ንጹር ዘረባን ጽሑፍን

5 ቁልፍታትን መለኺዒታትን ርክብን ጽሑፋትን

መበገሲ ሓሳበይ፣ ካብ ናይ ሲ. ኤስ. ለዊስ (C. S. Lewis) ሓሳብ ኮይኑ፣ ዝኾነ ሰብ ክዛረብን ሓሳቡ ክገልጽን እንከሎ ክጥቀመሉን፣ ከምኡ’ውን ቆልዑ ንሰበኽቲ ኣገልገልቲ ሓሳብ ኣብ ዝጽሕፍሉ እዋን ክጥቀምሉ ኣለዎም ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ እዩ ዝብገስ።

ምኽንያቱ ብዙሕ እዋን ናይ ስነ-ርክብ ወይ ርኽክብ መገባብሮ፣ ከም ከማና ገይሩ ዝሽገር የለን። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ወይ ሰባት ብጌጋ ተረዲኦምና ኣለዉ፡ ወይ’ውን ንሕና ካልኦት ዝብልዎ ኮነ ዝጸሓፍዎ፣ ብጌጋ ተረዲእናን ካብ ዓውደ ብሂሉ ወጺእና ንህውትት ኢና። ኸም ክርስትያናት ድማ ነዚ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ብሉጽ ሰብኣይ ምኽሪ ምስማዕ፣ ዕዙዝ እዩ። እነሀ  እምበኣር

  1. ኩሉ ግዜ ንጹር ዝኾነ ሓረጋትን ቃላትን ቋንቋ ምጥቃም፣ ነቲ እትብሎ ዘሎኻ ክገልጸልካ ዝኽእል ንጹርን ርዱእን፣ እቲ እትብሎ ሓሳባት ናብ ካልእ ኣበሃህላ ክትርጎም ዘይክእል ክኸውን ኣለዎ።
  2. ኩሉ ግዜ ንጹራት ቃላት፡ ካብ ነዋሕቲ ዘይንጹራት ቃላት ምረጽ። መብጽዓታትካ ተስፋታትካን ብዘረባ ኣይተተግብር፣ ግና መብጽዓታትካን ተስፋታትካን ሓሉ
  3. ብጭራሽ ረቀቕቲ ኣስማትን ክንድ-ስማትን (abstract nouns) ኣብ ክንዲ ንጹራትን ስጡማትን ኣይትጠቀም። ንኣብነት “ብዙሕ ሰብ ሞይቱ” ክትብል ደሊኻ፣ “መዋትነት  ወሲኹ” ወይ “ምዉታን በዚሖም” ኣይትበል።
  4. ኣብ ጽሑፍ፣ ዝተፈላለዩ ቅጽላት (adjectives) ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ነቲ ክትብሎ ዝደለኻ ክገልጸልካ ዘይክእል ቅጽላት ዘይምጥቃም ይምረጽ። እዚ ክብል እንከሎኹ፣ ንሓደ ዘሰንብድ ነገር ክትገልጽ እንዳፈተንካ፣ “ኣዝዩ የፍርህ” ኢልካ ካብ ኣብ ጽሑፍ ምግላጽ፣ ነቲ ኩነት ግለጾ እሞ፣ ብጽሑፍካ ከምዘፍርሃና ግበሮ። ሓጎስ፡ ደስታ እንተኮይኑ’ውን ተሓጐሶም ስሒቆም ካብ እትብል፣ ነቲ ዘስሕቕ ኩነት ገሊጽካ፣ በቲ ጽሑፍ ክንስሕቅ ግበረና፣ ወዘተረፈ። ስለዚ ብዙሓት ቅጽላት ኣብ ጽሑፍ እንጥቀመሎም ከም እኒ፣ ዘገርምዘሰንብድዘጽልእዉቁብ፡ . . . ካልኦት ከምዚኦም ምጽሓፍ፡ ነቲ ብጽሑፍካ ከተረድኦ ዝግብኣካ ንኣንባቢ፣ ነቶም ቃላት “በጃኹም ጽሑፈይ ግለጹለይ” ከም ምባል እዩ።
  5. ነቲ ሒዝኻዮ ዘሎኻ ዛዕባ፡ ዘይበቅዕ ዓበይቲ ዝኮኑ ቃላት ዘይምጥቃም። “ኣዝዩ ብዙሕ” ክትብል እንዳከኣልካ “መቁጸሪ ዘይብሉ” ወይ “እልፊ” (infinitely) ዘይምባል ይምረጽ። ምኽንያቱ ነቲ ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ፣ መቁጸሪ ዘይብሉ ዝኮነካ ነገራት ንምግላጽ ቃላት ክትስእን ኢኻ።

(መወከሲ ሓሳብ ካብ Letters to Children, letter from June 26, 1956. Quoted in Wayne Martindale and Jerry Root in The Quotable Lewis, p. 623.)

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply