረትኒ ማሕበር ኣምላኽ’ውን ንክንሽምድዳ ንተባባዕ ከምዝነበርና ይዝክር። ካብታ ሓንቲ መሳጢት፡ ጭልፎ ናይታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል . . .

“. . . ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።” መዝ 23.4 

ቅዲ ኣጸሓሕፋ መዝሙር ዳዊት፡  ተመዓራረይቲ ወይ ተነጻጸርቲ እዮም። ማለት ንሓደ ሓሳብ ንክገልጽ ብዝተፈላለዩ ግናኸ፡ ተመሳሰልቲ ቃላት ይጥቀም፣ ወይ ድማ ተነጻጸርቲ ቃላት እንዳተጠቀመ ይገልጽ። እዛ መዝሙር ዳዊት 23 ድማ፡ ካብኡ ብዘይ ፍለ፡ መሃሪት ወይ ቀሳቢት (instructive) እያ። እስኪ ንርአ፣ –

ኣብ መዝ 23:1–3, ዳዊት፡ ንእግዚኣብሄር ንክንድ-ስም ማለት፡ ኣብ ትግርኛና ዘይርአ፡ ግና  “ንሱ”  ብምባል የመልክቶ ኣሎ። ኣብ ትግርኛ፡ ብንጹር ዝርአ፡ የውዕለኒይመርሓኒንሱ. . . ዝብላ ቃላት፡ ነቲ ክንድ-ስም ናይ እግዚኣብሄር ብቀሊሉ የምልክታልና እየን።

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ . . .
ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ . . .
. . . ይመርሓኒ። . . .
ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ . . .

ብምቅጻል፡ ኣብ ጥቕስታት 4ን 5ን ድማ፡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ብ“ንስኻ” ዝብል ቃል የመልክቶ ኣሎ።

በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣
ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣
ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።  

ኣብ ጥቅሲ  6 ድማ ናብቲ ቀዳማይ ሓሳብ ይምለስ፣

. . . ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

ካብዚ ጽሑፍ ብቀሊሉ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ኣሎ። ጽባቐ ጽሕፈቱ፡ ነቲ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ንጹር ይገብሮ እዩ። ካብዛ መዝሙር ክንመሃሮ እንኽእል ብዙሕ እዃ እንተኮነ፣ ብቀሊሉ ግና ካብ ነዊሕ ሓሳባትን ቃላትን ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብንኣምላኽ፡ ንባዕሉ ምዝራብ ዝብል ሓሳብ እዩ።

መቸም ነፍሲ-ወከፍ ክርስትያን ዋላ ብንእሽተይ ነገር፡ ስነ-መለኮታውነት ኣለዎ እዩ። ማለት – ንባህርያትን መገድታትን እግዚኣብሄር ክርዳእ ምፍታኑ፣ ነቲ ዝተረድኦ ነገር ድማ ናብ ቃላት ቀይሩ ከዋቅሮም ምኽኣሉን፡ ባዕሉ ስነ-መለኮት እዩ። እዚ እንተዘይከውን ነይሩ፡ ንሓድሕድና’ውን እንዘራረበሉ ወይ ምስ ኣምላኽን ብዛዕባ ኣምላኽ እንዘራረበሉን ኣይምሃለወናን። ንናይ ነፍሲ-ወከፍና እምነት እንደጋገፈሉን እነዕብየሉን መገዲ’ውን ኣይምሃለወናን ነይሩ።

ኮይኑ ግና፡ ካብዛ ናይ ዳዊት መዝሙር 23ን ካልኦትን ዝተመሃርክዎ ነገር፡  ነቲ ዘሎኒ ስነ-መለኮት ብጸሎት ለዊሰን ክሓዋውሶን ከርዕሞን ከምዘሎኒ እዩ። ስለዚ፡ ብቀጻሊ መጽሓፍ ቅዱሰይ ኣብዘጽንዓሉ እዋን፡ ስነ-መለኮታዊ ዛዕባታት ኣብ ዝፍትሸሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ጥራይ ክዛረብ ዘይኮነስ፣ ንኣምላኽ፡ ንባዕሉ ክዛረቦ ኣሎኒ። ሎሚ ዳርጋ ኩልና፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ቃላት ሸምዲድናን ኣዃማሲዕናን እንዛረቦ ነገር ኣሎና፣ ግና ንኣምላኽ፡ ንባዕሉ ድኣ ንዛረቦ።

ነቲ እነጽንዖ ቃል፣ ብጸሎት ምድጋፍ። “እግዚኣብሄር ርህሩህ እዩ” እንተደኣ ኣጽኒዕካ፡ በጃኻ ቀጺልካ፣ “ኣምላኸይ እግዚኣብሄር፡ ርህሩህ ስለዝኾንካን፡ ርህራሄካ ስለዝተረዳእኩን የመስግነካ ኣለኹ።” ኢልካ፣ ጸልይ። ነታ እተንብባ ሓረግ፡ “እግዚኣብሄር ናይ ክብሪ ኣምላኽ እዩ” እንተኮይኑ፡ “ሰማያዊ ኣምላኸይ፡ ስለ ኽብርኻ፡ የድንቀካ ኣለኹ።” ኢልካ ኣምልኮ።

እዚ ‘ዩ እቲ ሓቀኛ፣ ህይወትናን መጽናዕትናን ጸሎትናን ክኸውን ዘለዎ። ሓቀኛ ናይ እግዚኣብሄር ክውንነት (reality) ኣብ ልብኻ እንተደኣ ተረዲኡካበእምሮኻ’ውን እንተደኣ ሓሲብካዮብልሳንካ ክትገልጾ ይግብኣካ

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply