ዕዮ ገዛኻ ምፍላጥ

ኮታ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ዝኽዕነ ዓይነት ዕዮ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ነቲ እትዓዮን እትገብሮን ዕዮ ምፍላጥ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ። ናይ ሎሚ ሓሳበይ ብሕጽር ዝበለ ዛንታ ክጅምሮ።

ሓደ እዋን ብሃንደበት ኣብ ሓደ መገዲ፡ ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ጎፍ ንጎፍ ምስ ሓንቲ ዓባይ ኣደ ይራኸባ እሞ፡ እታ ንእሽተይ ጓል ድማ ነተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ከምዚ ብምባል ሓተተተን

ንእሽተይ ጓል፡ ኣደይ ዓባይ እዛ መገዲ ናበይ እያ እትወስድ፧ ኢላ ሓተተተን

ኣደይ ዓባይ፡ ጓለይ ናብ ዝኾነ ዝደለኽዮ! በልኣ

እዛ እዘን ኣደ ዝመለስኣ መልሲ ትገርም ምላሽ እያ፣ ምኽንያቱ ሓንቲ መገዲ ናብ ዝኾነ ክትወስደካ ትኽእል ኢያ፣ እዩ እቲ ኣበሃህላ። ግና ንሓሳባትን ንነገራትን ብህያሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking) ክንጥምቶምን ክንግንዘቦምን ግቡእ እዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ሓንቲ መገዲ ከመይ ኣቢላ እያ ናብ ዝኾነ ትወስደካ፧ ስለምንታይ እታ መገዲ ሓንቲ ክንሳ ናብ ዝተፈላለየ ትመርሓካ፧ ሓንቲ’ዶ ኣይኮነትን፧ እንታይ ድኣ እሞ ናብ ዝደለኻዩ እተብጽሓካ፧ . . . ከምዝን ካልእን ብዙሕ ሕቶታት ከነልዕል ግቡእ ይመስለኒ።

ዕዮ ገዛኻ ምፍላጥ እንታይ ማለት እዩ፧

እዘን ኣደ፡ ናበይ ትወስድ እዛ መገዲ ምስ ተባህላ፡ ናብ ዝኾነ ክብላ እንከለዋ፣ ሓደ ነገር ዘስተውዓላ ይመስላ። እዚ ዘበለኒ ድማ እዛ ንእሽተይ ጓል፡ ብመጀመርታ ዝሓተተቶ፡ ሕቶ ናበይ ኣቢላ ከም እትጓዓዝ ስለ ዘይፈለጠት እዩ። ብእኡ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን፡ መልሲ ናይተን ኣደ ናብ ዝኾነ ዝደለኽዮ ዝበላ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ክኸይድ ምስ ዝደሊ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ። እዛ ንእሽተይ ጓል ግና ናበይ ከም እትኸይድ ስለ ዘይፈለጠት፣ ነዘን ኣደ ናበይ ከምእተኽይድ እታ መገዲ እትሓተን ዘላ።

እምበኣር፡ ሓደ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተዘይፈሊጡ፡ ኣበይ ከምዝበጽሕ፡ ኣበይ ከምዝዓልብ፡ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ ህይወቱ ድማ ከም ብንፋስ፡ ብዘይ ዓላማን ብዘይ ገለ ኣምርን ብሃውሪ እያ እትጓዝ። ግና እዚ ብዘይ ዓላማ ወይ ከም ብንፋስ ምጓዓዝ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኮነን። ብዘይ ዓላማ ምንባር’ውን ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ስለዚ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ክሓቶ ዘለዎ ናይ ህይወት ሕቶ እዩ።

ሓደ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተዘይፈሊጡ፡ ኣበይ ከምዝበጽሕ፡ ኣበይ ከምዝዓልብ፡ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን እዩ

ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ «ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ . . .» ምሳ 29፡18። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህቦ ሓፈሻዊ ዝኾነ ናይ ህይወት ዓላማ ከም ዘለዎ ይነግረና እዩ። እዚ እግዚኣብሄር ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዝሃቦ ናይ ህይወት ዓላማ ድማ ንውዳሴ ክብሩ ከም ዝፈጠረና፡ ኤፌ 15-6 «. . . ንውዳሴ ኽብሪ . . . ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።» ንእግዚኣብሄር ከነኽብሮን ከነመስግንን (ሮሜ 1፡21) ከምዝተፈጠርና ይነግረና። ኮይኑ ግና እዚ ሓፈሻዊ ናይ እግዚኣብሄር ዓላማ ወይ መደብ ካብ ኮነ፣ ናይ ነፍሲ-ወከፍና ዕዮ ገዛ ክንፈልጥ ድማ ግቡእ እዩ። እስኪ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንሕሰበለን፡ ካብ ምሕሳብ ሓሊፍና ድማ ኮፍ ኢልና፣ ነቲ እግዚኣብሄር ክንገብሮ ዝደልየና ዕዮ ገዛ ንጽሓፍ።

እግዚኣብሄር ንምንታይ ፈጢሩካ/ኪ፧

ንምንታይ ዓላማ ኣብ ምድሪ ትነብር ኣሎኻ/ኺ፧

እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ክትገብሮ/ርዮ ዝሃበካ/ ዕዮ ገዛ እንታይ እዩ፧

እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ክንነብር እንከሎና፡ እንገብሮ ኩሉ ብዓላማ ማለት ብመሰረት ዕዮ ገዛና ክንገብር እዩ ዝፈቱ። ዕዮ ገዛና ድማ ምስ እግዚኣብሄር ግዜ ብምውሳድን ድምጹ ብምስማዕ። ኣብ ናይ ብሕቲ ናይ ጽሞና ግዜ ብምሕሳብ፣ ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ናይ እግዚኣብሄር ኣጀንዳ ብምእታው ከነለልን ክንፈልጥን ይግባእ። ምኽንያቱ ዓላማ ምፍጣርና እንተፈሊጥና፡ ንምንታይ ዓላማ ከም እንነብር ክርድኣናን ክንነቅሓሉን ኢና። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተወሃበና ዕዮ ገይርና ድማ ከነስምሮ ኢና። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ናይ ምምጽኡ ዓላማ ዝፈልጥ እዩ ነይሩ። ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝተዋህቦ ኩሉ ዕዮ ፈጺሙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣቡኡ ኣስሚሩ ሓለፈ። ንሕና ድማ ዓላማ ናይ ህይወትናን ናይ ምንባርናን ምኽንያት እንተደኣ ተረዲኡናን ክንነብረሉ ጀሚርናን፡ እግዚኣብሄር ብእኡ ክሰምር እዩ። ኩሎም ኣቦታት ዕዮ ገዝኦም ምስ ገብሩ ጥራይ እዮም ንእግዚኣብሄር ኣስሚሮም። ዳዊት ንዓላማ እግዚኣብሄር ምስ ገበረ፡ ዕዮ ገዝኡ ወዲኡ ከም ኣቦታቱ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ግብ 13፡36 «ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ።»

እምበር እንበጽሖ ንኽንፈልጥ፡ እንጓዓዘሉ መገዲ ክንፈልጥ ይግባእ። ከምቲ እታ ንእሽተይ ጓል እትበጽሖ ዘይፈለጠት፡ እሞ ድማ እትጓዓዘሉ መገዲ ዘደናገራ፣ ከምኣ ክንከውን ስለ ዘይግባእ። ሎሚ ደው ኢልና ክንሓስብ ኣሎና። እንጓዓዘሉ መገድን እንበጽሖ ዓላማን ክንፈልጥ ይግባኣና እዩ። ዕዮ ገዛና ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

Zerisenai Berhane

Saved by the grace of Our Lord Christ Jesus, Zerisenai  (@zbsenay) is, somehow I call myself a writer, blogger, teacher of wihbet.com. Knowing Christ and growing under His feet humbly and with teachable heart.

Leave a Reply