እንታይ ይስምዓካ ኣሎ፧

ዝስምዑና ስምዒታት ብኸመይ ንልክዖም፧

እቲ ዘማሪ ኣሳፍ ኣብ መዝሙር 73፡25-26 ከምዚ ብምባል ኣእወየ፣

ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።

ካብዚ ንላዕሊ ክገልጾ ዝኽእል ቃላት ዘሎ ኣይመስለንን። ኣዝየ እየ ዝግረም፣ ነዚ ኣሳፍ ዝብሎ ዘሎ ቃላት ምእማኑ ኣጸጋሚ እዩ። ንዓኻ እንተረኺበ፣ ምንም ዝደልዮ የብለይ እዩ ዝብል ዘሎ። ሓቀይ፧ ጌሌና ኣሳፍ ስለ ዝበሎ፡ ንብሎ፡ ንደጋግሞ፣ ብኣንጻሩ ድማ ገለ ነገር ደሊና ክንሰናኸል እንርአ ሰባት ኢና።

ግና፡ ኣሳፍ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም እቲ ዝለዓለ፡ ዝበለጸን ዝዓሞቀን ጥብቑ ብዝኾነ ተመኩሮኣዊ ዝምድና ምስ እግዚኣብሄር፣ ከም ክፍሊ ናይ ውሽጣዊ ድሌቱን ናፍቀቱን ምስ ፈለጦን፣ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ብሉጽ ዝብሃል እንናፍቆን ሃረር እንብሎ ነገራት ዓለም ንእግዚኣብሄር ከወዳድሮን፡ ሓለፋ እቲ ብስምዒቱን ኩነተ ልቡን ክገልጾ ዝኽእል ምዃኑ የርእየና። ጐይታ የሱስ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡

ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ” (ማቴ 13፡44)

ኣብዚ ክፍሊ ድማ ጐይታ የሱስ ዝበሎ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ጐይታ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ ልክዕ ከም ዝተሓብአ መዝገብ እሞ፣ ሰብ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ፡ ዝገዝኦ ግራት ኣይኮነን ዝብሎ ዘሎ። ካብዚ መግለጺ ዝዓበየን ዝበለጽ ምዃኑ እዩ ዝነግረና ዘሎ። ሰባት፡ ነገራቶም ክሸጡን ክልዉጡን ይኽእሉ ይኾኑ። ደቂ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሃቀና ተቀሲቦም ክንዲ ዘኽፈለ ዋጋ እንተኣኽፈሎም ብዙሕ ዋጋ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም። ግና ነቲ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ምንጪ ዕጋበት ዝኾነ መዝገብ ክረኽብዎ ኣይተኻእሎምን ዘሎ። ነቲ ንነፍሲ ሰብ ከዕግባን ከዕርፋን ዝኸኣሎ፣ ጐይታ የሱስ ጥራይ ምርካብ እዩ፣ ምንጪ እቲ ኩሉ ዕጋበት ውሽጢ።

ሓጎስ ጐይታ፡  ንሱ እዩ ምንጪ ኩሉ ነገር። ጐይታ የሱስ ናቱ ብዝኾነ ሓጎስ ንኩሉ ነገርና ምላሽ ሂብሉ እዩ። ኣሕዋተይ፡ ኣብ ህይወትና ሓጎስ ዝኾነና ነገራት ኩሉ፡ ካብ ህይወትና እንተዝጠፍእ፣ በልዎ ሓዳርና እንተዝውሰድ፡ ዘሎና ንብረትን ጥሪትን ኩሉ እንተዝጠፍእ፡ ትምህርትና፡ ገንዘብና፡ እንእመኖም ፈተውትና፣ . . . ኮታ ኩሉ ኣብ ከባቢና ዘሎን ዘየሎን፡ እንደልዮን እንምነዮን እንተዘይህሉ። ኩሉ እስኺ ይጥፋእ። እንታይ ይስምዓካ/ኪ፧ – ግና፣ ጐይታ ኣሎና። የሱስ ኣሎና። ንሱ ኣብ ቦትኡ ኣሎና።

ሎሚ ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ ክርስትያናን ክርስትያናት ኢና በሃልትን፣ ነዚ እንብሎ ዘሎና ዘየቛጽሩን ዕሽነት ዝመስሎምን ብዙሓት እዮም። እዚ ስምዒት እዚ የብሎምን። እዚ ግና ውሳኔ እዩ። እዚ ናይ ህይወት መትከልን ናይ መነባብሮ መርሖ ፍኖትን እዩ። እዚ ግቡእ ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ክገብሮ ዘለዎ እዩ። እዚ ዝገብር ሰብ እቲ ቅኑዕ ነገር ዝገብር ሰብ እዩ። ስለዚ፣ ብመሰረት እዛ ኣብ ላዕሊ ሒዝና እንዘራረበላ ዘሎና መዝሙር ዳዊት እንታይ ምገበርካ፧

እቶም ቀዳሞት ኣቦታት እምነት፡ ንእግዚኣብሄር ዘኽብርሉ መገዲ፡ ብእግዚኣብሄር ልዕሊ ማንም ካልእ ነገር፡ ብእኡ ብምፍሳህ እዩ። እስኺ ሓንሳእ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣብዚ ኩነት እዚ ሰኣላ፣ ዓርክኻ፡ ብጻይካ፡ ፈታዊኻ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣሎ። ሓደ ነገር ድማ ኣጸቢቕኻ ተፈልጥ ኣሎኻ፣ እንተደኣ ከይድካ በጺሕካዮ፡ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ከም መግቢ ካልእ ድማ  እንተ ኣብጺሕካሉን፡ ካልኦት ድማ ክትበጽሖ እንከሎኻ እንተሪኦምኻ፣ ከም ሓደ፡ ከም ከምኡ ድማ ከቁጽረካን ኣብ ካልእ ሽግር ከእትወካን እዩ። መን ምሃበ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነዚ ብርሃን እንተዘብሃልና፦

ዚሐይሽዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዓገስኩም።  እብ 10፡34

እቲ ሰማያዊ መዝገብ ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ሓጎስን ደስታን ምስ ሕብረት ኣሕዋት እዩ። ስለዚ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክድርብዩና እንከለዉ፡ እንታይ ኮን ምሓሰብና፧ ነቲ ዝተኣርነበልና ሓጎስን ናይ ዘልኣለም ሓጎስን’ዶ ምሓሰብናስ፡ ወይስ ነቲ ናይ ምድሪ ብዘይ ወኪል ዝገደፍናዮ ገዛና፧ ገንዘብና፧ ንብረትና፧ ነቲ መንግስቲ ዝወርሶ ምድራዊ ነገራትና ምሓሰብና፧ እቲ ጽሑፍ ግና እቶም ናይ እምነት ኣቦታትና፡ እንዳተሓጎሱ እዩ ዝብለና። ኣብዚ ዘመን ሎሚ ዘሎና ክርስትያናት’ከ፧

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ይገብሩ ኮን ነይሮም ይኾኑ፧ እንታይ ኮን ይዝምሩ ነይሮም ይኾኑ፧ ኩሉ ነገሮም ንድሕሪት ምስገደፉ፧ ንሳቶም፣ ነቶም ኣብ ቤት-ማሕቡሳት ዝነበሩ ኣሕዋቶም ኣሓቶምን ብምባል፡ ምብራስ ገዛውቶም እናረኣዩ፡ ምውራስ ንብረቶም እናተፈለጦም፡ ብዙሕ ዓመታት ዘጥረይዎ ገንዘቦም እናጠፍአ፣ ምፍቃሮም ኣየቛረጹን። እቶም ሰቀይቶም እዃ፡ እንተ ኣናሸውዎምን እንተ ኣፋጦጥሎምን፣ ብሰንኪ ክርስትንኦምን እምነቶምን መከርኦም እንተበዝሐን፣ እንታይ ኮን ነይሩ ይኸውን መዝሙሮም፧

ምናልባት ከምዚ ነይሩ ይኸውን መዝሙራቶም፡ “ምድራዊ ነገራትን ስጋን ይትረፈኒ፡ ካባኻ ከይፈልየኒ፣ ይኺድ ይጠንጥነኒ ይሕደገኒ” ዝብሉ ይኸውን። ካብ ናይ ማርቲን ሉተር ካብ ዝነበረ መዝሙራት “ሓያል ዕርዲ ንሱ እዩ ኣምላኽና” ዝብሉ መዝሙራት ከምዝነበሮ ይንገር። ምናልባት ናይ ማርቲን ሉተር ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዝነበረ መዝሙራት እዩ። እቶም ቀዳሞት ናይ እምነት ኣቦታት ግና እንታይ ኮን ይዝምሩ ነይሮም ይኾኑ፧ ምናልባት’ዶ እዚ ነይሩ ይኸውን መዝሙሮም፡

ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧

ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። 

ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣

ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።

“ዘሎኒ ኩሉ፡ ዝውንኖን ዘጥረክዎን ገንዘበይ፡ ንብረተይ፡ ገዛይ፡ መኪናይ፡ ምናልባት ኮምፒተረይ፡ መደባተይ፡ መጽሓፍተይ፡ ኮነ ካልእ ነገራተይ ክጠፍእን ክበላሾን ይኽእል እዩ። ግና  ኣምላኸይ ንዘልኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።” እዚ እዩ መዝሙር ኣማኒ ክርስትያን፡ ናይቲ ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን ዝማሬ እዚ እዩ። ምናልባት እዚ ጽላለ ክመስል ይኽእል እዩ። ስለ ዘይበጽሓካ’ውን ከብሃል ይኽእል እዩ። ግና እቲ ዓብዪ መጽሓፍ፡ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ  እዚ እዩ ዝምህረናን ዝነግረናን። እዚ እዩ ድምጽን ደሃይን ክርስትያናት ክኸውን ዘለዎ። ማሕበራትን ቤተ-እምነታትን እዚ እየ ክእውጃን ኣዳራሻተንን ክመልኣ ዘለወን።

ኣብ ውሽጢ ስምዒት ወዲ-ሰብ ዘሎ እምበኣር ክብሪ እግዚኣብሄር እዩ። እንተደኣ ብእግዚኣብሄር ዘይትፍሳህን ባህ ዘይብላን ነፍሲ ሃልያትካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይተኽብር ኢኻ ዘሎኻ። ምኽንያቱ  ብእግዚኣብሄር ዝያዳ ኣብ እትፍስሃሉ እዋን፣ ዝያዳ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወት ይኸብር ስለዝኾነ። ነፍሲ ሰብ፡ ልዕሊ ክብሪ እግዚኣብሄር ሃረር ምባል ካልእ ናይ እግዚኣብሄር ብዝኾነ ነገራት ሓጎስ ኮነ ደስታ ክትረክብ ኣይትኽእል እያ። እዚኣቶም ክልቲኦም፣ ማለት ብእግዚኣብሄር ምፍሳህን ብናይ እግዚኣብሄር ምፍሳህን ኣገደስቲ ነገራት እዮም። ክልቲኣቶም ብሓደ ምስ ዝገጥሙን ኣብ ህይወትና ትንፋስ ክዘርኡን ነፍስና ትዓርፍን ብኣምላኽ ምድሓንና መጀመርታ ክንፍሳህ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ደስታ ነፍስና ተስተርሁን እያ። ምኽንያቱ ናይ እግዚኣብሄር ሃረርታ ኩሉ ግዜ ክብሩን መጎሱን ክገንን፡ ካብቲ ጽባቐ ውቃቤኡን ሓጎስ ገጹን ድማ ኩሉ ግዜ ንነፍስና ክትዓግብን ክትፍሳህን እዩ። በዚ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንበይኑ ንሱ ጥራይ ዝደልዮ፡ ክብርን መጎስን ንሱ ይኸብር፣ ንሕና ድማ ንኽብሩ ብምፍጣርና ንዕኡ ነኽብር።

“ብእግዚኣብሄር ዘይትፍሳህ ነፍሲ፡ ንእግዚኣብሄር ዘይተኽብር ነፍሲ እያ”

ነፍስና፡ ነዚ ናፍቆት እግዚኣብሄርን ክብሩን እትናፍቕን እትጸምእን ክትከውን ኣለዋ። እዚ እንብሎ ዘሎና ማንም ሰብ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ክገብር ዝኽእል እቲ ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን ጥራይ እዩ። እዛ ናይ ኣሳፍ መዝሙር እምበኣር እተረድኣና ነገር እንተሃልዩ፡ ናይ እግዚኣብሄር ክብሪ፡ ኣምልኾን ንእግዚኣብሄር ኢልካ ምንባርን ማዕረ ክንደይ ንጥዕና መንፈሳዊ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳስን መሰረታውን ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ስምዒታትና እንተታት ኣይኮኑን። ኣብ ውሽጢ ኣብ ነፍስና ዝስምዓና፡ ኣማራጺ፡ እንተደሊና እንገልጾ እንተዘይደሊና እንሓብኦ ኣይኮነን። ስምዒታትና ቁልፍን መሰረታዊ ጥዕና መንፈሳዊ ህይወትናን ህይወትናን እዮም። ሎሚ፣ ዝተሰምዐ ተሰሚዑና፡ ስምዒታትና እንዳ ኸወልና እንነብረሉ ዘሎና ህይወት፡ “እቲ ናይ ደገ ደኣ እምበር፡ በቲ ውሽጠይ መን ከይፈልጠኒ” ዝብል ሰንኮፍ ናይ ኣተሓሳስባ ኣምር እዩ። ንብዙሕ መንፈሳዊ ህይወትና መዋጥራትን መፈንጥራታትን ኣእትዩ ካብዘሎ ነገራት ድማ እዩ። ውሽጣዊ፡ ዝስምዓና ስምዒታት ከይፈታሕና ርጡብ ዕቤት ኮነ ለውጢ፣ ከም ቤተ-ክርስትያን፡ ሃገር፡ ሕብረተ-ሰብ ከነምጽእ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ምኽንያቱ፣ ናይ ስምዒት ጥዕና ደረታዊ (marginal) ኣይኮነን። ቀንድን ሕመረትን ህይወት ወዲ-ሰብን መንፈሳዊ ህይወትናን እዩ። ብዘይ ጥዑይ ስምዒትና፣ ውሽጥና ምምህማን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ደጋዊ ስጋዊ ህይወትና ዘምጽኦ ተኣምር የብሉን።

“እዚ ማንም ሰብ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ክገብር ዝኽእል እቲ ዳግም ዝተወልደ ክርስትያን ጥራይ እዩ።”

ስለዚ፣ ኣብ ውሽጢ ስምዒትካ ኣብቲ ናይ ሓቅን ቀንድን እንታይ ይስምዓካ ኣሎ፧

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply