ግዜ ኣምላኽ፣ ኣበር-ኣልቦ

“ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ (a well-timed) ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” እብ 4፡16

እዛ ናይ እንግሊዘይና ቃል (a well-timed God) እትብል፣ ኣብ ጽቡቕ ግዜ፣ ኣብ ምዱብ ግዜ፣ ኣበር-ኣልቦ፡ ኣብቲ ዘድሊ ግዜ፣ ኣብቲ ናይ ሓቂ ግዜ ተስምዕ እያ። ሓቀይና ግዜ – እግዚኣብሄር ኣብታ ናይ ሓቂ እተድልየና ግዜ፣ ኣብታ ጸበባና፣ ኣብታ ተወዲኡኒ እንብለላ ግዜ፣ ኮታ ኣብታ ግዜ እቲኣ ማለት እዩ። ኣብታ እተድልየካ፣ ኣብታ ዝደለኻዮ እዋን፣ ደቂቕ፣ ግዜ ሰዓትን ኣብኣ ይርከበልና። ስለዚ እዛ ናይዛ ጥቕሲ ሓሳብ፣ ክንደይ ኮን ዓብዩን ግሩምን ኣበር-ኣልቦ ዝብል ትርጉም ኣለዋ። ኣዝዩ ዘገርምን ጥዑምን ረድኤት ዝርከበሉ ዙፋን ኣምላኽ። ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ዙፋን ጸጋ ቀሪብካ፡ ምሕረትን ርሕራሔኡን ብምርካብ ኣብቲ ናይ ጸበባ እዋንና ረድኤት፡ ደገፍ ምርካብ እዩ።

“ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ኩሉ እነብረሉ እዋንን ግዜን፣ ኮታ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትና፡ ደገፍ ዘድልየናን ሓገዝ ዘድልየናን እዋን ብዙሕ እዩ። ሰብ ከም ሰብ፡ ሎሚ ኣሎ፡ ትማሊ ኣብ ህይወት ነይሩ ንጽባሕ ድማ ክነብር እየ ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ስለዚ ድማ ንዝሓለፈ ምዕቃብ: ምንቃፍን ሓድሽ ምፍጣርን ህይወት ወዲ-ሰብ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ክርስትና ድማ ከምኡ – ንዝሓለፈን ዘሎ ርኢኻ፡ ሓሊፍካ ንመጻኢ ተማዕዱ ኢኻ። ድሕሪ ገለ እዋን፡ ወይ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ወይ ድሕሪ ገለ ዓሰርተ ዓመታት እንዳበልና ንሓስብን ንምድብን። ኮይኑ ድማ ብቁዓት ዘይምዃንና እንሓስበሉ እኩል ግዜ ኣሎና። ግና ብዛዕባ ዘይገበርናዮምን ዘይፈጸምናዮን ነገራት ኣንዳሓሰብና ብዛዕባ ዘይብቅዓትና ክንሓስብን ከነስተንትንን ግዜ ኣብ ዝረኸብናሉ፡ ናብ ጸሎት ደኣ ንደፋእ።

ጸሎት ሓደ ናይ እምነት መገዲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልትና ምስ እግዚኣብሄር ኣራኺቡ፡ ብቑዕ ጸጋ ኣዕጢቁ ንጽባሕ ንከነገልግል ሓይሊ ዝህበና እዩ። ግዜ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ድማ ንጸሎት እንመጸሉ ግዜ።

ጸጋ ካብቲ ቅቡል ግዜ ቀዲሙ ወይ ደንጉዩ ግዚኡ ከይሓለወ ኣንተዝወሃበና እንታይ የጋጥም፧ ብልምዳዊ ኣተራጉማ እዚ ናይ እብራውያን ክፍሊ ክንትርጉሞ ክንሰምዖ እንኰሎና፡ ነቲ ክቡርን ንጹርን ኪዳናዊ ተስፋ ናይዚ ቃል ብዙሕ ግዜ ኣይስተውዓለሉን እዩ። ነዚ ንምስትውዓል ድማ ቃል ብቃል ምትርጓሙ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣዩ። ኣብዛ ጥቅሲ ዘሎ ተስፋ እቲ “ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ” ጥራይ ዝብል ዘሎ ቃል ኣይኮነን፣ ግና እቲ ጸጋ ኣብ ምዱብ ግዜ እግዚኣብሄር፣ ብግዜ ኣምላኽ፣ ብምዱብ ግዚኡን ስለ ዝርከብ እዩ።

እቲ ናይ ጸሎትና ቀንዲ ነጥቢ እምበኣር፡ ነቲ ንቀጻሊ ህይወትና ዝኾነና ጸጋ እንረኽቦ ብግቡእን ምዱብን ግዜ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ። እዚ ጸጋ ኩሉ ግዜ እንቅበሎን እንረኽቦን ካብ “ዝፋን ጸጋ ” ብምዱብ ኣብታ ናይ ሓቂ ግዜ እዩ። እዛ “ዝፋን ጸጋ ” እትብል ሓረግ፡ እቲ ጸጋ ካብቲ ንጉስ ኩሉ ጽንፈ-ለክን ኣድማስን ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ እቲ ንሰዓትን ግዜያት ገደብ ዝገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ ወናኒ ኩሉ ስልጣናን ዝመጽእ እዩ። “ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።” ግብ 1፡7

ግዜ እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ፣ ኣበር ኣልቦ እዩ። ናትና ናይ ደቂ ሰባት ግዜ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ሽሕ ዓመት አብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፣ መዝ 90፡4 ። ብኩሉ ሸነኽ፡ ኣብዛ ዓለም ኮነ ኣብ ኩሉ ህዋን ጽንፈ-ለክን፡ ንሱ ግዜ ይምድብ፡ ንሱ ንህዝብን ህዝብታትን ብመቁነን ግዜ ይልክዕን ይምድብን (ግብ 17፡26)። ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ህይወት’ውን ከይተረፈ “ዕለታተይ ኣብ ኢድካ [ኢድ እግዚኣብሄር]እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ። ” መዝ 31፡15።

ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝገጥመናን እንኾኖን ክንሓስብ እንከሎና፡ ኣብ ሓሳብና ኩሉ ግዜ ክመጽእ ዝግብኦ “ዝፋን ጸጋ” እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ህይወትና ንናይ እግዚኣብሄር ዓላማን ንጸጋ ኣምላኽን ንክዕንቕፍ ዝመጽእ ምንም ነገር የለን። ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ ኩሉ ግዜ ብግቡእን ምዱብን ግዜ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply