ነዛ ዘመን ፍለጥዋ

መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ ይብለና፣ ግርርርርርርም ዝብል ኮይኑ ድማ ረኺበዩ። ምኽንያቱ፡ ካብዛ ጥቕሲ ዝተላዕለ ብዙሕ ሕቶታት ቅጅል ቅጅል ስለ ዝበሉኒ እዩ።

ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ እትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።(ሮሜ.13፣11-14)።

ብልክዕ መጽሓፍ ቅዱስ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ዘመናት ንግዜ ከም መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ ይነግረና እዩ፡ ብጭቡጥ’ውን ርኢና ኣሎና። እግዚኣብሄር ቅድመ-ዘመናት ዝነበረ፡ ዘሎን ዝነብርን ከምኡ’ውን ብዙሕ ዘመናት ዘሕለፈን ኣምላኽ እዩ። ግና ንዘመናትን ንግዜን ድማ ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ እዩ። ስለዚ ድማ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተጻሒፉልና እንረኽቦ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከይተረፈ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ «ግዜይ ኣይበጽሐን»፣ «እቲ ምዱብ ግዜይ ምስ በጽሐ»፣ እናበለ ብተደጋጋሚ ከምዝገለጸ ንረክብ ኢና (ዮሃ.7፣6 ፣ 7፣30 ፣ 8፣20 ፣ ሮሜ.9፣18-19 ፣ ገላ.4፣4-5)። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ መጽሓፍ ቅዱስና፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንግዜ ብግቡእ ከምዝርእዮን ነቲ ግዚኡ ዘይጥቀም ድማ ከምዝዝልፎን ይነግረና እዩ።

ኣብዛ ኣልዒልናያ ዘሎና ዛዕባ ግና ግዜና ከነለልን ክንፈልጦን እትምህር እያ። ምኽንያቱ እቲ ብመጀመርታ ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ ምድሓን እዩ፣ ብምቕጻል ድማ እቲ ክግለጽ ዘለዎ ምሉእ ምድሓን እዩ። ትማሊ ንሎሚ ፍልጠት ከም እተሕልፈላ፡ ንሕና ድማ ካብ ትማሊ ሎሚ፡ ካብ ሎሚ ድማ ጽባሕ ዘመንና ንምፍላጥ እንተግህ ሰባት ክንከውን ይግብኣና።

ስለምንታይ ዘመንና ምፍላጥ ኣድልዩና፧

እንሆ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ቀሪባ ኣላ ኢሉ፣ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ። ዘለናዮ ዘመን ምፍላጥ፣ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ነገር ንምልላይ ኣዝዩ ዝጠቕም ነገር እዩ። ከምቲ ንሓደ ሰብ፡ ግዜ መሪጽና ባህ ዘብሎን ዘየብሎን እነለለዩ፣ ከምኡ ድማ ንግዜ እግዚኣብሄር ከነለሊ ይግባእ። እዚ ምፍላጥና ንኣምላኽ ባህ ናብ ዘብል ኣነባብራ ክመርሓና እዩ እምበር፡ ዘመንና ንስለ ምፍላጥ ጥራይ ክኸውን ኣይኮነን። በጺሕናዮ ዘለና ዘመን፡ ቴክኖሎጂ ብምዕባለ ኣብዝሕንበበሉ ዘሎ እዋን፡ በቲ እንሰምዖን እንርእዮን ብዛዕባ መወዳእታ ዘመን ዝወሃብ ትንታኔታትን ትምህርትታትን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ጳውሎስ ኣብዛ ሮሜ ዘላ መልእኽቱ፣ ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ግዜ ኣዝዩ ናባና ከም ዝቐረበ እዩ ዘዘኻክረና ዘሎ። ግና ንምንታይ ዘመንና ምፍላጥ ኣድልዩና፧

  1. ካብ ድቃስና ንኽንበራበር

እዚ ክፋል ጽሑፍ ናይ ሮሜ መጀመርታ ዝነግረና ካብ ድቃስ ክንበራበል ከምዘሎና እዩ። እንታይ እዩ እቲ ድቃስ፧ ድቃስ ንኩሉ ሰብ ዘድልዮ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ድማ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እዩ። ግና ሰብ እንተ ደኣ ደቂሱ ብህይወት እንከሎ ኣብ ትሕቲ-ዉኖ (subconscious) እዩ ዝኸውን። ዝኾነ ነገር ኣይሓስብን፡ ዝኾነ ነገር ኣይገብርን፡ ኣይንቐሳቐስን፡ ኣይበልዕን ኣይሰትን ኮታ ዝኾነ ነገር ኣይገብርን እዩ። ብርግጽ ድቃስ ንኹሉ ሰብ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ፣ ሰብ ድማ እንደገና ሓይሉ ተሓዲሱ ንክሰርሕ ይሕግዝ እዩ። ንስጋ ኣገድሲ እዃ እንተኮነ፡ ንመንፈስ ግና ድቃስ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኩሉ ሳዕ ንቑሓት ክንከውን እዩ ዝነግረና። ዘመንና እንተደኣ ፈሊጥና ዝነቓሕና ሰባት ኢና እንኸውን። ሰብ ካብ ድቃስ እንተ ተባራቢሩ ስራሕ ንምስራሕን ነገራት ንምግባርን ንጡፍ ከምዝኸውን፣ ከምኡ’ውን ንሕና ካብ ድቃስ ዝተበራበርና ሰባት ኮይንና፡ ሓቂ ንምፍላጥ እንጽዕር፣ በቲ እተገልጸልና ሓቂ እንነብር ክንከውን ኣሎና። እዚ ዘለናዮ ዘመን ካብ ድቃስና ተበራቢርና ሓቂ ንምፍላጥ እንጽዕተሉ፡ ብሓቂ እንነብረሉን ንሓቂ’ውን ደው እንብለሉ ግዜ እዩ። ስለዚ፣ – ነቲ ሓቂ ትፈልጦ’ዶ ኣሎኻ፧ ነቲ ሓቂ’ኸ ትነብሮ’ዶ ኣሎኻ፧ ነቲ ሓቂ’ኸ ደው ትብለሉ’ዶ ኣሎኻ፧

ነዚ ሕቶታት ብብሕትና ክንምልሶ ግቡእ ይመስለኒ፡ ግና ሎሚ ኣብቲ ሓቂ ደው ምባልን ጸኒዕካ ምቅጻልን ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነሉ እዋን ኢና ዘሎና። ምኽንያቱ እዋኑ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ዝመረጸሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓቂ ኮይኑ ዝተራእዮ መገዲ ዝኸደሉ ዘመን እዩ። እቲ ሓቂ ግና፣ ሓደ ንሱ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ። እዚ ናይ እግዚኣብሄር ሓቂ ድማ ጸኒዕና ደው ክንብለኑ፡ ካብ ድቃስና ነቂሕና ዘመንና ከነለሊ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ግዜ ሓጺር እዩ፣ “. . . እቲ ግዜ ቀረባ እዩ እሞ፣ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፣ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፣ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፣ እቲ ቅዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ፣ . . .” (ራእ.22፣10-11)። ስለዚ እዚ ቃል’ዚ ዝፍጸመሉ ዘመን ይመስል እሞ፡ ካብ ድቃስና ንበራበር።

  1. ግብሪ ጸልማት ምድርባይ

ዘመንና እንተፈሊጥና እቲ ካልኣይ እንነቅሓሉ ነገር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ምድርባይ እዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ ካብ ስልጣን ጸልማት ኣውጺኡ ናብ መንግስቲ ፍቁር ወዱ ከም ዘእተወና ይነግረና እዩ (ቆሎ 1፣13)። ካብ ስልጣን ጸልማት ሓራ ወጺእና፡ ኣብ ዘይተበራበረ ህይወት ንነብር እንተሃሊና ግብሪ ጸልማት ክንገብር ንኽእል ኢና። ንስልጣን ጸልማት ብወዱ ብክርስቶስ የሱስ ኣብ መስቀል ገፊፍዎ እዩ፡ ግና ንግብሪ ጸልማት ካብ ርእስና ምድርባይ ናትና ግደ እዩ። ሚዛን ኣመንቲ ሚዛን ዓለም ኣይኮነን እሞ፣ ንኩሉ ነገር ብኣዒንቲ እግዚኣብሄር ክንርእዮ ይግባእ። ሞራላዊ መዐቀኒና ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣዒንቲ ልቦናና ኣብሪሁ ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ክንርእዮ እዩ። ምኽንያቱ ጳውሎስ ኣብዚ ግብሪ ጸልማት ደርብዮ ክብል እንከሎ ክንድርብዮ ዘሎና ነገር ዘርዚርዎ ኣሎ። ገለ ካብቲ ክንድርብዮ ተነጊሩና ዘሎ ግብሪ ዘልማት ሎሚ ብብዙሓት ኣመንቲ «እንታይ ኣለዎ!» ዝበሃል ነገራት እዩ። ጓይላ፡ መስተ፡ ምንዝርና፡ ዕብዳን፡ ባእሲ፡ ቅንኣት . . .ወዘተረፈ፣ ካብ ህይወትና ክንድርብዮ ዘሎና ግብሪ ጸልማት እዩም።

እምበኣር ሎሚ ንኣምላኽ እንፍለየሉ፡ ዘመንና እንፈልጠሉ፡ ግብሪ ጸልማት እንድርብየሉ ግዜ እምበር፣ «ከምዚ/ከምቲ ምግባር እንታይ ኣለዎ፧» እንብለሉ ግዜ ኣይኮነን። ዘመኖም ዝፈልጡ ሰባት፣ ግብሪ ጸልማት እንዳገበሩ ንኸይርከቡ፡ ኩሉ ሳዕ ርእሶም ብቃል ኣምላኽን ብመንፈስ ኣምላኽን ዝምርምሩ፡ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዝረኽብዎ ግብሪ ጸልማት ድማ ዝድርብዩ እዮም። ግብሪ ጸልማት ምድርባይ ጥራይ ዘይኮነ ግና ኣጽዋር ብርሃን ምልባስ’ውን እዩ። ኣጽዋር ብርሃን ምልባስ ንክርስቶስ ባዕሉ ምልባስ እዩ። ንክርስቶስ ኣብ ምልባስ ድማ እቲ ወሳኒ ነገር ብቅንዕና ምምልላስ እዩ። ንክርስቶስ ምልባስ ንሱ ኣብ ህይወትና ክርአ፡ ኩሉ ሳዕ ንእግዘኣብሄር ባህ ዘብል መገድን ፍቃዱ ምፍጻምን እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ናብራ፣ ምንባር። ነዛ ዘመን ፍለጥዋ፣ . . . ንፍቓድ ኣምላኽ ምልላይ፡ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ምግባሩ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.